ቃለ መጠይቕ ምስ ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ

2016-02-23 11:09:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5961 times

ሓርነት፡ ምእንቲ መጀመሪ ክኾነና፡ ሕጽር ዝበለ ድሕረ ባይታኻ ኣብ ቃልሲዶ ገለጽካልና?

ኣቶ መድሃኔ፡ ውድብ ሕዝባዊ ግንባር ኣብ 1994 ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤኡ፣ ካብ ውድብ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ድሕሪ ምስግጋሩን፣ ንነፍሱ እንኮ ፖለቲካዊ ሰልፍን ነባሪ መንግስትን ገይሩ ድሕሪ ምስያም፣ ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከብ ዜጋ ብዘይ ዝኾነ ካልእ ኣማራጺ ተመዝጊቡ ኣባል ናይቲ እንኮ ሰልፊ ክኸውን ናይ ኣስገዳድን ምትሕብባል ሜላታትን ከካይድ ከሎ፣ ዋላኳ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ኣፍብልጦ እንተዘይነበረኒ፣ ካብ 1992 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ሕጊ መጽናዕቲ ጀሚረ ክቅጽል ስለዝጸናሕኩ፣ ብዛዕባ ፖለቲካውን፣ ሰብኣውን መሰረታውያን መሰላት ናይ ሓደ ዜጋ ድሓን ዝኾነ ኣፍልጦ ቀሲመ ነይረ እየ። ነቲ ብሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ክካየድ ዝጸንሐ ግበታ ኩሉ ፖለቲካዊ ስልጣንን ምግሃስ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰል ዜጋታትን ሕልናይ ክቅበሎ ኣይከኣለ። እንተኾነ ኣብቲ እዋንቲ ዓገብ ንኽትብል ዕድል ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣነውን ንባዕለይ ኣብ ከምኡ ብቑዕ ኣይነበርኩን። እታ ክገብራ ዝነበረኒ ግን ዝመጸ ይምጻእ ኢለ ኣባል ካብ ምዃን ሓንጊደ ምትራፍ እዩ ነይሩ። ከም ዓለመይ ድሕሪ ምንዳፍን ምጽዳቕን ሃገራዊ ቁዋምን ምምስራት ቁዋማዊ ስርዓትን፣ ኣንፈት ሃገራዊ ፖለቲካናን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትናን ይቕየርን ይመሓየሽን ይኸውን ዝብል ተስፋ ክሳብ 2000 ዓመተ ምሕረት ኣብ ህይወተይ ምኹን ኣይነበረን።

 

እንተኾነ እቲ እንኮ ሓዳግን ገባርን ዝኾነ፣ መራሒ ሃገርን ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞራስን ፍትሕን ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፣ ዋላ ድሕሪ 3ይ ኩናት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውጺኢቱን እውን ከይተረፈ፣ ህልቂትን ምብትታንን ህዝቡን ምድፋር ልዑላውነት ሃገርን ከይዓጠጦ፣ ንህልውናን ቀጻልነትን ስልጣኑ ጥራሕ ኣድሂቡ ክሰርሕ ምስተዓዘብኩ፣ ተስፋ ከምዘይብሉ ተገንዚበ፣ ከም ሰበይ ናብ ሱዳን ገጸይ ኣምራሕኩ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ከሰላ ድሕሪ ምእታወይ ድማ ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ተባሂሉ ዝስመ ዝነበረ ተመዝጊበ፣ ኣብ ቃልሲ ንሃገራው ለውጢ እጃመይ ከበርክት ጸኒሐ፣ ካብ 2010 ንነጀው ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እየ።

ካብ 2008 ክሳብ 2015 ዘሎ ግዜ ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ከም ዋና ጸሓፊ ናይ ጨንፈር ኮይነ ኣገልጊለ። ካብ ነሓሰ 2013 ክሳብ ነሓሰ 2015 ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ናይ መንእሰያት ሓላፊ ኮይነ ሰሪሐ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2015 ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ድማ ኣባል ማእከላይ ሽማገለ ሰልፊ ተመሪጸ።አዚ መሰረት ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ክመርሕ ተመዚዘ ሃገራዊ ቃልሰይ ይቕጽል ኣሎኹ።

 

 ሓርነት፡ ፖሊሲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመንእሰያት ኣብ ዝምልከት ከመይ ትገልጾ?

 

ኣቶ መድሃኔ፡ ኣዝዩ ንጹር ፖሊሲ እዩ ዘለዎ። ኩሉ መንእሰይ ኣባሉ ኮይኑ ክቃለስ ጥራይ ዘይኮነስ፣ መንእሰይ ንሰብኣውን ሃገራውን መሰላቱን ግቡኣቱን ብዝምልከት ብቑዕ ኣፍልጦን ንቅሓትን ደሊቡ፣ ሃገራውነት ዝመሰረቱ ካብ ኣገልጋልነት ናጻ ዝኾነ ሓያል መንእሰያዊ ውደባ ፈጢሩ፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ንመጻኢ ዕድሉ ኣጸልሚቱ ዘሎ ስርዓት ብንቅሓት ክገጥሞ ይግባእ ኢሉ ይኣምን። ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ዘሎ ኩነታት እንተኾነ’ውን ርግኣት ኣብ ምስፋን ኮነ ሃገር ኣብ ምህናጽ መንእሰይ ተረካቢ ሕድሪ ኮይኑ ክርከብ ዝእምት ፖሊሲ እዩ ዝውንን። ነዚ ፖሊሲ’ዚ ንምትግባር ድማ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምስረታኡ ኣትሒዙ ንንቕሓት፣ ብቕዓትን፣ ውደባን ናይ ኣብ ሰልፊ ዘለዎ መንእሰያት ንምብራኽ ክሰርሕ ጸኒሑ። ንካብ ሰልፊ ውጻኢ ዘልዉ መንእሰያት ድማ ብሓፈሻ ንምክትታልን ዘድሊ ደገፍ ንምብርካትን ሓላፍነት ዝወስድን ንጉዳያት መንእሰያት ዝከታተልን ቤት ጽሕፈት ኣቁሙ ክሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን።

 

ሓርነት፡ ብመንጽር እዚ ተሳትፎ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሰደህኤ ድማ ብፍላይ ከመይ ኣሎ?

 

ኣቶ መድሃኔ፡ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሽኡ ክዛረብ እንተኾይነ ካብ ትዕዝብተይ ዝኣክል ተሳትፎ ኣሎ፣ ባይታ ኣንተተፈጢሩ ንኽሳተፍ ድልውነቱ ዘርኣየውን ማእለያ የብሉን። ንሱታፌ መንእሰያት ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታትን ሃዝባውያን ኣኼባታትን ተመልኪትካ ድማ ንሓቅነት ናይዚ ነገርዚ ክተረጋግጽ ትኽእል። ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ሓያለይ ካብዚኣቶም መንእሰያት ኣብ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ዘይተወደቡ እንክኾኑ ገሊኦም ድማ ፈርከስከስ ኣብ ዝበለን ነናቱ ጸገማት ኣብ ዘለዎ መንእሰያዊ ምንቅስቃሳት ተወዲቦም፣ ኣብ ክንዲ ንቅሓትን ተመኩሮን ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ዝዓብለሎ ኩነታት ዝርከቡ እዮም። ኣብ ተመኩሮን ንቕሓትን ዘየሰነዮ ሃገራዊ ስምዒት ትነብር እንተሃልኻ ግን ከምቲ ንኽትተኣኻኸብ ቀሊል ዝኾነ፣ ኣብ ሓደ ከይበጻሕካን ሓንቲ ከየፍረኻን ፋሕፋሕ ንክትብልን ንኽትገማማዕን እውን ቀሊል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ደምበ ተቃውሞናውን ርኡይ ኮይኑ ዘሎ ሓባራዊ ትዕዝብቲ እዩ።

 

ተሳትፎን ህልውናን መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብቲ ናይ ካልኦት ፖለቲካውያን ማሕበራት ብዙሕ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ብሓፈሽኡ መንእሰይ ኩሉ ነቲ ብገዳይም ተቃለስቲ ተመስሪቱ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕድመ ዘለዎ ውድባትን ሰልፍታትን ሰሚሩን ተዋሃሂዱን ብዘይምስርሑ ለውጢ ንኸምጽእ ኮነ ጥጡሕ ባይታ ሃገራዊ መቃለሲ ንምፍጣር ከምዘይበቅዕ ገይሩ ፈሪድዎን እዩ። ካብዚ ተበጊሱ ድማ መንእሰይ ካብ ኣብ ፍልልይ ዝነብር ውድባትን ሰልፍታትን ተወዲቡ ክቃለስ ኣብ ናይ ከምኡ ዝኣመሰለ መንእሰያዊ ምንቅስቃሳት ተሰሊፉ ክቃለስ መሪጹ ኣሎ። ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ካልኦት ፖለቲካውያን ማሕበራት ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን ክብል እኽእል። ከይጠቀስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ እንተርኢና ነቲ ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ንህዝቢ ኤርትራን ሰውራ ኤርትራን ጀብሃን ሻዕብያን ኣብ ዝብል መሳርዕ ከፋፊሉ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ፍልልያትን ቅርሕንትን ክነብር ዘገደዶ ጸሊም ተሪኽ ብስምምዕን ብሕውነታዊ ዘተን ፈቲሑን ዓጺዩን፣ ብናይ ክልቲኡ ወገን (ህዝባዊ ግምባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን) ኣዕኑድ ዝቆመን ዝተሃንጸን እዩ። ነዚ ብግቡእ ዝተዓዘበን ዝተረደአን መንእሰይ ኩሉ፣ ዋላ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይኮነ ካብ ክሊ’ቲ ሰልፊ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ሰለዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዋላኳ ኣብ ከርሱ ብዙሓት መንእሰያት እንተዘይሓቆፈ፣ ብመንእሰያት ዝተኸበ ሰልፊ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ሓርነት፡ ኣብዚ ዋንዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሳትፈኦም ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣይኮኑን ዝብሉ ብዙሓትእዮም። ኣብዚ እንታይ እትብሎ  ኣሎ?

 

ኣቶ መድሃኔ፡ ከምቲ “ነዳይሲ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል ካብ ክቱር ምረትን ንለውጢ/ዓወት ዘይተዓደለ ናይ ነዊሕ ግዜ ቃልሲ ዘስዓቦ ድኻምን ዝነቀለ፣ ብባህርይኡ ድማ መንእሰይ ሓያልን ውዑይን ስለዝኾነ፣ ስለምንታይ ነዲሩ ተላዒሉ ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ለውጢ ከምጽእ ዘይከኣለ ካብ ዝብል ትጽቢት ዝዝረብ ዘረባ ክኸውን ይኽእል። ኣነ ግን ብወገነይ ከምቲ “ናይ ኣቦ ንመን ነሃቦ” ዝበሃል፣ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ካብ ኣያታቶም ዘይወረስዎን ዘይተረከብዎን ተኣምር ኣይሰርሑን ኢልካ ምኽሳሶምን ምሕማዮምን ካብ ሓቅነት እውን ዝረሓቐ ኮይኑ ይረኣየኒ። ታሪኽ ፖለቲካና ተወኪሰ ንኽዛረብ እንተኾይነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1945ታት ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ንኸጽብብን ኣብ ሓደ ሃገራዊ መስመር ንኸመጽእን ዘካየዶ ጻዕርን ዝኸፈሎ ዋጋን ምስቲ ንሃገርን ህዝብን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዝተኸፍለ ዋጋ ኣዛሚደ ክርእዮ እንከለኹ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኩይኑ ኣይረኸብኩዎን። ካብ ኣብ ክልቲኡ ጻዕርታት ግን ሃገር ናጻ ኣብ ምግባር ዘካየድናዮ ቃልሲ ኢና ተዓዊትና ዘሎና እምበር፣ ባህሊ ፍትሕን ደሞክራስን ዝለበሰ ሓድነት ሃገርን ህዝብን ዝመሰረቱ ስሙር ሃገራዊ ፖለቲካዊ መስመር ኣብ ምምስራት ጋና ዘይተዓወትና ህዝቢ ኢና።

 

ገለ ኣበው እውን መንእሰይ 1960ታት ኣብ ምምስራትን ምሕያልን ሰውራ ኤርትራ ብዙሕ ቅያ ከምዝሰርሐ ብምጥቃስ፣ ነዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ምስኡ ብምዝማድ ናይ ሎሚ መንእሰይ ከም ልሙስ ገይሮም ክገልጽዎ ይፍትኑ። ኣብ መደረኦም ግን ነዚ ናይ ሎምን ነቲ ናይ 60ታትን ማዕረ ዕድላት፣ ሃዋህውን፣ ባይታን ከምዘይነበሮ ካብ ምሕባር ስለ ዝቁጠቡ ኣበሃህላኦም ፍትሓውነት ዝጎደሎ ክኸውን ይኽእል። ከመይሲ ኣብ ገዛኻን ኣብ ዓድኻን ኰንካን ብከባብን ብኣብያተ ትምህርትን ተወዳዲብካ ኣንጻር ካብ ደገ ዝመጸካ ጸላኢኻ ነዲርካ ገለ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል። ካባኻ ብዝቆመን፣ ናትካ ብዝኾነን ናይ ውሻጠ ጻላኢኻ ኣብ ሊዕሊ ዝኾነ ገዚፍ ኣካል ግን ዝኾነ ናይ ተጻብኦ ስጉምቲ ንኽትወስድ እቲ ዕድል ከምቲ ናይ 60ታት ኣይኮነን።

 

መንእሰያት ንስደት ምስ ኣምርሑውን ንናይ ናብራ ሕቶ ንግዝይኡ ኣወንዚፎም፣ ብቐጥታ ናብ ቃልሲ ተጸምቢሮም ንናይ ለውጢ ቃልሲ ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ገዳይም ተቃለስቲ ኣያታቶም ንቃልሲ ዝዕድም ጥጡሕ መቃለሲ ባይታ ኣይጸንሖምን። ካብ ዘይኮነ ድማ መንእሰያት ንሕቶ ህልውንኦምን፣ ሕቶ ናብርኦምን ቀዳምነት ሂቦም ክንቀሳቀሱን ንጉዕዞ ስደቶም ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክሳብ ናብ ምዕራባዊ ክፍሊ ዓለም ከቅንዕዎን ግድን ነበረ። ኣብቲ ውሑስ ዝኾነ ቦታታት ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ ግን፣ ምስቲ ከቢድ ናይ መነባብሮን ዘይምርግጋእን ኩነታት መንእሰያት ብጉዳይ ሃገሮም ካብ ምሽቃልን፣ በብዝመስሎም ተወዲቦም ዓቕሞም ካብ ምግባርን ዓዲ ኣይወዓሉን። ሓንትስ እቲ ናታቶም ውደባታት ሓድነት ዝሓለወ፣ ተመኩሮ፣ ብቕዓትን፣ ንቅሓትን ዘሰነዮ ኣይኮነን። እዚ ጎዲልዎ’ውን ናብቲ ናይ ኣያታቶም ገዳይም ፖለቲካዊ ማሕበራት ብምጽጋዕን ሓቢርካ ብምስራሕን ዓወታት ከመዝግቡ ኣይተረኽቡን። ስለዚ እቲ ኣበሃህላ ተሳትፎኦም ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን ዝብል እንተኾይኑ ኣይቅበሎን፣ ምንቅስቃሶም ኣድማዒ ኣይኮነን ንዝብምል እንተ ኾይኑ ግን፣ ነያታቶም መሲሎም እንዳበልኩ ሚእቲ ብሚእቲ እሰማመዓሉ።

 

ሓርነት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን መንእሰያትን ገዳይም ተቓለስትን ሓሓሊፉ ዝረአ ምስሕሓብን ምክሳስን ይስማዕእዩ። እዚ ብኸመይ  ተወጊዱ ኩሎም ኣብ ቃልሲ ከም ዝጽመዱ ምግባር ይከኣል?

 

ኣቶ መድሃኔ፡ እዚ ሕቶዚ ካብቲ ፈርከሽከሽ ኢሉ ዘሎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኣወዳድባና ብኸመይ ተጸጊኑን፣ ፍልልያቱ ኣወጊዱን፣ ተወሃሂዱ ብምስራሕ ንዓወት ይበቅዕ ይኸወን ዝብል ንዓይ ኮነ ንማንም ሃገራዊ ዜጋ ወትሩ ዘሻቅል ሕቶ ፈሊኻን ቆንጭልካን ዝረአ ሕቶ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ መንእሰያትን ገዳይም ተቃለስትን ዘሎ ፍልልያት ጥራይ ዘተኮረ ሕቶ ስለዝኾነ ግን ኣነውን ኣብኡ ኣተኲረ ክምልስ።

 

እዚ ሓደ ነቲ ኻልእ ምኽሳስን ምውንጃልን ኣብ መንጎ ዓበይትን መንእሰያትን ጥራይ ተደሪቱ ተሪፉ ነይሩ እንተዝኸውን እውን ክንደይ ምሓሸ። ዝበኣሰ ዝገብሮ ከኣ ዋላ እቶም መንእሰያት እውን እንተኾኑ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ናይ መንእሰይ ማሕበራት ተወዳዲቦም ሓደ ነቲ ካልእ ክካሰሱ ምንባሮም እዩ። እዚ ነገርዚ ግን ዋላ ኣብተን ብገዳይም ተቃለስቲ ዝቆማ ማሕበራት እውን ዝረአ ዘሎ ዳርጋ ተወራራሲ ሕማም እዩ ኢልካ ክትገልጾውን ዘድፍረካ እዩ። ንስኻ ንባዕልኻ ዘይተዓወትካስ ንሱ ስለምንታይ ንዓወት ዝበቅዕ ቃልሲ ዘየካየደ ወይ ስለምንታይ ንቃልሲ ዕንቅፋት ይኸውን ኢልካ ንካብ ውድብካ ወጻኢ ዘሎ ሓውካ መቃልስትኻ ምኽሳስን ምጽላምን ሓደ ካብቲ ኣበራት ሃገራዊ ፖለቲካና ምዃኑ ኩልና ክንፈልጦን ክንኣምነሉን ዘሎና ጉዳይ ኮይኑ ይረኣየኒ። እሞኸደኣ ንሓደ ዕላማ እንዳተቃለስካን ማዕረ ወይ ዝተቀራረበ ዋጋ እንዳኸፈልካን፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቲ ማዕረኻ ዝቃለስ ዘሎ ጎድንኻን ጠንቅን ሰበብን ናይዚ ፍልልይ መንን እንታይን ምዃኑ ኣነጺርካ ከይፈለጥካስ፣ ፍልልይ ስለዘሎን ከምሳዕቤኑ ኣብ ቃልሲ ሰለዘይተዓወትካንሲ ንመቃልስትኻ ምኽሳስ ኮነ ምንእኣስ ካብቲ ከነወግዶ ዘሎና ነገራት ሓደ እዩ። ኣብ ከንድኡ እዚ ሲዒቡ ዘሎ ነጥብታት ከም ንፍልልያትና ኣብ ምጽባብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

 

1፡ ንኩነታት ሕድሕድ ብግቡእ ምንባብን ምርዳእን፣ እዚ ማለት እቶም ገዳይም ተቃለስቲ ብውሑዱ ካብ 25 ዓመት ክሳብ 60 ዓመት ካብ ዕድመ ህይወቶም ኣብ ቃልሲ ዝጹንሑ እዩም። ቃልሲ ካብ ገንዘብካን ግዜኻን ጥዕናኻን ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከምዝሓትት ድማ ንሓና እቶም ድሒርና ኣብ ቃልሲ ዝተጸምበርናውን የዕሪና ስለንፈልጦ፣ ነዞም ገዳይም ተቃለስቲ ኣያታትና እዚ ኹሉ ዓመታት ተቃሊሶም ብዘይምዕዋቶምን ጥጡሕ ናይ ቃልሲ ባይታ ከውርሱና ብዘይምኽኣሎምን ክንከሶምን ክንፈርዶምን ኣይግበኣናን። እዚ ኹሉ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ምጽንሖም ንህዝቦምን ሃገሮምን ክብሉ ኣብ ህይወቶም፣ ጥዕንኦምን፣ ናብርኦምን፣ ክሳብ ክንደይ ሃስያ በጺሑዎም ከምዘሎ ብልቦና ተገንዚብና ብሓልዮትን ድንጋጸን ምርኣዮም ከድልየና እዩ። ካብ ኩሉ ክንፈልጦ ዘሎና ነፍሲ ወከፍ ገዲም ተቓላሳይ ኣብዛ ዕድመ ህይወቱ ሞት ከየርከበቶ ናይ ቃልሱ ዓወት ብምጉንጻፍ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝኾነት ሃገሩን ሓራ ንዝኾነ ህዝቡን ናይ ምርኣይ እንኮ ባህጊ ዘለዎ እዩ።

 

ዓበይቲ ተቓለስቲውን ብወገኖም፣ እዞም ሕጂ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓድታት በጺሖም ኣብ ዝተሓላለኸ ህይወት/ናብራ ኣትዮም፣ ብሓደ ወገን ጾር ውልቃዊ መነባብሮኦምን ሓላፍነት ስድራቤታቶምን ከሰላስሉ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ድቃስ ከሊእዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ክገብሩ ትልኽ ንዝብሉ ዘለዉ መንእሰያትና፣ ብንጹህን ሃገራውን ዝኾነ ሓገዝና እንተዘይ ኣሕይልናዮም፡ ዓቕሞምን ተመኩሮኦምን ጋና ዕሸል ስለዝኾነ ብኡ መንጽር ቅጽበታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዓቕሞም’ውን ትሑት ከምዝኾነ ክንፈልጥ ኣሎና። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒልና ድማ ንምሕጋዞም ዝኣክል ክንገብር እምበር፡ ካብ ምኽሳሶምን ምቁንጻቦምን ክንጥንቀቅ ኣሎና።

 

2. ናይ ጌጋታትን ጉድለታትን ማዕረ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ምሽካም፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ንነፍስኻ ናጻ ገርካ ንመቓልስትኻ ከም ናይ ኩሉ ጉድለታትን ፍሽለታትን ተሓታቲ ገርካ ምኽሳስ ቅኑዕ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከም ናትና ፖለቲካዊ ባህሊ። ኣብ ክንድኡ ንስኻውን ኣብቲ ጉድለታትን ፍሽለታትን እጃምን ተሓታትነትን ከም ዘለካ ምቕባልን ማዕረ እቲ እትኸሶ ንስኻውን ተሓታቲ ከምዝኾንካ ምፍላጥን ምቅባልን የድሊ። ከመይሲ ሃገራዊ ፖለቲካና ካብ ልደቱ ኣትሒዙ ክሳብ ዘሎናዩ ግዜ ፍልልያት ዝመለለዪኡ ከምዝኾነ እንስሕቶ ኣይመስለንን። ኣብዚ ኩነታትዚ ኣቶም ቀዳሞት/ዓበይቲ ንወረስቲ ደቅና ነዚ ናይ ፍልልይ ጋግ ኣጽቢብና ኣብ ሃገራውነትን ሓድነትን ዝተደኮነ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘለዎ ሃገራዊ ፖለቲካ ክነውርሶም ካብ ዘይከኣልና፣ እቶም ናእሽቱ’ውን ወይ ኣብ ኣያታትና ተጸጊዕና ፍልልያቶም ኣብ ምጽባብ ዓቢይ ታራ ብምጽዋት ብናይ ክልተና ናይ ሓባር ምውሳእ እቲ ቦዂርና ዘሎ ሓድነት ከምዝህሉ ክንገብር ካብዘይከኣልና፣ ወይውን ዋላ ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ካብ ኣያታትና ተፈሊና ናይ በይንና ናይ መንእሰይ ውደባን ምንቅስቃስን ብምክያድ ካብቲ ናይ ኣያታትና ዝሓሸን ዝሓየለን ቃልሲ ክነካይድ ካብ ዘይከኣልና ሓደ ዝኸሰሉ ሓደ ዝኽሰሰሉ ኣብነት የሎን። ካብዚ ተረድኦዚ ተበጊስና ድማ ነፍሲ ወከፍና በብጉድለትና ተሓተቲ ምዃና ፈሊጥና ናይ ሓባር መፍትሒ ንምርካብ ኢና ክንጽዕር ዘሎና።

 

3. ነንሕድሕድካ ምምልላእ፣ ብርግጽ ኩልና ብውልቀሰባት ኮነ ብማሕበራት ደረጃ ማዕረ ጸጋታት ዘሎና ኣይኮናን። ገለ ነገር ምስ ሓደ ሃልዩ ምስቲ ኻልእ ከይህሉ ይኽእል። ከም ኣብነት ምስ ዓበይትን ገዳይምን ዘሎ ናይ ቃልሲ ተሞክሮን፣ ፖለቲካዊ ንቅሓትን ብስለትን ብማዕረ ደረጃ ምስ መንእሰያት እውን ክህሉ ኣይክእልን ይኸውን። ስለዝኾነ ድማ እቶም መንእሰያት ነዚ ሃጓፍዚ ንምምላእ ብመልኪዕ ኮርሳት፣ ሰሚናራት፣ ኣስተምህሮታት፣ ናይ ተመኩሮ ምቅይያራት ወዘተ ብዝኣመሰሉ ካብ ኣያታቶም ገዳይም ተቃለስትን ሰብ ዓቕምን ክረኽብዎ ክፍትኑ ኣለዎም። ገዳይም ተቃለስቲ ብፍላይ ድማ ሰብ ዓቕሚ ድማ መንእሰያት ደቆምን ተረከብቲ ሕድርን ምዃኖም ተገንዚቦም ኣባላት ውድባቶም ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ብቕዓትን ንቕሓትን መንእሰያት ንምብራኽ ዝከኣሎም ክገብሩ ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየኒ።

ብኣንጻሩ መንእሰያት ብናይ ትምህርትን፣ ናይ ተክኖሎጂ ኣፍልጦን ተጠቃምነትን፣ ስነጥበብን ንዑኡ ዝኣመሰለ ካልእን ካብቶም ኣያታቶም ዝኾኑ ገዳይም ተቓለስቲ ዝሓሸ ኣፍልጦን ብቕዓትን ክህልዎም ይኽእል። ኣብዚ መዳይዚ’ውን ምድግጋፍን ምትሕብባርን የድሊ። ብኸምዚ ዓይነት ድማ ምዕሩይ ረብሓ ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ፈጢርካ ብምስራሕ ፣ ምትሕምማይን ምክሳስን ተሪፉ ቃልስና ዝሕይለሉን ዓወትና ዝቀላጠፈሉን ሃዋህው ክፍጠር ዝከኣል ኮይኑ ይረኣየኒ።

 

ሓርነት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ንስርዓት ህግደፍ ክርሕርሑ የገድዶም ካብ ዘሎ ምኽንያታት ገለ ነጥብታትዶ ገለጽካልና?

 

ኣቶ መድሃኔ፡ ብዙሕ ምኽንያታት ክዝርዘር ይከኣል። ኣብ ቀንድን ንኹሉ እተጠቃልልን ገይረ ዝርእያ ቀንዲ ነጥቢ ኣተኲረ ክዛረብ። ቅብጸት መጻኢ ብሩህ ህይወት ኣብ ዓድኻን ሃገርካን። መንእሰይ ካብ በልና ኣብ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ዝርከብ ሰብ ዘርእዮም ባህርያትን ዝኽተሎም ስጉምትታትን ብሓፈሻ ኣብ ክልተ መቒልካ ክረኣዩ ይኽእሉ። ገለ ባህርያትን ስጉምትታትን ኣብ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ክሳብ ዘሎኻ ንኽትረኽቦምን ንኽተስተማቅሮምን ኣቲ ዘሎኻዮ ዕድመን ሰውነትካን ዝጠልቦ ኮይኖም እንተዘይረኺብካዮም እውን እንዳጐሀኻ ተጸሚምካ ወይ ዕድለይ ኣይሃበንን ኢልካ ክትሓልፎም ትኽእል። ንኣብነት ከም መንእሰይ መጠን ምስ ደቒ ከባቢኻን መተዓብይትኻን መዓልታዊ እንዳተራኸብካ ብሓባር ከተዕልል፣ ክትጻውትን ክትዛወርን ወዘተ ትደሊ። ነዚ ዕድልዚ ክትረክብ እንተዘይ ክኢልካ ግን መሪሩኒ ኢልካ ሃገር ገዲፍካ ንስደት ኣይተምርሕን። ካብ ዓድኻውን ዓዲ ጓና ኣይትመርጽን። እቲ ካልኣይ ክፋል ባህርያትን ንጥፈታትን ግን ኣብ መጻኢ ህይወትካ ወሳንነት ዘለዎ ነገራት ኸውን። ክሊ ዕድመ ንእስነት ኣትመሃረሉ፣ እትመራመረሉ፣ እትፈላሰፈሉ፣ ኣብ ምህዞን ስነጥበብን ተዋፊርካ እትምዕብለሉ፣ ባህላውን ያታውን ክብርታትካ ብግቡእ ኣትወርሰሉ፣ ኮታስ ንኣእምሮኣዊ፣ ኣካላውን፣ ሞያውን ጸጋታትካ እትሃንጸሉን ኣተማዕብለሉ እዩ። ብኡ ገርካ ድማ ናይ መጻኢ ህይወትካ ወሳኒ ዝኾነ መሰረት እትድኩነሉ ክሊ ኦድመ እዩ።

 

ነዚ ነገራትዚ እንተስ ብምልኣት እንተስ ብኸፊል ክትረክብ እንተዘይኪኢልካ ግና መጻኢ ህይወትካ ደቢኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ጸልሚቱ ስለዝረኣየካ፣ ነዚ ንኽተውሕስ ኣብ ምዕልባጥ ትኣቱ። ኣብ ማሙቕ ገዛኻ እንተረኺብካ፡ ረቢሕካ፡ ተደስትካን ትድቅስን፡ እንተዘይረኺብካ ድማ ጽባሕ ክረክብ እየ ብዝብል ተስፋ ክትዕገስ ትኽእል። ንምውቕቲ ገዛኻ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ባሪዕ ኣንተ ኣትይዋ ግን ርኽበትካን ስእነትካን ጥራሕ ዘይኮነ ህይወትካን መጻኢ ህልውናኻን እውን ኣብ ሓደጋ ስለዝወድቕ ንኹሉ ራሕሪሕካ ካብ ገዛኻ ነፊጽካ ንኽትወጽእ ትግደድ። ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኩነታት ኣውን ብቐንዱ ኣዚ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ካብ 1994 ኣትሒዙ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ክረምታዊ ማእቶት፣ ወፈራታትን፣ ክተትን ወዘተን እንዳተባህለ ንልዕሊ 20 ዓመታት፡ ጀሚርካ ዘይውዳእ ናይ ባርነት ምዕራፍ ተኸፊትዎ፣ ዕድመ ንእስነቱ ኣብኡ ኣብልዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣኑ ክሳብ ዝሃለወ ንጽባሕ’ውን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ተስፋ ኣማዕድዩ ክርኢ ስለዘይከኣለ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ተገዲዱ ኣሎ።

ናይቶም ወጋሕታ ብዝብል ስም ዝፍለጡ ድሕሪ ናጽነት ሃገር፡ “ኣብ ናይ ናጽነት ቃልሲ’ኳ እንተዘይተሳተፍና፣ ኣብቲ ሃገር ናይ ምህናጽ ቃልሲ ክንሳተፍ ኢና” ብምባል ብገዛእ ድሌቶም ዝተሰለፉ መንእሰያት ክዝክር ከሎኹ፣ ከምኡ ውን ኣብ 1994 ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተኣወጀ ዝነበረ ቅድድም መንእሰያትና ምውራድ ናብ ሳዋ ንሃገራዊ ኣገልግሎ ክዝክር እንከለኹ፣ ከመይ ገይሮም ገለ ሰባት ብፍላይ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ መንእሰይ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ዝሃድም ዘሎ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን ኣብ ኩለን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ናይ ዜጋታት ግቡእ እዩ ኢሎም ክማጐቱ ይፍትኑ ይገርመኒ።

ስራሕ ስለዝሰኣኑ ኢዮም ዝብል መጐት’ውን ይስማዕ እዩ። እዚ ዘረባዚ ከፊላዊ ሓቅነት ክህልዎ ይኽኣል ኣዩ። ስራሕ ማለት ናይ ቁጠባኻን ናብራኻን ዋሕስ ስለዝኾነ። ክኽሰስ ዘለዎ ከኣ፡ ስራሕ ስኢኑ ዝስደድ ዘይኮነስ፣ እቲ ክሰርሕ ዝኽእል ንኸይሰርሕ፣ ከስርሕ ዝኽእል ድማ ንኸየስርሕ ንኹሉ ለኪቱን ሽንኪሩን ዝሓዘ ናይ ምልክን ግበታን ፖሊሲታት ዝኽተል ዘሎ ስርዓት እዩ። ሓደ ኣብነት ግን ኣሎ፣ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ 1991 ክሳብ 2001 ካብ ዘፍረየቶም ካብ 1ይ ዲግሪ ክሳብ ናይ ዶክተረይት መዓርግ ዘለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩቓት፡ ምስ መምሃራኖምን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ናይታ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንትታት ዝነበሩ ኣቶ ዓንደብረሃንን ዶር ወልደኣብን ከይተረፉ ነታ ሃገር ገዲፎማ ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደት ይርከቡ ኣለዉ። እሞ ናይዚኣቶም ስደት ጠንቂኸ ሽቅለት ኣልቦነት ዲና ክንብሎ?

እቲ ቀንዲ 2ይ መኽንያት ዝብሎ ኢሰብኣዊ ወይ ኣረመናዊ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ብወተሃደራውያን መራሕቶም ኣብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሰምየ ሃገራዊ ባርነት እንከለዉ እዩ። ብውሑዱ 80% ካብዞም ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኽእል ዝመጹ እዮም። መናልባት ዕድል ረኺብካ ንነፍሲ ወከፎም ቀሪብካ ናብ ዜና ዘይቃላሕን ተሰኒዱ ዘይተሓዝን ዕላል ኣበጊስካ፣ “ሃየስከ እንተይ ሪኢኻ ኢንታይከ ኣጋጢሙካ?” ኢልካ ምስ እትሓቶም፣ ዝነግሩኻ ዛንታ ብኤርትራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ዜጋታቶምን ይፍጸምዩ ኢልካ ንኽትኣምኖ የጸግመካ። ግን ዝወዓለ ይንገርካ ዩ። ካብ ዝሰማዕኩዎ ሓደ ንኣብነት ክጠቅስ። ሓደ መንእሰይ ነዲኡ ከም ሓሙስ እንኮ ውላዳ እዩ። ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ኣብቲ ግዜ መሪር ኲናት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ። ምውሳዱ ከይኣክል ነዚ ካብ መረርቲ ውግኣት ብዕድል ዝደሓነ፣ ብጀካ ናይ መስተ ወልፊ ካልእ ኣበር ዘይብሉ ንጹህ መናሰይ፣ ብዘይ ፍቃድ ባርንቱ ከድካ ኣብ መስተ ሓዲርካ ኢሎም፡ ድሕሪ ሓንቲ ለይቲ ኣብ ደገ ምሕዳር ባዕሉ ናብ መዓስከር ምስ ተመልሰ፣ ቅድም ጉድጓድ ኣዂዒቶም ንኣባላት በጠሎኒ ብምሉኣቶም ኣኪቦም፣ ኣብ’ቲ ቅድሚ ምርሻኑ ዘዂዓትዎ ጉድጓድ ደው ኣቢሎም ብተመልከተለይ ተኲሶም ቀቲሎሞ። ንዓናውን ቁሩብ ካብ ፍቃዶም እንተወጺእና፡ እታ ናይ ብጻይና ዕድል ከም እትጽበየና ኣጠንቂቖም’ ፈንዮምና ዝብል ነይሩ።

ሓርነት፡ ስለቲ ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ዘርኣኻዮ ቅርቡነት ነመስገነካ!

ኣቶ መድሃኔ፡ ኣነ እውን ነቲ ዝተዋህበኒ ዕድል የመስግን!

Last modified on Tuesday, 23 February 2016 12:26