ኣቦመንበር ሰደህኤ ናይ መላእ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ

2016-02-15 18:59:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3090 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ14 ለካቲት 2016 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይዚ ንዝያዳ 4 ሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ ኣጀንዳ፡ ናይ ሰልፊ ሃለዋት ድሕሪ 2ይ ጉባአ እንታይ ከም ዝመስል ንምግላጽን ንመሰረታት ብግቡእ ሓበሬታ ንምዕጣቕን እዩ።

ኣቦመንበር ኣብዚ ኣኼባኡ፡ መሪሕነት ሰልፊ ካብ ምምራጽ ፈጻሚት ሽማግለ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ጽሕፈትን ትካላትን ንምቛምን ዝምርሕሉ ሕግታት ንምጽዳቕን፡ ሰልፊ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ካለኦት ኣካላትን ዝህልዎ ዝምድና ንምንጻር ዘኽእሉ ፖሊሲታት ንምሕንጻጽን ዝተኻየደ መስርሕ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ መሪሕነት ኣብ ዘካየዶ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ዝተመዝገበ ዓወትን ኣብ ምዕዋቱ ዝነበረ ናይ ኣባላት ሰልፊ ዕዙዝ ኣበርክቶን ብምጥቃስ ብዛዕባ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ሓጸርቲ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዝተገብሩ ርክባትን ንመጻኢ ንምምዕባሉ ዝተታሕዙ መደባትን ብዝምልከት’ውን ኣብሪሁ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ተበግሶ ዓውደ-መጽናዕቲ ጀርመን ፍራክፈርትን ምምኽኻራዊ ኣኼባ ናይሮብን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ፡ ሚዛን ሰልፊ ኣብዚ መስርሕን መጻኢ ምዕባለ ናይዞም ተበግሶታት ግደ ሰደህኤን ዝምልከት መግለጺ ወሲኹ።

ድሕሪ’ዚ ሰፊሕ መግለጺ ኣቦመንበር፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስ ተኸፈተ ተሳተፍቲ፡ ንምምዕባል ሰልፋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ምትራር ሰልፋዊ ሓድነትን፡ ዝምድና ሰልፍና ምስ ዝተፈላለያ ኣካላት፡ ኣሰራርሓን ሓላፍነትን ናይታ ኣብ ናይሮቢ ዝቖመት ግዝያዊት ሽማግለን ኣመኻኽታ እቲ ሓሓሊፉ ብገለ ኣካላት ዝረአ ንሰደህኤ ብጉጉይ ናይ ምግላጽ ዝንባለታትን ኣትኪሎም ሕቶታት ቀሪቦም። ኣቦመንበር መንግስተኣብ ነዞም ሕቶታት ዝርዝርን ብጭብጥታት ዝተሰነዩን መልስታት ሂቡ። ተሳተፍቲ ብወገኖም በቲ ዝተዋህበ መብርህን መልስታትን ዕጉባት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ንፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብግቡእ ኣብ ግምት ዘእተወን ተቐባልነቱ እንዳዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ፖለቲካዊ ዕላማኡ ኣብ ምዕዋት ካብኣቶም ዝድለ ኩሉ ክገብሩ ምዃኖም ዳግማይ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር ንኹሉ ዘይሕለል ጻዕርን ተሳፍቶ ኣብ ኼባን ኣባላት ሰልፊ ኣመጒሱ፡ ነቶም ነቲ ኣኼባ ዝወደቡ ኣካላት ሰልፊ ድማ ኣዕዚዙ ንኢዱ። ኣተሓሒዙ ድማ እዚ በቲ ሓደ ወገን መሰረታት ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፎም ንጹር ሓበሬታ ዝረኽብሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ መሪሕነት ርኢቶ መሰረታቱ ብቐረባ ሰሚዑ ዝመሃረሉ መድረኽ ከከም ኣድላይነቱ ክቕጽል ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

15 ለካቲት 2016

Last modified on Monday, 15 February 2016 20:06