ሰደህኤ ንብጸሖት ላዕለዋይ ኮሚሽነር የመጉስ

2016-02-12 12:10:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2013 times

ሓድሽ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ

 

ሰደህኤ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ደተኛታት ብ2 ለካቲት 2016 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት በጺሖም ኩነታቶም ክመሓየሸሎም ንዘቕረብሎም ሓሳባት ስለ ዝሰምዑ ዕዙዝ ሞስጋናኡ ገሊጹ። እዚ ናይቶም ሓድሽ ኮሚሽነር ናይ መጀመርያ ናይ ኣፍሪቃ መገሸኦም እዩ።

 

ከምኡ እውን እቲ ብ10 ለካቲት 2016 ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኮሚሽነር ግራንዲ ዝቐረበ መዘክር፡ ናብዚ ሓላፍነትዚ ብምብጽሖም ዝተሰመዖ ሓጐስ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ከምቲ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻጽ ዝተዓዘብዎ፡ ኣቶም ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም መንእሰያት እዮም። በዚ መሰረት ኩነታቶም ኣዝዩ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ እቲ መዘክር ጠቒሱ። ብምቕጻል ኣቲ መዘክር ኣቶም ስደተኛታት ናብቶም ኮሚሽነር ዘቕረብዎ ጠለባት ኣቐዲሞም ብኤርትራውያን ተቓወምቲ ክለዓሉ ዝጸንሑ ምዃኖም ኣዘኻኺሩ።

 

እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ ምስቶም ስደተኛታት ዝገበርዎ ርክብ ኣብ መጻኢ ኩነታት’ቲ መደበር ብምምሕያሽ መነባብሮ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝከኣሎ ከም ዝገብር ገሊጸምሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ዘቕረብኩምዎ ነጥብታት ብግቡእ ተታሒዙ ስለ ዘሎ ኣይትሻቐሉ፡ ዝከኣል ንምግባር ኣይርሰዕን እየ። በዚ መሰረት ኩነታት ንምምሕያሽ ዘኽእል ነገራት ከነቕርብ ኢና ኢሎም ቃል ኣትየምሎም።

 

EPDP Grateful to New UNHCR Chief 2ከም ዝዝከር ቅድሚ ሕጂ’ውን ናይ ቅድም ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2012 ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ሱዳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት በጺሖም ነይሮም። ኣብቲ ምብጸሓም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘተኣማምን ጸጥታን ምምሕያሽ መነባብሮን ተመባጺዐምሎም ነይሮም። እተኾነ እቲ ቃል ዝተኣትወሉ ምምሕያሻት ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ናብ ኣቶ ግራንዲ ዝቐረበ መዘክር እዚ ዝስዕብ እዩ።

ናብ ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት

ዕለት 10 ለካቲት 2016

 

ጉዳይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንዝሃብዎ ቆላሕታ ንምምስጋን

ክቡር ኮሚሽነር

ንሕና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ከም ኣገዳሲ ኣካል ኣብቲ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝቃለስ ዘሎ ተቓውሞ፡ ስለቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ነዚ ዝግበኣኩም ሓላፍነት ብምብቃዕኩም ሓጐስና ንገልጸልኩም። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብኩም ድማ ነመስግነኩም። እዚ ነቶም ግቡእ ቆላሕታ ከይረኸበቡ ዝጸንሑ ስደተኛታት ጽቡቕ ምምልክት እዩ።.

 

ክቡር ኣቶ ግራንዲ

ከምቲ ብኣካል ዝተዓዘምኩምዎን፡ ካብቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መደበር ህጻጽ ዘለዉ ስደተኛታት ዝሰማዕኩምዎን፡ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ምጽዋር ስኢነምዎ፡ ዝተሰዱን መሪር ሃለዋት ዘሕልፉ ዘለዉን መንእሰያት ኩነታት ቆላሕታ ዘድልዮ እዩ።

 

ከምቲ እቶም ዘዛረብኩምዎም መንግሰያት ዝገለጽልኩም፡ ብሓፈሻ ኩልና ተቓወምቲ ብፍላይ ከኣ ሰደህኤ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት፡ ቅድሚ ኣዞም መንእሰያት ሓደገኛ ጉዕዞታት ምጅማሮምን ግዳይ ሕማቕ ኩነታት ሲናይን ባሕሪ መዲተራንያንን ምኽዃኖም ኩነታቶማም ኣጽኒዑ መፍትሒ ዝኸውን ፕሮግራማት ክትልም ከነዘኻኽር ጸኒሕና ኢና። ካብ መዛግብ ናይቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኮሚሽነር ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ፋይል ክትዕዘብዎ ከም እትኽእሉ፡ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኮነ፡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦት ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላትን መዘክራት ከነቕርብ ጸኒሕና ኢና። ኣብዚ መዘክራት ነቶም ስደተኛታት ደሓን መጽለሊ ክስረሓሎም፡ እኹል ናይ መግብን ጥዕናን ኣቕርቦት ክረኽቡ፡ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ መንእሰያት ስደተኛታት ኣካዳምያውን ሞያውን ትምህርቲ ሂብካ ድሕሪት ውድቀት ዲክታተርነት ኣብ ኤርትራ እውን ዝጠቅም ፍልጠት ክረኽቡ ክንጽውዕ ጸኒሕና ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ምንባር እንተቐጺሎም ከኣ ኣብቲ ዕቑባ ዝሓትሉ ሃገር ብቑዓት ዜጋታት ከም ዝኾኑ ምኻኣሎም እውን ካልእ ጉዳይ እዩ። ነዚ ኣገዳሲ ፕሮግራም ዝኸውን ዓቕሚ ካብቲ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦትን ብሰንኪ ሕማቕ ፖለቲካውን ሰብኣውን ተግባራቱ ንስርዓት ኣስመራ ዝተኸልአ፡ ስደተኛታት እግሪ ኣብ ምትካል ዘኽእል ተክኒካዊ ደገፍ ክርከብ መኸኣለ ዝብል እምነትና’ውን ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና።

 

ክቡር ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኮሚሽነር

ሎሚ ንጠለባት ናይቶም ጉድኣት ዘጋጥሞም ዘሎ ስደተኛታት ካብኣቶም ክትሰሞዎ ብምኻኣልኩም ሕጉሳት ኢና። ካብዚ ነቒልኩም ከምቲ ዝጠቐስናዮ ኣብ መስርዕ ናይዚ ን5 ዓመታት ትመርሕዎ ዓለምለኻዊ ስጉምትታት ቀዳምነት ሂብኩም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጠቅም ፕሮግራማት ከም እተበጋግሱ ድማ ንኣምን።

 

ምስ ኣኽብሮት

ወልደየሱስ ዓማር

ሓላፊ ቤ/ጽ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰደህኤ

Last modified on Friday, 12 February 2016 13:17