ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

2016-02-10 11:30:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2126 times

ብዕለት 07.02.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰናይ ምንዮት እዩ ኸፊቱ። ቀጺሉ ኣብዚ ኣኼባዚ ክዝረበሎም ተታሒዞም ዘለዉ እዋናዋን ዛዕባታት ኣኼባ ሓቢሩ።

  • ኣብ እዋናዊ ፡ሃገራውን ሰልፋውን ዞናውን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
  • መንእሰያት ኣባላት ምስ ሰዲህኤ ንምልላይ ዝግበር ኣስተምህሮ፤
  •  ውጽኢት ሰሚናር  ንኡስ ዞባ ጀርመንን ናይ ዕለት 23.01.2016ን መጻኢ መደባትን
  • ናይ መጻኢ ብጨንፈር ኣብ ምምሕያሽ ዝርከቡ ናይ ኣሰራርሓ ቅጥታትን ንኡስ ዞባ ዝተለሞም ዕማማትን፡

ቀዳማይ ዘሎ ኣጀንዳ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳኣት ዝተገብረሉ ኣዃ ኣንተነበረ፡ መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዝወሰዶን ሕጂ‘ውን ዝወስዶ ዘሎ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ንረብሓ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘገልግል፡  ንሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘናውሕ ብምዃኑ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንዝጸንሐ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዘበላሹ ብምዃኑ ዘይቅኑዕን ሃሳይን እዩ። ስለዚ እቲ ኣቦ መንበር ሰደህኤ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ብ4 የካቲት 2016 ዘውጽኦ መግለጽን፡ ካልኦት ኤውርትራውያን ውድባትን ህዝባዊ ትካላትን ዘውጽእዎ መግለጺታት ኣብ ቦታኡ ምዃኑ‘ውን ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ። ከምኡ‘ውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ንዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ንኢዱ።

307.02.20165

ኣኼበኛ፡ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 6ይ ኣህጉራዊ ኣኼባ በርጌሳዊ ማሕበራት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እውን ኣገዳስነቱ ርእዩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ውሽጣዊ ጸገማት ህዝብና፡ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝመጸ ጌሩ ክገልጾን እንተክኢሉ ድማ ክሓብኦን ዝጸንሐ ጉዳይ፤ ሕጂ እዚ 6ይ ኣህጉራዊ በርጌሳዊ ማሕበራት ናይቲ ስርዓት ናይ መሰል ሰብ ምግሃስ ዝፈጠሮ ምዃኑ እዩ ኣቃሊዑ። ስለዚ ጉዳይ ኤርትራ ብደረጃ ክፍል-ዓለምና ኣቓልቦ ብምርካቡ፡ ንተነጽሎ እቲ ስርዓት ዘግድድ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ተመልኪቱ። ነቲ ፍሊፖ ግራንዲ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ዓለም፡ ኣብዚ መጀመርያ ወርሒ 2016፡ ኣብቲ ኣብ ህጻት ዝተባህለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ብኣካል ከይዱ ሽግራቶም ሰሚዑ ዝሃቦ ኣተባባዒ መብጽዓታት‘ውን ኣዎንታዊ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብድሕሪኡ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም፡ ንሕና መንእሰያት ተካእቲ ወለዶ ስለ ዝኾንና ሃገርናን ህዝብናን ካባና ብዙሕ እዩ ዝጽበ። ህዝብና እናጸነተ ስቕ ኢልና ምርኣይ‘ውን ዘሕትተና እዩ። ብዘይ ህዝቢ ሃገር ዝበሃል የለን፤ ሃገር ማለት ህዝቢ ማለት እዩ። ስለዚ ህዝብና ንዘጥፍእ ዘሎ ስርዓትሲ ብተወፋይነት ክንቃለሶ ኣሎና እምበር፡ ነቲ መላኺ ኢሳያስ ክህቦ ዝቐነየ ናይ ደሞዝ ምውሳኽን ካልእ መደናገሪ መደረታትን ከም ኣብነት ብምጥቓስ፤ ንሱ ብዝህቦ ናይ ሓሶት መግለጺታትን ምድንጋራትን ተታሊልና ካብ ቃልሲ ከነድሓርሕር ኣይገባእን። ናብቲ ዘጽንተና ዘሎ ተመሊስና ክንፍርምን ምስኡ ክንደናገጽን‘ውን ኣይግባእን፤ ህዝብናን ሃገርናን ካብ መላኺ ስርዓት ፈላሊና ክንርዮም ኣለና።  ንረብሓ ህዝቢ ክሰርሕ ዝኽእል እንተዝኸውን ቅድሚ ሎሚ‘ውን ክንደይ ሓገዛት ረኺቡ‘ዩ ብምባል ንውሕ ዝበለ ኣዝዩ መሃሪ መግለጺታት ኣቕሪቡ። መንእሰይ ክብሮም ብዘንቀሎ መግለጺ‘ውን ብዙሓት ኣኼበኛታት በብተራ ሰፊሕ መግለጺታት ኣቕሪቦም። 

ካብኡ ብምቕጻል፡ እቲ ኣኼበኛ እቲ ኣብ ሰሚናር ንኡስ ዞባ ጀርመን ብ23.01.2016 ዝተገብረ ድህሰሳን መጽናዕትን ዝተበጽሐ ናይ ስራሕ መደባትን ድሕሪ ምሕባር፡ ኣገደስቲ ሕቶታት ቀሪቦምን ግቡእ መብርሂ ድሕሪ ምቅራብ፡  ንተግባራውነቱ ብምሉኡ ተቐቢሉ፤ ንዝመጽእ ሓድሽ ኣገባብ ተኸቲሉ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

07.02.20166

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ ወይዘሮ መስከረም ግርማይ ዝተባህለት ኣባል፡ ኣነ ብሳላ ሰልፍን ጻዕርታት ኣባላት ናይዚ ሰልፊን ኣብ ጀርመን ናይ ምንባር ፍቓድ ረኺበ ኣለኹ፡ ኣነ ክጭነቕ ከለኹ ንዓካትኩም'ውን የሸግረኩም ነይረ ምሳይ እውን ትጭነቁ ኔርኩም፡ ሕጂ ኣብ ሓጐሰይ ድማ ምሳይ ንክትሕጐሱ፡ ነዞም ኣብዚ ኣኼባ ዘለኹም ምሳሕ ኣዳልየ ኣምጺኤ ኣለኹ፡ ክትብል ሓጎሳ ብምግላጽ፡ በብዓይነቱ መግቢ ተቀሪቡ ኣኼበኛ ተደሪሩ፡ ስለቲ ሰናይ ምግባርን ግደ ሰልፍን ጻዕርታት ኣባላቱን ክብሪ ምሃባን ብምምጓስ ኣኼባ ተደምዲሙ። 

Last modified on Wednesday, 10 February 2016 12:40