ግዝያዊ ኮሚተ ናይሮቢ ኣብ በይኤርያ ኣኼባ ኣካይዱ
2016-02-01 22:50:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2601 timesእቲ ኣብ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ናይሮቢ ዝቖመ ግዝያዊ ኮሚተ ብ30 ጥሪ 2016 ኣብ በይኤርያ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ኣካይዱ። ነዚ ኣኼባ ዝመረሐ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) እዩ። ምስኡ ድማ ኣሕዋት ሮመዳን ሳልሕ ካብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ወልዱ ነጸረኣብ ካብ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓደነት ኤርትራን ኣብ መድረኽ ነይሮም።
ኣብዚ ኣኼባ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንመሰረታዊ ትሕዝቶ ኣኼባ ናይሮቢ ብውሕሉልን ልዙብን ኣገባብ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብቲ መግለጺኡ ብመድረኽ ናብቲ ኣኼባ ዝተዓደሙ 18 ተቓወምቲ ውድባት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ክተሳተፉ ዝኸኣሉ ግና 11 ውድባት ምዃኖም ጠቒሱ። ኣብ ዝርዝር መግለጺኡ ድማ ንዕላማ ኣኼባ ናይሮቢ ኣብሪሁ። ንሱ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ማለት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገሳዊ ማሕበራት፡ መንቅስቓስ መንእሰያት፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ፡ ሚዲያታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ምምጻእ ምንባሩ ገሊጹ። ሓው ተስፋይ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብ ካለኣይ ምምኻራዊ ኣኼባ ነዚ ዝተጠቕሰ ዕላማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እዚ ኮሜት ከይሰልከየ ክሰርሕ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ድሕሪ መግልለጺ ሓው ተስፋይ ደጊጋ እቲ ኣኼባ ንሕቶን መልስን ክፉት ኮይኑ። ካብቲ ኣብዚ ኣኼባ ዝቐረበ ሕቶታት፡ መድረኽ ይእመን ድዩ? ኣኼባ ናይሮቢ ንባይቶ ዝትክእ ድዩ? መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣንጻር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ ዝቐነዐ ወፈራ ዘካይድ ስለምንታይ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎ። ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ኣብዚ ኣኼባ ተረኺቡ ነቲ ንመድረኽ ዝምልከት ሕቶታት ንጹርን ውሕሉልን መልሲ ስለ ዝሃበ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣዝዮም ተሓጕሶም። ኣሕዋት ሮመዳንን ወልዱን ድማ ነቲ ዝተዋህበ መልሲ ዝድግፍ ኣገዳሲ ሓሳብ ወሲኾም። እቲ ምይይጥ ምቕሉልን ምክብባር ዝዓሰሎን እዩ ነይሩ።
ኣብ መደምደምታ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዕላማታት ኣኼባ ናይሮቢ ዘለዎ ዘይተቖጠበ ደገፍ ገሊጾም፡ ኣብ መጻኢ ምስቲ ኮሚተ ክሰርሑ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም። እቲ ኣኼባ ብኹሉ መለክዒ ዕዉት እዩ ነይሩ።