ኣብ ከተማ ካሰል (ጀርመን) ንውጉኣት ሓርነት ወፈያ ተኻይዱ

2015-12-14 12:39:12 Written by  ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ጀርመን Published in EPDP News Read 2386 times

‘‘ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብዝጸውዖ መሰረት፤ ብዕለት 05-12-2015 ኣብ ከተማ ካሰል ክለብ/ክበብ ተጎርባ፡ ነቶም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝሰንከሉ፡ ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ውጉኣት ሓርነት ንምሕጋዝ ወፈያ ተጌሩ። ኣብ‘ዚ ዕለት‘ዚ ኣባል ምምሕዳር ኣካለ ጽጉማን ሓው መዓሾ ኣስራት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብማለት ነቲ መአከቢና ምኽንያት ዝኾነ ምስ ገለጸ፡ እቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ውጉኣት ዝለኣኹዎ ዲ.ቪ.ዲ (ቪድዮ) ተራእዩ። ካብቲ ዝተራእየ ንሳቶም ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ፡ ስራሕ ናይ ናብ ዕዳጋ ዝወርድ መኾስተር እናሰርሑን፡ ንኹሉ መነባብሮኦም ዘመልክት ሃለዋትን፡ ኩነታት ጥዕንኦም ዝገልጽን ኔሩ። ብተወሳኺ ንሃገር ከም ዝሰንከሉ መጠን፡ ኣብ ምእላዮም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግቡኡ ምዃኑ ፈሊጡ ክትሓባበር ጸዊዖም።

ብድሕሪ‘ዚ እቲ ናይ ወፈያ መደብ ተጀሚሩ ክሳብ 1000.00 (ሓደ ሽሕ)ኦይሮ ተዋጺኡ፡ ካልኦት‘ውን ተስፋ ዝሃቡና ከም ዘለዉን፡ እቲ ናይ ወፈያ መስርሕ ቀጻሊ ከም ዘሎን ክንሕብር ንፈቱ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዝምስገን ተግባር‘ዩ። ማሕበር ኣካለ ጽጉማን በዚ ሰናይ ተግባር‘ዚ ዝተሰምዖ ሓጎስ እናገለጸ፡ ንኩሎም‘ቶም እጃሞም ዘበርከቱ የመስግን።

ከምኡ‘ውን ምምሕዳር ክበብ/ክለብ ተጎርባ ንዝገበሩዎ ምትሕብባር ናይ‘ቲ ዕለት እቲ ወጻኢታት ብምኽታቶም፡ ፍሉይ ምስጋና ነቕርብ።

ክብርን መጎስን ንስዉኣትና!

ሓበንን ጽንዓትን ከኣ ንስንኩላትና!

ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ጀርመን

10 ታሕሳስ 2015

Last modified on Monday, 14 December 2015 13:45