ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብገበን ምእካብ 2% ግብሪ ተኸሲሱ

2015-10-28 08:01:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜን ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3270 times

ናይ ስወዘርላንድ ፈደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዕቑባን ካልኦትን ናይ 2% ታክሲ ብምእካቡ ገበናዊ ክሲ ከም ዝመስረተ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ብዘለዎ ናይታ ሃገር ሚዲያ ብ27 ጥቅምቲ 2015 ተቓሊዑ።

በቲ ነዚ ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት እዚ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ፈደራል ኣኽባር ሕጊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ፡ ፈደራል ፖሊስ ናይታ ሃገር ነዚ ናይ 2% ኣገዳዲ ታክስን ካልእ በቲ ኤምባሲ ዝፍጸም ኣገዳዲ ምእካብ ገንዘብን ከምኡ እውን ካልእ ገበናት ብዝምልከት መርተዖታት ከም ዝደሊ ሓቢሩ ኣሎ።

The FedPol's investigative arm, the Federal Criminal Police, will now rigorously start collecting evidences on the charge it leveled against the Eritrean Embassy.

ናይቲ ፈደራል ፖሊስ ክፍሊ ገበናዊ ምጽራይ ካብዚ ቀጺሉ ነቲ መዝጊብዎ ዘሎ ገበናት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝዊዘርላን ዝምልከት መርተዖታ ክእክብ እዩ።

ናይ ስዊዘርላንድ ፕረሲደንት ኣብ ልዕሊ ሓላፍነተን ናይታ ሃገር ፈደራላዊ ክፍሊ ፍትሕ ፖሊስን ሓላፊት እየን። እተን ፕረሲደንት ወይዘሮ ሶማሩጋ ናይ ስዊስ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሰልፊ ኣባል እየን። እዚ ሰልፊ ኣብታ ሃገር 2ይ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።

ናይ ስዊስ ሕጊ ዝኾነ ወጻእተኛ ኣብ ክሊ እታ ሃገር ግብሪ ክእክብ ኣየፍቅድን እዩ። በዚ መሰረት እቲ ነዚ ሓበሬታ ዝዘርገሓ ሚዲያ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ፈደራል ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝምልከት ሓበሬታ ክከታተል እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ቤተሰቦም በቲ ስርዓት ሕነ ናይ ምውሳድ ስጉምቲ ከይውሰድ ስለ ዝሰግኡ፡ ነዚ ዝምልከት መርተዖታት ምርካብ ቀሊል ኣይከውንን እዩ።

Last modified on Wednesday, 28 October 2015 09:05