ጸገም ብህላወ ውግእ ጥራይ ድዩ ዝግለጽ?

2015-10-21 17:16:05 Written by  Published in EPDP News Read 3437 times

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታትን፥ መጻኢ ዕድልን ህዝቦምን ሃገሮምን ክከራኸሩን የዋጽእ እዩ ዝብልዎ ነናቶም መፍትሒ ከቕርቡ ምስማዕን ምንባብን ዝተለምደ እዩ። ኩነታት ሃገርና ደንጽይዎም ዝብልዎ ዝጠፈኦም ዝመጸ ክመጽእ ጥራይ ዝጽበዩ ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ዘየሰክፍ እኳደኣ ብሩህ መጻኢ ከም ዘመልክት ገይሮም ከቕርቡ ዝፍትኑ ገሊኦም ግሩሃት ገሊኦም ጐረሓት ኤርትራውያን’ውን የጋጥሙ እዮም። እቶም ጐረሓት ንኣውያት ህዝብና እዝኒ ከሊኦም ምእንቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ክጽልዩ ዝሓድሩ ደቀ-መዛምርቱ እዮም። እቶም ግሩሃት ድማ ምናልባት ያኢ ካብ ህግደፍ ፍታሕ ዝጽበዩ ሰብ ጽቡቕ ድሌት እዮም። ናይቶም ኣዝዮም ዝሻቐሉ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መትሓጃ ዘይብሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ህዝብና ዘንጸባርቕ ኣታሓሳሳቢ ኩነታት እዩ። ናይቶም ዘይሻቐሉን “ሃገርናን ህዝብናን ዳርጋ ደሓን ኣለዉ” ኢሎም ነብሶም ከደዓዕሱ ዝፍትኑ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እዩ ዘይርደኣካ። ምናልባት ነቲ ንኤርትራ ዝብድል ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ምንቃፍ ማለት ከም ንክብርን ሉኣላውነትን ኤርትራ ከም ሃገር ምውራድ ጌሮም ስለ ዝርእይዎ ይኾኑ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እዚ እንተዘይኮይኑ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ኣይኮነንዶ ንኣካሉ ዝኾነ ኤርትራዊ ንመለእ ዓለም እውን ኣብ ዝረኣየሉ ቃልዕ ቦታ ዝወጸ እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሓሓሊፉ ዝስማዕ ፍልይ ዝበለ ርኢቶ ኣሎ። ገለ ወገናት ኣብ ኤርትራ ከም ናይ በዓል ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ውግእ ስለ ዘየለስ ድሓን እዩ ክብሉ ዝደልዩ ይቀላቐሉ እዮም። ሓደ ዘይንዝንግዖ ጉዳይ ኣሎ። ናይ ጽቡቕ ኮነ ናይ ሕማቕ ናይ መወዳእታ ደረት የለን። ከምቲ ነፍስሄር ውሩይ ኪነ-ጥበባዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ ኣለዎ፡ ነቲ ጽቡቕ ዝጸበቐ ኣለዎ” ዝበሎ። ሎሚ፡ ኣብ ዓለምና ከም ናይ ኤርትራ ጸገም ኣብ ካልእ ኩርነዓት ይህልው። ካብኡ ዝሓሸን ዝኸፍአን ጫፋት እውን ኣሎ። ግና ንሕና ንኩነታትና ምስቲ ካባና ዝሓሸ እንዳወዳደርና ዲና ኣብኡ ክንበጽሕ ክንሰርሕን ክንቃለስን ዝግበኣና ወይስ ምስቲ ካብ ናትና ዝኸፍእ እንዳወዳደርና ኢና ደሓን ኣለና እንዳበልና ነብስና ከነደዓዕስን ከነዕሹን ዝግበኣና። ንሕና፡ ብግቡእ ክንሓስበሉ ዝግእበና ጉዳይ፥ መጻኢ እንዳማዕደና ዲና ስልጣነን ዘመናውነትን ገዲፈሙና ከይከይዱ ክንሰርሕን ክንስዕቦን ፥ ወይስ ንድሕሪት ተመሊስና ኢና ምስ ነበረያ ነበረ ክንነብር ዝግበኣና።

ሎሚ ኣብ ከም በዓል ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ብሰንኪ ጉዳያተን ብዓንተቦ ከመሓድራ ዘይምኽኣለን ደሓር ካብ ኢደን ምስወጸ ናብ ዓውዲ ውግእ ተቐይረን ዘለዋ ሃገራት፥ ሰበን ክቕዘፍን ትካላትን ክዓኑን ምርእይ ዝተለምደ እዩ። እዚ ድማ እቲ ዝለዓለ ምረት ናይ ጸገም እዩ። እዚ ክንርኢ እንክለና ኣብ ሃገርና ከምኡ ስለ ዘየለ ደሓን ኢና ዘለና ኢልና ከነራጥጥ ዘይኮነስ፡ እዚ ጸገምዚ ካበይ ጀሚሩ እዩ ኣብዚ በጺሑ ኢልና ክንሓትት ይግበኣና። ደሓር ኣብ ሃገርና ርሻናትን ደኣ ኣይፍረስ እምበር ብዙሕ መግለጺ ሃገርነትናን መንነትናን ዝኾነ ኣተሓሳስባታት ይፈርስ ከም ዘሎ እንዳረኣናስ ኣይሻቕለናን ማለት ድዩ። ተስፋ ቆሪጽካ ሃገርካ ራሕሪሓካ ናብ ዘይተጸንዐ ስደት ምኻድ ከም ሓደ ልሙድ ተረኽቦ ምውሳዱን ምልማድን እኮ ዓብይ ናይ ምፍራስ ምልክት እዩ። እቲ ዝኸፈአ ምፍራስ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ምፍራስ እምበር ናይቲ ጥዑይ ኣተሓሳስባ እንተልዩ ክህነጽ ዝኽእል ግኡዝ ትካላት ምፍራስ ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብብዝሒ ምስ በዓል ሶርያ ተሰሪዕና ምህላውናኮ ኣብ   ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዓቢይ ጸገም ከም ዘለና ዘርኢ ምልክት እዩ። እንተደኣ ነዚ ኣብ ልዕሌና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጸገማት ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ዘይፈቲሕናዮ፡ ኩነታትና ናብ ናይ ሎሚ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዘይምዕብለሉ ምኽንያት የለን። ስለዚ ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን ጸገም ዝግለጽ ብናይ ሎሚ ኣብኡ ውግእ ምህላውን ዘይምህላውን ጥራይ ከም ዘይኮነ ከነስተብህለሉ ይግበኣና።

ኣብ ኤርትራ፡ ህዝብን ሃገርን የመሓድር ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ፥ ህዝቢ ንምትላል ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ፡ ኣብ ሕሉፍ ቅያ ጥራይ ተሓቢእካ ክትነብር ምፍታንን፡ ንጉዳያት ምስ ካብ ናይ ኤርትራ ዝኸፈአ እንዳወዳደርካ ደሓን ኣለኹ ምባልን እዩ። እቲ ናይ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ መረረን ድምጺ ዘየብሉ መጸዋዕታን ዘንጊዑ፡ እቲ ጉጅለ ድምጺ ጥይትን ቡንባን ስለ ዘይተሰምዐ ጥራይ ንኤርትራ ተወዳዳሪ ዘየብላ ሰላም ዝወረሳ ሃገር ኣምሲሉ ከቕርባ ዝገብሮ ፈተነ እውን ካልእ ናይ ምትላሉ ነጸብራቕ እዩ። ንኣብነት ኤርትርውያን ሓደ ናይ መሰል ሕቶ እንተልዒሎም “ኣብ ግዜ መግዛእታዊ ዘበን ደርግ’ኳ ከምዚ እንድዩ ነይሩ” ምባል ዝተለምደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ዓለምና ንዝሓለፈ ተመኩሮ ከም መወከሲ ኣንዳወሰደት ንቕድሚት ኣብ ምቁማትን ዝሓሸ ንምምጻእ ኣብ ምውድዳርን ዘላትሉ መድረኽ ዓለም-ለኻውነት (globalization) ንኹሉ ነገራት ንድሕሪት መሊስካ ብናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምቕናይን ንድሕሪት ምምላስን ካልእ ናይቲ ጉጅለ ናይ ድሕረት መርኣያ እዩ። ተመኩሮ ብረታዊ ቃልሲ ኣይዘከር ማለት ዘይኮነስ፡ ንቕድሚት ንምምዕዳው ክዕንቅፍ ብዘይክእል መንገድን ብምጡን ኣገባብን ክኸውን መተገብአ ንምባል ዝኣክል እዩ። ስለዚ ናይቲ ጉጅለ ሓጥያትስ ርኢናዮ ኣለና። ንሕና ብሓፈሻ ከም ህዝብን ብፍላይ ከም ደለይቲ ለውጥንከ ካብኡ ክንመሃር ቅሩባት ዲና ዲና ኣይኮናን? እዩ ዝኸውን እቲ ሕቶ። እቲ መልሲ ከኣ ካብ ካልእ ዘይንጽበዮ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ።

20 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Wednesday, 21 October 2015 20:43