ቃለ-መጠይቕ ምስ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

2015-09-30 21:37:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2874 times

ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ 2012 ጀሚሩ ክሳብዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዓወት ዝተዛዘመ ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) 2ይ ጉባአ፡ ኣቦመንበር ባይቶን ፈጻሚ ሽመግለን ኮይኑ መሪሑ። ኣብዚ 2ይ ጉባአ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ምስተመርጸ ድማ ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ፡ ንብጻይ መንግስተኣብ ናይ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ኣቦመንበር ገይሩ መሪጽዎ። ብጻይ መንግስተኣብ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ግዜ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን እውን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ኮይኖም ሓድነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ምንቅስቓስን ተረጋጊጹ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኽምስረት ካብ ዝጸዓቱ ባእታታት ሓደ እዩ። መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ኦርግ (harnnet.org) ነዚ ተመኩሮኡን መጻኢ ዕማማቱን ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ሓያሎ ዛዕባታት ኣዛሪባቶ ኣላ።

ሰናይ ንባብ


ሓርነት፦ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ሰዲህኤ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ኢዩ ተኻይዱ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ 2ይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜንን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብውግእን ወረ ውግእን ጭቆናን ዘይምርግጋእን ኣብ ዝተሓመሰሉን ከም ውጽኢቱ ድማ ዋሕዚ ንስደት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን፤

 ኣውሮጳ ብብዝሒ ስደተኛታት ዝሕዝዎን ዝገድፍዎን ጠፊእዎም ሓንሳብ ንዶባትና ንዕጾ፣ ሓንሳብ ድማ፡ ነተን ስደተኛታት ዝምንጭውለን ዘለዋ ሃገራት ሓገዝ ብምሃብ ነቲ ዋሕዚ ነህድኣዮ፣ ኣብ ዝብልሉ፤

ሕቡራት ሃገራት ዘቖሞ ኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝግለጽ 483 ገጻት ዝሓዘለ ጸብጻብ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበሉ፤

መንእሰያት ዝበዝሕዎ፥ በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ብሓደ ሸነኽ ንጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ብምድጋፍ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምዅናን ኣብ ጀነቫን ካልኦት ከተማታትን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ፤

ስርዓት ህግደፍ እናተሸምረረ፡ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ብዓቐን እናሳዕረረን እናዓመረን ኣብ ዝኸደሉ፤
ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታተኑ ተርእዯታት ኣብ ዝተባራኸተሉ፤ ናይ ደምበ ተቓውሞ ሓቢርካ ምስራሕን ምርድዳእን ኣብ ዝበዀረሉ. . . እዋን ኢዩ ተኻይዱ።

ሓርነት፦ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ንኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውንነት ብኸመይ ኢዩ ገምጊምዎ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ገምጋም ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ንኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውንነት ከም'ዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ።

1. ብመንጽር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ኤርትራዊ ዘሕልፎ ዘሎ ሃለዋት
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡- ኤርትራ፡ ብዘይቅዋም እትምሓደር፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላን ናይ ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ዲክታቶር ዝተማእከለላ፡ ምርጫን ፖለቲካዊ ውድድርን ዘይካየደላን ሃገር ምዃና። ካቢነ ሚንስተራት ዝብሃል ንስም እንተዘይኰይኑ ከም ትካል ህይወት ከምዘይብሉ። ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ ዝርከብ ምዃኑ። ናይ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ ምንቅስቓስ፡ እምነት፡ ምጽሓፍ፡ ...ወዘተ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት ብቐጻልነት ይግሃሱ ምህላዎም። ኤርትራ፡ ሰባት ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ዝእሰሩላ፡ ጋዜጠኛታት ዝህደኑላ፡ ድምጺ ሓደ ሰልፊ ጥራሕ ዝስምዓላ፤ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምዕጣቕ ብረት ንኣረጋውያንን ንናይ ህዝቢ ተስፋ ዘጸልመቱን፡ መንእሰያት ንስደት ከምርሑን ካብ ዝደረኹን ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ኢዩ ጕባኤ ገምጊሙ።

ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፦
ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝተኸተሎ ኣብ ትዕቢትን ኵራን ዝተሰረተ ዲፕሎማሲ፡ ንኤርትራ ካብ ጐረባብታ፡ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ከምእትንጸል ገይርዋ ኢዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ብሰንኪ ንኣልሸባብ ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ፡ ካብ ታሕሳስ 2009 ጀሚሩ ብሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ተነቢርሉ ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኢዩ።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ግን፡ ስርዓት ኣስመራ፡ ፖሊሲታቱ ክቕይር ይርአ ኣሎ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ወኪል ኤርትራ ናብ'ቲ ባዕሉ ዝተሓሰሞ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ እንደገና ምምዛዙ፤ ኣብ የመን ንሆትይን ይድግፍ'ዩ ተባሂሉ ክሕመ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ስዑድያ ዑደት ብምክያድ፡ ኣብ ጐኒ'ቲ ኣንጻር ሆቲይን ቆይሙ ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ደው ምባሉ፤ ንሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ንሃገራት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብዋሕዚ ብዝሒ ስደተኛታት ሓዲርወን ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ስግኣት ብምምዝማዝ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክገብረሉ ኢየ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ኢየ፡ ቅዋም ክነድፍ ኢየ ብምባል ከደናግር ይፍትን ምህላዉ ኢዩ ጕባኤና መዚኑ።

ኣብ ቍጠባዊ መዳይ፦
ኣብ ኤርትራ፡ ሕጽረት ነዳዲ፡ መግቢ፡ ማይ፡ ኣባይቲ፡ ሕክምና፡ ብሓጺሩ ሕጽረት ኵሉ ዓይነት ንምንባር ዘድሊ መሰረታዊ ነገራትን ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራን ክርአ ጸኒሑን ኣሎ። እቲ ዝርካቡ ሃለኽቲ ኣቝሑ ብኮንትራባንድ ኢዩ ዝኣቱ። እዚ ከኣ ኣዝዩ ክቡር፡ ምስ ዓቕሚ ህዝቢ ዘይከይድ’ዩ። እቲ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣብ ደገ ሰብ ዘለዎ ጥራይ ምዃኑ።

ናይ ህንጻ ኩባንያታት ኣለዋ። ግን ተዳኺመን ኢየን። ብዋሕዲ ናይ ስሚንቶ፡ ንዋትን ሰብን ይሳቐያ ኢየን። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝዋፈሩ ኤርትራውያን ሰብ ርእሰማል፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ዝህነጽ ነገር ከምዘየለ ኢና ርኢና፡

ናይ ሓመድ ጽርግያታት ዳርጋ ንብዙሕ ክፍሊታት ኤርትራ ዘራኽብ ተሰሪሑ’ዩ። ህዝብን ኣቝሑን ዝመሓላለፈሉ ግን ኣይኰነን። እቲ ነባር ጽርግያታት'ውን እንተዀነ፡ ከም'ቲ ቅድሚ ናጽነት ዝህቦ ዝነበረ ኣግልግሎታት ይህብ የለን። ስለዚ፡ ኵነታት ጽርግያታት ኤርትራ ከም'ቲ ካልእ ጽላታት ቁጠባ ሃገርና ኣብ ቀጻሊ ዕንወት ምንቍልቋልን ኢዩ ዝርከብ። እቶም ተሰሪሖም ተባሂሎም ብዙሕ ዝዝረበሎም ሓጽብታት ውን እንተዀኑ ኣብ ኣገልግሎት ህዝብና ኣይወዓሉን።  

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ፦
ንትምህርቲ ዝምልከት፡ እታ ሓንቲ ዝነበረት ዪኑቨርስቲ ተዓጽያ ብብቕዓት ዘይብሉ ኮለጃት ኢያ ተተኪኣ። ካብታ curriculum ዝኸለሱላ ዕለት ንድሓር ዘሎ ኩነታት ትምህርቲ ኣጸቢቑ ኣንቆልቍሉ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ይርከብ። ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ታዕሊም ምክያዱ፡ ንስድራ ቤታት፡ ንትምህርትን ተመሃሮን ብኣሉታ ኢዩ ዝጸልዎም ዘሎ።

ኣገልግሎት ሕክምና ብማዕረ ትምህርቲ፡ ወዲቑ’ዩ። ልክዕዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ናይ ኤርትራ ኣገልግሎት ጥዕና ክህብ ተባሂሉ ዝተሃንጸ ኣዝዩ ብዙሕ  ክሊኒክን ኣባይትን ኣሎ። ግን፡ ገዛ ብዘይ ሓካይምን መሳርሒ ሕክምናን ኢዩ። ኣብ ሆስፒታል ኬድካ ኣገልግሎት ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። እንተተረኺቡ ውን ብሰበይ ሰብካ ኢዩ ኰይኑ። እቶም ሰበስልጣን ከይተረፉ ኣብ ሱዳን ከይዶም ኢዮም ዝሕከሙ ዘለዉ።

ምብትታን ስድራ ቤታትን ዝኽትምናን ካብ ክትገልጾ ዝከኣል ንላዕሊ ዓሪጉ ይርከብ። ኣፍራዪ ዓቕሚ መንእሰይ ኤርትራ ንስደት ኢዩ ዘምርሕ ዘሎ።

2. ብመንጽር ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ፦

ደምበ ተቓውሞ ወይ ድማ ደምበ ደለዪቲ ፍትሒ፡ ብዓቐን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸን እናበረኸን ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ተስዓታት ዝነበረ ሃለዋትን ሎሚ ዘሎን ከነነጻጽሮ ከለና ሰማይን ምድርን ኢዩ። ኣብ ተስዓታት ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ምዝራብ ከም ነውሪ ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ። ተቓወምቲ ስርዓት ውን ውሑዳት ኢዮም ነይሮም። ደገፍቲ'ቲ ስርዓት ተባሂልዎም ጥራሕ ዘይኰነስ ብዕግበቶም መንግስትና እናበሉ ዝከላኸልሉ ኵነታት ኢዩ ሰፊኑ ነይሩ። ብሓጺሩ፥ ተቓወምቲ መሕለፊ መንገዲ ዝስእንሉ ኵነታት ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሳላ ብጽንዓት ዝተቓለሱ ግን፡ እቲ ኵነታት ተቐይሩ። ተቓውምቲ ዝስስንሉ ዘመን መጺኡ። እቲ ጸቢብ ዝነበረ መንገዲ ገፊሑ። ናይ'ቲ ስርዓት መራሕትን ኣባላትን ዝነበሩ ዜጋታት ሎሚ ተቓወምቲ ኰይኖም፡ ንደገ ንምውጻእ ዕድል ዝረኸበ ዲፕሎማሰኛ፡ ስፖርታዊ፡ ተመሃራይ፡ በብዝኸዶ ዑቝባ ይሓትት ኣሎ። ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ሃገሮም ሲኦል ስለዝዀነቶም ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝተጋህዱ ምንቅስቓሳት፥ ኣድማ ተጋደልቲ ናይ 1993፡ ኣድማ ኣካለ ስንኩላን (1995)፡ ናይ እሱራት ዓዲ ኣበይቶ ኣበያታት፡ ናይ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ጋዜጠኛታትን ፍትሓዊ ሕቶታትን ተቓውሞታን (2001) ናይ ወዲ ዓሊ ዝመርሖ ናይ ገለ ክፋል ናይ ሓይልታት ምክልኻል ምንቅስቓስ (2013) . . .ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ። ከምኡ'ውን፥ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራት እናዓምበባን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንቃሕን ኣብ ምቅላዕ ስርዓት ኢሳያስን ዓቢ ኣበርክቶ እናገበራን ይኸዳ ምህላወን ኢዩ ጕባኤ ገምጊሙ።

ደምበ ተቓውሞ ብዓቐን እኳ እናሰሰነ ይኺድ ደኣ'ምበር፡ ብሰንኪ ምፍንጫላትን ብሰንኪ ስእነት ስምምዕን ምርድዳእን ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን። ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ፥ ስርዓት ኢሳያስ፡ ዝደፍኦ ሓያል ተቓዋሚ ስለዝሰኣነ ኢዩ ዕምሪ ስልጣኑ ከናውሕ ክኢሉ ዘሎ ዝብል ገምጋም ኢዩ ገይሩ። ደምበ ተቓውሞ ድኽመታቱ ከለሊ ምኽኣሉ ብኣወንታ ዝርአ ኣኳ ይኹን እምበር ንድኽመታቱ ክፈትሕ ዘይምኽኣሉ ግን ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ኢዩ።

ሓርነት፦ እዚ ጕባኤ'ዚ ካብ'ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጕባኤ ዝፈልዮ ነይሩ'ዶ? እንተነይሩ እንታይ ኢዩ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ቀዳማይ ጕባኤ ሰዲህኤ፡ ብዓይነቱ መስመሪ ጕባኤ ናይ ዝተፈላለዩ ውድባት ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዝሰመርሉ ጕባኤ ኢዩ ነይሩ። ቀንዲ ዕማም ናይ'ቲ ጕባኤ፡ ንዝሓለፎ መድረኽን ዝሰርሖም ዕማማትን ምግምጋም ዘይኰነስ፡ ኵሎም እቶም ብዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ውድባት ዝሰማምዕሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ምጽዳቕን፤ ከምኡ'ውን፡ ንሰለስቲአን ውድባት ዘንጸባርቕ መሪሕነታዊ ኣካላትን ትካላትን ምቛም ኢዩ ነይሩ።

ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ግን፡ ዝዓበየ ስርሑ ነቲ ካብ ሓምለ 2011 ክሳብ ነሓሰ 2015 መሪሕነት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዘካየዶም ንጥፈታትን ጕባኤ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሃገርና፡ ዞባናን ዓለምናን ሰፊኑ ዝነበረ ኵነታትን ምግምጋም ኢዩ። ልክዕ'ዩ ንክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዳህሳስ ኣካይዱን ከመሓየሽ ኣለዎ ዝበሎም ገለገለ ምምሕያሻት እውን ገይርሉን ኢዩ።

ኣብ ካልኣይ ጕባኤኡ፡ ሰዲህኤ፡ ንኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይ ንምርግጋጽ ብሓደ ሸነኽ፤ ንምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ናብ ኤርትራዊ መንእሰይ ደማ በቲ ካልእ ሸነኽ ዓቢ ትዅረት ኢዩ ገይርሉ። ነዚ ክውን ንምግባር፡ ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታት ምዃኑ ድማ ጕባኤ ኣረጋጊጹ። ካብ'ዚ ሓሊፉ ሓድሽ ኣወዳድባን ዘመናዊ ናይ ርክብ መስመራት ንክዝርጋሕን ከኣ ጉባኤ ወሲኑ። ብዘይካ'ዚ መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንኽሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ እናዛሕተለ ኢዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ጠንቂ ናይ'ዚ ዝሕተላ'ዚ እንታይ ምዃኑ መጽናዕቲ ክግበረሉ ወሲኑ ኣሎ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ኣመራርሓ ሰልፊ ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ብዝያዳ ከምዝብርኽ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ጕባኤ ኣብ ማእከላይ ባይቶ 2 ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኢየን ነይረን። ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ግን ቍጽረን ናብ 5 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ፡ ብኣደ መንበርነት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ኢዩ ተሰናዲኡ። እዚ ኣብ ተመኵሮ ሰልፍና ይኹን ኣብ ተመኵሮ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኢዩ ዝመስለኒ።

ካልኣይ ጕባኤና፡ ነቲ ብኮሚሽን ምርመራ ጕዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ንኤርትራውያን ግዳያት መሰረት ገይሩ ዝወጸን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ መጻብቦ ኣእትይዎ ዘሎን ጸብጻብን ንዓኡ መሰረት ገይሩ ንዝተወስደ ውሳነታትን መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ደገፉ ገሊጹ ኢዩ። ኣብ ቀጻሊ ስራሓት ኣጻራይት ሽማግለ ክተሓባበር ድልዊ ምህላዉ ድማ ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከምቲ ዝጀመርዎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንኸብቅዕ ዝገብርዎ ተጽዕኖ ኣብ መወዳእታ ንኸብጽሕዎ ደጊሙ ጸዊዑ ኢዩ። ጕባኤ፥ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንዝፍጽሞ ዘሎ ምፍራስ ናይ ኣባይቲ ብትሪ ኰኒንዎ ኢዩ።

እዞም ንተራ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ንኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላትን ምፍራስ ኣባይትን ዝምልከቱ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ውሳኔታት ሓደስቲ ኢዮም። ኣብ ቀዳማይ ጕባኤና ኣብ ዘሕለፍናዮም ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣይነበሩን።

ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ናይ ተዓዛቢ ቦታ ኣብ ሶሽያሊስት ኢንተርናሽናል፡ መስራቲ ኣባል ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምክያዱ፡ ሰዲህኤ ምስ ማሕበራውያን ሰልፍታት ዘለዎ ዝምድና እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ ዘመልክት።

ሓርነት፦ ንተራን ተሳትፎን መንእሰያት ካብ ኣልዓልካ፡ እዚ ቃልሲ ብመንእሰያት ክምራሕ ኣለዎ፡ እቶም ዝኣረጉ መራሕቲ ከልግሱ ኣለዎም ዝብል ካብ ገለ መንእሰያት ዝስማዕ ኣርኣእያ ከመይ ኢኻ ትርእዮ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ኣብ ኤርትራ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ለውጢ ክመጽእ ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ለውጢ ከይተዳለና ከይመጽእን ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሕንፍሽፍሽ ከይኣትዉን ክንሓስበሉ ኣለና። ሓደ ንፉዕ ዓላሚ ናይ ሓንቲ ጋንታ ናይ ስፖርት ኣባላታ ኵሎም ክሳብ ዝኣርጉ ብዘይ መተካእታ ኣይጽበይን ኢዩ። ነቶም ዘዝዓበዩ ብንኣሽቱ እናተክኤ፡ ማለት ምኩራትን ሓደስትን እናዛነቐ ኢዩ ዝኸይድ። እቲ ምትኽኻእ ከም ዘየቋርጽ ውሕጅ፡ እቲ ቀዳማይ እናሓለፈ፡ እቲ ዳሕረዋይ እናሰዓበ ክኸይድ ኣለዎ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንኽሎም እቶም ምኩራትን ክኢላታትን ገዳይም ተጻወቲ ብሓደ ግዜ ኣልጊሱ ብሓደስቲ ዝትክእ ዓላማይ ውን ነታ ጋንታ ንሓደጋን ንውድቀትን ኢዩ ዘቃልዓ።

ምዝናቕ ንቐጻልነት ቃልሲ ኣገዳሲ ምዃኑ ተረዲእና ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ካብ ገዳይም ናብ ሓደስቲ ምስግጋር ብጥንቅቑን እተጸንዐን ኣገባብ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ክንክእል ኣለና። መንእሰያት ይኹን ዓበይቲ ነናቶም ኣወንታውን ኣሉታውን ሸንኻት ኣለዎም። ነቲ ኣወንታታት ናይ ክልቲኡ ዕድመ ብምዝናቕ ኢዩ ዕዉት ቃልሲ ክካየድ ዝኽእል።

ንዓበይቲ ገዳይም መራሕቲ ቀስ ብቐስ ብሓደስቲ መራሕቲ ምትካእ ካልእ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። እቲ ኣብ መንጐ ንብዙሕ ዓመታት ብሓባር ዝሰርሑ መራሕቲ ዝፍጠር ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ውድድርን ስምዒታት ኰነ ወይ ድማ ናይ ዘይምንቅቓፍን ሸለል ተባሃሂልካ ምትሕልላፍን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ልምድታት ይንክዮም ኢዩ።

ሓርነት፦ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ጕዳይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ኣዘራራቢ'ዩ ዘሎ እሞ፣ ንዑኡ ብዝምልከት ውሳኔ ጕባኤኹም እንታይ ኢዩ? ብግብሪ'ኸ ኣብ'ዚ መዳይ እንታይ ክትሰርሑ ኢኹም?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ካልኣይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ "ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፥ ኵሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን ዘተባብዕን፣ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ ምስ ኵሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሐ ናይ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ" ኣሎ።

ሰዲህኤ፡ ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንጕዳይ ምጥርናፍ ወይ ሓባራዊ ስራሕ ካብ ኣበጋግሳኡ ጕድለት ከምዝጸንሖ ኢዩ ክገልጽ ጸኒሑ። እቲ ንምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ዝተኸደ መስርሕ፡ ናይ መን ዓብለለ መንፈስ ዝገዝኦ፣ ቂምን ቅርሕንትን ምትህልላኽን ዝነገሶ ጕዕዞ ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣብ መንጐ ኣሓት ውድባት ናይ ዘይምትእምማን ናይ ሕድሕድ ምጥርጣርን መንፈሳት እናበረኸ ከምዝኸይድ ኢዩ ገይሩ። እዚ ሃለዋት'ዚ ድማ ኢዩ ንኤሃባደለ ወስ ቀስ ከምዘይብል ገይሩ ወጢሩ ሒዝዎ ዘሎ። ካብ'ዚ ኣተሓሳስባን ጐደናን እዚ ከይወጸ ድማ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ ዝመስለኒ።

ስለ'ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ኵሉ ተቓዋማይ ከከም ዓቕሙ እጃሙ ዘበርክተሉ፡ ህዝቢ ናተይ ኢዩ ዝብል ናይ ዋንነት ስምዒት ዘሕድረሉን ዝዓስሎን፡ ኣህጕራዊ ደገፍ ዘለዎ ምጥርናፍ ወይ ምጥርናፋት ክውን ንምግባር ከም ብሓድሽ ክበጋገስ ከምዘለዎ ኢዩ ዝርኢ። ሰዲህኤ፡ ደጊሙ እቶም ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክሳብ ምጽንባር ዘብጽሕ ሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ፣ እቶም ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ድማ፡ ኣብ መንጐኦም ስኒት ዘስፍን፡ ንሓባራዊ ናይ ቀረባ ዕላማታት፡ ማለት ንስርዓት ህግደፍ ምውጋድን ርግኣት ምስፋንን ዝዕላማኡ መድረኽ ንምፍጣር ዝሕግዝ ናይ ምጽውዋር፡ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ባህሊ ከጐልብቱ ደጊሙ ጻውዒቱ የቕርብ። ደምበ ተቓውሞ ኣንጻር ሕድሕዱ ዘካይዶ ቃልስን ምውንጅጃልን ንቕድሚት ዘየሰጕምን ንዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘናውሕን ስለዝዀነ ኵሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ ደው ንኽብል ዝከኣሎ ጻዕርታት ክገብር ንምሕጸን። መጻኢ ዘማዕደወ ኣገዳሲ ኣኼባ

ሰልፍና፡ ብግብሪ ምስ ብዙሓት ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካዕባዊ ርክባት እናኣካየደ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐኦምን ህዱእ ኵነታት ክፍጠር ክጽዕር ጸኒሑ። ሕጂ'ውን ነዚ ክቕጽሎ ኢዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ምስ ነፍስወከፍ ተቓዋሚ ውድብ፡ ብማዕረ'ቲ ኣብ ምርድዳእ ዝበጽሓሎም ጕዳያት ሓቢሩ ክሰርሕ ድልዊ ኢዩ።

ሓርነት፦ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ለውጢ መስርሕ ከመይ ኢኻ ትገልጾ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ህዝቢ ለውጢ ይደሊ ኣሎ። እዚ ንጹር ኢዩ። ኣቐዲመ እውን እቲ ተቓዋማይ እናበዝሐ፡ እቲ ንስርዓት ዝከላኸል ድማ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጸ ነይረ። ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ግን ተወዲብካ ብምቕላስ ኢዩ። እዚ፡ ካብ ተመኵሮና ይኹን ካብ ተመኵሮ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተመሃርናዮ ሓቂ ኢዩ። ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ድማ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ማዕረ'ቲ ጠለብ ኰይኖም ኣይተረኽቡን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት በብእዋኑ ዘጋጥም ምፍንጫላትን ኣብ ሕድሕዶም ዘካይዶዎ ምጥቅቓዕን ንፍናን ህዝብና ኣብ ምድኻምን ንዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምንዋሕን ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ክንእመነሉ ይግባእ። ብሓጺሩ፥ ህዝቢ ዝመርሖ ስኢኑ እምበር ንለውጢ ካብ ዝብህግሲ ሓጺር ግዜ ኣይኰነን ምባል ይከኣል ኢዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጅነቭ ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ።

ሓርነት፦  ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ደለዪቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ኣባላት ሰልፊ ድማ ብፍላይ እንታይ ክገብሩ ትጽውዕ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ደለዪቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ኣባላት ውድባት ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጐኦም ንዝርከብ ፍልልያትን ዘይምርድዳኣትን ብግቡእ ኣመሓዲሮም፡ ኵሉ ዓቕሞም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ክጸምዱ ይግባእ እብል። ፍልልያት ክርከቡ ከለዉ ድማ፡ ኣብ ኵራን ጽልእን ኣብ ወብሳይት ከድካ ምውንጅጃልን ክንዲ ምምራሕ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ብግሉጽ ኣገባብ ተላዚብካ ንምውጋኖም ምጽዓር ስልጡን ኣገባብ ምዃኑ ከስምረሉ እፈቱ። ከም ውልቀሰባት ኰነ ከም ውድባትን ሰልፍታትን ንዝዓበየ ዕላማ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ነቲ ንቕድሚት ዘየሰጕም ቆይቊታትን ጸለመታትን ትርጕም ዘይብሉ ምትህልላኻት ዕሽሽ ኢሎም ክሓልፍዎ ይግባእ እብል።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ደለዪቲ ፍትሒ ኣብ ዘዝርከብሉ ከባቢታት ወይ ከተማታት ተጠራኒፎም ብሓደ ሸነኽ ንተግባራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምቅላዕን ምብዳህን ኵሉ መዳያዊ ንጥፈታት ከካይዱ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዞም ብዙሕ ስቅያትን ሓሳረ-መከራን ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ዘለዉ ስደተኛታት ምስ መነባብሮ ናይ ሃገራት ምዕራብ ከላልይዎም፡ ምኽሪ ክህብዎም፡ ክሕግዝዎምን ኣብ ሃገራዊ ዕማማት ክሳተፉ ከተባብዕዎምን ክጽውዕ ወይ ክላቦ እፈቱ። ከምኡ'ውን፡ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ሞያውን ኣካዳምያውን ስልጠናታት ክውሃቦም ብደረጃ ዞባናን ዓለምን ክንጕስጕስ የድልየና።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ንምባል ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ደገፍ ንምሃብ ኣብ ዝዋናወነሉ ዘሎ እዋን፡ ብሓደ ኢድ ኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ኣውጺእካ ብስርዓት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ምዅናን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብስደተኛታት ኣመሳሚስካ ንዲክታቶርያውያን ምድጋፍ ዝዓይነቱ ድርብ መስፈርትን ዘይቃዶ ኣተሓሕዛን ከነቃልዕን ተቓውሞታትና ከነስምዕን ክንክእል ኣሎና እብል። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ናይ ሓባር ሽማግለታት መዚዝካ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኻት ምውፋርን ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ናይ ተቓውሞ ድምጽታትካ ምስማዕን የድሊ።

ሓርነት፦ ኣብ መወዳእታ ከተመሓላልፎ እትደሊ ዘይጠቐስካዮ መልእኽቲ እንተልዩ?

ብጻይ መንግስተኣብ፦ ኣብ መወዳእታ ክጠቕሶ ዝደሊ ተራ መራኸቢ ብዙሓን (ሚድያ) ዝምልከት ኢዩ። መራኸቢ ብዙሓን ብግቡእ እንተደኣ ተጠቒምናሎም ንሓደ ሕብረተሰብ ዘበርክትሉ ጥቕምታት ማእለያ የብሉን። ብጌጋ እንተደኣ ተጠቒምናሎም ከኣ ዘስዕብዎ ጕድኣት ቀሊል ኣይኰነን። ስለዝዀነ ድማ፥ ናይ መንግስቲ ይኹኑ ናይ ተቓወምቲ ውድባት መራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ክጐድእ ካብ ዝኽእል ተግባራት ክቍጠቡ ይግባእ። መራኸቢ ብዙሓን ንሰብኣዊ መሰላት፡ ንሰላም፡ ንፍትሒ፡ ንብልጽግና፡ ንፍቕሪ፡ ንትግሃት፡ ንሓድነት . .  . ወዘተ ዝኣመሰሉ ክብርታት ክጣበቑን ክጕስጕሱን ኣለዎም ደኣ'ምበር፡ ንባእሲ፡ ጽልኢ፡ ምቍንጻብ፡ ምፍልላይ፡ ጭቆና፡ ውግእን ወረ ውግእን ዝኣመሰሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ከመጕሱን ከተባብዑን ኣይግባእን።

ኣጠቓቕማ ኤርትራውያን ንመራኸቢ ብዙሓን ኣዝዩ ዘሻቕል ኢዩ። ርትዓዊ፡ ሓቀኛ፡ ዘይሻራውን መሃራይን መራኸቢ ብዙሓን የብልናን እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን። ንቆይቕን ምጽልላምን ንናትካ ሸነኽ ጥራሕ ምምጓስን ምንኣድን ኢና ንጥቀመሎም። ስለዝዀነ ድማ፡ ህዝብና ካብኦም ዝረኽቦ ጥቕሚ የለን።

እዚ ስለዝዀነ ናይ ህዝቢ ተኣማምነት እናሰኣኑ ኢዮም ክኸዱ ዝርኣዩ ዘለዉ። ዕላማ ናይ ኵሎም መራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ምግልጋል፡ ንህዝቢ ዋና ጕዳዩ ምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም በደላት ምቅላዕ፡ ንመንግስቲ ምቍጽጻር ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘዝመጾም ጽሑፋት ወይ መልእኽቲ ከምዘለዎ ምልጣፍ ወይ ምሕላፍ ዘይኰነስ፡ ናይ'ቲ ዝልጥፍዎ ዘለዉ ጽሑፋት ትሕዝቶ ክመምዩን፡ ምስ'ቲ እቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝቘመሉ ክብርታት ይሳነዩ ድዮም ኣይሳነዩን ክግምግሙን ዝጠቅምን ዝጐድእን ፈላልዮም ናብ ህዝቢ ከመሓላልፉን ሓላፍነት ከምዘለዎም ክፈልጡ ይግባእ።

ሓርነት፡ ብጻይ መንግስተኣብ፡ ስለቲ ምስ ዘለካ ከቢድ ሓላፍነት ድኻምካ ክይጸብጸብካ ሕቶታትና ዝመለስካ ብስም ኣንበብቲ ኣዚና ነመስግን።

ብጻይ መንግስተኣብ፡ ኣነ እውን ናብ መላእ ኣባላት ሰልፍን ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያንን መልእኽተይ ከመሓላልፍ ንዝተፈጥረለይ ኣጋጣሚ ኣዝየ የመስግን።

ተፈጸመ

Last modified on Thursday, 01 October 2015 12:42