ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
2015-09-08 12:32:49 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ፍራንክፈርት Published in EPDP News Read 4005 times"ናይ ጽባሕ ዘይኰናስ፡ ናይ ሎሚ፣ ናይ ሕጂ ተረከብቲ ሕድሪ ክንከውን ኣለና"
ቃል ክብሮም ዓንዶም
ክብሮም ዓንዶም ሓደ ካብቶም ብዕድመ ዝናኣሱ ኣብቲ ብዕለት 30 ሓምለ 2015 ዝተሰላሰለ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጨንፈር ተወኪሎም ዝተሳተፉ ኣባላት ሓደ እዩ። ንዝወከለቶ ጨንፈር ተመሊሱ እንታይ ከምዝተገብረን ከምዝተኻየደን ክሕብር ንቡር ስለዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝተገንዘቦ ናይ ሓሙሽተ ማዓልታት መስርሕ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ናይ ዕለት 06.09.2015 ክገልጽ እንከሎ፡ "ኣነ ኣብቲ ጉባኤ ምስታፈይ ዕድለኛ እየ፡ ካብ ኣቦታተይን ኣዴታተይን ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ተማሂረ፡ ንዓይ እቲ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ እዩ ኰይኑኒ ቀንዩ። ብዙሕ፡ ብዙሕ ዘይፈልጦን ንምርዳኡ ዘጸግመኒ ዝነበረ ነገራትን ክፈልጥ ክኢለ። ተዛሪብካ፡ ተዛሪብካ ኣብ ሕደ መደምደምታ ክትበጽሕ እንከለኻ፡ እታ ዲሞክራሲ ሽዑ ኢኻ ትርእያ። እቲ ዝዓበየ ሽግር ናይ ህዝብና ድማ ከምኡ ዝኣመሰለ ጉዳያቱ ኣልዒሉ ድላዩ ክዛረበሉ ዝኽእል ዕድል ዘይምርካቡ እዩ። እቶም ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ኣብዚ ኣብጺሖምና እዮም፡ ምሳና ድማ ከርተት ይብሉ ኣለዉ። ሕጂ ንሕና ከም መንእሰያት እንታይ ንግበር ኢዩ እቲ ዘረባ።
ኣነ ብርእይቶይ ህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ መከራ ከነድሕኖ እንተዀና፡ ናትና ግደን ሓላፍነትን ከነርኢ ኣለና። እቲ ኣፍ ደገ ተኸፊቱልና ኣሎ፡ ንጠቐመሉ፡ ብዙሓት ሰባት መንእሰይ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሕድሪ እዩ እዮም ዝብሉ፡ ኣነ ግን ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣይሳማማዓላን እየ። መንእሰይ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሕድሪ ዘይኰነስ፡ ናይ ሎሚ፡ ናይ ሕጂ ተረካቢ ሕድሪ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ህዝብና ሎሚ/ሕጂ እንዳጠፋኤስ፣ ንጽባሕ ክንጽበ።ነዚ ንኽንገብር ግን፡ ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ዕድል ንጠቐመሉ። ኣኼባና ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ዘይኮነስ፡ ንምንታይ ከ ክልተ ግዜ ዘይንገብሮ፡ ክሕብሩናን ክምህሩናን ዝኽእሉ ምሳና ኣለዉ። ፍሉይ ናይ በይንና መንእሰያት ኣኼባ እውን ክንገብር ዝኽልክለና የለን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ናይ መንእሰያት ገይሩ ኣሎ። ነዚ ዕድልዚ ንጠቐመሉ። ሎሚ ኣብ ስደት ዘስግእ ነገር የብልናን። እቶም ኩሉ እንዳፈለጡ ፈሪሖም ዝኸዱ ዘለዉ፡ እቶም ሰዓብቲ ናይ ህግዲፍ እዮም፡ ድሕሪ ምባሉ፡ ምስ ሓደ ብቦንድ ገዛ ዝሰረተ ግን ከኣ፡ ክሳብ ለይተ ሎሚ ዘይተወዳኤትንዘይረኸባን ኤርትራዊ፡ዝገበርዎዕላል፡ 'ንፈልጥ እንዲና፡ እንታይ እሞ ክንገብር ኢልካና'፡ ክብል ከምዝደምደመ ምስ ሓበረ፡ ኣኼበኛ ይስሕቕ። ቀጺሉ፡ "ተመልከቱ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢ ጸገም ኰይኑና ዘሎ፡ ሽግር ናይ ኤርትራ ህግዲፍ ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ግን ክገብሩ ዘይኽእሉ ምዃኖም ባዕላቶም ይነግሩና ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ንበገስ፡ ዝካኣለና ንግበር። ሰብና እንደፈለጠ ስለዘጽቐጠ እዩ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ዝነብር ዘሎ። ክብዚ ንላዕሊ ከይነውሕ ኩልና ግዴና ክንገብር ኣለና" ክብል መግለጺኡ ደምደመ።
ስዒቡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ መብርሂ ንኸቕርብ መሪሕነት ጨንፈር ብዝተዋሃቦ ዕድል መሰረት፣ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታዊ መግለጺ፡ "ብመጀመርታ እቲ ጉባኤ ብኲነታትና መሰረት ኣብ ክልተ ቦታታትን ኣብዝተፈላለየ ግዜን ዝተሰላሰለ ምንባሩ፡ ኣድላይነት ናይ ጉባኤን ትጽቢታቱን፡ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ዓውደ ስራሓት እትግምግመሉ፡ ዝጸንሐ ሽግራትካ ፍታሓት እትእምተሉን፡ ኣብ ሓድ ግዜ መዓልቦ ክትገብረሎም ዘይትኽእል ዛዕባታት፣ ግዜ ከምዝወስዱን ፍሉያት ሰባት መዚዝካ ፍታሓት እተቕርበሉን ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ምስግጋር ስልጣን ካብዝጸንሐ መሪሕነት ናብ ሕድሽ ዝተመርጸ መሪሕነት ዝኽተሎ ዲሞክራስያዊ ኣገባብን፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ዝጸደቑ ሰነዳት፡ ብፍላይ ድማ ኣገዳስነት ቅዋምን ኣብ ሰልፊ ብኸመይ ይስራሓሉን ኣድላይነቱን፡ ኤርትራና ድማ ብቕዋም ዝሰርሕ ስርዓት ብዘይምቋማ እዩ፡ ብመዘወር ናይ ሓደ ሰብ ናብ ናይ ጥፍኣት ጐደና ተሸሚማ ምህላዋ ኣዛሚዱ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ምናልባሽ እቲ ሓደ ክፋል ናይ ጉባኤና ኣብ ኢትዮጵያ ብምክያዱ፡ ቅሬታታት ዝስምዖም ኤርትራውያን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ብሰሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ግንዛበ ንኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ኤርትራውያን ብኣልማማ ዝጻብኡ ሰባት ምህላዎን፡ እንታይን ብኸመይን ትሰርሕ እንተዘይኰይኑ፤ ዕድል ምስዝርከብ ተቃወምቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት፣ ኤርትራዊ ኣብዝርከቦ ሃገርን ዓድን ክሰርሓን ክንቀሳቐሳን ከምዝግባእ፡ ሰልፍና ድማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርኽክብ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን፡ ፈላልዩ ዝርእን ስለዝኾነ ኣይንሽገረሉን ኢና። ብድልየትና እንተዝኸውን ድማ ጉባኤና ኣብ ሃገርና ክኸውን ምመረጽና፡ ነዚ ንምርግጋጽ እዩ ድማ ቃልስና፡ እዚ ዕድልዚ ነይሩ እንተዝኸውን ህዝብና ኣይምስተበታተነን ነይሩ። ፕሮፖጋንዳ ናይ ህግዲፍ ከድማዓልና ኣይግባኣን። ኣብ መንጎ መንግስታት ዘሎ ክርክርን ህልኽን፡ ኣብ መንጎ ዶባውን ኣህዛብ ክልቲኣኡ ሃገራት ዘሎ ዝምድናታትን ሕጋዊ መስርሓትን ፈላሊና ክንፈልጦን ክንሕዞን ይግባኣና።
እቲ ኣብ መጠረስታ ዝስራዕ ዛዕባ ናይ ጉባኤ ድማ፡ መረጻ ሓድሽ መሪሕነት ኰይኑ፡ ንጉሰ፡ "ንጉባኤን ኣብ ጉባኤን ኩሉ ኣባል ሰልፊ ይመርጽ ኣምበር፡ ኩሉ ኣይምረጽን እዩ" ድሕሪ ምባሉ፡ ንመረዳኣታ እዚ ጨንፈርዚ ወከልቱ መሪጹ ኣብ ጉባኤ ተሳቲፎም፡ ዝወከሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ድማ ንመሪሕነት ሰልፊ መሪጾም፡ በዚ መሰረት ኣብ መረጻ መሪሕነት ኩልና ተሳቲፍና ኢና። እቶም ዝተመርጹ ግን 33 ቀወምቲ ኣባላትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ማኣከላይ ባይቶን እዮም። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ሓደ ሰልፊ ኮነ ሃገር ኩሉ ንይሕሸነ እዩ ዝብሎ መራጺ እምበር ተመራጺ ክኸውን ኣይኽልን እዩ ዘበለኒ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ዘይንፈትዎምን ዘይንደልዮምን ሰባት ክምረጹ ይኽእሉ እዮም። ግን ናይ ምድላይን ዘይምድላይ ጉዳይ ኣይኰነን፡ ናይ ዲሞክራሲ ጉዳይ እዩ፡ ዲሞክራሲ መራር እያ፡ ዘይተጸበኻዮን ዘይሐሰብካዮን እውን ይፍጸም እዩ። ግን ድልየታትካን ትጽቢታትካን ንምውዕዋት ምስ ኩሉ ምረታ ክትውሕጣ እዩ ዝግባእ። ንፍትሕን ንዲሞክራስን ዝቃለስ ድማ፡ ዲሞክራሲ ዝሃበቶ ክሳብ መዓልቱ ክቕበላን ተሰኪምዋ ክኸይድን እዩ ዝግባእ። ኣብ ኤርትራ እዚኣ ስለዝሳኣናያ ኢና ንበታተን ዘለና። ኩልና ከም ኣገባብ ዘይመረጽናዮ ሰብ ክመርሓና ከነፍቅድ የብልናን። ይሕመቕ ይንፋዕ ብዘየገድስ መራሒና ባዕልና ብድምጽና ከነምጻኦ ኣለና። ድምጽና ንዘይሃብናዮ መራሒ ክንቕበል ኣይግባኣን እዩ። ዝመረጽናዮ መራሒ እንተሓሚቑ፡ በታ ዝመጸላ ኣገባብ ከነልዕሎ ይቐለልና፡ እንተነፊዑ ድማ ክንድግፎ ይድለ። ኣብ መጠረስታ ናይዚ ሓላፍነት ዝስከም መንእሰይና እዩ፡ ከመይ ትገብሩ ክብሮም ነጊሩና ኣሎ፡ ብናይ ሎሚ ሕሰም ንዝተኸፍለ መስዋእትን ባና መስከረም ዘዕወቶ ላኣላውነት ሃገርናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ጣዕሳን ክነኣቱ የብልናን። ንሕሰም ናብ ራሕዋ፡ ንዲክታቶርነት ናብ ዲሞክራስያን ቅዋማዊ ምሕደራን ክንቅይር ከይተሓለልና ክንቃኣለስ ይግባኣ" ክብል መግለጺኡ ደምደመ።
ኣብ መጠረስታ ናይቲ ኣኼባ፡ ፈቨን ግደዎን ነቶም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2015 ኩለንተናዊ ሓገዛቶም ዘበርከቱ መንእሰያት ኣባላት ኣስማት ብምሕባር፡ ንዘርኣይዎ ተገዳስነትን ሞያን ኣመጒሳ፡ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ብምሕባር ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት ተደምዲሙ።