ቃል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015

2015-08-03 20:46:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2789 times

ክቡራንን ክቡራትን ኣቦ-መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015

ክቡራንን ክቡራትን ኣቦ-መንበርን ኣባላት መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኩሎም ተሳተፍቲ እዚ ሰፊሕ ፈስቲቫል’ዚ ብሓበራ

ቅድሚ ኩሉ ምሉእ ጥዕና ክትረኽቡ ካብ ልቢ ዝነቐለ ሰናይ ምንዮትና ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ብዓወት ክዛዘምን ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ ናይ ቃልሲ ንጥፈታትኩም ኣሳልጦ ክትጓጸፉ ዘለና ጽቡቕ ትምኒት ክንገልጸልኩም ከለና ዝስመዓና ባህታ ልዑል እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምውሳድ ድማ ናብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ ክንሳተፍ ብኽብሪ ንዝገበርኩሙልና ክቡር ዕድመ ምስጋናና ክንገልጽ ደስ ይብለና።

ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ እዚ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ!

ኣብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ ከም ቀዳማይ ኰይኑ ዝቐርብ ዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ምዃኑ ዘጠራጥር ጉዳይ ኣይኰነን። እዚ ኣብ ግምት ወሲድና፣ ንሕና ከም ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ኣብ ቅድመኹም ኰና ብዛዕባ ኲነታት ኤርትራ ዘርዚርና ምዝራብ ከም ንቀባራይ ምርዳእ ከይኰነና መታን ብዙሕ ንብሎ ኣይክህሉን እዩ። ይኹን እምበር ሃገርና ኤርትራ ካብ ሕማቕ ናብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኩሉ እንተናዊ ኲነታት ትኸይድ ከም ዘላ ህዝብና ብቓንዛ ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር መድረኽ ምዃኑ ግን ከነስምረሉ ንደሊ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ካብ’ተን ሰላም፡ ቅሳነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ብልጽግናን ከስተማቕራ ዕድል ዝረኸባ ሃገራት ኣይኰነትን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ጭቆና ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ትርመስ ዘላ ሃገር ከም ዝዀነት ግሉጽ መጽሓፍ ኰይኑ ኣሎ። ህዝብና ግዝኣተ-ሕጊ ብምርግጋጽ ኣቢሉ ዝደልዮ መንግስቲ ናይ ምምራጽ መስርሕ ከካይድስ ይትረፍ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ብውሽጢ ብስርዓት ህግደፍ ብብርቱዕ ይህረምን ይፈራርስን ከም ዘሎ ንማንም ተዓዛባይ ብሩህ ምዃኑ ይርድኣና እዩ። ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ዓንዲ ሕቖ ሃገር ዝዀነ መንእሰይ ኤርትራ መነባብርኡ ሓሲምዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣማዕዲዩ ክርእዮ ዝኽእል ብሩህ መጻኢ ዕድልን ተስፋን ብምስኣን ናይ መጻኢ ዕድሉ ደልሃመት ስለ ዝዀኖ፣ ሃገር ጠንጢንዋ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሃገር ጠንጢኑ ዝወጽእ ዘሎ ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ኣድራዓትን ቅዝፈትን ክኸውን ከሎ ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ።

ብቊጠባዊ መዳይ እንተረኣና መሬት ተሃጊሩ፡ ጉልበት ደቂ-ሰባት ንረብሓ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተመዝሙዙ፡ ኩሉ ናይ ቊጠባ ንጥፈታትን ዕዳጋታትን ተገቢቱ ከም ውጽኢቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ድኽነት ክሳብ ዓጸቦ ዝኸደ ኲነታት እንዳሃለወ፣ ዝያዳ ንኽደክን ክደክምን ከኣ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያታት ገዛውቲ ናይ ህዝብና ከፍርሶ ይውዕል ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሸነኽ’ውን እንተዀነ ንክቡር ያታታትና ኣብ ክንዲ ምምዕባል ምፍራስ፡ ዘይስነ-ምግባራዊ ስራሓት ምዕንባብ፡ ህዝቢ ብስኒት ከይነብር ምጽዓር፡ መሰረት ሕብረተ-ሰብ ዝኸኑ ስድራ-ቤታት ከም ዘይሰርሑ ምግባር፡ ሕማምን ድንቁርናን ከም ዝስዕርሩ ምግባር፡ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ዲፕሎማሲ ወተሃደራዊ ቋንቋ ጥራሕ ዝጥቀም ምስ ጐረባብቲ’ውን ውግእ ወረ ውግእ እንተዘይኰይኑ ካልእ ቋንቋ ዘይፈልጥ፡ ምዃኑ ወዘተ፣ ስርዓት ህግደፍ ውራየይ ኢሉ ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ፖለቲካዊ ደሞክራስያውን መሰላት ምኽባርስ ይትረፍ፣ ብመሰረቱ መሰል ጠቀስ ዝዀነ ኣምር ኣብ መዝገበ-ቃላት ህግደፍ ከም ዘየሎ ዝበርሀ ኰይኑ፣ ኣብዛ ግዝኣተ-ውልቀ-ሰብ እምበር ግዝኣተ-ሕጊ ክህልዋ ዘይተዓደለት ብፍርሕን ራዕድን እትነብርን ትመሓደርን ዘላ ሃገርና፣ ውልቀ-መላኺ መራሒ ህግደፍ ከም’ቶም ኣብ ማእከላይ ዘመናት ዝገዝኡ ዝነበሩ ነጋዉስ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ልዕሊ-ሕጊ ኰይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጸሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና።

ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ግሉጽ ዝዀነ ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ-መሰላት ተጣበቕቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶን ዝመስከርዎን ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ብውዱብ መልክዕ ተወጢኑ ብሽርሒ ዝግበር መጠነ-ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ምስጢር ንምርካብ ተባሂሉ ዝፍጸም መግረፍቲ፡ ግዱድ ናይ ባርነት ዕዮ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዝረውይሉ ናይ ስጋዊ ርክብ ባርነት፡ ጅምላዊ ቅትለት ወዘተ ኣብ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ተርእዮ ምዃኑ ንዓለም ግሉጽ ኰይኑ’ሎ።

እዚ ኩሉ ኣብ ግምት ተወሲዱ እዚ ስርዓት’ዚ ፈጺሙ ክልወጥ ዘለዎ ስርዓት ምዃኑ ርግጽ’ዩ። ስለ’ዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ኣብ ኢዱ ክሕዞ ይግባእ ዝብል እምነት ናይ ግሃድኤ-ሕድሪ እዩ። ናይ’ዚ መሰረታዊ ምስጢር ከኣ ነዚ ስርዓት’ዚ ቀይርካ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ንምትካል ህዝቢ ዋኒኑ ኣብ ኢዱ ክሕዝ ክቃለስ ውሁብ ገርና ኢና ንወስዶ። በዚ ምኽንያት’ዚ ግሃድኤ-ሕድሪ ንኩሎም መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ህዝብና ዋኒን ሃገሩ ኣብ ኢዱ መታን ክሕዝ ተሓጋጊዝና ብጥቡቕ ክንሰርሕ ጸዋዒትና ነቕርብ።

በቲ ካልእ ወገን’ውን ደምበ ተቛውሞ፣ ነዚ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ደይመደይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ብስም ደምበ-ተቛውሞ ዝጽውዑ ኣካላት ንርእሶም ጸገማት ኣለዎም። ገለ ካብቶም ጸገማት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

  • ቅደም ተኸተል ናይ ዕማማቶም ዘይሰርዑ፣
  • ኣሎ ዝበሃል ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ንናይ ሓባር ኣፍራዪ ስራሕ ድሉዋት ዘይኰኑ፣
  • ኣብ ክንዲ ብሓባር ምስራሕ ነንሕድ-ሕድካ ምጽራፍን ምትሕንዃልን ከም ዕማም፡ ኣገባብን ባህልን ዝወሰዱ ወዘተ እዮም።

ነዚ ንምቕልባስ እምበኣር ተቛወምቲ ውድባትና ኣብ ዝተሓተ ነጥበ-ስምምዕ ዘትከለ ብሓባር ንምስራሕ ክቀዳደሙ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ናይ ሎሚ ዕማሞም ገይሮም ክሕዝዎን ክሰርሕሉን ከም ዘለዎም ወላኳ ናይ ቀደሙ መርገጽ እንተነበረ ማ.ባ.ግሃድኤ_ሕድሪ ደጊሙ ብዝያዳ የረጋግጽ። ወላ እተን ፖለቲካዊ ውልቀ ውድባት ኤርትራ’ውን እንተዀነ ግቡእ ተርአን ኣይተጻወታን ክበሃል ይከኣል። ብካእባዊ ይኹን ሳልሳዊ ወላ ካብኡ ንላዕሊ ብሓባር ክሰርሓ መደባት እንዳ-ሰርዓ ኣይተቓለሳን።

እዚ ኣጋጣሚ ብምውሳድ እምበኣር ግሃድኤ-ሕድሪ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፣ ምስ ኩለን ምሳና ክሰርሓ ድሉዋት ዝዀና መሓዙት ውድባት ኣብ ንጹር ተግባራዊ ዕማም ንምእታው ብካእባዊ፡ ብሳልሳዊ፡ ወዘተ ርኽክባት እንዳ-ገበርና ናብ ብሓባር ከስርሓና ዝኽእል ናይ ስራሕ መደብ ክንትልም ድሉዋት ምዃና ነረጋግጽ ኣለና። ካብ’ዚ ብሓባር ምስራሕ ዝሰገረ ክሳብ ናብ ሓድነት ክንበጽሕ ዕማምና ገርና ሒዝናዮ ዘለና ስራሕ እዩ።

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ

ዕለት 01 -08-2015

 

Last modified on Monday, 03 August 2015 22:54