ካብ ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንስለ ዓወት ጉባኤኩም ዝቐርብ ናይ ደገፍ መግለጺ

2015-07-31 06:58:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2572 times

SolidarityMessage EUDC

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን ካድራትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

29 ሓምለ 2015

ብቐዳምነት ኣብ ጉባኤኹም ክንርከብ ዝገበርኩሙልና ዕድመ እናኣመስገንና ኣብ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እትገብርዎ

ውሳኔታት ዓወት ንምነየልኩም።

ውድባዊ ጉባኤኹም ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ኩነታት ይጋባእ ምህላዉ ኩላትና ብቐሊሉ እንሳማማዓሉ ጉዳይ ኮይኑ፡ ነዚ ህጹጽ ኩነታት ዝገጥም ኣገዳሲ ህዝባዊ ውሳኔ ንምውሳን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ትብዓትን ልቦናን ዘድሊ ምዃኑ ግን ከየገንዘብና ኣይንሓልፍን።

ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ዕድሚኡ ከምዘየፍረየ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኩሉ ነቲ ካልእ ክሓምን ሓላፍነት ከሰክምን እንተዘይኮይኑ ብልቢ ንውሽጡ ጠሚቱ ብጌግኡ ናይ ምእራም ተበግሶን ንኻለኦት ናይ ምሕጋዝ ዝምባሌታትን ገና ብሕጂ ከነጥርዮ ዘድልየና ገና ዘይጨበጥናዮ ሰውራዊ ባህሊ ምዃኑ እናሓዘንና ንቕበሎ ሓቂ እዩ። ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ዕድሚኡ ኣይሰሰነን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ብስርሑ ክዓብዮን ክበልጾን ኣብ ክንዲ ምጽዓር፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ሓንኲሉ ብምውዳቕ ካብቲ ዝወደቐ በሪኹ ክረኤ ጥራሕ ምፍታን እቲ ዝኸበደ ሓጥያት ደንበ ተቓውሞ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ብርግጽ ኣብዚ ጉዳይ ኩሉ ማዕረ ሓጥያት የብሉን ዝብል መጎት ክመጽእ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ግን እቶም ካብዚ ነጻ ኢና ዝብሉውን ነቶም ኣብዚ ጭቃዚ ጥሒሎም ዘለዎ ክበልጽዎምን ክገርሕዎምን ብዘይምኽኣሎም ዝሕመዩሉ ነጥቢ ምህላዉ ምርኣይ ኣገዳሲ እመስለና።

ስለዝኾነ ድማ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እተን ዝርካበን ነኣሽቱ ቁም-ነገራት ናይ ኩላትና ብሓንሳብ ደሚርና ከነዕብየን

እንተዘይክኢልና እተን ደቀቕቲ ፋሕ ኢለን ከድምዓ ከምዘይክእላ ምግንዛብ የድሊ። በበይንና ከነድምዕ ከምዘይንኽእል ዝሓለፈ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ተመኩሮታትና ምሂሩና እዩ። ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ተዋራዝዩ ከምጽኦ ዝኽእል ፋይዳ ከምዘየብሉ እውን እናተላሓሓጽና ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ እዩ። ሎሚ ናይ ብሓቂ ነቲ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ ዝብል ናይ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ጭረሖ ብግብሪ ንዕኡ ምምሳል የድሊ። ሎሚ ምዝናይ ዘድልዮ እዋን ኣይኮነን።

ኣብ ተቓወምቲ ውድባትና ይውሓድ ይብዛሕ ፍልልያት ከምዘሎ ንኣምን ኢና። ፍልልያትና ክንድቲ ብዝሒ ውድባትና ከምዘይኮነ ግን ኣሜን ኢልና ክንቅበሎ ዝግበኣና ይመስለና። ይኹን እምበር ቁጽርና ብዘየገድስ ኣብቲ መድረኻዊ ዕማም ብፍላይ ድማ ነዚ ንኹሉ ህዝብናን ተቓወምቲ ውድባትናን ዝዕምጽን መሰላቶም ዝግህስን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምዳቕን ድሒሩ ዝስዕብ ሰላማውን ደሞክራሲያውን መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምትካልን ግን ክንፈላለ ዝግባእ ኣይኮነን ኢልና ንኣምን።

ጉባኤኹም እቲ ንነዊሕ እዋን ኣቋሪጽኩሞ ዝጸናሕኩም ምስ ካለኦት ውድባት ኮንካ ነዘን ክልተ መድረኻዊ ዕማማት ብሓባር ናይ ምቅላስ ስራሕ ክትቅጽልዎን ኣብ ሓድነታዊ መስርሕ ደንበ ተቓውሞ ኣዎንታዊ ተራኹም ክትጻወቱን ሰውራዊ ጻውዒት

ነቕርበልኩም። ውድብና ኤስደለ ብኽልታዊ ውድባዊ ዝምድናታትና ይኹን ብእኩብ ምስ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዝግበር

ሓባራዊ ሃገራዊ ስራሓት ሎሚውን ከም ትማሊ ድልውነትና ነረጋግጸልኩም።

ደጊምና ዕዉት ጉባኤ ክገብረልኩም ንትምነ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ፈጻሚ ሽማግለ - ኤስደለ

Last modified on Friday, 31 July 2015 09:02