ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

2015-06-27 10:36:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2888 times

AddisDemo2015 1

ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ብመጻረይቲ ኮሚሽን ኣቢሉ ዘውጸኦ ንግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰለት ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዘቕረቦ ጸብጻብ ብምድጋፍ ሎሚ 26 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወደብዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዘይካቶም ስደተኛታት ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ ኣባላት ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ተሳቲፎም። ኣብዚ ካብ 1500 ክሳብ 2000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰልፊ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብግብሪ፡ ኤውረጳዊ ሕብረት ደገፍ ንመለኽቲ ይኣካል፡ ኣብ ኤርትራ ባርነት የብቅዕ፡ እምቢ ንምልኪ ሕራይ ንፍትሒ፡ ኢሳይያስ ደመኛ እዩ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሕብረት ዓይንኻ ክፈት ዝብሉ ዝርከብዎም ብዙሕት ረሖታት ክቃልሑ ውዒሎም።

AddisDemo2015 2

እቲ ሰልፊ ብመጀመርያ ካብ ገነት ሆቴል ነቒሉ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ተኻይዱ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ኣብኡ ምጽናሕ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሕብረት ናብቲ ሰልፈኛ መጺኦም መዘክር ተቐቢሎም። ነቲ ኣኼበኛ ድማ እቲ መዘክር ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሕብረት ከም ዝቐርብ ቃል ኣትየምሉ። ቀጺሉ እቲ ሰልፊ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ እይ ኣምሪሑ። ኣብኡ እውን ብወከልቱ ኣቢሉ ተመሳሳሊ መዘክር ኣቕሪቡ። ናይ ክልቲኡ ትካላት ተወከልቲ ነቲ መዘክራት ምስ ተቐበላ ስለቲ ኣብቲ መስርሕ ዝተራእየ ስነ ስርዓት ንተሳተፍቲ ሰልፊ ኣመስጊነን። ኣብቲ መስርሕ፡ ናይቲ ሰልፊ ተሳተፍቲ “ስደት ኣይኮነን ጊላት” ብዝብል ዜማ ኣድሚቐሞ ስለ ዝነበሩ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብያተ ሰረሓቶም እንዳዓጸዉ ንዝተወሰነ ግዜ ተዓዚበምዎ።

AddisDemo2015 3

ጐኒንገኒ እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መደበር ስድተኛታት ዝተዓቖቡ ዝያዳ 40 ሺሕ ኤትራውያን እውንኣብ መመደበሮም ተመሳሳሊ ዝዕላምኡ ሰልፊ ከካይዱ ውዒሎም። ኣብዚ ንመጀመርያ ግዜ ብዙሕት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዝተፈላለዩ ናይ ዓበይቲ ማዕከናት ዘና ወከልቲ እውን ተሳቲፎም

Last modified on Saturday, 27 June 2015 12:42