ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ
2015-06-23 16:38:18 Written by EPDP Washington DC Published in EPDP News Read 2713 timesብብዝሒ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ማለት ናይ ምንቅስWኣስ ኤርትራውያንን ፡ ተቓዉሞ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀሳብትን ደቂ ኣንስትዮን ዓበይትን ነኣሽቱን ቆልዑትውን ከይተረፉ ዝተኻፈልዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓርቢ ሰነ 19 2015 ኣብ ርእሲ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰላምዊ ሰልፊ፡
1) ነቲ ኣብ ሃገርና ብኹሉ መዳያት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ከሙኡውን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ነፊጾም ኣብ ስደት ከምርሑ ከለዉ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረበዳታት ሲናይን ዝጓንፎም ዘሎ ናይ ሞትን ክፋል ኣካላቶም ተቐንጢቡ ናብ ዕዳጋ ዝወርደሉን ዘሎ ህሞት ይኣክል ንምባልን፡
2) ኣብዚ ወርሒዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መርማሪ ኮሚሽን ዘውጾኦ ጸብጻብ ማለት ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት በቲ ገዛኢ ስርዓት ኮነ ኢሉ ይፍጸም ከም ዘሎን ስርዓት ኢሳያስ ብገበን ዘኽስሶ ከምዝኾነን ዝገልጽ ጸብጻብ ናይ ደገፈታን መልአኽቲ ንምትሕልላፍ ኤዩ።
ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ብሰላምዊ መንገዲ ኣቢሉ ናይ ህዝብና ጸገማትት ክግልጽን ንህዝቢ ዓለም ብንምቕላሕን መንግስታት ዓለም ንኤርትራዊ ሰደተኛ ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ካምዝኾነ ን መሰሉ ከዕቁባሉን ንምምሕጻን ኢዩ ውን ነይሩ።
ካብዚ
ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ዋይት ሃውስ ብምስላፍ ብነድሪ ንህዝቢ ኣመሪካን ንፕረሲደነት ኦባማን ኣብ ሀገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ህጊዲፍ ከም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዘይ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ምእሳርን፡ መጭወይቲን፡ ናይ ምእካብን ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ መሰል ምእጋድን ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉን ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤርትራ መርማሪ ኮሚሽን ጸብጻብ ክድግፉን ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ህሞት ዝወጻሉ መንገዲ ክሳተፉን ጸዊዑ።
ካብዚ ብምቕጻል ሰልፈኛታት ካብ ዋይት ሃውስ ነቒሎም ብየማን ጸጋምን ብፖሊስ ብኽብሪ ተዓጂቦም ብሕምብርቲ ዋሺንግቶን ዲሲ ሰንጢቖም ብጎደና ፐንሲልቫኒያ ተጋዒዞም ናብ ካፒቶል ሂል መረሹ (ጎደና ፐንሲልቫኒያ ኣብ ኣመሪካ ሓዲሽ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ ካብ ካፒቶል ሂል ናብ ዋይት ሃውስ ብእግሩ ዝጋዓዘላ ውርይቲ ጎደና ኢያ) ሰልፈኛታት ብመጉልሕ ድምጺ "ይኣክል በቃ፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ፡ ይኣክል ንባርነት ንስመር ንሓርነት፡ ስቕያት መንእሰያትና የብቅዕ፡ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ፡ ። ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ፡ ብምባል እናጨደሩ መረሹ። ኣብ ቀጽሪ ካፒቶል ሂል ምስ በጽሑ ድማ ነቲ ናብ ናይ ኮንግረስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ናብ ስተይ ደፓርትመንት፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተዳለወን ዝተላእከን ደብዳቤ ተነቢቡ።
ከሙኡውን አቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ባንኪ ሞን ዝተርላአከ ናይ ቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘውጾኦ ጸብጻብ ደገፉ ዝገልጽ ጽሑፍን ካብዚ ቀጺሉ ከኣ ሕቡራት ሃገት በዚ ጸብጻብዚ ጠጠው ከይበክለን ከይተሓለለን ንዲክታቶር ኢሳያስ ከምቶም ካሎኦት ናይ ዓለም ዲክታቶራት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ብዝፈጸምዎ ዓመጻ ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ቀረቡ ግቡአ ፍርዲ ክቕበልን ምሕጽንታ ንምቕራብ ኢዩ ነሩ. ።አቲ መዘክር በዚ ከይተዓግተ ብምሰረት አቲ ጸብጻብ ናይ ሰባዊ ግህሰት ሕብረተብ ዓለም ብሓበራ ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓመጻዊ ተግባራት ህ.ጊ.ዲ.ፍ ክናግፎ ኣማሕጺኑ።
ንምሸቱ ድማ ነቲ ብኣዳለውቲ ሰልማዊ ሰልፊ ዝተመደበ ኮንፈረንስ ካብ ሰዓት ሸአውዓተ ናይ ምሸት ጀሚሩ ካስብ ፍርቂ ለይቲ ቀጸለ። "ንርትራውያን ስደተኛታት ንድሓንን ንምሕጋዝን " ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ካብ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ መድረኽ፡ ከሙን ካብ ኤርትራውያን መንአሰያትን መደረ ቀሪቡ ካብ ህዝቢ ዝቐአረበ ሕቶ መልሲ ተዋሂቡሉ።
ኣብ መጠርሽታ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምድሓንን ንምሕጋዝ ክሕግዙ ዝኸሉ ልበዋታት ናብ ኣናድውቲ ኮንፈረንስ ለበዋ ተመሓላሊፉ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዋሽንግቶን ዲሲ