ሰዲህኤ ኣብ ዝካፈሎም ኣህጕራዊ መጋባያታት ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ጥራሕ ኢዩ ዝዛረብ

2015-05-30 11:50:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3101 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ዝካፈሎም ከም ናይ ኒያሚ፡ ላይፕዚግ፡ ስቶክሆልም፡ ቱኒስን ሮተርዳምን ዝኣመሰሉ መጋባእያታት ዘሕልፎም መልእኽትታት ብዛዕባ ነብሱ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ኢዩ ዝጣበቕ። ንኣብነት ምስ'ዚ ተታሓሒዙ ዘሎ ኣብ'ቲ ካብ 22-23 ግንቦት 2014 ኣብ ሮተርዳም፡ ሆላንድ እተጋብአ ዋዕላ ዝተዘርግሐ ኣብ ጥብቆ ዘሎ ጽሑፍ ተመልከት።

ኣብ ሮተርዳም ኣብ እተሰላሰለ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ብኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ዝተጻሕፉ ይኹኑ ዝተዘርግሑ መልእኽትታት፡ ብዛዕባ ጸገማት ህዝብና ጥራሕ ኢዩ ዝገልጹ። መራሕቲ ናይ ልኡኻት፡ ኣካያዲትን ውሳኔታት እትነድፍ ሽማግለን ናይ ምምይይጥ ዓውደታትን (ዎርክሾፕ) ዘካየድዎም ኣኼባታት ብዛዕባ "ጾታዊ ማዕርነት" ዝብል ቴማ ኢዮም ዘትዮም። ኣብ'ዚ ኣኼባታት'ዚ ድማ፡ ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ንምግላጽ ጽቡቕ ዕድል ረኺቦም ኢዮም።

Rotterdampublicmeeting 1ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ካብ የማን ንጸጋም (መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ወልደሱስ ዓማር፡ መሓሪ ተስፋማርያም፡ ኣድያም ተፈራ ምስግና)

ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ድማ፡ ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ምስ ኣባላት መሪሕነት መንግስታትን ሰልፍታትን እናተራኸቡ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራን ህዝብና ኣብ ዝሓልፉ 24 ዓመታት ዘሕልፎም መረርቲ ተመኵሮታትን ምግላጽ፡ ምልላይን ኣድራሻታት ምቅይያርን ዝኣመሰሉ ዕማማት የካይዱ ነይሮም።

ገስጋሲ ምሕዝነት 106 ናይ ዕዮ፡ ማሕበረ-ዲሞክራስያውያንን ዴሳውያንን ሰልፍታትን 30 ዝዀነ መሓዙት ማሕበራትን ዘጠቓልል ጽላል ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዋዕላታት ይገብር። ኣብ ዋዕላ ሮተርዳም ዝተኻፈሉ ሰልፍታት 46 ኰይኖም ብዙሓት ካብኦም ድማ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰልፍታት ኢዮም።

PARotterdam 6

ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቶ ሙስጣፋ ቢን ጃዕፈር፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣልተከቱል ናይ ቱኢዝያ። ቢን ጃዕፈር፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ንቅዋም ናይ ቱኒዝያ ዝነደፈት ኮሚቴ ዝወሰድዎ ስእሊ።

PARotterdam 7

ናብ ወደብ ሮተርዳም ብጃልባ ዑደት ኣብ ዝተገብረሉ ናይ ድራር ግብዣ፡ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ምስግና፡ ምስ ወይዘሮ ኪርስተን ማየር፡ ኣህጕራዊት ሰክረታርያ ናይቲ ንዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት ዘአንገደ ሰልፊ ዕዮ ሆላንድ፡ ተራኺባ ብዛዕባ ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምዕላል ዕድል ረኺባ።

PARotterdam 8

ከንቲባ ከተማ ሮተርዳም፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣቡጣልብ ምስ ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ

ምሉእ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ኣብ ዋዕላ ሮተርዳም ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ሰዲህኤ ከም'ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነትን ፍሓዊ ስራሕን ኣብ ዋዕላ ሮተርዳም፡ 22-23 ግንቦት 2015

ክቡራትን ክቡራንን ልኡኻት ኣሓት ሰልፍታትን ማሕበራትን

ንሕና፡ ነዚ መልእኽቲ'ዚ ነመሓላልፈልኩም ዘለና፡ ኣባላት ናይ'ቲ ብሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ ዘሎ መሓዛኹም ዝዀነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኢና። ሰዲህኤ፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሰልፍታት ኰይኑ ኣባል ናይ'ቲ ብ24 ግንቦት 2013 ኣብ ላይፕዚግ እተሰላሰለ መስራቲ ጕባኤ ገስጋሲ ምሕዝነትን ተጣባቒ ናይ'ቶም ኣብኡ ዝጸደቑ ውሳኔታትን ኢዩ።

ኣብ ርእስ'ቲ፡ ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ማዕርነት፡ ዘላቒ ሰላምን ኣህጕራዊ ምድግጋፍን ንምርግጋጽ ዝኣተዎ መብጽዓታት፣ ኣብ ዋዕላ ሮተርዳም፡ ንጾታዊ ማዕርነት ከም ቀንዲ ቴማኡ ብምውሳድ፡ ብዛዕባ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ እንተላይ ብዛዕባ'ተን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ፍልይቲ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራት ዝጐሳቘላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ክዛተ ምምራጹ፡ ንሕና ከም ሰዲህኤ መጠን ክብ ዝበለ ክብርን ሓጐስን ይስምዓና። (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጥብቆ ተመልከት)

ክቡራትንን ክቡራንን ተኻፈልቲ ዋዕላ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣዝዩ ጸቓጥን ዲክታቶርያውን ስርዓት፡ ብሕጊ ዘይግዛእ ነቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ውን ፕረሲደንት ኤርትራ ብኢደ-ወነኑ ደው ከምዘበሎን ትፈልጡ ኢኹም። ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫታት የለን። ኤርትራ፡ ናጽነት ናይ ፕረስ፡ ናጽነት ናይ ምእካብን ካልኦት መሰረታውያን መሰላት ወዲሰብ፡ እንተላይ መሰል ናይ ኣምልኾ ዘይኽበረላ ሃገር ኢያ ኰይና ዘላ። እቲ ስርዓት ባዕሉ ዘቖሞ ፓርላማ፡ ኣብ ለካቲት 2002 ምስ ተኣከበ ብድሕሪኡ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን።

ኣስገዳድ ዕስክርናን ደረት ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወይ ድማ ባርነትን ናይ'ቶም ኣብ መንጐ 18 ክሳብ 70 ዓመታት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ንንቡር ህይወት ናይ ኤርትራውያን ዘሪግዎ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ኣንጻር ፖሊሲታት ስርዓት ህግዲፍ፡ ናይ ማእሰርቲ፡ ዓዛብን ሞትን መቕጻዕቲ ኢዩ ዘስዕበልካ። ልዕሊ 10,000 ዝዀኑ እሱራት፡ ብዘይ ክስን ፍርድን፡ ኣብ 300 ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኣለዉ። ኤርትራ፡ ከም ደውላ ናብ ፍሽለትን ምብትታንን ገጻ'ያ ተምርሕ ዘላ። እዚ ድማ ኣብ'ቲ ዞና ኣሉታዊ ኣሰራት ክህልዎ ኢዩ።

በማእት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ'ቲ ዞና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቅያት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኢዩ። ኣብ ሊብያ፡ ሲናን ማእከላይ ባሕርን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት መርኣያ ናይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢዮም።

ክቡራትን ክቡራንን ኣዕሩኽን መቓልስትን

ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዘይጽወር ሕማቕ ምምሕዳር ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ-መከራ፡ ንጾታዊ ማዕርነት ይኹን ፍትሓዊ ስራሕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ እናኣመትና፡ ተኻፈልቲ ዋዕላ ነዞም ዝስዕቡ ጕዳያት ግቡእ ትዅረት ክትህቡሎም ንምሕጸን።

1. ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ብዛዕባ ሽግራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝቲ ፍሉይ ኣኼባ ክጽውዕን ግዲኡ ኣብ ምቅላል ናይ'ዚ ጸገማት'ዚ እንታይ ምዃኑ ክግምግምን ሰዲህኤ ይጽውዕ፤

2. ንዘይመንግስታውያን ሲቪላውያንን ፖለቲካውያንን ተዋሳእቲ መተካእታ ናይ'ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምዃን ዘብቅዖም ናይ ዓቕሚ ምምዕባል ስልጠናታትን ደገፋትን ክግበረሎም፤

3. ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ዘይምዕቡላት ዞባታትን ንዘሎ ዘይምዕሩይ ጾታዊ ኵነታት እትከታተል ፍልይቲ ኣካል ወይ ሽማግለ ምቛም።

ጾታዊ ማዕርነት ዝብል ቴማ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ግጉይ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንዅሉ ዜጋ ዝሃሲ'ኳ እንተዀነ፡ ሃሰያታቱ ኣብ ልዕሊ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ግን ዝኸፍአ ኢዩ። እቲ ኣብ ሜዳ ብቓልሰንን ብመስዋእተንን ዘረጋገጽኦ ዝምድናዊ ማዕርነት፡ ኣብ'ዞም ዝሓለፉ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት ንድሕሪት ኢዮም ተመሊሶም። መታን ተኻፈልቲ ዋዕላ ሮተርዳም ግቡእ ግንዛበ ክህልወኩም፡ ሓደ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣተሓሒዝና ሰደልኩም ኣለና።

ምስ ምስጋና

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

ብመርማሪት ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ዝገልጽ ጽሑፍ

መርማሪት ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዛ ክሳብ ሕጂ ክፍጸም ዝጸንሐ ዘሰንብድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትእክብ ጸኒሓ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ኣብ ዘቕረበቶ ክፊላዊ ጸብጻባ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መጻኢ ተስፋታት ከምዘጸልመቶ ኢያ ጠቒሳ። እቶ ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ናይ መወዳእታ ጸብጻባታ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ 2015 ኢያ ከተቕርብ።

እዚ ጸብጻብ'ዚ፡ ነቲ ዘሕዝን ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዘቃልዕ ክኸውን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ቅድም ክብል፡ ኣብ 6 መጋቢት 2015 ብኻልእ ፍልይቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ፡ ንስርዓት ኤርትራ ብግህሰት ናይ'ቲ ዝፈረመሉ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸስስን ዘቃልዕን'ዩ ነይሩ።

ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኵሉ ዓይነት ኣድልዎን ፍልልያትን ብ26 ለካቲት 2015 ብዛዕባ ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ተዘራሪቡ። ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምኽባር ክውሰድ ዘለዎ መሰረታዊ ስጕምታት ዘይምህላዉ ድማ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጸገም'ዩ ኣብ ዝብ መደምደምታ በጺሑ። ብዘይ ግዝኣተ-ሕግን ብዘይ ቅዋምን እዚ መሰላት'ዚ ክሕሎ ከምዘይከኣል ድማ ኣስሚርሉ።

ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ብስፍሓት ዝግሃድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣንጻር ዓመጽቲ ዝውሰድ ሕጋዊ ስጕምታት ዘይምህላው፡ ደቂ ኣንስትዮን ስድራታትን ክሃድማ ዝድርኽ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ኤርትራ ተዘርጊሑ ዘሎ ንኣሽቱ ብረትን ገለ ካብ'ቶም ነቲ ኮሚቴ ዘሻቕሉ ጕዳያት ምዃኖም ተጠቒሶም። ስዒቡ ገለገለ ካብ'ቲ ጸብጻብ ዝተረኽቡ ጥቕስታት በብቕጽሮም ከነስዐልኩም ኢና።

6. ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ 1997 ቅዋም ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉን ንባይቶ ኤርትራ ምድስካልን ግዝኣተ-ሕጊ ከይሰፍን ዓንቂፉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ነቲ ውዕል ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ዘየኽእል ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ኣኸቲሉ። ስለ'ዚ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ (ህግዲፍ ማለት ኢዩ) ነዚ ኣብ ጸብጻብ ተዘርዚሩ ዘሎ ትዕዝብትታት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣለዎ፤

8(e)፡ ብዛዕባ'ቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዘርጊሑ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ፈኰስቲ ብረት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈጥሮ ጸጥታዊ ስግኣት ከም ዘሎ ብምግንዛብ፤

9(b). ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ዝፍጸሙ ኵሉ ዓይነት ግፍዕታት ምክልኻል፡ ምምርማርን ንገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዝቐርቡ ምግባር ብሓደ ሸነኽ፤ ነተን ግዳያት ድማ፡ ሕጋው ደግፍን ናይ ትሃድሶ መደባት ምስራዕን ካሕሳ ከምዝኽፈለን ምግባርን፤

11(a)፡ ናይ 1997 ቅዋም ኤርትራ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ምግባርን ነቲ በብእዋኑ ክግበር ተመዲቡ ንቅዋም ደጊምካ ምርኣይ ዝብል መስርሕ ብግሉጽ ኣገባብን ኣብ ግዜኡን ምክያድ፤

13(b)፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ኣብ'ቲ ውዕል ተጠቒሶም ዘለዉ ዓመጻትን ፍልልያትን ኣብ ክንዲ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ'ቶም እንተላይ ንወተሃደራትን ሰበስልጣንን ብይን ዝህቡ ናይ ገበነኛታት ቤት ፍርዲ ከምዝርኣዩ ምግባር፤

20(c)፡ ኣብ ልዕል ደቂ ኣንስትዮ ስጋዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ኣብ ሳዋ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሳሕቲ እንተዘይኰይኑ ኣይቀርቡን ኢዮም፤

22. ....ብዛዕባ'ቶም ብዙሓት ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን እንተላይ ኣለይቲ ዘይብሎም ህጻናት ብዙሕ'ዩ ዘሻቕለና፤

24. ... ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ናይ መንግስቲ ጽፍሕታት ብግቡእ ዘይተወከላ ምዃነን ዘሻቕል ኢዩ። እተን ኣብ ላዕለዋይ ስልጣን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንርእይቶ ናይ ህግደፍ ዝድግፋ ጥራሕ ኢየን፤

25 (b)፡ ንሃገራዊ ባይቶን ካልኦት ብውድድር ዝቖሙ ኣካላትን ዝግበሩ ምርጫታት ናጻን ፍትሓውን ኰይኖም፡ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ እንተላይ እተን ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለወንን ኣባላት ህሱያት ጕጀለታት ዝዀናን ደቂ ኣስንትዮ ክመርጻን ክምረጻን ዘፍቅድ ክኸውን ይግባእ፤

49፡ እቲ ናይ መንግስታዊ ሰልፊ፡ ነቲ ናይ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ዝምልከት ቅዋም ሮማ ከጽድቕ ክቕበልን ንዕድም።

 PARotterdam 9

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ካብ ኣንጎላ፡ ከንያን ስዋዚላንድን

PARotterdam 10

ልኡኽ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክዋሳእ እነክሎ

Last modified on Saturday, 30 May 2015 14:32