ጨንፈር ስዊዘርላንድ ጉባኤን ሕጸ መሪሕነት ሰልፍን ኣካይዱ

2015-05-21 07:37:48 Written by  Published in EPDP News Read 2673 times

Swissbannerብዕለት 17 ግንቦት 2015: ጨንፈር ስዊዘርላንድ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕዉት ጉባኤ ብምክያድ : ሕጸ መሪሕነት ሰልፍን: ምርጫ ሓዳስ መሪሕነት ጨንፈር ስዊዘርላንድን ኣሰላሲሉ።ኣቦ መንበር ጨንፈር: ሓው ተስፋጋብር ገብረ: ብእተደራረበ ጸገማት እቲ ጉብኤ ጨንፈር ክላዕ ሎሚ ከም እተደናጌየ ብምብራህ: ኣብ ስራሓት ጉባኤ ጨንፈር ቅድሚ ምእታዊ: ሕጸ ናይ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ። ብኡ መሰረት እውን ነቶም ብርእይቶ ጨንፈር ንመሪሕነት ይበቕዑዮም ንዝበሉዎም 31 ሰባት ካብ መላእ ኣባላት ሰልፊ ረቚሖም።

ካብኡ ብምቕጻል: ጉባኤ ጨንፈር ጸብጻባት ስርዒታዊ መሪሕነት ተቐቢሉ፣ መድረኽ ሕቶን ርእይቶን ድሕሪ ምዝዛሙ ከኣ: ንዝመጽእ መድረኽ ነታ ጨንፈር እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ: እሞ መንእሰይ ሃብተኣብ ገብረሚኤል ዝመርሓ ሓዳስ መሪሕነት መሪጹ። ናብቲ ብወርሒ ሓምለ 2015 ዝግበር ጉባኤ ዝኸዱ ክልተ ወከልቲ ጨንፈር እውን ተመሪጾም።

ከም ዝፍለጥ: ኣብዚ ሰዓት እዚ ኩሎም ኣብ ጨንፈራትን ዞባታትን ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ: ኣብ ስርዒታዊ ኣኼባታት እናተረኽቡ: ካብ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ክሳዕ 31 ዝበጽሑ ብጾት ኣብ መሪሕነት ሰልፊ ይምጽኡ ዝብል ድምጺ ኣብ ምሃብ ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ብመላእ ኣባላት ሰልፊ እተኻየደ ናይ ሕጸ ድምጺ ተደማሚሩ: ኣስማት ናይቶም ዝለዓለ ቍጽሪ ሓጸይቲ ዝረኸቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ክቐርብ ኢዩ።  

Last modified on Thursday, 21 May 2015 09:54