ኤርትራዊ ዲፕሎማት ንህግደፍ ራሕሪሑ

2015-05-11 19:47:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2785 times

ንኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ጸሓፊ ዝነበረ ኤርትራዊ መሓመድ እድሪስ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕረሐ ተፈሊጡ። እዚ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ህግደፍ ዲፕሎማት ኮይኑ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ምስ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣቃሊዑ።

እዚ ከም ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝነጥፍ ማሕበር መእሰያትት ተመሃሮን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ጉጅለ ዝፍሕታት ሓላፍነት ዝሰርሐ መሓመድ እድርስ ኣብቲ ነቲ ጉጅለ ምስ ራሕረሐ ዝሃቦ ቃል መጠይቕ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተጠለመ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ተግባራት ህግደፍ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ገሊጹ፡ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ንክቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ድማ ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኤርትራን ህዝባን ዘድልዮም ስርዓት ሓድነቶም ሓልዩ ኩሉ መሰሎም ዘውሕሰሎም ምዃኑ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቦም ዝነበሩ አርትራውያን ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላታትን ንሰራሕተኛታትን ነቲ ጉጅለ ራሕሪሖምስ በበቲ ዝጠዓሞም ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 11 May 2015 21:51