ምኽትል ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ሞገሪኒ፡ ሻቖሎት ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሻቕሎት ሰዲህኤ ከምዘይፍለ ገሊጻ

2015-04-19 10:10:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2493 times

ብ16 ሚያዝያ 2015፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወይዘሮ ፈደሪካ ሞገሪኒ፡ ምኽትል ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለወይቲ ወኪል ጕዳያት ወጻእን ጸጥታዊ ፖሊስን፡ ናብ ሰዲህኤ ዘመሓላለፈቶ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ "ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት" ልክዕ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሻቕሎት ኣለዎ ኢላ። ቀጺላ "ንኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጽዕኖታት ክቕጽል ምዃኑ" ኣረጋጊጻ።

ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝተወስደ ስጕምቲ ክትገልጽ ከላ ድማ፡ "ዕላማ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላማዊ፡ ዘላቕን ረብሓ ዝርከቦ ህይወት መታን ክጓናጸፍ ኢዩ" ትብል።

እዚ፡ ነቲ ንዘይእረም ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክውሃብ ዝሕሰብ ዘሎ ሓገዝ ብምቅዋም ሰዲህኤ ብ31 መጋቢት 2015 ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝጽሓፎ ናይ ተቓውሞ መዘክር ዝውሃብ ዘሎ መልሲ ኢዩ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኽልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ምስ ኤርትራ ቀሪቡ ክሰርሕ ድሌት ከምዘለዎ ይሕብር። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፡ "ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጕዳያትን ንምምሕያሽ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ፡ "ንህዝቢ ኤርትራ ብፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ከምዝጥቀም ምግባር ኢዩ" ትብል።

ነዚ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ ወይዘሮ ሞገሪኒ ዝፈረመት ወይዘሮ ክላውድያ ዊደይ፡ ኣካያዲት ክፍሊ ኣውሮጳዊ ናይ ወጻኢ ግብራዊ ኣገልግሎት (European External Action Service (EEAS)፡ ንፍርሒ ኤርትራውያን ንምትህድዳእ "እቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝውሃብ ደገፍ፡ ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ድኽነት ኣብ ምንካይን ኣብ ካልእ ህዝቢ ዘርብሑ መደባት ንኽውዕል ጥብቕ ዝበለ ቍጽጽር ክግበረሉ ኢዩ" ትብል። ብመሰረት'ቲ ደብዳበ፡ ደገፍ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ'ዚ ህልዊ ኵነታት፡ ሕርሻዊ ማእቶት ብምዝያድ፡ ዋሕስነት መግቢ ምርግጋጽን ማሕበረ-ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብምድጋፍ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ምንጋስ ምሕጋዝን ኢዩ" ዝብል። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንዘይመንግስታውያን ተዋሳእቲ ውድባት እውን ደገፍ ክግበር ምዃኑ ኣብ'ቲ መልእኽቲ ተጠቒሱ ኣሎ። መንነት ናይ'ቶም ዘይመንግስታውያን ተዋሳእቲ ውድባት ግን ኣይተሓበረን።

ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ሰዲህኤ ዘለዎ ሻቕሎት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ውን ሻቕሎቱ ኢዩ ክብል ኣብ'ቲ መልእኽቱ ገሊጹ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ "ናይ ካርቱም መስርሕ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብሕዳር 2014 ዝቖመ ንዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰባት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውጋእ ተባሂሉ ዝስርሓሉ ዘሎ ፕሮጀክት (Horn of Africa Migration Route Initiative (HoAMRI) ኣካሉ ምዃኑ ገሊጹ።

Last modified on Sunday, 19 April 2015 12:16