8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

2015-03-08 10:10:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 3216 times

8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ወትሩ ዓመት ዓመት ክትዝከርን ክትክበርን እንሆ መበል 105 ዓመት ኮይኑ። ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ድሑር ባህሊ ተሳዒሩ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ ዉዱብ ቓልሲ ዝኣወጃላ መዓልቲ እያ። ካብ ክቱር ወጽዓ ንምንጋፍ፡ ማዕረ ደሞዝ ንማዕረ ስራሕ፡ ማዕረ ዕድል ናይ ትምህርትን ስራሕን፡ ናይ ምድማጽ መሰል ክሕሎ፡ ዕረፍትን ደሞዝን ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብልን ዝጠለባላ መዕልቲ እያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ወጽዓና እነቃላሓላ ወትሩ ትዝከር ታሪኻዊት ዕለት’ያ።

ካብ 1910 8 መጋቢት ከም ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክትክበር ካብ ዝተወሰነትሉ ክሳብ ሎሚ ሂወት ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላትሃገራት ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ ክበሃል ይከኣል’ኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ዘረጋገጸ ሕብረተሰብ ክሳብ ሕጂ የሎን። ብፍላይ ሎሚ ዓለምና ኣብ ቅልውላው ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ብኹሉ ኩርናዓት ዓለም ሂወት ደቂ ኣንስትዮ እናኸፍአ ክኸይድ ንርኢ ኣሎና። ዓመጽን መጭወይትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ገኒኑ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ክምዝመዛን ክሳቐያን ዘርኢ መለጺን ስእልታትን ብናይ ዓለም ዜና ማዕኸን መዓልታዊ ይቃላሕ ኣሎ። እብ ልዕሊ ሕጻናት ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ንምርዳእ ብቦኮ ሓራም ኣብ ናይጀሪያ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ገበን ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል። ህጻናት ኣዋልድ ካብ ቤት ትምህርቲ ጨውዮም ከይኣክል ኣመስሊምና ተርኢናየን ኢና ምባሎም ሂወት ሕጻናት ደቂ እንስትዮ’ውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ምህላዉ እዩ ዘረጋግጽ። እቲ ዝወሃብ መመኽነይታ ሃይማኖት ይኹን ፖለቲካ ወይ’ውን ባህሊ እቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ረቓሒ ትምክሕቲ እዩ። ሂወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገርናኤርትራ እንተተመልከትና’ውን ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝተፈጸመ ጀግንነትን ማዕርነትስ ይትረፍ ንምስምዑ ዘደንጹ ዓለም ዘስካክሐ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮና ይፍጸም ኣሎ።

ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ከም ኣካል ሕብረተሰብ መጠን ምእንቲ መሰልን ማዕርነትን ተቃሊሳን ገና’ዉን ትቃለስ ኣላ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና ኣይግዛእን ብምባል ብረት ዓጢቓ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋታ ደቂ-ተባዕትዮ ኣንጻር ባዕዲ ተሰሊፋ እቲ ዝልዓለ ዋጋ መስዋእቲ ከፊላን ሰንኪላን እያ።እታ ዘይተሰለፈት፡ ተጋደልቲ ዓንጊላ፡ ደም ዉጉኣት ሓጺባ፡ ኣብ ስለላዊ ስራሓት ቅያ ፈጺማ ባዕዲ ብውሽጡ ከምዝቡኽቡኽ ጌራ። ኣብ ስደት ዝነበረት ድማ ዉርደትን ሕስረትን ናይ ስደት ከይኣኸላ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ከዲማ፡ ዘወፈየቶ ዕዙዝ ንዋታዊ ኣበርክቶ ኣብ ምርግጋጽ ልዑላውነት ሃገርና ወሳኒ ተራ ኔሩዎ። ብዓቢኡ ድማ ኤርትራዊት ኣደ ምሩጻት ደቃ ኸፊላ ወሊዳ ከም ዘይወለደት ኮይና።

ድሕሪ’ዚ ልዑላውነት ሃገርና ዘጓናጸፈ ተወፋይነታ፡ ሃገርና ፍትሕን ሰላምን ዝነገሳ ክትከውን ንሳ ድማ፡ ቅሱን ህይወትን ራህዋን ምስ ህዝባ ከተስተማቕር ዓቢ ተስፋን ትጽቢት ነይሩ። እቲ ኹሉ ከም ህዝቢ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ዘርኣናዮ ጽንዓትን ሓድሽ ወሎዶ ክቐስንን ክመሃርን ክምዕብልን እዩ ኔሩ። ብኣንጻሩ ግን ሃገርና ይትረፍዶ ሓድሽ ወሎዶ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ዘየርከበት ባዕላ እታ ብረት ዓጢቓ ምእንቲ ነጻነት ሃገራ ዝተቓለሰትን ዝሰንከለትን ብሰላም ክትነብረላ ኣይከኣለትን። ንሳን ደቃን ከም ሰባ ትስደድ ኣላ። ኤርትራዊት በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨካን መላኺ ስርዓት ተጠሊማ ኣደዳ ስደት፡ ጥምየት፡ ሕማም፡ ድንቁርና፡ ዓመጽ፡ ማእሰርትን ሞትን ኰይና ትርከብ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሎሚ ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ በረኻታት ሲናይ ከም እንስሳ ተሓሪዳ ኩላሊታ ይሽየጥ ኣሎ። እታ ጭቆናን ምዝመዛን መሪሩዋ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢላ ክትስደድ ዝመረጸት፡ ኣብ ፈቐዱኡ ግዳይ ዓመጽን ዉርደትን ኮይና ንሓደጋታት ተሳጢሓ ትርከብ። ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ዝተረኽበ ህልቂት፡ መንእሰይ ኤርትራዊት ኣደ እናጠሓለት ኣብ ባሕሪ ሓሪሳ መዳሕንታ ከይተብትከ ምስ ህጻና ጠፊኣ። መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ዓለም ሓዘኖም ክገልጹ ከለዉ ስርዓት ህግዲፍ ግን ንዓኣን ምስኣ ዝሃለቑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ሃገርና ፈጺሙ ኣይተዛረበሎምን። ካብዚ ዝኸፍእ የሎን። ሎሚ ኤርትራዊት ኣደ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ሽፋን ደቃ ተመንዚዓ፡ ደቃ ተኣሲሮም ድሃዮም ዘይትሰምዓሉ ገጾም ዘይትርእየሉ ጸልማት ሂወት ትሓልፍ ኣላ። እታ መንእሰይ’ዉን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ሽፋን ኣይክትመሃር ኣይክትወልድ ክትዝምድ ኣብ ኢድ ሰበስልጣን ናይ ዓመጽ ግዳይ ኮይና ተሪፋ። ብዘይካ’ዚ ኤርትራዊት መንእሰይ ምስ ኣሕዋታ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ኢድ ግፍዐኛ ስርዓት ህግዲፍ ትሳቐ ኣላ። ሎሚ ሕሰም ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ፈሊጡዎ ጥራሕ ዘይኮነ የእውየላ’ሎ።

ንሕና ኤርትራውያን ከም ዓለምና ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ዓመት ዓመት ካብ ነብዕላ ዓመታት ኮይኑ። ንሕና እቶም ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትናን ንቃለስ ዘሎና ጥራሕ ዘይኮነ ባዕሉ እቲ ጠንቂ ሕስረትን ውርደትን ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ኣስመራ ከምኣመሉ ከብዕላ እዩ። ብረድዮን ቴለቭዥንን ድማ ሰራሒት ቅያ ክብል ክውዕል’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርምን ዘሕዝንን ከኣ እቲ ንሽሙ “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ” ዝበሃል ኣብ ክንዲ ንመሰል እታ ኣብ ሳዋ ሰበስልጣን መጻወቲ ጌሮማ ዘለዉ መንእሰይን፡ ደቃ ተመንዚዓ ዘላ ኣደን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትማስን ዘላ ሰራሒት ቅያ መቃልስተንን ዝጣበቕ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ክብሃል ክውዕል’ዩ።

ገለ ኣብ ስደት ካብ እንርከብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ካብ’ቲ ጨቛኒ ስርዓት ርሒቕና፡ ብዝተዓቖብናሎም ምዕቡላት ሃገራት ዝወሃበና ሰብኣዊ መሰላት እናኣስተማቐርና ንደቅና ሓቚፍና ብሰላም እናዕበናን እናኣምሃርናን ነቲ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ዝጭቁን ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ንዋታውን ሞራላውን ደገፍ እናሃብና ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንምብዓል ኣብ ዝተኽሎ ጓይላ ክንስዕስዕ ክንሓድር ኢና። እዚ ግን ጥልመት ነታ ትጭቘን ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ጥልመት ንገዛእ ርእስና እዩ።

ንመራሕቲ “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ”ን ነተን ኣብ ዝጥዕመን እናነበራ ደቀን ሓቊፈን ጓይላታት መላኺ ከድምቓ ዝሓድራ ኣሕዋትናን፡ 8 መጋቢት ምኽንያት ብምግባር ወያ ሰራሒት ቅያ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እያ ዘላ፤ ክማጐታላ። መንእስይ ኣብ ኢድ ሰበስልጣን ብዓመጽ ትሳቐ ኣላ፤ ክጣበቓላ። ካብ ጭቆናን ምዝመዛን ስርዓት ህግዲፍ ክትሃድም ኣብ ፈቐድኡ ከም ኣቕሓ ትሽየጥን ትልወጥን ዘላ፤ ክሓታላ ሎሚ እውን ከም ዓሚ ደጊምና ነዘኻኽረን።

ንሕና ድማ፡ ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክነኽብር ከሎና፥

  • ሕሉፍ ተመኩሮና እንመዝነላ፡ ኣብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት እናኣሞገስና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ መሰልና ክረጋገጽ ቃልስና ክሓንን መብጽዓ እንኣትወላ መዓልቲ ክትከውን፣
  • ኣብ ክንዲ’ታ ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ትኸውን ዘላን፡ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ጅሆ ትተሓዝ ዘላን፡ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትታት ሰብኣዊ መሰላታ ትገሃስ ዘላን፡ ኣብ ዓለም ድምጻ ክስማዕ ከነእውየላ ቃል እንኣትወላ መዓልቲ ክትከውን፣
  • ጭቆናን፡ ሕሰምን፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ፡ ክሰዓርን፡ ሓራ ህዝቢ ክህንጽን ስለ ዘድሊ፡ ከምቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ሕጂ’ውን ብምሉእ ዓቕምን ሕልናን፡ ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ከም ህዝቢ ተጠርኒፍና ክንሓንን ዋናታት ጉዳይና ክንከውን ብናህሪ እንብገሰላ መዓልቲ ክትከውን ይግባእ።

 

ኣብቲ ብኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝኸይድ ዘሎ ንፍትሒ ዝቃለስ ህዝባዊ ምጥርናፋት፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት እናዓዘዘ ይመጽእ ምህላዉ ኣተባባዒ እዩ። ኣብ’ቲ ምእንቲ ሰብእዊ መሰልና እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ኣብ ናይ ዓለም መጋባእያታት ቀሪበን ድምጺ ዉጹዕ ህዝብና ብምዃን ወጽዓ ህዝብና ዘቃልሓ ጀጋኑ ኣለዋና። ዝያዳ ክሓንን ግን የድሊ። ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን። ፍርቂ ሕብረተሰብ ኢና። መሰልና ዘይሕሉ ሕብረተሰብ ብባህርያቱ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን። ብመሰረቱ ሕቶና፡ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል’ዩ። ስለዝኾነ ኸኣ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ብቓልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራሕ ኣይኮነን ዝዕወት። ንመሰልክን ባዕልኽን ክትቃለሳ ኣሎክን ክበሃል ይስማዕ’ዩ። ንመሰልና ዘይቃለስ ንፍትሒ እቃለስ ኣለኹ ክብል ኣይክእልን። ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራሲን እጃሙ ዘበርክተሉ’ዩ። ዲሞክራሲ ህዝቢ ዝመሓደረሉ ኣገባብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዉልቃዊ ሂወትና እንነብረሉ ባህሊ ክኸውን ይግባእ። ወጽዓና ምስ ሓደ ስርዓት መጺኡ ምስ ሓደ ስርዓት ዝጥፍእ ኣይኮነን። ጠንቂ ምግሃስ መሰልና ድሕረትን ድንቁርናን እዩ። ባህላዊ ድሕረትና ክሰርጽ ወለዶታት ዝወሰደ ኮይኑ ክድምሰስ’ዉን ወለዶታት ክወስድ’ዩ። ብመሰረቱ እቲ ድሕረትን ድንቁርናን ከኣ ኣብ ኩልና’ሎ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጸልና ጸጸኒሑ ብገለ ንፍትሒ ንቃለስ ኣሎና ዝብሉ ሰባት ነተን እንሕበነለን ብግሉጽ ምሉእ ግዜኣን ሂበን ምእንቲ መሰል ህዝብና ዝቃለሳ ዘለዋ ኣሕዋትና ከነኣእሱ ምርኣዮም’ዩ። ስለዚ ኩልና ኣንጻር ድሑር ኣተሓሳስባና ብትብዓት ክንቃለስ ንለዓል።

ብዘይ ተሳትፎና ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብዲሞክራስያዊ ቓልሲ ክዕወት’ዩ!

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

8 መጋቢት 2015

Last modified on Sunday, 08 March 2015 12:14