ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን ጨንፈር ቁጽሪ 3 ( ከሎንን ከባቢኡን) ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ
2015-01-07 15:05:18 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን Published in EPDP News Read 5141 timesብዕለት 03-01-2015 ዓ.ም ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ ቦታ Allerweltshaus Köln Straße 77-79D. 50823 Köln ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩምን፡ ከምኡውን እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት 2015 ኣሰጋገረኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ኣስዒቡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህሉው ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ።
ቀጺሉ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ሓው ኢብራሂም ዓጣ ብዝሓለፈ ዓመት 2014 ዝኸድናዮ ኣገባብ ቃልስና ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ንጅምሮ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብሊጽናን ዕዉት ቃልሲ ከነካይድ እንተ ዀይኑ ኵላትና ብልዝብን ተገድስናትን ብሓባርን ምስ ንቃለስ ጥራይ ኢዩ ክብል ኣገዳሲ ምኽሪ ንኣኼበኛታት ገሊጹ።
ኣስዒቦም ብኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብን፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ፍራንክፈርት ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ስለ ዝተረኽቡ በብወገኖም ነቲ ጨንፈር ዘተባብዕ ኣገዳሲ ሓበሬታትን ምኽርን ለጊሶም። ብድሕሪዚ ኣኼበኛታት ብሃነጽቲ ዝዀኑ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባ ብዓወት ተፈጺሙ።