ኵነታት መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ድሕሪ'ቲ ኣሕዛኒ ተረኽቦ

2014-12-29 11:12:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4063 times

ሱዳናውያን ወተሃደራት ነቶም ዝጨወይዎም 1,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ሰለስተ ከፊሎም፡ ኣብ ከሰላ፡ ሓልፋ ጀዲዳን ግርባን ኣሲሮምዎ ምህላዎም እሙናት ምንጪታት ሓቢሮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም እሱራት ብጅምላ ከይባረሩን ገበን ዘይፈጸሙ ድማ ብቐጥታ ተፈቲሖም ናብ መደበር ስደተኛታት ክምለሱን ብዘቕረቦ ተቓውሞ መሰረት 400 ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ኣለዉ። ዝተረፉ ድማ፡ ምርመራታት ይካየደሎም ኣሎ። ብድሕር'ዚ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎም ምዃኖም ይስማዕ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ምውታት ንምርካብ ኣብ ዝተገብረ ፍተሻ ሓደ ተረኺቡ ኣሎ። በዚ ጠቕላላ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሬሳታት ናብ 9 ክብ ኢሉ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ብዝወረዶም ማህረምቲ ኣብ ሆስፒታል ዝእለዩ ከምዘለዉ ዝዝከር ኢዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነቲ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝዅንንን ንላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነቱ ክስከም ዝጽውዕን መዘክር ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

Last modified on Wednesday, 31 December 2014 19:20