ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ስርሓታ ጀሚራ

2014-12-22 21:36:28 Written by  ክፍሊ ዜና ኣሰናዳኢት ሽማግለ Published in EPDP News Read 2895 times

ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ብዝተዋህባ ሓላፍነት መሰረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ሰልፋዊ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ንስርሓታ ዝሕግዝ መደባት ሓንጺጻ ንምትግባሩ ተበጊሳ ኣላ፡፡ መሪሕነት ሰልፊ 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ድሕሪ ምምዛዙን ትምርሓሉ ሕግታት ድሕሪ ምንጻሩን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብመሰረት ዝተዋህባ መምርሒ፡ ነብሳ ሰሪዓ/ወዲባ ስርሓታ ተሰላስል ኣላ፡፡ ብ20 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባኣ፡ ኣቦ-መንበር ኣሰናዲት ሽማግለ፡ ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ ኣብ'ዘን ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተዓመ ስራሓት ንሽማግለ ብዝርዝር ገሊጹ። ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ኣኼባታት ከም ዘካየደትን ሰለስተ ክፍልታት ከም ዝመስረተትን ሓቢሩ።

እተን ቆይመን ዘለዋ ክፍልታት፡-

1. ክፍሊ ምድላው ንድፊ ሰነዳት ናብ ጉባአ

2. ክፍሊ ሎጂስቲክን ፋይናንስን፡

3. ክፍሊ ኣምራጺት ናይ ጕባኤ ተወከልትን ዜናን ....ኢየን።

ጉዳይ ምስንዳእ ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ክረምቲ ክጋባእ ትጽቢት ዝግበረሉ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ፡ ነታ 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳት ሽማገል ጥራይ ከም ዘይግደፍ ብምርዳእ፤ ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ኣብ'ዘን ክፍልታት ኣትዮም ንኽሰርሑ መጸዋዕታ ከም ዝተገብረሎምን ድልውነቶም ከም ዘረጋገጹን ካብታ ሽማግለ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣባላት ሰልፊ ብዛዕባቲ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ሰነዳት ኣቐዲሞም ዝመያየጥሉ እኹል ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ነዚ ዝምልከት ክፍሊ ቀልጢፋ መታን ክትውድእ ተኸታታሊ ኣኼባታት ንምክያድ መደብ ሰሪዓ ከም ዘላ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ክፍሊ ዜና ኣ/ሽማግለ    

21 ታሕሳስ 2014

Last modified on Monday, 22 December 2014 22:44