ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ህዝቢ ይራኸብ
2014-12-04 16:22:29 Written by ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሎንደን Published in EPDP News Read 5050 timesኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንከሰላስሎ ጸሚድሉ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ሎንዶን ምስ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ብምርኻብ ጀሚርዎ።
እዚ ብዕለት 30 ሕዳር 2014፡ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሎንዶን ዝተወደበ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ። ካብ ኩሉ ኩርንዓት ሎንደን መጸዋዕታን ዕድመን ኣኽቢሮም ዝመጹ ደለይቲ ለውጥን ፍትሒን ካብ ኩሉ ሸንኻት ህዝብና ምንባሮም ተስፋ ዝህብ ኣጋጣሚ ኢዩ ። እዚ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ፡ሓው ጎይቶኦም መብራህቱ ኢዩ ተኸፊቱ።
ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓው ሓምድ ድራርን፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን፡ ኩነታት ተቓዉሞ ደምበን ኣህጉራዊ ኩነታትን ብሰፊሑ ብክልቲኡ ቋንቋታት፡ ትግርኛን ዓረብኛን መግለጺ ኣቕሪቦም።ብተወሳኺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊን ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብዝርዝር ገሊጾም።
ተቓዉሞ ደምበ በዚ ሎሚ ዘለዎ፡ ዝተበታተነ ሃለዋት ከድምዕ ከምዘይክእልን፡ ብክንዲተን ኩላትና እንሰማማዓለን ዕላማታት ተወሃሂድና ክንሰርሕ ከምእንጥለብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ገሊጹ።
ሰልፊ፡ መንእሰያት ኤርትራ ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንምቅላል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታቱ ዓቢ ቦታ ከምዘትሕዞ ሓው መንግስተኣብ ገልጹ።
ብመራሕቲ ኣኼባ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ መድረኽ ንተሳትፍቲ ኣኼባ ሕቶታት ከቕርቡ ተፈቒዱ። ዝቐረበ ሕቶታት ውን ብኣቦመንበር ሰልፊ ሰፊሕ መብሪሂታት ተዋሂብዎ። እቲ ኣኼባ ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ይካየድ ምንባሩ ኩሉ ተሳታፋይ ንትሕዝቶኡ ክርዳእ ኣብቂዕዎ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ናይ ግዜ ጽበት ስለዘጋጠመ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ብሙሉኡ ፈሲሱ ክበሃል ዝከኣል ኣይነበረን።
3/12/2014
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ጨንፈር ሎንደን