ኤልሳ ጭሩም፡ መስራቲትን ኣካያዲትን “ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ” ኣብ ኦክላንድ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዳ።
2014-11-10 05:53:00 Written by ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር Published in EPDP News Read 9116 timesERITREAN DEMOCRATIC ASSOCIATION, INC.
A Nonprofit Public Benefit Corporation
ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ንምስናድ፤ ዕላማታት ሕቡራት ሃገራት ዘቖሞ መርማሪ ኮሚሽን ንምግላጽን ቃለ ምስክርነት ንምስናድን ብወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ዝተመርሐ ኣኼባ ኣብ ኦክላንድ ብ8 ሕዳር 2014 ተኻይዱ።
ወይዘሮ ኤልሳ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ከተካይዶ ዝቐነየት ዑደት ኣኼባታት ኣብ ኦክላንድ’ውን ዝቐጸለ ብሓላፍነት ወለንተኛታት ኤርትራውያን ንጉዳይ መርማሪ ኮሚሽን ዝተዳለወ መደብ እዩ ነይሩ። ኣቶ ኣሰናይ ሙሴ ምስ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ብምትሕብባር ዘወሃሃዶን ዝወገኖን ዕዉት መደብ ነይሩ።
ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ብብዝሒ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ሰብኣዊ ስምዒትን ሓልዮትን ዘሰነዮ ዓሚቝ ምይይጥ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፣ ኣብ ህላዌኦም ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ክፍጸም ዝርኣዩ ተሳተፍቲ ምስክርነት ተሞክሮታቶም ዘቕረቡ’ውን ይርከብዎም። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ወይዘሮ ኤልሳ ብምሉእ ሕልናን ተወፋይነትን ድምጽን ጠበቓን ግዳያት ኤርትራውያን ኰይና ኣብ መጋባእያታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ቀሪባ ከተካይዶ ዝጸንሐት ምስክርነት ኣብ ኣቓልቦ ዓለም ቦታ ንኽረክብ ካብ ዝገበረትን ምዃና ከም ዝፈልጥዎን ዘመስግንዋን ምዃኖም ገሊጾም። ገለ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ወይዘሮ ኤልሳ እትህቦ ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሞያን ከም ኤርትራዊት ማዘር ተሬሳ፣ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግን ሮዛ ፓርክን ከም ዝቘጽርዋን ዝሕበኑላን ገሊጾም።
ኣባላት ናይቲ ኣብ ካሊፎርንያ ምዝጉብ ዝዀነ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበር፣ ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ዝከታተል ሰብኣዊ ማሕበር “ኤርትራዊ ማሕበር ደሞክራሲ” ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም ደገፎም ገሊጾም እዮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ወይዘሮ ኤልሳ ንተተሓሒዛቶ ዘላ መስርሕ መደብ ምቅላዕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ስርዓት ኢሳያስ፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዝሕተቱሉን ክሳብ ዝዕወት ምሉእ ደገፎም የረጋግጹ።