መንገዲ ህግደፍን፡ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብን

2024-12-21 20:25:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 351 times

ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገዲ፡ ግጉይን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ  ኣብ ዲፕሎምሲያዊ ዝምድናታቱ’ውን  ጐሊሑ ከም ዝረኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ኩሉ ዝምስርቶ ዝምድናታት ዕድመኡ ሓጺር፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ኣብ ናይ ውግእን ድኽነትን ዓዘቕቲ ዝነቑት። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን  ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድናታት  ድማ  ብመንጽርዚ ዝምዘን እዩ።

እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይቲ ብሰንክዚ ግጉይን ኣርሒቑ ዘይርእን ተበላጺ ዝምድናታት ናይቲ ጉጅለ ዘጋጠም ኩለ-መዳያዊ ዕዳ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ህግደፍ ዝምድና ኣፍሪሱ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ክኸፍሎ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። እቲ ኢሳያስ ባዕሉ ከይተረፈ፡ ደጋጊሙ ናይ ዶብ ከምዘይነበረ ዝተኣመነሉ ውግእ 1998-2000 ዝተኻየደሉ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ዘጋጠመ ምክልባትን ምርሳይን ምብኻንን ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ በሰላ  ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ድሮ እቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘስገኦም፡ ህግደፍ ከሎ ግና ንክሓስበሉ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ኢምባሲኡ  ብመልክዕ ኣኼባ የቕርብዎ ዝነበሩ ናይ “ከይኮነ ንጠንቀቕ” መተሓሳሰቢ ተገዲሱ ዝሰምዖ ኣካል ኣይነበረን። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ እውን እቲ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ እዩ ተበዲሉ እምበር፡ እቲ ጉጅለ ከምቲ ኩሉ ግዜ ከይሓፈረ ዝብሎ “ኣይከሰረን።”

ካብ ኢትዮጵያ ብምስጓጎም ዝተበደሉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ኣይኮነንዶ ኣባላት ህግደፍ ክነብሩ፡ ንሃገሮም ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ርእየምዋ ዘይፈልጡ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ዘጋጠሞም፡  ንተግባራት ሓይልታት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ከማርሩ ጸኒሖም። ናይቲ ጉጅለ ድፍኢትን ተንኮልን እናተወሰኾ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ኣይተሰግረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ   ኣተሓሕዛ ናይቲ ተረኽቦን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ዝተሰጉ ግዳያት እንተማረሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይተፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከኣ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።ኣብ መጻኢ  መምሃሪ ተመኩሮ ክኸውን እውን ይግበኦ።

ህግደፍ  ኣብ 2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኾርተት ክብል እንከሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ክቱር ፍቕሪ ህግደፍን ህወሓትን  “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር”  ከም ዝባሃል፡ እሞ ናብ ውግእ 1998  ዝተቐየረ፡  ዘኪሮም፡ ስኽፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ዝምድና “ግሉጽነትን ትካላውነትን ዝጐደሎ፡ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ  ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ብህድኣት ክርኣይ ይግበኦ፡” ንዘበሉ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ “ሰላምና ምስ ኢትዮጵያ ዘሕመሞም ሓሳዳት እዮም” ስለዝበሎ፡ ደድሕሪኡ ዘዳመቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን።  ነቲ ኩነታት  ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ነፍስሄር ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይኑ ብትብዓት፡ ንዲክታተር ኢሳያስ“ነቲ ግቡእ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን ዘየብሉ ክነሱ፡ በይንኻ ምስ ሃገራት ተካይዶ ዘለኻ ናይ ተብተብ ዝምድና እስትራተጅያዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ ጠጠው ኣብሎ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን፣ ንናይ ቀረባ ግዜ ስንኩፍናን ጥልመትን ዘንጊዕካ፡ ደድሕሪ ህግደፍ ምዕንዳር ባዕልኻ ምውጻኡ ናብ ዘጸግም  መጻወድያ ምእታው ምዃኑ ክንግንዘብ ምተገብአ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበራ ውሑዳት  ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ክረአ ዝጸንሐ ወደኽደኽ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር በይናዊ ተጠቃምነት ዘተኩር እምበር፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ምኽታሙ ብዘርኣዮ ዘይምርግጋእ ተቓሊዑ እዩ። ኣብዚ እቶም ተዓሽዮም ደድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ወደኽደኽ ክብሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ሰቲ ነስኒሱ ብጫ ምንጻፍ ዘርጊሑ “መጺእካለይዶ ክጽበያካ” እናበለ ባዕሉ ብዝጐተቶ ተመን ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓነን።

ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሸምጠጠ ምስ ሸምጠጠን ክቕጽል ከምዘይክእል ምስተረደአን ድሮ ንኣብይ ኣሕመድ ሕቖኡ ሂብዎ። በዚ ከይተወሰን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካለኦት ኪዳን ክሳብ ምምስራት በጺሑሎ። በዚ ዝተቖተዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይካቲ ብዛዕባ ውደብዶ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክዛረብ ዝውዕሎ  ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ከይተረፈ፡ ደጊም “ብሕጊ ዝዛመደና እምበር፡ ንግዜኡ ዝብለጸልናን ኤምባሲ ከፊቱ ዶላር ክእክብ ምስ ዝውዕል ኣካል ክንዛመድ ኣይንደልን ኢና” ዝበሎ ናብ መን ዘቕነዐ  መልእኽቲ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ነዚ ምጥልላም ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ ክምድሮ ዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ነፍሰ-ሄር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ኢሪ-ቲቪ ምስ ጋዜጠኛ ይስሓቕ መሓሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ “ኢትዮጵያ ንከይትገማማዕን ከይትብተንን ጉዳያ ክትፈትን ከምኡ ድማ ወያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስ ክንሰርሕ እዩ እምነተይ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ መንግስትና እምነት እውን ክኸውን እየ ዝደ”  ዝበሎ፡ ክውሰኾ እንከሎ ኣዝዩ  ዘገርም ምግልባጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ተመኩሮ ዘይተማህሩ፡ ፍቕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ኣይክምለስን’ዩ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ኣሕዲሮም፡ “ዝትንክፈና የለን” ብዝብል ኣጉል ጉርሒ ክሳብ ምውናን ትካላት በጺሖም ዝነበሩ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተዉን እቲ ናይ 1998 ከይድገም ከም ዘስግእን ብዝተፈላለዩ መድያታት ይቃላሕ’ሎ። እዚ ዘተዓዛዝብ እምበር፡ “ፈትዮም ስለ ዝኣተዉዎ ባዕላቶም ይፈልጡ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብሰንኪ ዘይምስትውዓል ዝተወስደ ንቑጽን ርሑስን ዘይፈለየ ስጉምትን ሳዕቤኑን ዘኪሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወስዶ ስጉምቲ ሓላፍነታዊ ንክኸውን ምዝኽኻሩ  ኣገዳሲ እዩ። 

ኤርትራውያን’ውን፡ ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ዕብዳኖም ተመሊሶም፡ ክሳብ መዓስ ኢና ናይቲ “ግጉይ ምርጫ ህግደፍ ከፈልቲ ዕዳ ንኸውን?” ኢሎም፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት’ኳ ከድሕንዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተበጽሐ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ካብ ምድጋሙ ክዕቀቡ ይግበኦም።

Last modified on Saturday, 21 December 2024 21:28