ህላወ ውድባት ጸገም ኣይኮነን

2024-02-09 08:38:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 642 times

ኤርትራውያን ነዊሕ ዝዕድመኡ ፖለቲካዊ ጸገም ኣለና። ናይዚ ጸገም ቀንዲ ጠንቂ ከኣ እቲ “ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ” ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀዳምነት ከኣ፡ ነዚ ጠንቂ  ኩሉ ጸገምናን ሕሰምናን ኮይኑ ዘሎ ዓመጸኛ ሓይሊ  ምውጋድ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ኣብዚ ንህግደፍ ንምውጋድ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘይሰዓርናዮም ጸገማት ከም ዘለዉና ዘማትእ ኣይኮነን። ምፍታሕ እዚ ጸገማትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እነካይዶ  ቓሊሲ ዘይስገር ቅድመ-ኩነት እዩ። ክብደትን ሕልኽላኻትን ናይቲ ጸገም ኣብ ምምዛኑ ክንድቲ ዝድለ፡ ዘይንሰማማዕ ምዃናን፡ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ኣብ ምፍታሕ ክንድቲ ዝድለ ዘይንተግህ ምዃና ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ጸገም እዩ። “ናይቲ ጸገማት ምኽንያትን ተሓታትን መንዩ?” ኣብ ዝብል ድማ  ነብስና ካብ ተሓታትነት ንምግላል፡ ካብ ሓደ ኩርናዕ ናብቲ  ካልእ ክንደራበየሉ ዝጸናሕና  እዩ።

እቲ ናብ ምርሕሓቕ ዝወስደና ፍልልይ ምስፍሑ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብቶም ጐሊሖም ዝረኣዩን ኩልና ውዳበታት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣፍልጦ እንህቦምን ሓደ ብሓባር ዘቃልሰና ሰፊሕ መድረኽ ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ምዃኑ በብኩርናዑ ነቕርቦ ዘለና ናይ “ሓቢርና ዘይንቃለስ” መጸዋዕታታት ምስክር እዩ። ኣብ ኣድላይነት ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ዘለና ተረደኦ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ካብ ስምምዕ ጅዳ 1993 ጀሚርካ ክሳብቲ ብ1999 ዝጀመረ፡ ምድኳን “ምትእኽኻብ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካልኦት ምቅርራባትን ዘንቀድናሉ ግዜ ጀሚርና ዝተገንዘብናዮ እዩ። እዞም በብግዜኡ ዝወጠናዮም ናይ ቃልሲ መድረኻት ኣየዐወቱናን ክንብል ዘይኮነ፡ ኣየዐወትናዮምን ምባልዩ እቲ ሓቂ። “ስለምንታይ ኣየዐወትናዮምን? ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ጠንቂ እቶም ንረግሞም  መድረኻት ወይ ዝሰረትናዮም ጽላላት ከምዘይኮኑ ኢና እንርዳእ።

ግደ ሓቂ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ፡ ናይ ሓባር መድረኻት  ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን ዘይኮይኑ፡ ናይቶም ኣብቲ መድረኻት ዝተዋስኡ ሰልፍታት፡ ውድባትን ካለኦት ባእታታትን ዘይምብቃዕን ዘይምቅዳውን ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም በበቲ ዘመዝገብዎ ሕጽረት ነናቶም  ሕጃም ተሓታትነት ዘልዕልሉ እዩ። ኣብቶም ተዋሳእቲ ከጋጥሙ ካብ ዝጸንሑ መረሓሓቕቲ ምኽንያታት ሕድሕድ ዘይምትእምማን ቅድሚት ዝስራዕዩ። ነቲ ዘይምትእምማን ካብ ዝፈጠርዎ ከኣ፡  ሕቶ መሪሕነት ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ፡ ምምዛን ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቲ ንህዝብና ጅሆ ሒዝዎ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ፡ እሱር ድሕረ-ባይታን ሕሉፍ ታሪኽን ምዃን፡ ዘይምስራዕ ቀዳምነታት ቃልሲ፡ ቅድሚ ውድቀት እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናይ ድሕረ-ውድቀቱ ሕሳባት ቅድሚት ኣምጺእካ ምስልሳል፡ ምምራጽ እትኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ክትውስን ምድንዳን፡ ክትህብን ክትስማዕን እምበር፡ ክትቅበልን ክትሰምዕን ቅሩብ ዘይምዃን ከምኡ’ውን ሓቢርካ ብዘቆምካዮም፡ ትካላት፡ ሕግታትን ፖሊሲታትን ምእዙዝ ዘይምዃንን፡ ንዘይኤርትራዊ ጽልዋን ተጽዕኖን ካብ ምትሕግጋዝ ሓሊፉ ገፊሕ ኣፍደገ ክትከፍተሉ ምድላይ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም መፈላለይ ጸገማት ብቅሩብነትን ህዝባዊ ሓልዮትን ክፍትሑ ዝኽእሉ እምበር ቅድም ኮነ ሎሚ ኣሲሮም ክሕዙና ኣይመተገበኦምን። 

ኣድላይነት ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽን ንምዕዋቱ ዝግበር ቃልስን መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ እውን ኣጀንዳ ኩልና ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ብኸመይ ነረጋግጾን ነዕውቶን ከኣ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ’ኳ እንተለና፡ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ግና ኣይበጻሕናን። ኣብቲ ክንበጽሖ ዝግበኣና ንምብጻሕ ድማ፡ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከምኡ እውን ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ለውጥታትን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ምጽውዋር ዘበረኸ መስርሕ “እንካን-ሃባን” ክንክተል ከም ዝግበኣና ኣብ መብዛሕትና ሰሪጹ ብኹልና ናብ ተግባር ንምስግጋሩ፡ ዝያዳ ትብዓትን ሓልዮትን ዝሓትት እምበር ተስፋ ዘቑርጽ ኣይኮነን። እቲ ጉዕዞ ዘገምታዊ ስለ ዘሎ ግና ምቅልጣፉን ምድፍኡን ኣድላይ እዩ። ንምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ወሲኽካ፡ ዝፍጠሩ ዘለዉ ምቅርራባትን ግንባራትን ከኣ ተስፋ ዘሕድሩን ክተባብዑ ዝግበኦምን እዮም። እዚ ዝበጋገስ ዘሎ ምቅርራባት እንተኾነ ንብምሉኡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብውሕዱ ከኣ ንመብዛሕትና ዝሐቁፍ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ምውጋድ ህግደፍን ብብዙሑነታውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትክኡን ዝዓለመ ሰፊሕ  ጽላል ክንበጽሕ ኣብ ኢድና ዘሎን ባዕልና እንውስኖን እዩ።

ዝኹን እምበር፡ ነቲ ከነስረሖ ዝግበና ዘየስራሕናዮ፡ ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል ምቛም፡ “ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ህላወ ኣየሰርሕን እዩ” ብዝብል ካልእ መንገዲ ክትትከኦ ሃሰስ ምባል ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። ድኽመት ውድባት ኣብቲ መስርሕ ዋላ ሓደ ዘይሃድመሉ ሓቂ ኮይኑ፡ እቲ መፍትሒ ከኣ ዕንቅፋታት ኣሊኻን ሓድሽ መንፈስ ኣስሪጽካን ከም ዝሰርሓ ንምኽኣለን ቃልሲ ምክያድ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ “ውድባት  ክፈርሳ ወይ ክድስክላ ኣለወን” ምባል መፍትሒ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝያዳ ንምንጻር እቲ መሰረታዊ ጸገም ምህላወን ዘይኮነ ከምቲ ዝድለ ዘይምስርሐን ስለ ዝኾነ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ምስቲ “ብዘይውዳበ ዝዕወት ቃልሲ የለን” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈት ቃልሲ’ውን ዝጓነጽ እዩ። ምስ ዲሞክራሲያዊ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣይሳነን’ዩ። ኣብ ርእሲዚ ካብቲ ካብ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ሓደ ዝኾነ ምኽባር ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ከየውጸኣካ ምጥንቃቕ እውን የድሊ።  ብፍላይ ነዘን ዘለዋ ውድባት ኣዳኺምካ ወይ ኣደስኪልካ ስሙን ዕላምኡን ብዘየገድስ ካልእ ውዳበ ናብ ምፍጣር ዝዓለም እንተኮይኑ፡ ኣብ ኢድካ ዘሎ ኣጥፊእካ ውሕስነት ናብ ዘይብሉ ጀማሪ መንገዲ ዝወስድ እዩ ዝኸውን። በተን ህሉዋት ውድባት ዘይውከል ርኢይቶ ሃልዩካ ሓድሽ ውዳበ ምፍጣር፡ ብመንጽር ምርባሕ ውድባት ዘይምረጽ እኳ እንተኾን፡  ግን  ከኣ መሰል እዩ።

ስለዚ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከይህልወና ዝዕንቅፍ ዘሎ፡ ህላወ ውድባት ዘይኮነ ኣተሓሳስባአን ኣማዕቢለን ብሓባር ክሰርሓ ዘይምኽኣለን’ዩ እሞ፡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ብሓባር ንክሰርሓ ድፍኢት ምግባር እዩ። ስለዚ እቶም ሰብ ሓድሽ ርኢቶ ካብ ጽቡቕ ድሌትን ባህግን ከምዝነቕሉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ምውንዛፍ ወይ ምድስካል ዘይኮነ፡ ኣብ ቅርዑይን ሓላፍንነታውን መንገዲ ክሕዛ ኣብ ምትብባዕን ምትኳር እንተኾነ እዩ ዝምረጽ። ምርሕሓቐ ናይተን ውድባት የሻቕለና ዝብሉ  ወገናት ከኣ ናብዚ ኣቕጣጫዚ ከድህቡ ይምረጽ።

Last modified on Friday, 09 February 2024 09:57