ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ሰዲህኤ

2023-07-23 09:06:56 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 931 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

23 ሓምለ 2023፡ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝኽፈተሉ ዕለት እዩ፡ ድሮ ድማ ተሳተፍቲ ኣብ ቦታ ጉባኤ በጺሖም ኣለዉ። ኣመጻጽኣ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላልዩ መድረኻት ዝተጠቅሰኳ እንተኾነ፣ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ደጊምና ክንጠቅሶ ምምራጽና ንሓበሬታ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ክውረሱ ዝግብኦም ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን  ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓን ናይ ምኽታል መልእኽቲ ስለዘለዎ እዩ።

ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ እዚ ሰልፍዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010  ብምጽንባር ናይ 3  ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፣ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስን ዝቆመ ሰልፊ እዩ። ካብዞም ንሰዲህኤ ዘቖሙ 3 ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሰልፊ ዲሞክራስን  ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስን መብዛሕትኦም ኣባላተን ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድሕረ ባይታ ዝነበሮም ኮይኖም፣ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ባይታ ዝነበሮ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተርኢና፣ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ  ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ዘይምቅዳው፣ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኣትዮም ነንሕድሕዶም ከም ዝፋለሱ ዝገበረ፣ ኣብ መወዳእታኡ እውን ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን መንፈስ ዝተዓጽወ ኣሉታዊ  ዝምድና ዝነበሮም ኣካላት እዮም።  

ናይዚ ክልተ ዝተፈላለየ ድሕረባይታን ተጻባኢ ተመኩሮን ዝነበሮም መሪሕነታት 3ቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዘርኣይዎ ልቦና፣ ሃገራዊ ሓላፍነትን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ናይ እንካን ሃባን ልዝብ  ናይ ዝሓለፈ ግዜ ጌጋታት ንታሪኽ ብምግዳፍ፣ ኣብ ህልውን መጻእን ሃዋህው ክተዓረቁ ንዝኽእሉ ፍልልያት ብምቅርራብ፣ ክተዓረቁ ንዘይከኣሉ ጉዳያት ድማ መዝጊብካን ወንዚፍካን ብምሓዝን፣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ብምሃብ ብሓድነት ተጸናቢሩ ሓያል ሃገራዊ ቃልሲ ብምክያድ ንህዝብን ሃገርን ካብቲ ብፍላይ ካብ 2001 ኣትሒዙ ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ረጽምን ሕሉፍ ምልካዊ ምሕደራን ህግዲፍ ክድሕኑ ተባዕ ታሪኻዊ ስጉምቲ ወሲዶም።

ሰዲህኤ ኣብቲ ብናይ ሓደ ዓመት መሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፉ፡  ኣብ 2011 ዘካየዶ ቀዳማይ ሓድነታዊ ጉባኤኡ ናይ ርሑቕን ቀረባን መደባቱ ዘነጽር ቻርተር ወይ ሰልፋዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን፣ ሃገራዊ መደባቱ ንምዕዋት ኣብ ዘካይዶም ሰልፋዊ ንጥፈታቱን ምንቅስቃሳቱን ዝምረሓሉ ቅዋምን ዝሓዙ ሰነዳቱ ኣጽፊፉን ኣጽዲቁን እዩ ንሃገራዊ ቃልሱ ኣንጻር ምልኪ ዘሕደሰ።

ሰዲህኤ እዚ ናይ 12 ዓመታት ጉዕዘኡ ልሙጽ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብከበድቲ ውሽጣውን ግዳማውን ብደሆታት ተፈቲኑ እዩ።  ብኣንጻሩ ንኹሉ ዘጋጠሞ ፈተነታት በዲሁ፡ ብምስጋር እነሆ ናብ ምክያድ 4ይ ጉባኤኡ በቂዑ’ሎ። ቀንዲ ምስጢር ዓወቱ ከኣ መትከላዊ ጽንዓቱን ክንዮ እቶም ዝጋጥሙ ግዝያዊ ጸገማት ኣማዕዲኻ ናይ ምርኣይ ዓቕምን ባህርይን ምውናኑን ኮይኖም፡ እዚኣቶም ካብቶም ክውረሱ ዝግበኦም  መለለይታቱ እዮም።

ንክምረሓሎም ኣብ ጉባኤታቱ ዘጽድቆ ቁዋም ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ምእዙዝነቱን ንኹሉ ኣባል ብማዕረ ኣሳታፊ ዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሓኡን እውን ቀንዲ ካብቶም ፖለቲካዊ መለለዪ  ሰዲህኤ እዮም። ኣብ 2011 ቃልሱ ብሓድሽ መልክዕ ከሕድስ እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት ጉባኤ ብምክያድ  ጉዕዞ ቃልሱ ክግምግምን፣ ናይ ዝስዕብ 4 ዓመታት መደባት ክትልምን፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪሕነት ከውርድን ሓድሽ መሪሕነት ክመርጽን ከምዘለዎ ኣብ ቁዋሙ ኣስፊሩ ምስ ነቀለ፡ እነሆ ኣብ ናይ 12 ዓመታት ጉዕዘኡ፡ ኣብ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ በጺሑ። ዘካይዶም ጉባኤታት ንይምሰል ዘይኮኑ ከምቲ ኣብ ቁዋማዊ ዓንቀጻቱ ዝሰፈረ ሰፊሕ ኣሳታፍነት ኣባላቱ ዘመስከሩን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተሉን ክኾኑ ሓያል ጻዕሪ የካይድ።

ኣሳታፍነትን ዲሞክራስያውነትን ንምርግጋጽ ካብ ዝኽተሎም ኣገባባት፣ ሓደ ዓመት ቅድሚ ጉባአ፣ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ፡ ጉባኤ ዝካየደሉ ግዜ ወሲኑ፣ ኣሰናዳዊትን ሓጻዪትን ሽማገለታት ይምዝዝ። እዘን ሽማገለታት ዝተዋህበን ተልእኮ ሒዘን ምስ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈርን ኣባልን ሰልፊ ብዝተፈላለየ ኣገባብን ኣብ ዝተፈላለዩ መደረኻትን እንዳተራኸባ ንኹሉ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ኣባላት የረጋግጻ። ንተሳትፎ ኣብ ጉባኤን ንሕጸ ኣብ ጉባአ ዝምረጹ ኣባላት ባይቶን ድማ ይጉስጉሳ። ምስዚ ብተወሳኺ ኣብ ጉባአ  ዝጸድቕ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ተዳልዩ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ በብትካላዊ ደረጃኦም ብሰፊሑ ከምዝመያየጡሉን ሪኢቶታቶም ከምዘመዝግቡን ይግበር።

ኣብ ተሳትፎ መሪሕነቱ እውን ሰልፊ ዝጥቀመሉ ግቡእ ሰብ ኣብ ግቡእ ቦታ ኣብ ዝብል መትከል ተሰሪቱ ንብቅዓት ሕጹያት ከም ቀንዲ መዐቀኒ ቅጥዒ ዝጥቀም ኮይኑ፣ ንውክልናን ኣሳታፍነትን ናይ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ማለት ዕድመ፣ ጾታ፣ ብሄር፣ ዞባ፣ ሃይማኖት ቋንቋ፡ ወዘተ ንምርግጋጽ  ሓያል ጻዕሪ ይካየድ።

 መለልይታት ሰዲህኤ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፣ ኣብዚ እዋን 4ይ ጉባአ  ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘለዎ ሓቛፍን ሚዛናውን  ኣረኣእያ እዩ። ንኹሉ ኣብ ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገር፣ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ኣድላይነት ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣሚኑ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ንዝቃለስ ኤርትራዊ  ዕድመኡ፣ ጾታኡ ብሄሩን ሃይማኖቱን ቋንቁኡን፡ ብከመይ ኣገባብ ይውደብን ብዘየገድስ ከም ናይ ቃልሱ ኣካል ገይሩ ዝወስድ ምዃኑ እዩ።  ኣብ መንጎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዘጋጥም ፍልልያትን ምንፍፋጋትን ብህድኣት ክመሓደር ከም ዝግበኦ ዝኣምን፡ ሎሚ ክፍትሑ ዘይከኣሉ ፍልልያት ኣወንዚፍካ ኣብቶም ዘሰማምዑ ነጥብታት ብሓባር ናይ ምቅላስ  መትከል ብጽኑዕ ዝኣምን  ሰልፊ ምዃኑ ካልእ መለለይኡ እዩ። ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ንእንደልዮ ለውጢ “ብኣይን ብመንገደይን ጥራይ” ብዝብል ዘይኮነስ፣ ብዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ቃልሲ ምዃኑ ዝቕበል እውን እዩ። ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሓይልታት ለውጢ፡ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ከይተሓለለ ዝጽዕርን ንመጻኢ እውን ዝቕጽለሉ ሰልፊ እዩ።  ናይዚ ኩሉ ዓወቱን ኣሳልጦኡን ቀንዲ ምስጢር ከኣ ናይ ኣባላቱ ጽንዓትን ተወፋይነትን እዩ።

ዓውት ን4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ

Last modified on Sunday, 23 July 2023 11:10