ኤርትራ ኣብዚ ቅኒያት

2021-11-18 21:11:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1642 times

ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ፡  ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓለም ብተነጽሎ ካብ ዝተዋሕጣ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር ብዘይካተን እቲ ገዛኢ ጉጅለ ብዓይኑ  ዝቐጽዐን መንግስታዊ ሚድያታት ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ዘራኽባ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣይጸነሐን። ኣብ ርእሲ’ዚ ንናይ ወጻኢ ናይ ዜና ማዕከናትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን እውን ዕጽዊቲ ኮይና እያ ጸኒሓ።  ካብቲ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጽምዋ’ውን ኣይወጸትን። ድሕሪቲ ናይ 2018 ብዘይትካላውን ዘይግሉጽን ኣገባብ ምስ ኣብዪ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ  ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ምዝማዳ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት መዛረቢት ክትከውን በቒዓ። እቲ ኣዛራብነታ ግና ንህዝባ ናብ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን ዘሰጋግር ዘይኮነ፡ ነቲ ተጻዒንዋ ዝጸንሐ ሓጺናዊ ኣርዑት መግዛእቲ ህግደፍ  መሊሱ ዘትረረን ዘጋደደን ስለ ዝኾነ እዩ።

 እቲ ዝጸንሐ ዘየቕስን ኩነታት ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅንያት ከኣ ዝያዳ ኣጀንዳ ናይ ብዙሓት ክትከውን ዝድርኹ ተረኽቦታት ተጋሂዶም ኣለዉ። ካብቲ ተረኽቦታት፡ እቲ ሓደ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተወሰና ናብ ትካላትን ላዕለዎት መራሕትን ናይቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጠላም ጉጅለ ዘቕነዐ እገዳ እዩ። እቲ ካለኣይ ከኣ ሕልፈተ-ህይወት ናይ ሓደ ካብቶም ኣእዳዎም ብደም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሓጽቡ መራሕቲ ጸሓፊ ህግደፍ ዝነበረ፡ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እዩ።

ከምቲ “ወቓሲ ምዉት ኣይትግበረኒ”  ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ብ1966 ናብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ዝዓረፈ ናይ ኢሳያስ እሙን ባእታ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ብዙሕ ዘየዛርበሉ ምኽንያት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸገሙ ምስ ውልቀ-መራሕቲ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ እኩይ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳባኦም ስለ ዝኾነ እዩ።  መዋቲ ክምረሓሉን ንህዝቢ ኤርትራ ደም ከንበዓሉን ዝጸንሐ ኣተሓሳባኡ ምስኡ ዝመውት ዘይኮነስ፡ ጌና ፈረስ ቀይሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጋልብ ስለ ዝኾነ፡ ብልሒ ቃልስና ዘጉድምን “ተመስገን እንኳዕ ናይ እገለ ዝበሃል መራሒ ሞት  ኣረኣኻና” ዘብልን ኣይኮነን። በዚ ይኹን በቲ ግና ኣብ ካልእ ምጽብጻብ ከይከድና፡ እዚ ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፈ ጸሓፊ ህግደፍ  ነበር፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ብዘመልክት፡ “ኤርትራ ኣብ ዓለምና ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረላን ሰላም ዝሰፈናን እንኮ ሃገር እያ። ቃልስናን ድሌትናን ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ምሕላውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናብ ስልጣን ከይትመጽእ ምክልኻልን እዩ” ዝበሎ ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ፡ ጉዳዩ ገዲፉ ናብ ደገ ዘማዕዱ ህላ እዩ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብዝነበሮ ግደ ኣብ ታሪኽ ክዝከር ኢዩ። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠቐምዎ፡ ዝበደልዎ ዝበዝሕ ባእታታት ምንባሩ ከኣ ታሪኽ ብዘይ ምሕረት ክምዝግቦ ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ትካላትን ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ህግደፍ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወሰነ እገዳ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ብኣብይ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህግደፍ ይግበረሉ ንዘሎ ናይ ህልውና ውዕለት ንምኽፋል ብዝመልስ ቅድሚ ህግደፍ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ነቲ እገዳ ዝቃወም መግለጺ ምቕራቡ ነቲ ኣዛራብነት ዝያዳ ኣንሂርዎ። ጠንቂ ናይቲ እገዳ እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዕግርግር ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ገበናት ምፍጻሙን ጌና ሎሚ እውን ኢደ-እግሩ ዘይኣከበ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ህውከት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝፈጸሞ በደላት ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ንክውሰን  ምኽንያት ኣይከውንን ዝብል እምነት የብልናን። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ከኣ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ተመዚዝሉ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግህሰታት ብመርትዖታት ዝተሰነየ ክነሱ፡ ብኤርትራዊ ምኽንያት’ውን እገዳ ዘይምውሳዱ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ። እገዳ ናይ ምውሳን ጉልበት ዘለዎም ሓያላት ቀዳምነት ዝህብዎ ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም ዘቤታዊ ገበናት ዘይኮነ፡ ናታቶም ጠቕምታትን  ዞባዊ ልዕልናን ምዃኑ ከኣ የረድእ። እዚ ናባና ናብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ጉዳይና ብኣናን ካባናን እንተዘይኮይኑ ንሕና ክንጽበን ክንዕዘብን ካልእ ዝዓመልና  ኣካል ዘየለ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ እንግደዓና ዘሎ ካልእ ዘይስከመልና ዕዳ፡ በበይንኻ ኮይንካ ዘይኮነ፡ ዝተበተነ ሓይልኻ ጠርኒፍካ ጥራይ ዝዕመም ምዃኑ ከኣ ዘርእየና እዩ።

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዋኒንና ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ሰማዒ እዝኒ ዘይምርካቡ፡ እቲ ጠንቂ ናብ ሓያላት መንግስታት ጥራይ ነላግቦ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ናትና ሓቢርካ ዘይምስጓም ድኽመት ምዃኑ  ክንእመን ይግበኣና። ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝደቀስናሉ ክንበራበር እዋኑ እዩ። ናይ ሓባር ጭረሖ ኣልዒልና ክነስና ኣብ ተግብር ግና ግዜ ንበልዕ ከም ዘለና ድማ ኣይንረስዕ። እዚ ሓድሽ እገዳ ኮነ እቲ ናይ ቅድም ኣስናኑ ዝወደአ  እገዳታት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ናብ ቁጠባዊ ትካላትን መራሕትን ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ዘቕነዐ ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ክርህዎ እንከሎ ኣብ ከመይ ኩነታት ይነብር ከም ዘሎ  እውን ዘይፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ “እዚ እገዳ ንዓኻ ንምጉዳእ ዝዓለመ እዩ እሞ ክተት” ክብሎ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ዘይወድዓዊ ገልታዕታዕ ናይዚ ጉጅለ ናይ ገለ ግሩሃት ወገናት ሰማዒ ኣእዛን ኣይሰኣነን። እቲ  ጉጅለ በብዝሃንደሶ ግጉይ መንገዲ ዝውሕዙን ነቲ እገዳ “ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ እዩ” ዝብሉን ኣካላት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እዞም ወገናት ብውሕዱ ካብ ክልተ ኩርነዓት እዮም ዝነቕሉ።

እቲ ሓደ ህግደፍን ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክነሶም “ሓደ  እዮም” ዝብል ዝንቡዕ እምነት ከም ሓቂ ዝወሰዱ እዮም። እዚኣቶም ህዝብን ህግደፍን ከወዳድሩ እንከለዉ፡ ናይቲ ሓደ ጉድኣት ናይቲ ካልእ እውን ጉድኣትዩ ካብ ዝብል ግጉይ ሓሳብ ዝነቕሉ ግዳያት ናይቲ ጉጅለ እዮም። እቶም ካለኦት ከኣ ጠመተ ናይቲ እገዳ ናብ ህዝቢ ዘይኮነስ ናብ ህግደፍ ዝዐለመ ምዃኑ ዝርድኡን ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ፍልልይ እንዳፈለጡን ኮነ ኢሎም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ዝተዓጥቁ፡ ጽባሕ ምስ ወገሐ ህዝቢ ከም ዝሓቶም ዝዘንግዑ ናይቲ ጉጅለ መሳርሒ ክኾኑ ዝመረጹ እዮም። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብህግደፍ ኩለ-መዳያዊ እገዳ ዝተወሰኖ ኣብ ሕሰም ዝነብር ዘሎ እዩ። ካብዚ  ዘየናሕሲ ኢደ-እግሩ ኣሲርዎ ዘሎ ህግደፋዊ ዘቤታዊ እገዳ ንምንጋፍ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ መሪሕ ውድባቱ፡ ሰልፍታቱን ህዝባዊ ምንቅስቓሳቱን ኮይኑ  ቃልሱ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ካብ ምግንዛብን ግንዛበኡ ኣብ ተግባር ካብ ምውዓልን ካልእ ናይ ራህዋ መንገዲ ከምዘየብሉ ነዘኻኽሮ።

Last modified on Thursday, 18 November 2021 22:16