ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ዝተነፍገ ህዝቢ

2021-04-08 18:51:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2283 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ከመይ ይግለጽ?”፡ ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ መልሱ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክቐርብ ዝኽእል እዩ። ብዘይ ሕገመንግስቲ ኣብ ዝመሓደረሉ፡ ብዘይመረጾም ባእታታት፡ ዘየጽደቖም ኣውጃትን ዘይሳተፈሎም ትካላትን ኣብ ዝምረሓሉ፡ ናይ ድሕንነቱ ውሕስነት ኣብ  ዘየብሉ፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ኣብ ዘይክበረሉ፡ ብናይ ሃገሩ ጸጋታት ብናጽነት ኣብ ዘይጥቀመሉ ኩነታት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ እዩ ኢልካ ምምላስ ይከኣል። ነዚ ዝያዳ  ብጥርኑፍ ዝገልጽ መልሲ እንተድልየ ከኣ፡ “ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ዝተነፈገ ህዝቢ’ዩ” ኢልካ ምጥቕላል እውን ይከኣል።

ህዝቢ ኣይኮነንዶ ከምዚ ናይ ኤርትራ ብኣዝዩ መሪር፡ ካብኡ ብዝተሓተ ደረጃ ክውጻዕ እንከሎ እውን ኣንጻር ወጽዓን ወጻዕቱን ከም ዝሓስብ ርዱእ እዩ። እዚ ሓሳቡ ከከም ኩነታቱ ብግብሪ ዝሓሸ ኩሉ ሓቆፍ ራህዋ ብምጥላብ ናብ ቃልስን ተቓውሞን ከበርኾ እውን ንቡር እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ምብርባር ንክቕልጥፍ ወይ ንክድንጒ፡  ንከድምዕ ወይ ንዘይከድምዕ ዝውስኑ ረቛሕቲ ኣለዉ። ናይቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ህዝቢ ጽንዓት፡ ተጸዋርነት፡ ተሳተፍነትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ናይቲ ዝተወደበ ቃልሲ ናይ ርሑቕን ቀረባን ቀዳምነታት ክትሰርዕ ምብቃዕ፡ ናይ መንነት ፍልልያት፡ ባህላዊ ይኹኑ ሃይማኖታዊ፡ ቦታዊ ወይ ቋንቋዊ  ነቲ መሰረታዊ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓታት ብዝሕግዝ ኣገባብ ከም ዝመሓደሩ ምግባር ንኣድማዕነት እቲ ቃልሲ ወሳኒ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ወጻዒ ኣካል፡ ከም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ዝኣመሰለ፡ ባህርያትን ክብደት ወጽዓኡን ብግቡእ ምርዳእ’ውን ኣብ መስርሕ እቲ ውዱብ ህዝባዊ ቃልሲ ግደ ኣለዎ። ብመሰረቱ እቲ ኣገባብ ኣወዳድባን ዝኽተሎ ናይ ኣተገባብራ ስልትን እውን ንናይዚ  ወጻዒ ኣካል ባህርን ዓቕምን ብዝምልከት ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ብዝተመስረተ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። እዚ መጽናዕቲዚ ብግቡእ ኣብ ዘይጸጸየሉ ዝካየድ ቃልሲ፡ ከምዚ ኣብ መንጎ ዓይነት ሕማምን ንዓኡ ክፍውስ ዝእዘዝ መድሃኒትን ብዘይምስምማዕ ከጋጥም ዝኽል ቅልውላው፡ ጽልግልግ ከስዕብ ዝኽእል እዩ። ናይ ገሊኦም ወጻዕቲ ጥበብ ኣቀራርባ ኣብ ገለ ጉዳያት ናብ ናይቲ ህዝቢ ድሌት ዝቀራረብ ዝመስል መልክዕ ይሕዝ እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና ኣዝዩ ናይ ከብድን ሕቖን ምርሕሓቕ ዘለዎ እዩ። ብመንጽርዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ኩነታት፡  እታ “ኤርትራውነት” እትብል እንተዘይኮይኑ፥ ካልእ ንምሕደራ ዝምልከት ዘራኽብ የብሎምን።

እቲ “ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ዝተነፍገ ህዝቢ” ዝብል ኣገላልጻ ደረጃታት ኣለዎ። ገሊኦም ወጻዕቲ ህዝቢ የሳትፉ ከም ዘለዉ ንምምሳል፡ ሕገመንግስቲ የተኣታትዉ’ሞ ኣብ ኣተገባብራኡ ነቲ ህዝቢ ይሽፍጥዎ። ምርጫ የካይዱ እሞ ጠማዚዞም ናብ ረብሓኦም የውዕልዎ። ትካላት ፍትሒ ደኲኖም መናውሒ ዕድመኦም ኣብ ስልጣን ይጥቀሙለን። ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ግና ከም መርኣያ ኣዝዩ ዝኸፈአ ወጽዓኦምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ክቱር ንዕቀትን ነዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ፡ “ሕገመንግስቲ፡ ምርጫ፥ ትካላት ፍትሒ”፡ ዝብላን ተመሳሰልቲ ሓረጋትን ካብ መዝገበ ቃላቶም ይሓክወን። ኮታ “ካብ ጸለምካስ ኳኽ ምምሳል” ዝዓይነቱ ቅዲ ይጥቀሙ።

እቲ ካልእ ህዝቢ ናብ ዋኒኑ ንከየድህብ ዝጥቀምሉ መንግዲ ብናቱ ኣጀንዳ ብዛዕባ ወጻዕቱ ተቓሊሱ ዝስዕረሉ ጉዳይ ንከይዛረብ ኣብ ናቶም መዳህለሊ ኣጀንዳ ጅሆ ክሕዝዎ ዘጻውድዎ መጻወድያ እዩ። ቅትለትን ማእሰርትን ይፍጽሙ፡ ህዝቢ ብዛዓብዚ ፍጻመታት ይዛረብን ይሓስብን ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ተንኮሎም ይፍሕሱ። ናይቲ ህዝቢ ቀልቢ ይስሕብ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ፍጻመ ከም ዘጋጠመ ኣምሲሎም በቲ ንኸምዚ ተግባራት ዝሰርሕዎ ትካላቶም የውርዩ። ንኣብነት ንዲክታተር ኢሳያስ ክንደይ ግዜ ቀቲሎም ከም ዘተንስእዎ ምዝካር ይከኣል። ስለዚ ነቲ ህዝቢ ብናቱ ዘዕውቶን ዝመረጾን መድረኻዊ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ንሳቶም ከምቲ ዝጥዕሞም ገይሮም ዝቐረብሉ መኣዲ ጥራይ ከም ዝነብር ናይ ምግባር ኣደንዛዚ ምህዞኦም እዩ። ህዝቢ ካብዚ ወጻዒኡ ብዝኾዓቶ መትረብ ናይ ምፍሳስ መጻወዲያ ወጺኡ ብናቱ ኣጀንዳ ክሳብ ዘይተዛረበ ንወጻዕቱ ናይ ምስዓር ዕድሉ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ካብቲ ዝጸናሕናዮን ዘለናዮን ጸላኢ መመቲሩ ዘቕረበልካ መርዚ ናይ ምኹላስን ንዘዝተሰምዐ ምክልኻልን ወጺእና ናብ ኣጥቃዒ ኣጀንዳ ንሰጋገረሉ ኩነታት ምፍጣር እውናዊ እዩ።

ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ ጉዳይ፡ ከምቲ ኩልና እንኣምነሉ፡ ካብዚ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ናይ ተወጻዕን ወጻዕን ምትሕንናቕ ስዒርና ክንወጽእ፡ ብሓባር ተወዲብና ክንቃለስ ክንበቅዕ ዘይስገር እዩ። እዚ ወሳኒ ዝኸውን ብሓጺሩ በበይንና ብእነበርክቶ ክንስዕር ስለ ዘይንኽእል እዩ። ብሓባር ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስና እውን፡ መጻኢና ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ዝውሰን ምዃኑ እዩ ዘረደኣና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን  ካለኦትን ናይ ሓባር መድረኻት ናይ ምምስራትና ምስጢር ከኣ ንሱ እዩ። ሎሚ እውን እነሆ ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ መእከቢ መድረኽ ምርካብ ዝያዳ ኣብ ዝጐለሓሉ ወሳኒ እዋን ንርከብ ኣለና።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ግና ክሳብ ሎሚ ዘየዕወቱና መጠራነፊ መድረኻት፡ ሎሚ እውን ይለዓሉ እዮም። “ንሳቶም ስለ ዘየዕወቱና ካልእ መድረኽ ንምሃዝ” ምባል እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ እቲ “ዘየዕወተና” እንብሎ ዘለና መድረኻት፡ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ሃገራዊ ባይቶን ካለኦት ውዳበታትን ድዩ ወይስ ናይቶም ኣብኡ ንዋሳእ ዝነበርና ኣካላት ሕጽረት እዩ? ኢልና ብግቡእ ምምማይ የድልየና። ሓደ ውዳበ ጸገም እንተለዎ ናይቶም ኣብቲ ውዳበ ዝዋስኡ፡ ቅንዕና፡ ቅርቡነትን ሓልዮትን እንተልዩ፡ ጉድኣት ከየኸተለ ናይ ምትዕርራይን ምምሕያሽን ሰፊሕ ዕድል  ኣለዎ። ኣብቶም ነቲ ውዳበ ህይወት ክሰኹዕሉ ዝግበኦም ተዋሳእቲ ናይ ኣተሓሳስባ ጥዕና እንተዘየልዩ ግና፡ ዝኾነ መልክዕ ይሃልዎ እቲ ግኡዝ ውዳበ  ኣይዕርይን እዩ። ስለዚ “እቲ ዝሓለፈ  ኣወዳድባታት ፈሺሉ እዩ’ሞ ሓድሽ ኣውዳድባ ንምሃዝ” ዘይኮነ፡ “ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕጽረትና ተማሂርና ሓድሽ፡ ሓላይን ሓላፍነታውን ኣተሓሳስባዶ ኣማዕቢል ወይ ኣይፋልናን” ዝብል ሕቶ ምምላስ ቀዳምነት ምሃብ ከድልየና እዩ። መልስና “ኣይፋልናን” እንተኾይኑ፡ ውዳበታት ምቕያር ፋይዳ የብሉን። መልስና “እወ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢልና” እንተኾይኑ ግና ምዕዋትና ዉሁብ እዩ።

Last modified on Thursday, 08 April 2021 20:57