ኢሳያስ፡ ሎሚኸ ምስ መንኮን’ዩ ከሻሩ?

2020-12-22 09:21:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2213 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ  

ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ኣፍሪቃን፡ ኣዝዩ ክሳዳውን ተበሃግን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምቲ “መልክዐኛ ኣበረኛ” ዝበሃል ከኣ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ስለ ዝስሕብ ናይ ስግኣት ከባቢ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለን። ብሰንክዚ ኩሉ ግዜ ካብ ናይ ሓያላት ጠመተ ናጻ ኮይኑ ዘይፈልጥ ከባብያዊ ተሃዋስነት ኤርትራን ህዝባን እውን ግዳይ ክኾኑ ጸኒሖም እዮም። ብፍላይ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝኣመሰለ ጉዳይ ህዝቢ ዘይጉዳዩ ተጣላዒ  ኣብ ዝወደቐትሉ እቲ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ኣብዚ ዞባ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ዘጋጥም ምዕባለ፡ ኣብኡ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ቀልጢፉ እዩ ዝልሕም። ከምኡ ብምዃኑ እዩ ከኣ “ጸገምን ሻቕሎትን ዘይፍለዮ ተበሃጊ ከባቢ” ዝበሃል። በብግዜኡ ኣብ የመን፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ከጋጥሙ ዝጸንሑ ምዕባለታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕድሕዶም ክለሓሙ ከም ዝጸንሑ ምዝካየር ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ እነሆ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዝያዳ 2ተ ዓመታት ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ምስሕሓብ ናብ ውግእ እንተ ማዕቢሉ ኣብታ ሃገር ጥራይ ከምዘይድረት ኣብ ግምት ብዙሓት ዝጸንሐ እዩ። ኤርትራኳ ብሰንኪ ሻራውን ዘይሓላፍነታውን ኣተሓሕዛ ኢሳያስ ኣካልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክባራዕ ዝኽእል ውግእ ከም እትኸወን ኣቐዲሙ ዝተፈልጠ ነይሩ። እቲ ክፍራሕ ዝጸንሐ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተጀሚሩ ጋና 2ተ ኣዋርሕኳ ከይመለኦ፡ ምስኡ ዝምድና ዘለዎም ዝመስሉ ዞባዊ ምዕባለታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። ነዚ ውግእ ስዒቡ ዝቀላቐል ዘሎ ኣሰላልፋ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ኣግእዞ ዲጋ ዝጸንሐ ኣሰላልፋ ዝምድና ዘለዎ እዩ ዝመስል።

ነቲ ኣሰላልፋ ቁሩብ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተረኣናዮ፡ ኣብዚ ቀረባና፡ ናይ ህግዲፍን ናይ ህወሓትን  ንሓንሳብ ብምቅርራብን ክቱር ፍቕርን፡ ንሓንሳብ ከኣ ብምርሕሓቕን ክቱር ጽልእን ክጐዓዝ ጸኒሑ፡ ሎሚ ኣብ ዝበለሐ ተጻራሪ ብርኪ ይርከብ። ካብዚ ቀረባ ግዜ ዝጀመረ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ህግዲፍን ናይ ዶ/ር ኣብ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግናን ዝምድና ከኣ እነሆ ኣብ ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና በጺሑ ኣሎ። ናይዞም ጥቡቕ ዝምድና ፈጢሮም ዘለዉ ኣካላት ቀንዲ ተልእኮ ከካብ ናትካ ሒሳብ ነቒልካ ብሓባር ንህወሓት ምውቃዕ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ ብግብሪ ከኣ ተራእዩ። ትጽቢቶም ብመንጽርቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ሰሚርሎም ከኣ ኣብ መጻኢ ዝረአ እዩ።

ካብዚ ፍንትት ኢልና፡ ወያ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ንሓንሳብ ናብ ኢትዮጵያ ትቐርብ ንሓንሳብ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ትርሕቕ ዝነበረት ሱዳን ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ “ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኣገዳዲ ስምምዕ ከይተፈረመ፡ ኣብ ቀጻሊ ክረምቲ ኣብቲ ዲጋ ማይ ከተዕቁር ኣይትኽእልን እያ።” ዝብል መግለጺ ኣውጺኣ ናብ ግብጺ ተጸጊዓ። ሳዑድ ዓረብያ ከኣ “ኣብ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ኣብ ጐኒ ረብሓ ሱዳንን ግብጽን እየ ዝስለፍ” ኢላ። ከም ኣካል ናይዚ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ዝተራእየ ኣሰላልፋ ብዝመስል፡ ቅድሚ ወርሒ ሱዳንን ግብጽን ኣብ መሬት ሱዳን ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሓረስቶት ጠርበሽበሽ ልዕል ብዝበለ ኣብ ዘራኽበን ዶባት ተጋጭየን ኣብ ሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ። ኣብ መንጐ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ብናይ ሓባር ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰነየ ዝምድና፡ ዝበራበር ዘሎ እዩ ዝመስል። ኣብ መንጎ ሶማልያን ኬንያን ዘሎ ሓዞትሰዶ እውን ምስዚ ዞባዊ  ወጥሪ ዝድመር እዩ።

ኢሳያስ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ንህወሓት ምስ ወገአ፡ እሞ እዚ ዝረአ ዘሎ ኣሰላልፋ እንተደኣ ተወጢሩ፡ ምስ ሓዲኡ ናይ ምውጋን ግድነት ክህልዎ እዩ። ካብዚ ስግኣት ንምድሓንን ናይኩሉ ፈታዊ ኮይንካ ናይ ምቕጻል  ህርፋን ከም ዘለዎ ዘመላኽት ዘሎ ከኣ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓንሳብ ልኡኻቱ ናብ ሱዳን ክሰድድ፡ ንሓንሳብ ድማ ካብ ሳዑድ ዓረብያ ልኡካት ክቕበል ተዓዚብናዮ። ኣቐድም ኣቢሉ ባዕሉ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ገሹ ምንባሩ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።  ስለዚ ኢሳያስ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ብሓቂ ናይ ምትዕራቕ ጽቡቕ ድሌት ሃልይዎ ዘይኮነ፡ ምስ መን ከም ዘሻሩን ካብ መን ዝያዳ ከም ዝጥቀምን ንምውሳን ክጋጥሞ ካብ ዝኽል ጸገም ንምውጻእ እዩ።

እቲ ኩነታት ኣብ ክንዲ ብምስምማዕ ዝውዳእ፡ ብኣንጻሩ እንተ ከሪሩ እሞ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ኣባይ  ኣቐዲሙ ዝተራእየን ሕጂ እውን ኣብዚ ውግእ ዝንጸባረቕ ዘሎን ኣሰላልፋ እንተደኣ ቀጺሉ፡ ኢሳያስ ምስ መን ከም ዝውግን ክውስን ክግደድ እዩ። ኢሳያስ ኣብዚ ጉዳይ ንምውሳን ዝምርኮሰሉ ከም ኣመሉ ጅባኡ ዝመልኣሉን ዝገዘፈ ሃንዛ ኣሕቂፉ ዕድመ ስልጣኑ ዘናወሓሉን ሸነኽ ከም ዝብህግ ፍሉጥ እዩ።  ተመኩሮ ተበላጺ ሕዝግድፉ  እንተርኣና፡ ካልእ ገዲፍካ ምስ ሱዳን ክንደይ ግዜ ከም ዝተበኣሰን ክንደይ ግዜ ከም ዝተዓርቀን ምዝካር እኹል እዩ።

 ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ናይ ምዝማዱ ቀዳማይ ዕማም ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ንህወሓት ወቒዕካ ሕነ ምፍዳይ ምንባሩ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ማእከላይ ነጥቢ ፖሊሲ ዝምድና’ውን  ነገራዊ ረብሓ ምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘጋጥሞ ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣቕጣጫ ምስሓትን ኣገዳሲ ባእታ ናይዚ ከባቢ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ህርፋንን እዩ። ነዚ ሽውሃቱ የማለኣለይ ኢሉ ኣብ ዝሐለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ሒዝዎ ዝጸንሐ መንግዲ ደጋጊሙ ከም ዝነገረና፡ ንኤርትራ ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ሰማእታታ ዝተነድቀ ልኡላውነታ ግሂሱ ናብ ኢትዮጵያ ምርካብ እዩ። ምስዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት’ውን ካብዚ ዝኣተዎ መጻወዲያ ኣይክወጽእን እዩ። ምስዚ ኩሉ ህርፋኑ ግና፡ ዋላኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፓርላማኡ “በዓል ውዕለትና” ኢሉ እንተነኣዶ፡ ኣብ ዘራጊ ባህርያቱ ብዝሓደሮም ስግኣትን ስኽፍታን፡ ንህግዲፍን መራሒኡን ካብ ዝርዝር ጸላእቶም ሃገራትን መራሕትን ዘየውጽእዎም ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብዙሓት እዮም።

Last modified on Tuesday, 22 December 2020 10:25