ሕጂ’ውን “ወያ ብርኩታ፡ እምኒ ኣላታ

2019-12-16 09:08:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3005 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንሲተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ሃንደበታዊ ዕርክነት ምስ ተጋህደ፡ ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ተረኽቦ፡ ነናቶም ሕቶታት ከልዕሉ ተኸታቲልና። ንሕናውን ኣካል ናይቶም ሕቶታት ክሓቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ኢና።

እቶም ሕቶታት ብዙሓት ኮይኖም፡ “እዚ በዚ መጸ ከይተባህለ ዝነጉድ ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ መንን መንን እዩ?” ዝብል ካብቶም ብብዙሓት ዝለዓሉ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ሕቶዚ ነናቶም መልሲ ክህብሉ ከም ዝጸንሑ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ኢና። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮን ዓብላልን መልሲ ከኣ “እቲ ዝምድና ብውሕዱ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቀኛን ትካላውን ርክብ ዝፈጥር ኣይኮነን” ዝብል እዩ። እቲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መሰረታዊ ረብሓን ባህግን ዘውሕስ ርክብ ኣምሲልካ ንምቕራቡ ዝግበር ፈተነ ከኣ ፈጺሙ ዘድህሰስ ትሕዝቶ ዘየብሉ እዩ። ብፍላይ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ እዚ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል ጉልባብ ለቢሱ ዝካየድ ዘሎ ገልታዕታዕ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ በቶም ናብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ዝቐረቡ ኣካላት እውን ኣመጻጽኣኡን ካይድኡን ዘይፍለጥ፡ ህዝብና ብዘይተጸበዮ ኣቕጣጫ ብሃንደበት ዝነጠበ እዩ።

እቲ ዝምድና ብኣፍልጦ፡ ምርጫን ሓቀኛ ተሳትፎን ህዝብና እንተዝመጽእ፡ በየናይ መጀመረ፡ ነየናይ ዛዕባኸ ቅድሚት መሰረዐ፡ ኩላትና እንግምቶ እዩ። ህዝብና ኣይኮነንዶ ምስ ብብዙሕ ጉዳያት ዝመሳሰሎ ጐረቤቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ሰላም ከምዘይጸልእ ርዱእ እዩ። ምእንቲ ሰላም ዝኸፈሎ ዋጋን መስዋእትን ከኣ ክሳብ ክንደይ ሰላማዊ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዘሎ ኩነታት መስርሕ ሰላም ብኸመይ ክተሓዘሉ ከም ዝደሊ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ረብሓኡ ዝተሰረተ ሰናይ ጉርብትናን ጥዑይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ክሰርዕ ዕድል እንተዝወሃቦ፡ “ቅድም እቲ ናብዚ ዝጸንሕናዮን ዘለናዮን ምስሕሓብ ዘብጸሓና ጉዳይ ዶብ ይጠረርን፡ ኣብ መሬትና ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይውጻእን፡ ድሕሪኡ ናብ ንቡር ዝምድና ንእተው” ከም ዝብል ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኢትዮጵያ ድልዱል ዝምድና ንምፍጣር ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ጓሲኻ ናብ ኦሮሞን ኣምሓራን ነጢርካ ወዛሕዛሕ ምባል፡ “ምስ መላምንቲ ሓውናን መቓብርትናን” ንጀምር ከም ዝብል’ውን ርዱእ እዩ። ግና መን እሞ መጻኢ ዝምድናኡ ናይ ምውሳን ዕድል ምስ ሃቦ።

ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ከቢድ ውዲት ዝሓቖፈ ዝመስል፡ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ልኡላውነት ሃዲዶም ኣብ ክንዲ ሰላም ዘምጽኡ ህውከት ዝዕድሙ ተርእዮታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ተጠሊዖም፡ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይነ ተመዚዘ እየ’ሞ ሃንደበት ከይኮነኩም፡ ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንኸውን፡ ምህናጽ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ዝምልከት ስምምዕ ከቲመ፡ ኢሳይያስ ኣብ ክንድኡ ንኤርትራ ወኪለ ክምድር ፈቓድ ሂቡኒ እዩ …… ወዘተ” ዝብሉ መደረታት ከስምዑ ክንከታተሎም ጸኒሕና። እነሆ ሎሚ እውን ኮንደኾን የኽፈኣለይ ኣሎ ኢሎምን ብለባማት ተማዒዶምን፡ ናብ ልቡም ተመሊሶም ካብ ርእሲ ልኡላውነት ሀገርና ወሪዶም ይኾኑ ኢልና ኣብ ዝገመትናሉ፡ ናይ ሰላም ኖበል ምሽላሞም ከጸንብሉ እንከለውን ካብ ኦስሎ ጀሚሮም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳርጋ መራሒ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘምስሎም መደረታት ከስምዑ ተኸታቲልና። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ ህዝቢ ሱዳን፡ ሶማል፡ ጅቡቲ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈልየ፡ ከኮማስዕዎ ሰሚዕና። ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ “እንታ እዚ ሰብኣይ ካብ ርእሰና ዘይወርደልና” ይብልዎም ኣለዉ። እዚ እዩ ከኣ “ሕጂ’ውን ወያ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዘበለና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝዝንብዩ መደንዘዝቲ መደረታት ከስምዑ እንከለዉ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሓንሳብ ከምቲ “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣበሃህላ ከድምቖ፡ ንሓንሳብ ድማ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምጽቃጥ ክመርጽ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ኩነታት ካብ ምስካፍ ሓሊፉ የስግእ።

እዚ ኩነታት ደሚርካ ብኹሉ ኣቕጣጫ ክምዘን እንከሎ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ናይ ህዝብና ናይ ሰላም ባህግን መሰረት ገይሩ ዝነቐለ መስርሕ ዘይምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር “እሞ ናይዚ ኣይምዉት ኣይስሩር ተበግሶ ሰላም ዋናን ሃንዳስን ደኣ መን እዩ?” ዝብል ሕቶ ክነልዕል ዝድርኸና። ነቲ ካብ ቀደሙ ለማጽ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልካ፡ መዳልያ ሰላሊምካን ጅቡኡ ገንዘብ መሊእካን ንኢሳይያስ ናይ ምምልኻዕ ሃቐነታት ኣዛሚድካ ክረኣይ እንከሎ፡ ናይዚ ልዕሊ’ቲ ዝግበኦ ዝዝመረሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋናታት ካለኦት፡ ዝብገሰሉ ባይታ ከኣ ብውሕዱ ዘይኤርትራዊ ትጽቢት ምዃኑ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ከምዚ ካብ ኮነ ናይ ህዝብና ጽምኣት ሰላምን ቅሳነትን፡ ክንድቲ ንሕና ንቕንዘዎ ዘየሻቕሎም፡ ኣብ ዞባዊ ረብሓኦም ጥራይ ዝቋመቱ ሰብ ርቡሕ ጁባ ወገናት ዝሕብሕብዎ መስርሕ’ዩ ምባሉ ብልክዕ ምግላጹ እዩ። ግደ ኢሳይያስ ኣብዚ መስርሕ ከኣ ተለኣኣኽነት እዩ። ነቲ ተለኣኣኽነትከ ክኢልዎዶ ኣይከኣሎን ከኣ ኣብ መስርሕ ለኣኽቱ ዝመዝንዎ እዩ። እንተ’ቲ ሓቀኛ ትርግታ ልቢ ህዝብና ጽን ኢሉ ዝሰምዕ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ክረግጾ ዝግበኦ ርኻብ ጌና ኣይረገጸን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ብናይ ካለኦት ዓቐን ዝተስፍየ ሰላም ተጠቃሚ ኣይኮነን። እቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብመትከል ቅኑዕን ኩልና ክንሰርሓሉ ዝግበኣናን ክነሱ፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና በቲ ክተሓዞ ዝግበኦ ኣብ ዘይተታሕዘሉ ግና፡ መዳህለሊ፡ መደንዘዝን ሓቀኛ መንገድኻ ዘስሕትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ስነ_ጥበብ ናብ ኤርትራ ምጋሾምን ከረን ይኹን ምጽዋዕ ምብጸሖምን ሕማቕ ኣይመኾነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ በዚታት ተዳህሊሉ ካብቲ ሓቀኛን ውሑስን ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ናይ ምርግጋጽ ቃልሱ ከየላግስዎ ክጥንቀቕ ነዘኻኽሮን ንጽወዖን።

Last modified on Monday, 16 December 2019 10:13