ናትና ደኣ ንግበር’ምበር፡ ኢሳያስስ ከም ቀደሙ’ዩ

2019-12-04 08:36:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2394 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀንድን መሰረታውን ዕላምኡ ዝገበርካ ገይርካ፡ ኣብ ስልጣን ምንባር ምዃኑ ዘየማትእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ከውሕስ ክብል ኩሉ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከም ዘይብል ከኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ኣብቲ መስርሕ ቀንዲ ግዳይ ዝገብሮ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንብል እንከለና፡ ምስ ኩሉ መሰላቱ፡ ባህሉ፡ ቋንቋኡን ክብሩን፡ ዋጋ መስዋእቱ፡ ጸጋታቱ ማለትና ኢና።

እዚ ዲክታተር ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እኩይ ተግባሩ ንከዐውት ዝጥቀሞ ሜላታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዓቲቡ ምእንቲ ከይርእን መፍትሒ ሃሰው ኣብ ምባል ከየድህብን ሻቢብካ ምሓዙ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ምስ ዝሓሸን ብሩህ መጻእን ምውድዳድ ምስቲ ዝሓለፈ ህዝብና ተቓሊሱ ዝሰዓሮ ናይ ግዜ መግዛእቲ ህይወት እንዳወዳደረ “ሎሚ ኣብ ትሕቲ መግዛእተይ ይሕሸካ” ዘስምዕ መዝሙር ይዝምር። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት  መግዛእቱ ድሕሪ ናጽነት፡ ንኹሉ ሓጥያት ነቶም ገዛእቲ እንዳላገበ ናይ “ግዜ ይወሃበኒ ከዕሪ’የ” ምሕጽንታ ምቕራብ ልሙድ መመኽነይታኡ ነይሩ።

እቲ ቀንድን ክሳብ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ ተሰናቢዱ ደገ-ደገ ንከመዓዱ ዘገደድዎ መሰናበዲ ኩነታት ምምሃዝ እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምድጋፍ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምሽቓልን ኣድህቦኡ ንምጥምዛዝን፡ ካብ ኣንጻር የመን ጀሚርካ ክሳብ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶን ከምዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸገም ማህሰይቲ ዘስዓበን ውግኣት ምዝርዛር ከይተገደድና ናይ ቀረባ መመሳመሲ ተረኽቦታት ምቕራብ ይከኣል። ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ናይ ጸጥታ ትካላት ብ2011 ኣብ ልዕሊ ግዝኣተይ ዕልዋ ተሊሞም ነይሮም ክብል ሰሚዕናዮ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እታ ጁብኡ ትመልኣሉ ዝነበረት መንግስቲ ቐጠር፡ ኣብ ልዕለይ ትምህዞ ዘላ ኢሉ ዓሰርተ ነጥብታት ዝሓዘ ክሲ ዘርጊሑ። ኣብዚ ክሱ ዋላኳ ብዙሕ ዘይናቱ ሕብርታት እንተቐባብኦ ህላወ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ’ኳ ተኣሚኑ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ሰዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ብዘቕረብዎ እማመ ዝተሳዕሮ ሕነ ንምፍዳይ ብዝመስል መልክዑ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጥም ቅልቅል ክብል ምጅማሩ እውን ህዝብና ብውሽጣዊ  ጉዳይ ሃገሩ ንኸይሓስብ ንምድህላሉ ዝመሃዞ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን። ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ ሓደ ጉዳይ ከምቲ “ደርሆ ነቅዩ ዘበራብር፡ ንርእሱ ምስተበራበረ እዩ” ዝበሃል እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቐ ሰብኣይን ጉጅለኡን፡ ንኽዘርጉ እምበር ንክዓርቁ ዘይገሹ ምዃኖም እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እዚ ዕቡድ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ዘራጊ ስረሓት ኮለል ክብል ዝውዕል፡ ካብ ስሩዕ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃን ከባብያዊ ምትሕብባር ኢጋድን እንዳበኾረ ምዃኑ እዩ። መብኮሪኡ ምኽንያት ንጹር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መገባእያታት ዘቕርብ ስብእና ዘየብሉ ንርእሱ ተናዒቑ ንሃገር ዘንዕቕ ፍንፉን ምዃኑ ነብሱ ይነግሮ ስለ ዘሎ እዩ። ከምቲ “ኣብ ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብኣቶም ዝፈስስ ጸይቂ ተግባራቱ፡ ናይዚ ከባቢ መራሕቲ እውን ሎሚስ ጉዳይዚ ንህዝብና ደም  ዘንብዕ ዘሎ ዲክታተር ፍጊዕ ከም ዝበሎም ምልክታት ንርኢ ኣለና። እቲ ፍጊዕ ምባል በቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ቅብጥሮት ሳጓታት እናሃበ፡ ዘመላኽዖ ዝነበረ መራሒ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ከኣ የገርም።

እምበኣር እቲ ቀንዲ ጉዳይና ክፋእ እዚ ዲክታቶር ምዝርዛር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ደጊም ኣብ ቀረባ ይሃሉ ኣብ ርሑቕ፡ ኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ጸይቂ ተግባራቱ ዘይተረደአ ኣካል ስለ ዘየለ። ንሱ እውን ድሕሪ ሕጂ ነብሱ ሓኹኹ ወይ ምኽሪ ለባማት ሰሚዑ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣትን ክሕደትን ክምለስ ኣይኮነን። ስለዚ ንሱ ህዝብና ንምድህላል ሕብሩ እንዳቐያየረ ክምህዝ እንከሎ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ቁምነገር “ንሱስ ሕራይ ከም ቀደሙ እዩ፡ ንሕና ሰብ ፍሉይ ዋኒን ከ እንታይ ንግበር?” ዝብል ሕቶ ምምላስዩ ዝኸውን።

ኢሳይያስ መንዩ፡ ንምንታይከ ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ኣርዑት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይጽዕንን ኣብ ኣራዊታዊ ተግባራት ይዋፈርን፡ መፍትሒኡ ምውጋዱ ጥራይ ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ግቡእ ግንዛበ ረኺቡ እዩ። ግናዛበ ጥራይ ዘይኮነ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ዘየድመዐ ግብራዊ ምንቅስቓሳት ይካየድ ከም ዘሎ እውን ኣይኮነንዶ ንዓና ዋናታቱ ንህግዲፍ እውን ዝረኣዮ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ነዚ ዲክታቶር ምስ ኩሉ ግናይ ምናዩ ሓጢጥካ ጉሒፍካ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ነጊሱ ህዝባ ንክርህዎ ዘኽእል ኩነታት ንክፍጠር ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኬድናዮ ዘለና ዘይንእስ ዕማም ይጽበየና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግበኣና። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘስተውዓልናዮ ናይ ምትግባሩ ትብዓትን ተወፋይነትን ክንውንን ይግበኣና።

እቲ ክንሰግሮ ዝግበኣና ዘይሰገርናዮ፡ ምስጋሩ ስለ ዝኸበደ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ራእይና፡ ትጽቢትናን ሸቶናን ሓደ ክነሱ፡ ኣብዚ ሓደ ዝገብረና ኣትኪልና ብሓባር ምቅላስ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ኣይተግበርናዮን። ብዙሕነትና ህያብ ብምዃኑ፡ ሓቢርና ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ጠንቂ ዘይምትእምማን ከምዘይከውን ጌርካ ምምሕዳሩ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይራዓምናዮን። መስርሕ ቃልስና ብምዕራፋት ኣዋዲድና ቀዳምነታትና ሰሪዕና ምቕጻል ኣባና ዘይተጀመረ ዝከኣል ኣካይዳ እዩ፡ እንተኾነ ንሕና ኣይሰግርናዮን። ብሓፈሻ ንፍልልያት ኣብ ዝጸውር መስርሕ ሓድነት ክንጽመድ ዘይምኽኣልና ማእከላይ ነጥቢ ናይዘይምብቃዕና ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምጥቕላል ዝከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዋኒን ነቲ ዝከኣል ክነሱ ዘይከልናዮ ክንክእሎ ምብቃዕ ይኹን።

Last modified on Wednesday, 04 December 2019 09:41