ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ደሃይባ ግበር

2019-10-09 08:41:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3565 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሰዲህኤ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።” (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ነባራት ናይ ግዜ ናጽነት ተጋደልትን ደሓር ዝተሰለፉ መንእሰያትን ዝቖመ እዩ። ነዚ ንምንጽብራቕ እዩ ከኣ “ይከኣሎን ዋርሳይን” እንዳተባህለ ዝጽዋዕን ዝዝመረሉን። እቲ ይከኣሎ እቲ ነባር እዩ። እቲ ዋርሳይ ድማ እቲ ድሕሪ ናጽነት ሕድሪ ክርከብ ወይ ክወርስ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሰለፈ’ዩ። ይከኣሎ ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብናጽነት ኣጸንቢሉ፡ ንካልኦት ኣካላት ጅግንነታዊ ኣብነት ብዝኸውን ደረጃ ግብኡ ኣረጋጊጹ፡ ባህጊ ህዝቡ ኣውሒሱ እዩ። ድሕሪኡ ግና ኣይኮነንዶ ከምቲ ቃል ዝኣተዎ ሕድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ፡ ንገዛእ ርእሱ እውን ግዳይ ናይቲ ዋጋ ከፊሉ ዝደኮኖ ምሕዳርን ሓለፍትን ህግዲፍ ኮይኑ እዩ። ናይ 1994 ናይ ማይ ሓባር መቕዘፍቲ ናይ ሓርነት ውጉኣትን ናይ 2001 ማእሰርቲ “ቃልና ኣይንዕብር” ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ደልሃመት “ይከኣሎ ንዋርሳይ እንታይ እዩ ኣውሪስዎ?” ዝብል ኣዛራቢ እዩ። ዋርሳይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ይከኣሎ ዝተወስደ ናይ ምብታኑን ምድኻሙን ወስታታት ህግዲፍ ስለ ዝተዓዘቦ ብትግሃት ክወርስ ኣይከኣለን፡ ንምውራስ ዝሕግዝ ዝተጣጥሔ ባይታውን ኣይተነብረሉን።  ። እቲ ኣብ ልዕሊ ይከኣሎ ዝወረደ በደል ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝድገም ስለ ዝሰገአ ነቲ ንተሳትፎኡ ዝጽውዕ ዝነበረ ኣዋጃትን ጐስጓስን ብዓይኒ ጥርጠራ ክርእዮ ናይ ግድን ነይሩ። ህግድፍ ዝሓዞ ሸፋጢ መንገዲ እውን ነዚ ጥርጠራኡ ዘራጉድ እምበር፡ ዘቕስን ኣይነበረን። ዋላ’ኳ ዝተፈላለየ ኣስማት እንተተዋህቦ፡ ብግብሪ ግና ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሕመረቱ መደብ ሳዋን ኣተገባብራኡን ንጥርጠራ ይከኣሎን ቤተሰቡን ግብራዊ መልሲ ዝሃበ እዩ ነይሩ። ወዮ ንውሱን እዋን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ወሲዱን ኣገልጊሉን፡ ድሕሪኡ  ኣብ ወተሃደራዊ መዳይዚ “ተጠባባቒ ሓይሊ” ኮይኑ; ናብ ትምህርቱን ስሩሑን ክምለስ ዝነበሮ ትጽቢት፡ ስርዓት ኢሳይያስ ምስምሳት ብምፍጣርን ዘይተደለይቲ ውጉኣትን ስግኣታትን ብምኽፋት ብዝወሰዶ ሸፈጥን ጥልመትን መኺኑ። ምምሕዳር ኢሳይያስ ነዚ ስጉምቲ ስለ ዝወሰደ እዩ ከኣ እቲ ኣገልግሎት “መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና” ዝብል ስም ዝተዋህቦ።

በደላት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታትን ኤርትራ ዝፍጸም እዩ። ካብዚ ሓደ ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ይከኣሎ ኮነ ዋርሳይ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን እቲ ዝመረረ እዩ። ህግዲፍ በደሉን ወጽዓኡን ዝያዳ ኣብ ልዕሊዚ ትካል ዘዛየደሉ ምኽንያት ከኣ፡ ዝተወደበን ዝተዓጥቀን ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኣብ ስልጣኑ ስለ ዘስግኦ ኣቐዲሙ ክድህሎ ካብ ዘለዎ ሕዱር ተንኮል እዩ። ውሱናት ብሳላዚ ሓፋሽ ይከኣሎን ዋርሳይን ዝኸፈሎ ዋጋ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተቐመጡ ሰብ ጽሩራ፡ ኣብ ክንዲ ምእንቲ መሰል እዚ ዋጋ ከፊሉ መዓርግ ዘልበሶም  ሰራዊት ዝሕለቑ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ክፍለ-ዘመን ይዝውተር ኢልካ ክትግምቶ ብዘጸገም፡ ናይ ግሎም ኣገልጋሊ  ገይሮም ብዘይክፍሊት ኣባይቶም ክሃንጽን ጀራዲኖም ክኹስኩስን ፈሪደምዎ። እዚ ከይኣክል ከኣ ምድረሰማይ ጸቢብዎ ሃጽ ኢሉ ክስደድ እንከሎ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፈቐዶ ክሳዳዊ ዶባት ረሽነምዎ። እቲ ኣብ ሸዊት ዕድመኡ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝእሰርን ዝሳቐን ኣባል ሓይልታት ምክልኻል እሞ ድማ ኣዲኡ ትቑጸሮ።

ሓይልታት ምክልኻል ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝወርድ ዘሎ ጸገም፡ ዝርኣዮን ዝሰምዖን  ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ግፍዒ እውን ባዕሉ ደኣ ይፈልጦ እምበር ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሱ ክብል’ውን ዓይኑ ከንቁሕ ግዜ ይጠልቦ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣገዳዲ ዕጥቂ ዘለዎ፡ ብዝሓሸ ዝተወደበን እሂን-ምሂን ናይ ምባል ዝሓሸ ዕድል ዘለዎን፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጸን ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ሓሊፉ በቲ “ናተይ” ዝብሎ መንግስቲ እየ በሃላይ ምምሕዳር፡ ዝያዳ ዝተበደለ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ምቕያር፡ ከቢድ ሓላፊነት ከም ዘለዎ፡ ይዝንገዖ እዩ ዝብል እምነትኳ እንተዘይብልና ከነዘኻኽሮ ግና ናይ ግድን እዩ።

ኣሸሓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደል ኣስካሕኪሖም ሃገሮም ገዲፎም ናብቲ መሰረታዊ መፍትሒ ዘይኮነ ስደት ከም ዘምርሑ፡ ናይ ዝተፈላለያ መደበር ስደተኛታት መዛግብ ዝርዝር ዝምስክሮ እዩ። እቲ ቀዳማይ ናይ ለውጢ ምርጫ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ሜዳ ንህግዲፍ ገዲፍካሉ ምኻድ ክሳዱ ሓኒቕካ ምጥምጣሙ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኮይንካ እውን እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንገለ ውሱናት ከምቶም ኣብ ነርወይ ብሰንኪ ግፍዒ ህግዲፍ ዓዲ ዝገደፉ ክንሶም፡ ምስ የማነ ገብረኣብ ኮይኖም ኣብ መበል 25 ዝኽሪ ምጅማር መደብ ሳዋ ዝሳዕስዑ ገዲፍካ፡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝቃላሱ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበሩ ብዙሓት እዮም። ክቕጽልዎ ከኣ ህዝባዊ ሕድሪ ኣለዎም። ኣብ ስደት ኮይኖም  ዘይመስረታዊ ኣብለጭላጪ ራህዋ ምስ ረኸቡ፡ ተመሊሶም ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ መሊኦም፡ ምስ ህግዲፍ ተዓሪቖም ህዝቦም ከይርስዑ ከኣ ደጊምና ነዘኻኽሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ትካልን ከም መንእሰይን ዝፍተነሉ ከምቲ ቀደም፡ ቡንባ ደርቢኻ ድፈዓት ብምፍራስ ዘይኮነ፡ እኩይ ኣተሓሳስባ ህግዲፍ ብምፍራስ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ይከኣሎ ኣንጻር ባዕዲ ተቓሊሱ ነጻነት ናይ ምርግጋጽ ኣብነት ዝኾነ፡ ዋርሳይ ከኣ ሕድሩ ጠሊሞም ህዝብና ይብድሉ ንዘለዉ  ውሑዳት በዲሁ ሓርነት ኣብ ምርግጋጽ ህዝባውነቱ ከመስክር ግዜ ይጠልቦ ኣሎ። ኣብነት ሰራዊት ሱዳንን ካለኦት ንህዝቦም ዝተበጀዉ ሰራዊትን ክስዕብ ይግበኦ። ህዝቡ ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ጭንቅን ጸልማትን እንከሎ፡ እንተ ኣጽቂጡ ግና ኣብ ርእሲ’ቲ ንገዛእ ርእሱ ምብዳሉ ኣብ ታሪኽ እውን ከሕትቶ እዩ። ካብዚ ተሓታትነት ንምድሓን እዩ ድማ ሰዲህኤ፡ ረብሓ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከም ዘይኮነ ብምግንዛብ፡ “ደሃይ ግበር” ዝብል መጸዋዕታ ዘቕርበሉ ዘሎ።

Last modified on Wednesday, 09 October 2019 10:46