ሓድነትና፡ ወትሩ ምስጢር ዓወትና

2019-09-06 07:29:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3441 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓድነትና ወትሩ ምስጢር ዓወትና” እንብል፡ ንስለ ምባል ዘይኮነ፡ ብተግባር እውን ዝተረጋገጸ ሓቂ ስለ ዝኾነ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 60ታት ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ነይርዎ። እቲ ሓደ ብቃልስኻ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ምርግጋጽ እቲ ካለኣይ ድማ ኩሉ መሰላትካ ተገፊፉ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ዋጋ ዘኽፍል ግና ድማ በዓል ምሉእ መሰል ብምዃን ዝኽሕሰካ መሪር ቃልሲ መሪጹ ተበጊሱ። ኣብቲ ቃልሲ ዝጀመረሉ እዋን ብመንጽር ነገራዊ ዓቕሚ ኣወዳዲርካ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይሊ መግዛእትን ዝነበረ ፍልልይ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ’ዩ ነይሩ። ንኣብነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋንቲ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣብ ዝነበረሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከባቢ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ኣይነበረን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዙሓት ነቲ ሰፊሕ ፍልልይ ዘስተብሃሉ ክኢላታትን ተመራመርትን ከይተረፉ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ክዕወት ኣይክእልን እዩ ዝብል ግምቶም ብምዕዛዝ “ዘይትኽእሎ ቃልስስ መፋሕፍሕ ዝባንካ” ክሳብ ምባል በጺሖም ነይሮም።

ተዓዘብቲ ኮኑ ባዕሉ ሓይሊ መግዛእትን ዓንገልቱ ጐብለላትን ኣብ ግምት ዘየእተዉዎም ክልተ መሰረታዊ ብልጫታት ህዝቢ ኤርትራ ነይሮም። እቲ ሓደ ናይ ሕቶኡ ፍትሓውነት ኮይኑ፡ እቲ ካለኣይ ከኣ ምስ ኩሉ ብዙሕነቱ ኣብ ጉዳይ ሃገር፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይንቕነቕ ሓድነት። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ብሓይሊ ሰብን ብሓገዝን ብሸመታን ብዝተረኽበ ኣጽዋርን ኣዝዩ ዝበዘሐን ዝማዕበለን ሓይሊ መግዛእቲ ድሕሪ ነዊሕ ምርብራብ ተሳዒሩ። እዚ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ፡ ናብቶም ብቐጥታ ዝተስሳዕሩ ጥራይ ዘይኮነ ናብቶም ዓንገልቶም እውን ንዘለኣለም ዘይርሳዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ። ብዘይካዚ ብዙሓት ውጹዓት ንመሰሎም ንክቃለሱ ብጽንዓት፡ ሓድነትን ተጻዋርነትን ህዝብና ተተባቢዖም እዮም። ምስጢር ተዓዋትነቱ ሓድነቱ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንመግዛእቲ’ውን ኣብቲ መስርሕ ተሰቊርዎ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር ነቲ ሓያል ጐኒ ሓድነቱ ምብታን ወይ ምድኻም መፍትሒ ምዃኑ ተርዲኦም ከኣ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ሕድሕዱ ክብትንዎ’ሞ ኣዳኺሞም ክስዕርዎ ፈቲኖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብ ቅድሚ ሓድነቱ በቲኖም ከዳኽምዎ ዝሃቀኑ፡ ብግዝያዊ ረብሓን መዝነትን ተዓሽዩ ኣይተጻዕደን። ሳላ ከምኡ ዝኾነ ከኣ ኣኽሊል ዓወት ደፊኡ ልኡላዊት ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ሓድነትና ምስጢር ዓወትናን ጽንዓትናን ዝኸውን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ጥራይ ዘይኮነ ኩሉሻብ ዕጥቅና እዩ። ሎሚ ኣንጻር ዘቤታዊ ወጽዓ መሪር ቃልሲ ነካይድ ኣብ ዝሃለናሉ ህሞት እውን ንግደ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝትክእ ሓይሊ የለን። ጨቋኒ ስርዓት ድሕሪ ምውጋድ ኣብ ዝካየድ ህንጸት ሃገርን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን  ሓድነትና ወሳንነቱ ሕዙእ እዩ። ምእንትኡ ኢና ከኣ ኩሉ መጻኢ ጉዳያትና ብሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክቃነ ይግበኦ እንብል። ሓድነት ህዝብን ሃገርን ምዕቃብን ምውሓስ ኩሉ መሰላትን ዘሳኒ እምበር ዝጻረር ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና። ሓድነቱ ናይ ዓወቱ ምስጢር ምዃኑ ንዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክጭቁንዎ ዝደልዩ ወገናት ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ነዚ ሓድነቱ ክዘርጉ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጠርባሽ ፈተነታት ዓዲ ዘይወዓለ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኮነ ጽባሕ፡ ከም ትማሊ፡ “ሓድነተይ ዝትንክፍ ወይልኡ” ካብ ምባል ንድሕሪት ከምዘይብል ንተኣማመን ኢና። ንሕና ከኣ ኣብ ጐኑ ኣለና።

ኣብዚ እዋንዚ መልክዖም እንዳቐያየሩ ኣንጻር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ “ውጥም ቅልቅል” ዝብሉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ዘራጊ ተግባራት ዲድክታቶር ዘራጊቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ሎሚ እሞኸኣ ኢሳይያስ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ዘራጊ ተግባራቱ ብዝገደደ ንገዛእ ርእሳ ነታ ሉኡላዊት ኤርትራና ከም ሃገር እውን ክንደይ ደኣ ከይሰልጦ እምበር፡ ይደናደና ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኣንጻር ህልውነኣ ንዝደናደና ሃገር፡ ሓድነት ህዝቢ ካብ ምዝራግ ድሕር ከምዘይብል ከኣ ርዱእ እዩ። ኣብ ዘየላ ሃገር ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ብዛዕባ ህልውናኡ ክትሓስብ እውን ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። ካብዚ ሓሊፉ ሰልፎም በበይኖም ዝመስል ብግብሪ ግና ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልሕላሕ ምስ ኢሳይያስ ዘሳንዩ ካለኦት ወገናት እውን ኣለዉ። ምንቅስቓስ ናይቶም “ኣግኣዝያን ኢና” ዝብሉ ናይዚ ሓደ ኣብነት እዩ። ካብቲ ሳላ ሕድነቱ ልኡላዊ ክብሪ ዝረኸበ ህዝብና ዝተወሰነ ቆንጢሮም ምስ ካልእ ብምድብላቕ  ዘየለ ድሑር ስምዒታትን እምነታትን ዝማእከሉ ምትእኽካብ ክፈጥሩ ንከንቱ ዝሃልኩ ዘለዉ እዮም።

ሎሚ ነቲ ከም ናይ ሓድነቱ ድልዱል መግለጺ፡ ኣብ ግዜ ሓጐስን ሓዘንን፡ ኣብ መድረኽ ምውራድን ምድያብን ኣብ  ቃልሲ ብሓደ ተዋጊኡን ተሰዊኡን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቓቢሩ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ  ዝተመገበ ብዓል ዝና ህዝቢ ክትብትን ምፍታን ናይ ጥዕና ዘይምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ንምድልዳል እዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እንከሎ፡ ሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነቱ ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ ኣብቲ “ህልውና ሃገር ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ዘይንቕነቕ እምንቶኡ ስለ ዝጸንዐ እዩ። ሎሚ ሃይማኖትን ባህልን ንዝኣመሰሉ ስምዒታት ልዕሊ ህልውና ሃገርን ህዝብን ክስርዑ ዘይግበኦም ዝንባለታት ናብ ቅድሚት እንዳምጻእካን ጸቢብነት እንዳባላሕካን፡ ንህዝቢ ኤርትራ እናቆጠርካን ብትሕቲ ሃገርነት ናብ ዘዝመሳሰልዎ ክትወስዶ ዝግበር ፈተነ ሓደጋኡ ብዙሕ ኮይኑ፡ ደሚርካ ክረአ እንከሎ ነታ ናይ ዓወትን ሓያልነትን መግለጺት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት “ሓድነት” ንምብታን እዩ። ስለዚ ሓድነት ህዝብና ካብ ህልውናኡ ስለ ዘይፍለ ወትሩ ክንዕቅቦ ይግበኣና።

Last modified on Friday, 06 September 2019 09:33