ናጽነት በቲ ዋናኣ ዝኮነ ህዝቢ’ያ፡ እትዕቀብ

2019-05-23 12:29:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2520 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናጽነት ኤርትራ፡ ክቡር ዋጋ ተኸፊልዋ፡ ብመሪርን ዘይሕለልን ቃልሲ ህዝቢ ዝተረኽበት ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ ንዝክራ ዘይኮነት ወርትግ ኣብ ልብን ቀልብን ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ቦታ ዘለዋ ህያብ ኤርትራውያን ሰማእታት እያ። እነሆ ከኣ ህዝባ ክንድቲ ዝተጸበዮን ክብደት ዝኸፈሎ ዋጋን ቀሲኑ ከየስተማቐራ ኣብ መበል 28 ዓመታ በጺሕና። መጻኢኣ ሕጂ’ውን ብቃልሲ ህዝባ ብሩህ ምዃኑ ብምትእምማን ንዝክራ ኣለና እሞ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት 24 ጉንበት  ኣብጸሓና ንብል።

ምዝካር መዓልቲ ናጽነት መሰረታዊ ትርጉሙ፡ ክብደቱ ክሳብ ክንደይ ዓሚቑ ምዃኑ ንምስትብሃልን፣ ነቶም ምእንተኣ ዝተበጀዉ ኣእላፍ ሰማእታት ንምዝካርን ኮይኑ፡ በብዓመቱ ብመንጽርቲ ኣብ ሃገርናን  ከባብናን ዝረአ ምዕባለታት ብፍሉይ ጽልዋታት ተሰንያ እያ እትዝከር። ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኽሪ ናጽነት ክንዝክር እንከለና፡ ናጽነትናን ልኡላውነትናን ኣብ ዘይንቕነቕ ጽኑዕን ሕጋውን ባይታ ዝተነድቀ፡ ናይ ኩሉ መጻኢ ቃልስናን ዓውትናን መንጠሪት ጌርና ኢና ክንወስድ ጸኒሕና። ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽርና ግና ወዮ ንድሕሪት ዘይምለስ እንብሎ ዝነበርና ናጽነትና’ውን ብሰንክቲ ኣድብዩ ዝጸንሐ ኣካይዳ ህግድፍን መራሒኡን ዘይተጸበናዮ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝተቀልቀለሉ ኮይና ኢና ንዝክራ ዘለና። ኣብ ዝሓለፈ ትዕዝብትና፡ ወዮ ጽኑዕ ተሓላቒ ልኡላውነት መሲሉ ብምቕራብ “ዶብና ተሓንጺጹ ልኡላውነትና ተረጋጊጹ ኣብ መሬትና ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ባዕዲ ከይወጸ፡ ዕደ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምምላሱ” ዝብሎ ዝነበረ ህግዲፍ ቃሉ ዓጺፉ ውጥይጥይ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ኮይና ኢና ን24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ንዝክራ ዘለና። እነሆ ከኣ ወዮ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከምቲ ክትኮኖ ዝግባኣ ዝነበረ ብዘይምዃና፣ ስኽፍታ ሓዲሩና፡ ነቲ ስኽፍታ ንምቅንጣጥ እንዳተቓለስናስ፡ ስኽፍታና መሊሱ ገዚፉ። ሓላፍነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽንድኡ ደረጃ ክድራዕ ከኣ ናይ ግድን ኮይኑ።

ጉጅለ ህግዲፍ ከምቲ “ኣጸብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ፡ ሓሉ ዝበልዎ ኣየጥፍእ” ዝበሃል ኣብ ቅድሚ ኤርትራን ህዝባን ተጠሊዑ ክኣትዎ ዝጸንሐ ቃል ዓይኑ ከይሓሰየ ጠሊሙ። ሓድሽ ጠላም’ኳ እንተዘይኮነ ነቲ ጥልመት ጥልመት ወሲኽሉ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዝነበሮ ጥርጠራ ዝወረሮ እምነት ሓጢጡ ስሒብዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ እምነት ምስሓብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብናይ ቃለዓለም ፈኸራኡ ምስ ብዙሕ ጥርጠራታት ኣሚንዎ ዝነበረ ህግዲፍ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ካብ ተማተአ፡ ነታ ባዕሉ ዘምጸኣ ናጽነቱ ባዕሉ ናይ ምሕላዋ ሓላፍነ ናይ ትብዓትን ንቕሓትን ዕጥቁ ኣትሪሩ ክርከብ ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ነዚ ከቢድ ዕማም ንምትግባር ቃሉ ካብ ምሕዳስ ከኣ ካልእ ምርጫ የብሉን። ደጊም ናጽነትና ኮነ ልኡላውነትና ንምሕላውን፡ ብሓቂ ናይ ህዝባ ዝኾነት፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምሃንጽ ህዝብናን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ባዕልና እንስከሞ ሓላፍነት እምበር፡ ነቲ ዘይክፈት እንተተኸፍተ’ውን ጥራዩ ዝጸንሕ ማዕጾ ህግዲፍ ንኩሕኩሓሉ ግዜ ኣይኮነን።

ዝኾነ ምዕባለ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን ሒዙ ዝመጽእ። ምናልባት እውን ሳዕቤኑ ብኣንጻር ትጽቢት ናይቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣካል ክኸውን ይኽእል እዩ። ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግዲፍ ሓድሽ ኣቕጣጫ ፈጢሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዕሽዩ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዞባዊ መጣልዕን መህጠሪ ካዝናኡን ክገብሮ ዝመሃዞ ውዲት ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበዮ ከም ዘይኮነሉ ንዕዘቦ ኣለና። እቲ ዝጀመሮ ሓደገኛን ዘይተጸንዐን ጸወታ ናብ ዘይሓሰቦ ኩርናዕ ወሲድዎ፡ ሓንሳብ እንዳኸፈተ ሓንሳብ ከኣ እንዳዓጸወ ከዕነኒ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ መላእ ፈታው ሃገሩን ናጽነቱን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድሽ ናይ መኸተ ምዕራፍ ኣትዩ ንህግዲፍ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣስኢንዎ ኣሎ። ንቕሎ “ይኣክል” ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ሓደ ንመበል 28 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ፍሉይ ከብልዎ ካብ ዝኽእሉ ምዕባለታት እዩ። ነዚ ምዕባለ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብራኹ ከኣ ኣብዚ ታሪኻዊ ቅነ ከም ወትሩ ቃልና ከነሕድስ ይግበኣና።

መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ህግዲፍ እውን ድሕሪ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ከታልሎ ከምዘይክእል ዕረ እንዳጠዓሞ ኣብ ዝተረደኣሉን ተስፋ ዝቖረጸሉን ኩነታት ኢና ንዝክራ ዘለና። ህግዲፍ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ ክሓልፎ እንተዘይደልዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ኮነ ኣብ ዓዲ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ደፊርዎ ከም ዘሎ ተረዲኡ ኣሎ። ህዝቢ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ተጻዒንዎ ዝነበረ ስግኣት ሰይሩ ርእሱ ኣቕኒዑ ኣግሂዱ ንህግዲፍ ናቱ ክህቦ ጀሚሩ ከም ዘሎ ስለ ዝተረደኤን፡ ምእንቲ ሆሆ ኢሉ ከይለዓሎ ስለ ዝሰግአን፣ ኣበዓዕላ ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ብሓደ መዓልቲ ከምዘይከውን ተሊሙ ኣሎ። እዚ እውን ንመበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነትና ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣብዚ እዋንዚ ሓይሊ ሚዛን ፈጺሙ ተቐይሩ፡ ናይ ህግዲፍ ዳሳት ጠምዚሑ፡ ዳስ ሓይልታት ለውጢ ግና ብንቕሎ ”ይኣክል” ተሰንዩ ዝያዳ ዓሚሩ ይብዕል ከምዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ናይዚ መልእኽቲ ዋላ ህግዲፍ ክቕበሎ እንተዘይደለየ መርከቡ ተንቆልቁል ናይ ምህላዋ ምልክት ምዃኑ ብኣፍንጭ ክርደኦ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ መዓልቲ ናጽነት፡ በቲ ሓደ ወገን ጀጋኑና እንዝክረሉን እነመጉሰሉን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንህግዲፍ እነቃለዓሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ዕማምናስ “መጻኢኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ እንምልሰሉ ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። መጻኢና ኣብ ኢድና ካብ ኮነ ከኣ፡ ብኸመይ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ወሲድና፡ ዓቕምና ኣወሃሂድና፡ ብዑቕ ተካኢ ከም ንኸውን ክንሓስብ ዘይኮነስ ክንትግብር ቃል እንኣትወሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ናይ ግድን’ዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እዚ ብሩህ መጻኢ ንድሕሪት ከይምለስን ጭቡጥን ውዱብን ትካላዊ መልክዕ ሒዙ ክቕጽልን ምስ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ዓቕሙ ጸሚዱ ክቃለስ ቅሩብ ምህላዉ ድልውነቱ የረጋግጽ

24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለዊ ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Thursday, 23 May 2019 14:39