ብሰንኪ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ

2018-09-01 18:31:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2922 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ዘይተጸበዮ፡ ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ሓቀኛ ጠንቁ ብንጹር እንታይ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ይግመት’ምበር ኣይፍለጥን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ክሳብ ዘይተፈልጠ በቲ ዝመስል “ውግእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ብዝብል ተሰይሙ። ብዙሓት ወገናት ነዚ ዶብ ዝብል ጠንቂ ዘይቅበልሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ውግእ ዝተባርዓሉ ግዜ ህዝቢ ዝፈልጦ ዶባዊ ምስሕሓብ ዘይነበረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጉዳይ ዶብ ዝፍተሓሉ ልሙድ መስርሕ ስለ ዘይተኻየደ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ቀሪቡ “ቀያድን ናይ መውዳእታን” ብይን ዝተዋህበሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ። እቲ ጉዳይ በቲ ዝተዋህበ ብይን ስለ ዘይተተግበር ከኣ እነሆ ክሳብ ሎሚ ንሓንሳብ ብእግሩ ንሓንሳብ ብርእሱ እንዳተታሕዘ ኣይተወደአን።

ብሰንክ’ቲ ክእጐድ ዘይግበኦ ዝነበረ ውግእ፡ ብሓፈሻ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተሃስየ ርኡይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ክሳብ ሕጂ ስንብራቱ ዘይጠፈአ ማህሰይቲ ግና ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እዩ። ክልቲኡ ኣብቲ ዓውዲ ውግእ ዝነብር ህዝቢ ዝያዳቲ ኣብ ርሑቕ ዝነብር ህዝቢ፡ ሞይቱ፡ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ፡ ንብረቱ ዓንዩ፡ እንስሳ ዘቤቱ ሃሊቐን፡ ኣግራቡ ባዲሙ፡ መሬቱ ሓዲሩ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብሰንኪ ኣብ ግዜ ውግእ ዝተቐብረ ነታጒታት ይመውትን ይቖስልን ኣሎ።

ብሓፈሻ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ጉዳይ ዶብ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ኣብ መሬት ክምልከት እሞ ቅድም ዘተኣማምን ሰላም ክረክብ፡ ድሕሪኡ ድማ “ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ” ኮይኑ ምዉቕ ጉርብትና ክዕንብብ ሃንቀው ክብል ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ከኣ እቲ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ከምቲ በቲ ውግእ ዝያዳ ዝተሃስየ ንሰላምን ጉርብትና ናብ ንቡር ምምላስን ከም ዝብህጋ ምሕጽንታኡ ከቕርብ ጸኒሑን ኣሎን።

ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ልቢ ዘይነቐለ ናይ ልኡላውነት ድምጺ እንዳስመዐ ንጉዳይ ዶብ ከም መጽንሒ ኣብ ስልጣን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ደሓር ዝተረኹመሸ መርገጽ ሒዙ’ዩ ከደናግር ጸኒሑ። ብዙሓት ብናይቲ ጉጅለ ናይ ልኡላውነት ሜላዊ ጭረሖ ዝተጸልዉ ወገናትና ነቲ ጉጅለ ምስ ኩሉ ኣበስኡ ይድግፍዎ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ጉጅለ ጉዳይ ልኡላውነት ጉዳዩ ከምዘይነበረ ብተግባሩ ምስተቓለዐ ዳግማይ ኣብ ዝሓስብሉ በጺሖም እነሆ። እዚ ዳግማይ ምሕሳብ ኣብ ዲያስፖራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና’ውን ዝሕንሕነሉ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ስልቲ ነቲ ክንየተሉ ዝጸንሐ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ዶብ ዕሽሽ ኢልካ ናብ ኩነታት ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላስ ምንጣር’ዩ። ነቲ ዝምድና ኣብ ክንዲ ምስቲ መላምንቲ ሓዊ ዝኾነ ጐረባብቲ ኣብ ርሑቕ ምስ ዘለዉ ወገናት ምስዕሳዕ፡ ንሓላፍነት መንግስታት ዘንጊዕካ ከኣ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምጉርባስ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ዶባት ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን ጽምኣት ዝደረኾ ገልታዕታዕ ውጽኢት ናይቲ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ደጋጊምና ዝበልናዮ፡ ብጽሒት ህዝቢ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን ዘይስገር’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ዲክታተር ጅሆ ዝተታሕዘ ህዝቢ ብዘይፈቓድ ናይ ገዛኢኡ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ንህዝብና ዘርዕዶን ናብቲ ዝደለዮ መንገዲ ኣገዲዱ ዝወስዶን እምበር፡ ህዝብና ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ተጽዕኖ ፈጢሩ ባህጉ ኣብ ዘረጋግጸሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ። ነዚ ሓቢእካ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሰላም ከረጋግጽ ይኽእል እዩ ምባል ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይምቅዳው’ዩ ዝፈጥር። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ብህዝቢ ይርአ ንዘሎ ድሌት ዝደረኾ ተበግሶታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ድላዮም ዝቕልስዎ ዘለዉ። ገሊኦም ክፈቕዱ ገሊኦም ክኽልክሉ እንከለዉ ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ምእኩል ኣካይዳ ጠፊእዎ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ።

እስኪ ሓደ ነገር ነስተውዕል፡ እቲ ካብ ሑመራ ናብ ኦሞሓጀር፡ ካብ ከባቢ ባድመ ኣብ ጋሽ ናብ ዝርከባ ዓድታት፡ ካብ ራማ ናብ ክሳድ ዒቃን ካብ ዛላንበሳ ናብ ሰርሐን ዘመዓዱ ናይ ሰላም ድሌት ኩሉ ብወገን ትግራይ ዝብገስ ብወገን ኤርትራ ግና ንጹር መርገጽ ዘይርአ። ኣብዚ ጉዳያትዚ ብወገን ኤርትራ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ዝስማዕ ዝነበረ ድምጺ ጠፊኡ ኣብ ዶባት ምጽቃጥከ ምስ ምንታይ ይቑጸር። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኣቶ ኢሳይያስ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ኣብ ኣዋሳ ክስዕስዕ ቀንዩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ባህርዳር ከይዱ ከኹድድ እንዳተዳለወ ንምንታይ እዩ ብዛዕባቶም መላምንቲ ሓዊ ብጩቕ ምባል ኣብዩ። ምናልባት ዶብና ብንጹር ተፈሊጡ እቲ ርክብ ምእኩል ንክኸውን ምጽባይ እንተኾይኑ፡ እዚ ባዕሉ እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ጥሒስዎ’ስ፡ ኣብ ሕንብርቲ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዋልታን ኲናትን ኣግማልን ኣፍራስን ክስለም ርኢናዮ እንዲና። ኣብቶም ኣብ ዶብ ዝነብሩ ወገናት በጺሑ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትን ምእኩል ዝምድና ከም ዝግደስ አምሲሉ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ዶብ ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ሓፍኮፍን ምኹላፍን መርኣያ ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሰላም ጽምኢ ጽምእና፡ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ናይ ሰላም ርውየት ከኣ ርውየትና ምዃኑ ደጊምና እንዳኣነጸርና፡ እቲ ርውየት ቀጻልን ዘተኣማምንን ክኸውን ዝኽእል ኣብ ንጹር ልኡላዊ መትከላት ክስረት እንከሎ ምዃኑ ህዝብና ክርደኦ ንጽውዕ። እዚ ክረጋገጽ ዝኽእል ከኣ የመነ-ጸጋም ከይበልካ ጉዳይ ዶብ ኣመልኪትካ ልኡላዊ መሬት ምርግጋጽን ምምላስ ጽቡቕ ጉርብትናን እንዳተናበቡ ክትግበሩ እንከለዉ ምዃኑ እንዳነጸርና፡ ህዝብና እውን ኣብዙርያዚ ቃልሱ ከሕይል ንጽወዖ። እቲ ጀኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ ዝፈጠሮ ጉርብትና ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ መንጉኡ ልኡላዊ መስመር ከምዘሎ ከኣ ምስትብሃል የድሊ።

Last modified on Saturday, 01 September 2018 20:36