እቲ ደርፊ ሓደ ክነሱ፡ ኣብ በበይኑ ጓይላ ምስዕሳዕ የብቅዕ

2017-10-23 16:06:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4373 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደላት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ኤርትራውያን ንዝኾነ ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ዝግደስ ኣካል ብሩህ ስለ ዝኾነ ብዛዕብኡ ምዝንታው ኣድላይ ካብ ዘይከውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ዓማጺ ጉጅለ ኣወጊድካ ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል መተካእታ ዘይብሉ ካብ ዝኸውን እውን ከምኡ ነባር ግንዛበ እዩ። መሰረታዊ ዕማም ናይዚ በብደረጃኡ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ ንሱ እዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን።

ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያትን ድኽመትን ምስጢር ኣይኮነን። ምናልባት’ውን ዝርዝሩ ብዙሕ ይኸውን። እቲ ኩልና ናይ ለውጢ ሓይልታትን ንራህዋ ህዝብና ዝግደሱ ወገናትን እንረዳደኣሉ በሪኽ ምኽንያት ግና ድሌትና፡ ትጽቢትናን ዕላማናን ሓደ ክነሱ ንናይ ሓባር ዓወት ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምብቃዕና እዩ። ኮታ ብልቢ “እቲ ደርፊ ሓደ ክነሱ፡ ኣብ በበይኑ ጓይላ ምስዕሳዕ የብቅዕ” ኢልና ስለ ዘይወፈርና። ድሌትናን ዕላማናን ሓደ ክነሱ ብሓባር ክንሰርሕ ናይ ዘይምኽኣልና ምኽንያት ብሩህን ንካልእ ዘይነላግበሉ በዓል ቤታዊ ድኽመትና ምዃኑ ወትሩ እንብሎ ሓቂ እዩ። ድሌትናን ባህግናን ከምኡ ምዃኑ እውን ኩልና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኽ ናይ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራት እንእውጆ እዩ። እንተኾነ እንብሎን እንትግብሮን ዝተረሓሓቐ ምዃኑ ብንጹር ይረአ ኣሎ’ሞ ካብዚ ክንወጽእ ናይ ግድን ከድልየና እዩ።

ናይ ሓባር ድሌትን ዕማምን ኣለና ማለት ፍልልይ የብልናን ማለት ከምዘይኮነ ንጹር እዩ። እንተኾነ ዝፈላሊ እንዳሃለወካ ኣብቲ ዘሰማመዓካ ብሓባር እንዳሰራሕካ ኣብ ዓወት ከም ዝብጻሕ ሕጂ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ተመኩሮ ዘይኮነስ፡ ብዙሓት ብመስርሕ ብዙሕነታዊ ሓድነት ሓሊፎም ግብራውነቱ ዘረጋገጽዎ ኣገባብ እዩ። ሓደ ጉዳይ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ዝያዳ ኣድላይነቱ ሰማይ ከም ዝዓርግ፡ ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ብሓባር ምስራሕ ዝያዳ ደፊኡ ይመጽእ ከም ዘሎ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝድመጽ ዘሎ ናይ ርክብ ዜናታትን ናይ ህዝብና ተደጋጋሚ መጸዋዕታታትን ሓባሪ እዩ። ቅድሚ ኣዋርሕ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ ኣብ መስርሕ ዘሎ እማመ ዘተ ብዛዕባ ብሓባር ዘስርሕ ሰፊሕ ጽላል ምፍጣር እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ናይ ተቓወምቱ ብሓባር ምስራሕ ዕድመኡ ከም ዘሕጽሮ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ ኣንጻሩ ክወፍርን ክጣራዕን ናይ ግድነት እዩ። ምልክታት እውን የርኢ ኣሎ።

ብሓባር ምስራሕ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ናይ ምዕዋትን ዘይምዕዋት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጉዳይ እዩ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ ካብ ህዝብና ዝተፈልየ ህልውና የብልናን። ብሓባር ክትሰርሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ክንድቲ ኣድላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ፡ ምርግጋጹ’ውን ዋጋ ዘኽፍል እዩ። ብሓንሳብ ብጣማጣማ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝፈጠርካዮ ህዱእ መንፈስን ምድልላይን እንዳመላእካሉ ዝዓቢ መስርሕ እዩ። ናብዚ ክትበቅዕ ዝኽፈል ዋጋ፡ ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግና፡ ኣቐዲምካ ዝተሰማማዕካሉ ምዕቃብ፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ጥራይ ኣግኒንካ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ክትጽዕን ካብ ምሕላን ምዕቃብ፡ ካብ ኣተሓሳስባ ናይቲ እትዋሰኣሉ ውዳበ ወጺእካ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ምጥራይ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕ ወሓለ ምዃን ዘጠቓልል ዋጋ እዩ።      “ዝበልኩኹም እንተዘይሰማዕኩም ወይለኹም” ብዝብል በትሪ ምልዓል ግና ኣብ ናይ ውልቂ ኮነ ናይ ሓባር ቃልሲ ዓዲ ዘእቱ ኣይኮነን።

ኣብዚ መዳይዚ ዘባኸናዮ ግዜ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ሕጂ’ውን ግዜና ኣብ ጣዕሳን ናይ ዝሓለፈ እሱር ብምዃንን ከነባኽን ኣይግበኣናን። ከምቲ “ኣይትድገመኒ ዝተረፈ፡ ይኣኽለኒ ዝሓለፈ” ዝበሃል፡ ነቲ ዘባኸናዮ ግዜ  ክንጠዓሰሉ ጥራይ ዘይኮነ ክንመሃረሉ እዩ ዝግበና። ብመንጽርዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይ ምፍጣር ብሓባር ዘስርሕ ሰፊሕ ጽላል እማመ ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ እማመ ሒዙ፡ ካብኡ ዝተፈልየ ሓሳብ ክቐርብ እንከሎ ክሰምዕ ቅሩብ ኮይኑ፡ ማዕረማዕረ ሰልፋዊ ዕማሙ ይሰርሓሉ ኣሎ። ብኣኡ ከኣ ክቕጽል እዩ። እዚ ዕማም ናይ ሓባር ስለ ዝኾነ ናይ ካለኦት ኣሓት ምጥርናፋት፡ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ቅሩብነት ማዕረዚ ክኸውን እሞ፡ ደጊም “ደርፍኻ ሓደ ክንሱ ኣብ በበይኑ ጓይላ ምስዕሳዕ ከብቅዕ” ሰልፍና በዓል ምሉእ ተስፋ እዩ

Last modified on Monday, 23 October 2017 18:11