ንድርብ ወጽዓ፡ ብድርብ ቃልሲ

2017-03-06 19:34:35 Written by  Published in EPDP Editorial Read 4053 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ነጻነትን ንምርግጋጹ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ክዝረብ እንከሎ ከይተጠቕሱ ካብ ዘይሕለፉ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ቅያ ኤትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ እዩ። ወሳኒ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣዕዚዝካ ንምቕራብ ኣብቲ መዋእል ቃልሲ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን” ዝብል ጭረሖ ይቃላሕ ነይሩ።  ሎሚ እውን ክብደት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ህያው ኮይኑ እቲ ጭረሖ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገጽ ለውጢ የለን” ናብ ዝብል ማዕቢሉ ኣሎ። እዚ ጭረሖ እዚ “ኣብቲ ናይ ቃልሲ ባይታ ከመይ ኣሎ"? ዝብል ግና  መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ቅንስትዮ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ መሪርወን ተወዲበን ድምጸን ኣስሚዐን ቃልሲ ዝጀመራ ቅድሚ ዝያዳ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣሜሪካ ብዝተላዕለ መሰረታዊ ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ ታሪኽ ተጋድሎ ደቀኣንስትዮ ዓለም ይሕብር። ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ  ደረጃ ዓለም ለኻዊ ዝኽሪ 8 መጋቢት ንምብጻሕን ምውሳን ዝኽበረሉ ዕለትን ጥራይ ዘይኮነ “ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ"? ዝብል ንምውሳን እውን ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃታትን ዝተሓላለኸ መስርሕን ክሓልፍ ጸኒሑ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ብጾታአን ዘጋጥመን ናይ ሓባረን ጾታዊ ወጽዓ ክህልወን እንከሎ፡ ከከምቲ ናይቲ ዝነብራሉ ሃገር ሓፈሻዊ ምዕባለ፡ ዝመሓደረሉ ስርዓትን ባህላዊ ተጽዕኖን እቲ ወጽዓ ኣብ ገሊኡ ዝያዳ ዝመረረ ከም ዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቑጠባዊ ምዕባለን ደሞክራሲያዊ ዕቤትን ኣብ ዝሓሸ ዝርከብ ዓለም፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብቑጠባ ኮነ ብስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ ዝያዳ ከም ዝኸፍእ ምጥቃስ ይከኣል። ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ ዘለወን። በቲ ሓደ ወገን ጾታዊ ወጽዓ በቲ ካልእ ወገን ደማ ከም ኩሉ ዜጋ ዘጋጥመን ኩለመዳያዊ ወጽዓ።

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሓደ መሰረታዊ ዓንዲ ኣብ ቃልሲ ወርትግ ክጸሓፈሉን ክዝረበሉን ዝግበኦ ኮይኑ፡ ኣብ ከምዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና ናይ 8 መጋቢት ኣጋጣሚ ዝያዳ ከነድህበሉ ከኣ ባህርያዊ እዩ። 8 መጋቢት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ መዳይ እንታይ ተዓሚሙ እንታይከ ተሪፉ፡ ኣብ መጻኢ ዓመትከ እንታይ ይሰራሕ ዝግምገመሉ እምበር ዓመት ምሉእ ተዘንጊዑ ጸኒሑ ዝለዓለሉ ኣይኮነን። ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም-ለኻዊ ተመሳሳልነትን ናይ ሓባር ባህርን ዘለዎ ኮይኑ፡ ከከም ሃገሩ ዝቃነ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ወጽዓ ደቂ ኣንስቶ ድርብ እዩ ዝብል ኣገላልጸ ሓፈሻዊ ኮይኑ፡ ናብ ጉዳይና ክንመጽእ እንከሎና ግና ድርብ ዘይኮነስ ድርብርብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮና ካብ ተጽዕኖ ወዲ ተባዕታይ ሓራ ናይ ምውጻእ ቃልሲ ኣለወን። ብኤርትራውነተን ከኣ ካብ ኣርዑት ህግደፍ ናጻ ንምውጻእን ንኤርትራን ህዝባን ካብ ምብትታን ናይ ምድሓን ቃልሲ’ውን ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ዕማም እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ቃልሰን ዝተደራረበ ተሳትፎአን ድማ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ከኣ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኩነታት ከም ዘለና ዘመልክት እዩ። ምኽባርን ዘይምኽባር መሰል ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደሞክራስን ጸረ-ደሞክራስን ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ እንተዘየለ ከኣ መብዛሕትኡ ከም ዝፍታሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሕቶ ደሞክራሲ ኣብ ዘይተመለሰሉ ከኣ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ በይኑ ክፍታሕ ዘሎ ተኽእሎ  ዜሮ እዩ። ስለዚ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውጋድ እዚ ንሃገርና ዝሕምሳ ዘሎ ጉጅለ ተደራራቢ ወሳንነት ዘለዎ እዩ።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክምቲ ዝድለ ኣብ ቃልሲ ዘየዋስኤን ዘሎ  ምኽንያት፡ ምናልባት ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሰን ጻማ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣያ’ሞ  ብኣኡ ስለ ሰከሓ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት እዩ። ናይዚ መንቀሊ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት ኮይኑ፡ ኣብኣተን ጥራይ ዝተደረት ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ፈሲስዎ ዘሎ መዓት ምዃኑ ክርሳዕ ግን ኣይግባእን። እቲ ፍታሕ ከኣ ናይ ሓባር ቃልሲ ኣንጻርቲ ወጻዒ እምበር፡ ሰኪሕካ ስቕታን ካብ ቃልሲ ምርሓቕን ምምራጽ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከምዘድሊዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽ። እንተ’ቲ ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ሓዊስካ ኣብ ኩሉ ህይወት ዘሕልፈኦ ዘለዋ ናይ ኣነት ምረት  ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ብድብድቡ “ኣስካሕካሒ” ኢልካዮ ምሕላፉ ገላጺ’ዩ።

ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ቃልሲ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ጉዳይ መሪሕ ግደ ደኣ ይህልወን እምበር ኣብኣተን ጥራይ ዝድርበ ኣይኮነን። ደቂ ተባዕትዮ እውን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ቲ ኩልና እንጽበዮ ራህዋ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ተረዲኦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ናይ ግድን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ጾታዊ ተጽዕኖ ናጻ ንክወጻ ንደቂ ተባዕትዮ ጸላእተን ዘይኮኑስ ናይ ቃልሲ መገረን ዝኾንሉ ኩነታት ክፈጥራ ክበቕዓ ይግበአን። ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክተኦም ከርእዩ ከካብ ገዛእ ርእሶም ክነቕሉን ናይ ቃል ዘይኮነ ናይ ተግባር ስጉምቲ ክወስዱን ይግበኦም። ብሓሳብ ንመሰል ጓለንስተይቲ ምጭራሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣደታቶም፡ ኣንስቶምን ደቆምን ኣጋርነቶም ክርእዩ ይግበኦም።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ኣብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ክፋል መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከምዝህልወን ንምግባር፡ ከይተሓለለ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ልዕሊ ምስፋሩ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሓደ ቀጻሊ ኣጀንዳኡ ሒዙ እዩ ዝቃለሰሉ። በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከኣ ዮሃና እንዳበለ ነዚ ቃልሱ ክሳብ ዝዕወት ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ይኣቱ። ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዘይኮነስ ንኹሉ ዝጸሉ መሰረታዊ ጉዳይ ብምዃኑ ደንበ ተቓውሞና እውን ብመንጽርዚ ርእዩ ክሰርሓሉ ዝግባእ እዩ።

ከምቲ “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝከረሉ ዘለና ኣጋጣሚ፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓርበኛታት ኣደታተን መስዋእቲ ዝኸፈላሉ፡ ግና ድማ ኣብቲ ዝድለ ምዕራፉ ዘይበጸሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ክሳተፋ መጸዋዕታና ነቕርበለን።

ክብርን መጎስንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Monday, 06 March 2017 20:39