ኣብ ኤርትራ ደኣ ናይ መላሳይ’ምበር፡ ናይ ሓታታይ ዋሕዲ ዶ ኣሎ’ዩ?

2017-01-09 09:03:13 Written by  Published in EPDP Editorial Read 5169 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓደ ሰብኣይ፡ ኩሉ ግዜ ብዕሩቑ ፈረስ እንዳሰሓበ ቀቅድሚ ሓላፊኡ ዘዅዘዅ ይብል ነበረ። ነቲ ዕርቃኑ ዝተዓዘቡ ሰባት ከኣ ስለምንታይ ነዞም ጐይታኻ ዓሪቐ ኣለኹ’ሞ ክደኑኒ ዘይትብሎም? ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ተቐቢሉ ብዛዕባ ዕርቃነይ ዝነግሮም ደኣ ይርእዩኒዶ ኣየለዉን” ኢሉ መለሰሎም፡ ዝብል ዋዛ ምስ ቁምነገር ኣብ ሕብረተሰብና ዝውቱር ኣበሃህላ እዩ። መሲልኩም እንታይ ኣምጻእኩም እዩ’ሞ፡ ኣብዚ ለንቅነ ኣሳሰይቲ ጉጅለ ህግደፍ “ኣቶ ኢሳይያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ሕቶታት ክምልሱ ስለ ዝኾኑ ሕቶታትኩም ኣቕርቡ” ዝብል መተዓሻሸዊ ጐስጓስ ከካይዱ ንዕዘብ ኣለና። ኣብቲ ኣብ መበል 26 ዓመት ሕታም ቁጽሪ 107 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርራ ዘሎ ሓበሬታ’ኳ ከምኡ ኣይብልን እዩ። እቲ ሕቶታት ኣቕርቡ ዝብል መጸዋዕታ ከምቲ “ዋሕለልና ክብላ ጻሕሊ ይዓጥና” ዝበሃል ክንፍቶ በሃልቲ ዝመሃዝዎ እዩ ዝመስል።

ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ምስ ምሕታትን ምምላስ ዝዛመድ እዩ። ህዝቢ ይሓትት መንግስቲ ድማ ይምልስ። እዚ መወዳእታ ዘየብሉ ቀጻሊ መስርሕ ምምሕዳር እዩ። እቲ ምሕታትን ምምላስን ቅልጣፈኡን ዋሕዙን ሓልዩ ብቐጻሊ ዝጐዓዝ መስርሕ ክኸውን እንከሎ ናይቲ ምምሕዳራዊ ጥዕና መለለይ እዩ። ሕቶታት ካብ ህዝቢ እንዳተጸፍጸፈ መልሲ ካብ መንግስቲ ደሃዩ ዝሃጥም እንተኾይኑ ከኣ፡ ናይ ዘይጥዑይ ዝምድና ህዝብን መንግስትን ምልክት እዩ። ከምዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ምምሕዳር ህግደፍን ዘሎ ኩነታት። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ምምሕዳር ህግደፍ ንሕቶታት ህዝቢ ብተደጋጋሚ ምጉሳዩ ዘይኮነስ፡ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይፈልጥ፡ ተመሊሱ ካብ ህዝቢ ሕቶታት ክቐርበሉ ክጽውዕ ምምጥጣሩ እዩ።

ኣብ ጉዳይ፡ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ መንግስቲ፡ ሕገመንግስቲ፡ ህዝባዊ ምርጫ፡ ህላወ ፖለቲካዊ ብዙሕነት፡ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል፡ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ፍትሓውነት፡ ፍርዳዊ መስርሕ፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ተሳትፎ ብሕታዊ ጽላት ኣብ ህንጸት ሃገር፡ ጥዑይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ ዘይዛሪ ዋሕዚ ናብ ስደት … ወዘተ ዘሎ ዘይተመለሰ ሕቶታት ምዃኑ ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ኤርትራዊ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ኣፍልጦ ረኺቡ ዘሎ ኩነታት እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ሓቀኛ ናይ ህዝብና ሕቶስ ይጽናሕ እሞ፡ ነቲ ናይ ምምሕዳሩ ሚድያ ጋዜጠኛታት ከም ቁርን ኣስሓይታን እንዳፈርሕዎ ዘቕርብዎ ድራማዊ ሕቶታት ዝህቦ ናይ ኣሽካዕላል መልሲ ንፈልጦ ኢና። ሕጂ ሕብሪ ቀይርካ “ከምቲ መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃል፡  መላሲ ከይሓዝካ ሕቶታት ምዕዳም  ቅድሚ ኩሉ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ናይ መላሳይ እምበር ናይ ሓታታይ ዋሕዲ ከም ዘየለ ንጹር ከነሱ፡ ከምዚ ዓይነት ብብደዐን ላግጽን ዝተላዕጠጠ መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየለ ክውንነት “ኮንደኾን እዚ ሰብኣይ ናይ ህዝቢ መረረ ዝሰምዕ እዝኒ ኣጥርዩ እዩ” ዝብል መህውተቲ ስልቲ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከም ዘየብሉ ምግንዛብ ኣድላይ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኤርትራ መራሒ ህግደፍ ተሓቲቱ ካብ ዝህቦ መልሲ ዝፍጠር ኣውንታዊ ለውጢ ከም ዘይህሉ ካብዚ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንመሃር ይግበኣና። ምኽንያቱ ልቢ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ንህዝባዊ ሕቶ መልሲ ዘየብቁል ምድረበዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረ። ምናልባት ግና  ንሕቶ ህዝቢ ዘይምልስ ኣረጊት ናይ ሸንኮለል ካሴት ኣሕዲሱ የቕርብ ይኸውን። ከምቲ “ናይ 1997 ቅዋም እነተግብረሉ ጥጡሕ ኩነታት ኣይተፈጥረን ክብል ጸኒሑ፡ ደሓር ግና እቲ ሕገመንግስቲ ሞይቱ’ዩ” ዝብል ኣቀዲሙ ዝተፈልጠ መርድእ ዝዘርገሓ።

ህግደፍ ከምዚ ዓይነት መደናገሪ መጸዋዕታ እንተዘርግሐ፡ ኣብ ቦታኡ ኮይንካ ክትርእዮ እንከለኻ ኣይተጋገየን። ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ካብዚ ወጻኢ ከይንጽበ’ውን ንሓንሳብ ብተዘዋዋሪ ንሓንሳብ ድማ ብቐጥታ ነጊሩና እዩ። እዚ ኣቀራርባኡ ህዝቢ ዝበለ እንተበለ ኣበይ ከይበጽሕ ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። እቲ ራህዋ ናይ ምምጻእ ጉዳይ እምበኣር ኣብ ኢድ ህዝብን ውድባቱን እዩ ዘሎ። ወይ ኣብቲ መደናገሪ ጽርግያ ህግደፍ ምኹዳድ ወይ ድማ ናብ ራህዋ ዝመርሓካ መንገዲ ጽርግያ ምጽራግ ኣብ ኢድ ህግደፍ የለን። ከምቲ ግቡእ ሓደ መንግስቲ ብመንገዲ መራሒኡ ኣቢሉ “ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ክገብር እየ” ምስ በለ ክጠልም እንከሎ ዘሕትቶ እዩ። ህዝቢ እውን ኣብ ልዕሊኡ እምነት ከም ዘጉደለ ክገልጸሉ ናይ ግድን እዩ። መራሒ ህግደፍ ግና እቲ ከም ዝበልካዮ ኮይንካ ምቕራብዩ ዘይወሓጠሉ እምበር፡ ቃል ዓጺፍካ ዝምልከተካ ገዲፍካ ኣብ ዘይምልካ ምህውታትስ ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ዘሎ ኣካይዳ እዩ። ቅድሚ 3 ዓመታት፡ ከምዚ ለንቅነ ክዛረብ እንከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሕርሻዊ ቁጠባዊ ልምዓት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ  ነቲ ጋዜጠኛ “ብዛዕባዚ ግብራዊ መልሲ ክህበካ 3 ኣዋርሕ ጥራይ ተጸበየኒ” ክብሎ እንከሎ ይዝከረኩምዶ? ክሳብ ሕጂ ከኣ ነዚ ብዝምልከት ንሱ ኣይመለሰን፡ ስለምንታይ ኣብ ቃልካ ዘይጸናዕካ ዝብል ህዝባዊ ደሃይ እውን ኣይተሰምዐን። በዚ ከኣ እነሆ እቲ ስርዓት ሻዲኑ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ሰማይ ዓሪጉ።

ሕቶ ምቕራብን ዘይምቕራብን ናይቲ ሓታቲ መሰል እዩ። ኢሳይያስ ንህዝባዊ ሕቶ ልባዊ ቀጥታዊ መልሲ ክህብ ግና ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ። ምኽንያቱ ናቱ ረብሓ ንህዝባዊ ሕቶ ብምዕባጥ እምበር ብምምላስ ስለ ዘይረጋገጽ። ምናልባት ነቲ ደቂ ልቢ ገርሃ ዘቕርብዎ ሕቶታት፡ ከም ሓደ እታዎ (input) ናይ ስለያዊ ተግባር ክወስዶ ከም ዝኽእል ምግማት ኣብ ቦታኡ እዩ። ናይ ጥፍኣት ማሃንድሳቱ ካብዚ ነቒሎም ህዝቢ ዘዕሽውሉ ወይ ዝቐጽዕሉ ሜላ ክስእሉ ይኽእሉ። ካብዚ ሓሊፉ መላሳይ እምበር ሓታታይ ኣብ ዘይወሓዳ ሃገር ኤርትራ “ሕቶታትኩም ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣኹ” ዝብል ነጋሪት ምህራም ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 09 January 2017 10:08