ምትእምማን ብመስርሕ’ዩ ዝረጋገጽ!

2016-02-08 22:59:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2532 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ሰባት ኣብ ፖለቲካን፡ ኩሉ መስርሕ ማሕበራ-ቁጠባዊ ህይወትን ብሓባር ሰሪሖም ንከድምዑን ከየድምዑን ካብ ዝውስኑ መምዘንታት እቲ ቀንዲ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ምህላውን ዘይምህላውን እዩ። ተተኣማሚንካ ዝያዳ ተድምዕን ትረብሕን እምበር ኣይትኸስርን። ሰባት እዚ ሓቂ እዚ ብግቡእ ስለ ዝርድእዎ፡ ምትእምማን ክፈጥሩ ወርትግ ይብህጉ። እንተኾነ ባህጎም ብሓቀኛ ተወፋይነትን ቅኑዕ ኣተሓሳስባን ኣብ ዘይስነየሉ፡ እቲ ዝደልይዎን እቲ ዝሓፍስዎን ኣየሳንን። ቀንዲ ጸላኢ ምትእምማን ምጥርጣር ስለዝኾነ ንሓደ ኣካል እንዳጠርጠርካዮ ምስኡ ክትተኣማመን ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ማለት ግና ዓብላሊ ኢድ ደኣ ኣይሕዝን እምበር፡ ፍጹም ካብ ምጥርጣር ነጻ ዝኾነ ምትእምማን ክህልው ብዙሕ እንጽበዮ ኣይኮነን። ዝጥርጠር ባእታን ዘጠራጥር ዛዕባን ፈሪሕካ፡ ካብ ተቐራሪብካ ምስራሕ ምብኳር ግና ግጉይ እዩ።

ምጥርጣር ኣብ መስርሕ፡ ናብ ምትእምማን ናይ ምምዕባል ዕድል ሰለ ዘለዎ፡ ምጥርጣር ፈሪሕና ካብ ናይ ሓባር መድረኽን መስርሕ ምርግጋጽ ምትእምማንን ክንርሕቕ ኣይግበኣናን። ምትእምማን ከም ኩሉ ሸቶ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር ተሰሪሑ ዝወሃብ ህያብ ኣይኮነን። ምትእምማን ምፍጣር ዋጋኡ ክንድቲ ወሳኒ ኣድላይነቱ ክቡር ምዃኑ ግና ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ኣብዚ መስርሕ ምፍጣር ምትእምማን ብዝመዘንካዮ ከም እትምዘን ምግንዛብ ከኣ የድሊ። ማለት ክንድቲ ዝኣመንካዮ ከም እትእመንን፡ ክንድቲ ትጥርጥሮ ድማ ከም እትጥርጠር ምግንዛብ።

ከምዚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ጠቓውሞና ዝረአ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ክንድቲ ክንስጉሞ ዝግበኣና ርሕቀት ሓቢርና ከይንስጉም ዝዓግተና ዘይመሰረታዊ ፍልልይ ክፍጠር መበገሲ ዝኾኑ ከነመሓድሮም ተዘይኮይኑ፡ ከነወግዶም ዘይንኽእል ናይ ብዙሕነት መለለይታት ኣለዉና። እምነት፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ተመኩሮ፡ ፖለቲካዊ ርኢቶ … ወዘተ ካብቶም ምጥርጣር ዝውለደሎም ዛዕባታት ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ኣብዞም ነጥብታት እዚኣቶም ፍልልያትና ዓቂብና ንምጥርጣር ስዒርና ክንተኣማመን እንተበቒዕና መስርሕ ቃልስና ምእንቲ ለውጥን ደሞክራስን ክሳብ ክንደይ ዕዉት ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ሓቀኛ ምትእምማን ብናይ ሓባር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ’ዩ ዝረጋገጽ። ሰባት ቀጻሊ ሃናጺ ኣተሓሳስባ ንምጥራይ ዝወስደሎም ግዜ ክፈላለ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሎም ወገናት ሓድሽ ኣተሓሳስባ እግሪ ተኺሉ ምትእምማን ኣብ ጥጡሕ ባይታ ክስረት ግዜ ይወስድ እዩ። እቲ መስርሕ ዝተባህለ ድማ እዚ ግዜዚ እዩ።

ወለድና ምጥርጣር ኣብቲ ቦታኡን ግዜኡን ሓጥያት ከምዘይኮነ ንምግላጽ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ይብሉ። ናይ ምጥርጣር እሱር ኮይንካ፡ ምትእምማን ሓሪሙካ ምንባር ክሳብ ክንደይ ካብ ክትገብሮ ዝግበኣካ ከም ዝዓግተካ ንምምዓድ ድማ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን’ዩ” ይብሉ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ናብ ምጥርጣር ዝመርሑን ንምትእምማን ዘህስሱን ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምዝርዛር የጸግም። እንተኾነ ከም ኣብነት ሓንቲ ነጥቢ ምጥቃስ እዋናውነትን ኣገዳስነትን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና። ብሓፈሻ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ ከኣ፡ ድሕሪ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ናይሮቢ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ተመኩሮታት ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ክለዓል ተዓዚብና ኣለና። ኣብዚ እውን ሕጂ ንነፍሲ ወከፍ ተመኩሮ እናወዳደርና ክንትንትን ኣይኮናን። ንሱ ንተመራመርቲ ታሪኽ ንግደፈሎም። ንሕና ግና ንምጥርጣር ስዒርና ምትእምማን ንምፍጣር ክንጽዕት ይግበኣና። እቲ እንጠራጠሮ ናበይ ገጹ እዩ ክምዕብል? ናብ ሓቀኛ ምትእምማን ድዩ ናብ ሸፈጥ ንምንጻር ንግዜ ዕድል ሂብና፡ በቲ ሕጂ ንሰማማዕሉ ናህሪ ወሲኽና ንቅድሚት ንኺድ። ሓቀኛ ቅሩብነትን ቅኑዕ ኣተሓሳስባን እንተልዩና፡ ጉዕዞና ብሓባር ብዘንብር ምትእምማን ከም ዝዛዘም ከኣ እምነትና ጽኑዕ’ዩ።

 

Last modified on Tuesday, 09 February 2016 00:09