ህግደፋዊ ንብዓት ሓርገጽ: ኣብ ልዕሊ መርማሪ ኮሚሽን

2016-01-15 14:52:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2638 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰደህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክዳኽ አነ ርብዒ ዘመን ኣቝጺሩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾዲጩ ብዘይ ሕግን ቅዋምን ብሓይሊ ንህዝቢ ጅሆ  ሒዙ ኣደዳ ድኽነት ዳሪግዎን፤ ካብኡ ዝኸፍአ ድማ፡ ደይ መደይ ኢሉ መባእታዊ መሰሉ ብምግፋፍ ንመላአ ሃገርና ናብ ቤት ማአሰርቲ ቀይሩዋን ይርከብ።

 

 

ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምስምስ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ንዘይተወሰነ ዓመታት ኣብ ባርነት ብምቝራን፡ ከይምሃሩ፡ ስድራቤት ከይምስርቱ፡ ኣብ ምዕባለ ሃገር ከይሳተፉ ሓኒቑ ሒዝዎም ኣሎ።  ዒም ዝበለ ድማ፡ ኣብ’ተን ቁጽረን ካብ ናይ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛአቲ ብዓሰርተታት ዝብዝሕ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይዳጐን።  ከም ውጺኢቱ ድማ መንእሰይ ሃገሩ ሲኦል ኮይናቶ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩን ነቶም ዝፈትዎም ወለዱን ስድርኡን ራሕሪሑ ግዳይ ምድረበዳ፡ ውቅያኖሳትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስደትን ይኸውን ኣሎ።

 

አቲ ዕድል ገይሩ፡ ነዚ ኵሉ መስገደል ሰጊሩ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት  ናይ ፖለቲካ ዑቕባ  ረኺቡ፡ መነባብርኡ ክሰርዕ ዝፈተነ ድማ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ናይ ስለላ መርበባትን መጋበርያታትን፡ እግር እግሩ እናስዓቡ፡ ናይ ቍጠባ እምበአር ናይ ፖለቲካ ስደተኛ ኣይኰንኩን፣ ደቀንስትዮ ኣብ መደበራት ታዕሊም ኣይተደፍራን፡ ንሃገርና ንምክልኻል ብፍቶትና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንኸይድ፣ ተጣዒስና ወዘተ እናብልኩም ፈርሙ እናበለ ንዓፈናዊ ተግባራቱ ክሸፋፍን ይፍትን ኣሎ።

 

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ርሑቕ ቦታታን ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛን ዜጋን ብመሪሕ ተቓወምቲ ውድባቱ ኣቢሉ ነቲ ስርዓት ህግዲፍ ብኣልማማ ኮነ ኢሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ ጥርዓኑ ናብ ዓለምና ንምቕራብ ሰፋሕትን ቀጸልትን ሰላማዊ ስልፍታት ብምግባርን: ጽሑፋት ብምዝርጋሕን ከይተሓለለ ተቓሊሱን ይቃለስን ኣሎን። ከም ውጺኢቱ ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ሂቡሉ ብውሳነ ደረጃ  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እትምምር ኮሚሽን መዚዙ።

 

አታ ብወ/ሮ ኪታ ሩት ሸይላ አትምራሕ ብሹዱሽተ ኣባላት ዝቖመት ኮሚሽን ተልአኾኣ ንምጅማር ናብ ኤርትራ ንምእታው ዘቕረበቶ ናይ ቪዛ ጠለብ ስርዓት ህግደፍ ኣይተቐበሎን።  እቲ ስርዓት ንጠለባ ዝነጸገሉ ምኽንያት ጕደይ ክቓላዕ ኢዩ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።  በዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስረሓታ ከተሰላስል ስለዘይከኣለት፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኤርትርውያንን ካልኦት ምንጪታትን ሓበሬታታት ክትእክብ ተገዲዳ።

 

ሎሚ፡ ካብ ጭቆናን ግፍዕታትን ህግደፍ ኣምሊጡ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ማእለያ የብሉን። ስለዝኾነ ከኣ፡ መርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራውያን ረኺባ ሓበሬታ ንምእካብ ጸገም ኣይነበራን። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ረኺባ ከኣ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ።  ካብቲ ዝረኸበቶ መልሲ ድማ፡ 483 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ናብቲ ዝለኣኻ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ኣብቲ ጸብጻባ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከኽስስ ዝኽእል ምልክታት ከምዘሎ ብምእማት ንዝያዳ ምጽራይ ዕማማታ ንኽናዋሕ ዘቕረበቶ ጠለብ እውን በቲ ባይቶ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ስርሓታ ንሓደ ዓመት ክትቅጽል ተወሲኑ ኣሎ።

 

ከምቲ ልሙድ ሓደ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ኢሉ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ምስ ዝፍጸም ጉዳዩ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ  ንክውሰን ናብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ሄግ ኢዩ ዝቐርብ። ብመሰረት ዝቐርቦ ጭብጥታት ድማ ካሳብ  ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይፍረዶ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ከኣ ጉዳዩ ተመርሚሩ መርትዖታት እንተደኣ ተረኺብዎ ናብ’ዛ ቤት ፍርዲ ገጹ ኢዩ ክጐዓዝ። መረረ ኤርትራውያን ከኣ ዋጋ ክረክብ እዩ።

 

ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ከም ኩሎም መለኽቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጸላሉ ንዘሎ ፍርዲ: ኢዱ ኣጣሚሩ ክጽበ  ዘይሕሰብ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ነብሱ ዝከላኸለሉ መንገዲ ብምምሃዝ ወይጦታቱ ኣዋፊሩ አድሑኑኒ ክብል አንጸበዮ ኢዩ። ካብ’ዚ ዝነቐለ ኢዩ፡ ሎሚ ቅነ “ሃየ ንፕረሲደንትና ነድሕን” ተባሂሉ ኣንጻር’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ዘቅንዐ ስርዓት ኢሳያስ ባዕሉ ዘዋፍሮ ኵሉ መዳያዊ ናይ ጠቐነ ስርሓት ዝካየድ ዘሎ።

ነዚ ዕማም’ዚ ተባሂሉ፡ ሰለስተ ገጻት ዘለዎ ቀጥዒ ተዳልዩ፡ ደገፍቲ’ቲ ስርዓት በቲ ዝተዋህቦም መምርሒ መሰረት ነቲ ቀጥዒ ፈሪሞም ክልእክዎ ጐስጓስ ይካየደሉ ኣሎ።  ኣብቲ ዘዳለውዎ ናይ ደገፍ መእከቢ ጽሑፍ (ፐቲሽን) ከስፍርዎ ዝተነግሮም ትሕዝቶ ድማ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፦ 

  • ኣብ ኤርትራ ፍጹም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን።
  • ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ባርነት ኣገልግሎት ኣይኮነን: ንሃገርካ ምክልኻል ኢዩ።
  • ኣብ ኤርትራ ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ የላን።
  • ኣብ ኤርትራ ናይ ምጽሓፍ: ርእይቶ ምቕራብ: ምዝራብ: ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር: ፍቑድ ኢዩ።
  • ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ፡ ብሃገራዊ ቅዋም ዝመሓደር መንግስቲ ኢዩ ዘሎ. . . ወዘተ።

 

እዝስ ዘስደምምዶ ኣይኮነን!!!! ጉጅለ ህግደፍ ብሓቂ ሕሱር’ዩ። ዓይንን እዝንን ህዝቢ ኤርትራ ዝርእን ዝሰምዕን ኣይመስሎን’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ክረግጽን ክምቁሕን ስለ ዝጸንሐን ዘሎን ግን፡ ንሓቂ ሓሶት: ንሞት ሂወት ክብል ዘሕፍሮ ኣይኮነን። ይኣክል! ይኣክል! ክንብሎን ብቓልስና ክንጉሕፎን ከኣ ግዜኡ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ እዩ።

Last modified on Friday, 15 January 2016 17:04