ኣንጻር ህግደፍ በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናህሪ ክቕጽል

2015-06-27 17:50:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4069 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰላት ደረቱ ሓሊፉ ናብ ስልታዊ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ይምዕብል ከም ዘሎ ካብ ዝግለጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሕና እዚ ኩነታት ብዓንተቦ እንተዘይተገቲኡ ሳዕቤኑ ናብ ምጽናት ህዝብን ምብራስ ሃገርን ከምርሕ ከም ዝኽእል ከነጠንቅቕ ጸኒሕና ኢና። ኣብዚ ንሰግኦ ሕማቕ ደረጃ እንተበጺሑ ድማ ሳዕቤኑ ካባና ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣሉታዊ በሰላ ከም ዝህልዎ ከነምልክትን ናይ ሕብረተሰብ ዓለም ሓገዝን ኣድህቦን ክንሓትትን ጸኒሕና ኢና። ናይዚ ሓደገኛ ኩነታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ስደት ኤርትራውያንን ሳዕቤናቱን ባዕሉ ክዛረብ ምስ ጀመረ ከዓ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ክትበራበርን ብዛዕባኡ ክትሓስብን ጀሚራ። ብዘይካቲ ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሕን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ከነቕርቦ ዝጸናሕና እዛ ዓለም ናታ መርተዖ ክትሕዝ ስለ ዘድለያ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እተጽንዕን ኣጽኒዓ ጸብጻባ እተቕርብን ኮሚሽን ከተቕውም ተገዲዳ። እነሆ ከዓ እታ ዝቖመት ኣጻራይት ኮሚሽን ፍረ ናይ ሓደ ዓመት መጽናዕታ ናብቲ ዝወከላ ኣካል ኣብ እተቕርበሉ ደረጃ በጺሓ። ጽማቕ ናይቲ ጸብጻብ “ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮነትስ ኣብ ትሕቲ ስግኣት” ዝብል ምዃኑ ከዓ ዘሰንብድን ዘደንጹን እዩ።

ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ምኽንያታት እንዳፈጠረን እንዳሓጨጨን ግዕዘይ ተግባራቱ ክሓብእ ዝጸንሐ ብዲክታተር ኢሳይያስ ዝምራሕ ዓመጸኛ ጉጅለ ዘቃልዐ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ትማሊ ንሕናን ህዝብናን ኣንጻር ተግባራት እቲ ጉጅለ ነስመዖ ዝነበርና ትሑት ግና ሓቀኛ ድምጺ ኣዝዩ ዘጉልሖ ኮይኑ ኣሎ። እዚ መጽናዕቲ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝብሎ ካብ ዘይፍለጥ ዓለም ዝመጸ ልበ-ወለድ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ክውንነት ዝተሓፈሰ እዩ። እቶም መሰኻኽር ድማ “ተባሂሉ፡ ከምኡ ሰሚዕና” ዝብሉ ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲ ዘይኮኑስ ናይቲ ኣረሜናዊ ተግባራት ግዳያት ዝነበሩን ጌና በሰላ በደሎም ዘይቀምረረ ዜጋታት እዮም። “እነሆ ዝብል ኣይሓሱ” ከም ዝበሃል። ጉጅለ ህግደፍ ግና “ብኣሉ ቀጣን” ዝላደየ ስለ ዝኾነ ሕጂ እውን ብኣዝዮም ውሑዳት ጸማማት ደገፍቱ እንዳተሓገዘ፡ ነዚ ክውንነታዊ መጽናዕቲ ክኽሕድ ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። ከምቲ “ወደን ከይምዕዳስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል ከዓ ናቱ ክብሪ ወዲ ሰብ ዘይፈልጥ ጸረ ህዝብን ፍትሕን ነጻጊ ተግባራት ኣቐሚጡ፡ ነቲ ገበን ምእንቲ ሓቂ ናብ ዝተሰለፉ ወገናትን ሃገራትን ከላግብ ይፍትን ኣሎ።

ድምጾም ድምጺ ውጹዓት ተሰሚዑ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ዝወጸ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ግና፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ሓቂ ብምዃኑ ንምድጋፍን፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ መጽናዕቱ ተመርኲሱ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘየዳግም ቀጻዒ ውሳነታት ንክወስድ ንምጽዋዕ ኣዝዩ ሰፋሕትን ኣብ ታሪኽ ተቓውሞና ተራእዩ ዘይፈልጥን ናይ ደገፍ ሰልፍታት የካይዱ ኣለዉ። ካብዞም ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ብኹሉ መለክዒ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ክካየዱ ዝቐነዩ ዕዉታት ሰልፍታት፡ ናይ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ናይ እስራኤል፡ ናይ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖቡለን መደበራት፡ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ቅርዓት እቲ መጽናዕቲ ዝተገምገመሉ ከተማ ጀነቭ ዝተኻየደ ብኣብነት ዝግለጹ እዮም። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እውን ከይተረፈ ኣብ ሕልና ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ሰልፊ ክካየድ ከም ዝቐነየ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

እዚ መጽናዕትን ስዒቡ ዝተኻየደ ሰልፍታትን ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘመሓላልፎ መልእኽትታት ኣለዎ። ናባና ናብ ደለይቲ ለውጢ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ጉዳይና ጉዳይ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዝኾነን በይንና ከም ዘይኮናን ዝሕብረና እዩ። ኣብዚ ግና ሕጂ እውን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ርኡይ ውጽኢት ክበጽሕ ግደና መሪሕ ቦታ ከም ዝህልዎ ክንዘናጋዕ የብልናን። ናብቲ ድሮ ብሓሳብ ተረቲዑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከዓ፡ ናይ ኩሉቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ጸልማት መዋእል ተሓታቲ ንሱ ምዃኑ፡ ድሕሪ ሕጂ ክሃድመሉ ዝኽእል ናይ ምስምስ ኣፍደገታት ከም ዝተዓጽወን ዝሕብሮ ተረኽቦ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ጾር ዝቕበል ሕልና ኣለዎ ድዩ ግና እንድዒ። ኣይመስለናን። ሕብረተሰብ ዓለም ቅድሚ እዚ ባዕሉ ዝወደቦ መጽናቲ እውን ኩነታት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጸልማት ምዃኑ ዘመላኽት ኣፍልጦ ኣይነበሮን ክበሃል ኣይከኣልን። ካልእ ይትረፍ ኩነታት ስደት ኤርትራውያንን ሳዕቤናቱን እንዳ ኹሉ ኤውሮጳዊ መንግስቲ ዝኩሕኩሕ ርኡይ መርተዖ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ከዓ ብናቱ መጽናዕቲ ኣራጒድዎ ስለ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነቱ ናይ ግድን ምዃኑ ኣብ ዘመላኽት ደረጃ ኢና በጺሕና ዘለና።

ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ሰንቢዱን ተረቲዑን ከም ዘሎ ድሮ ብዙሓት ምልክታት ንርኢ ኣለና። ንሓንሳብ ነቶም ኣንጻሩ ዝስለፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ከም ናይ ካልኦት ንሱ ዝጸልአን ሃገራት ዜጋታት ኣምሲሉ ከቕርቦም ይፍትን ኣሎ። ንሓንሳብ ኣብቲ መጽናዕቲ ቀጥታዊ ግደ ንዝነበሮም ኣካላት ታሪኻዊ ጸላእተይ ክብሎም ይደሊ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ኤርትራዊ ምዃንኳ ብዘሕፍር መልክዑ፡ ከምቲ ኣብቲ በይኑ ዝዕንድረሉ ከተማታት ኤርትራ ዝለመዶ፡ ንጥፍኣት ክለኣኹን እንከለዉ፡ ናበይ’ኳ ዘይፈልጡ፡ በጋሚዶ ልኢኹ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ኣጻራይ ኮሚሽ ኣባላት ናይ ምፍርራሕ ፈተነ የካይድ ኣሎ። ምናልባት እውን ንዓኡ ካብዚ ሓጥያት ንምድሓን ዘይኮነስ ናታቶም ፖለቲካዊ ሕሳባት ዘለዎም ሃገራት ኣብ ጐኑ ክስለፉ ምጽውዑ ዘይተርፍ እዩ። በዚ ኣጋታሚ ነዞም ንህግደፍ ክድግፉ ዝደናደኑ ሃገራት፡ ብዋጋ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምጥላዕ ከቋርጹ ምጽወዖም ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ኩነታት እዚ እምበኣር ኩሎም ብሰፊሕ ድዩ ብጸቢብ ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ጀሚረምዎ ዘለዉ ንህግደፍ ናይ ምቅላዕን ምውጣር ተግባራት ንክቕጽልዎ ክንጽውዕ ንቡር እዩ’ሞ መጸዋዕታና ዳግማይ ነሕድስ። እንተኾነ ሕጂ እውን መልክዕ ውዳበና ኮነ ፖለቲካዊ እምነትና ብዘየገድስ ነቲ ዘሰማምዓና እምበር ነቲ ዝፈላልየና ሰፊሕ ቦታ ከይሃብና፡ ከም ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ባዕልና ክንዓሞ ዝግበኣና መሪሕ ግደና ከነርኢ ይግበኣና። ኣበርክቶ ሕብረተሰብ ዓለም ዘተባብዓና እምበር ዝትከኣና ኣይኮነን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ሕጂ በሪኹ ወጺኡ ዘሎ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝባዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ሚድያውን መድረኻት ኣቃሊዕካ፡ ናይ ምድኻሙ፡ ምንጻሉን ምውጋዱን መስርሕ፡ ቅድም እውን ከም ናይዚ እዋና ምሩጽ ኣገባብ ቃልሲ ክሰርሓሉ ዝጸነሐ እዩ እሞ፡ ከይስልከየ ክደፍኣሉ እዩ። ኣብቲ ኣብ ጀነቭ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ሰፊሕ ሰልፊ ኣቦመንበ ብዝመርሖ ዝለዓለ ልኡኽ ዝተሳተፈን ኣብ መስርሕ ምድላዉ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ነገራውን ሞራላውን ኣበርክቶ ዝገበረን እውንካብዚ እምንቶኡ’ዚ ነቒሉ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

27 ሰነ 205

Last modified on Saturday, 27 June 2015 19:52