ኤርትራ ኣብ ጽላል ሕጊ ዘይኮነትስ ኣብ ስግኣት

2015-06-09 14:57:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3561 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጉዳይ ኤርትራ ከጻሪ ዝቖመ ኮሚሽን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጸብጻቡ ኣቕሪቡ። እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ፡ ኮሚሽን ናብ ኤርትራ ምእታው ስለ ዝተኸልከለ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ እሞ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ግፍዕታት ግዳያት ዝነበሩ 550 ኤርትራውያን ኣዘራሪቡን ዝቐረብሉ 160 ናይ ጽሑፍ ምስክርነትን መሰረት ብምግባርን ናብ 8 ሃገራት ብምጋሽን ዘካየዶ መጽናዕቲ እዩ ኣውጺኡ። እቲ ብዕምቆት ኣስታት 500 ገጽ ብዘለዎ ስፍሓት ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ ተጠርኒፉን ክኢላዊ መልክዕ ሒዙ ምውጽኡን ተዘይኮይኑ ንዓና ነቶም ኣንጻርቲ ናይዚ ኩሉ ኣበሳ ተሓታቲ ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ ዘለናን ነቲ ናይቲ በደላት ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝብናን ሓድሽ ኣይኮነን።

ናይዚ መጽናዕቲ ብኸምዚ መልክዕ ምውጽእ በቲ ሓደ ወገን ነቲ እቲ ጉጅለ ምስምሳት ብምምሃዝ ገበኑ ክሓብእ ዘካይዶ ዝነበረን ዘሎን ፈተነታት ዘምክንን ዘቃልዕን ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ንሕና ንገበናት እቲ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣቃሊዕና ለውጢ ንምምጻእ ደገፍ ደለይቲ ፍትሕን ራህዋን ከይፍለየና እንካይዶ ቃልስን ምሕጽንታን ዝድግፍ ከም ዝኸውን ጥርጥር የብሉን። እቶም ደጋጊምና “ቅትለት፡ ምስዋር፡ ደረት ዘየብሉ ማእሰርቲ፡ ምስቓይ፡ ሕማቕ ኩነታት ማእሰርቲ፡ ምንፋግ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብን ምእማንን፡ ምግዳብ መሰል ምንቅስቓስን ግዱድ ዕስክርናን ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮን …” እንዳበልና ወርትግ እንገልጾም ናይቲ ጉጅለ ግናይ መርኣያ ዘጉልሑ ተግባራት ኣብቲ ጸብጻብ ተዘርዚሮም ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ኢሳይያስ ገበኑ ሓቢኡ “ኤርትራውያን ዝስደዱን ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝሃልቁ ዘለዉን ኣብ ሃገሮም ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ብደላት ስለ ዘጋጠሞም ዘይኮነስ ዝሓሸ ቁጠባዊ መነባብሮ ሰለ ዝደለዩ እዮም” ክብሎ ዝጸንሐ ውስልትና እውን በዚ መጽናዕቲ ተቓሊዑ እዩ። ኮታ እዚ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ንምግላጽ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና ቅጽላት ብዝውክል መልክዑ፡ “ኤርትራ ኣብ ጽላል ሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ስግኣት እትነብር ሃገር” ብዝብል መሳጢ ሓረግ ገሊጽዎ ኣሎ። እዚ ጸብጻብ ነቶም ንኢሳይያስ ኮሓሒሎምን ጅቡኡ መሊኦምን ሰብ ከምስልዎ ዝደልዩ ወገናት እውን ደንጉዩ ዝመጸ ግና ኣፎም ዘትሕዝ መልእኽቲ’ዩ።

ህግደፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ተግባራ ብወዝቢ ዝካየድን ውልቀሰባት ዝሕተትሉን ዘይኮነስ ውዱብ፡ ረቂቕ ስልቲ ዝወጸሉን ቀጻልን ተግባራቱ ምዃኑ ንምብራህ ከዓ እዚ ጸብጻብ ቀንዲ ተሓተቲ መንግስታዊ ኣካላት ናይቲ ጉጅለ     “ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሓይሊ ፖሊስ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ህግደፍን ፕረሲደንትን” ተባሂሎም ኣብዚ መጽናዕቲ ተዘርዚሮም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ምሉእ ብምሉእ መለሳ ዘየብሉ ጸረ-ህዝቢ ምዃኑ መሊሱ ዘብርህ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ እዘን ገበነኛ ትካላት ዘለዉ ኤርትራውያን ንጹሃት እዮም ጥራይ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሶም ግዳያት ምዃኖም’ውን ክርሳዕ የብሉን። ነቶም ተገዲዶም ብረት ዓጢቖም ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየርብሕ ውግኣትን ጁባ ኣዘዝቲ ኣብ ዘህጥር ባርነትን ክጥበሱ ዝጸንሑን ዘለዉን መንእሰያት ከም ኣብነት ብምውሳድ።

ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቅላዕን ብሕብረሰብ ዓለም ከም ዝትፋእ ንምግባሩን፡ ናይዚ ጸብጻብ ምውጻእ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ዝበርተዐ ዕማም ግና ነዚ ጸብጻብ ናብ ግብራዊ ዓቕሚ ቀይርካ ከም ዘድምዕ ናይ ምግባሩ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ቃልሲ እዩ። ነዚ ንምትግባር ኣብ ዝጽበየና ዘሎ ቃልሲ እቶም ሰብ ጉዳይ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ እቶም ቀንዲ ሰብ እጃም ግና ውዳበናን ኣተሃላልዋናን ብዘየገድስ ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ሰላምን ልምዓት ኢና። እዚ ከዓ መሪሕ ግደ ህዝብና ብምብራኽ ጥራይ ዝዕወት ቃልሲ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ጀማሪት ጥራይ ዘይኮነትስ ኣብቲ ብመንገዳ ዘጽነዓቶ እሞ ድማ ንሕና በቲ ውሱን ድምጽና ከነቃለሖ ዝጸናሕና ሓሳብ ተመርኲሳ፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ቀጻዒ ስጉምቲ ክትወስድ ትጽቢት ይግበረላ። ናይቲ መጽናዕቲ ከካይድ ዝጸነሐ ኮሚሽን ኣደመንበር መፈጸምታ ናይቲ መጽናዕቲ ኣመልኪተን “ኣብ ኤርትራ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ በኩራት ፍትሒ ኣወጊድካ፡ ፍትሒ ንምንጋስ ሕብረተሰብ ዓለም ተወፋይነቱ ዳግማይ ከሕድስ ንጽውዕ” ዝበለኦ ድማ ነዚ ዘመላኽት እዩ። እቲ “ማዕቀብ ኣይነፍሕ ኣይቀርጽ” ክብል ዝጸነሐ ጉጅለን ሰዓብቱን ከዓ ኣብቲ ዘሕምሞ ግና ኣብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ህይወት ህዝብና ማህሰይቲ ዘየስዕብ ኣካሉ ክቕንጠው ይግበኦ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ንዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ኣብ ዘርኢ ክፋል፡ “ዓለም እቲ ንህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት ክትፈልጥን ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ክድግፍን ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና” ብዝብል ኣስፊርዎ ካብ ዘሎ መትከል ነቒሉ ቃልሱ ኣብዚ መዳይ ክቕጽሎ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ምስዚ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዞ ጸብጻቡ ዘቕርብ ዘሎ ኮሚሽን ኣብ ምትሕብባርን ካለኦት ዞባውን ዓለምለኻውን መድረኻት እንዳተጠቐመን ነናብ ዝምልከቶም መዘክራት እንዳቕረበን ከካይዶ ዝጸንሓ ንህግደፍ ናይ ምቅላዕ ቃልሲ ኣብ መጻኢ እውን ክሳብ ዓወት ክደፍኣሉ ናይ ግድን እዩ።

ብህዝባዊተሳትፎዝዕወትፍትሓዊ  ቃልስና  ብሓድነትና  ይዓኩዅ!

9 ሰነ 2015

Last modified on Tuesday, 09 June 2015 16:59