ናጽነትና መሰረት መጻኢ ዓወትና’ዩ

2015-05-22 04:19:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3469 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

እነሆ ዑደት ግዜ ስለ ዘየቋርጽ ኤርትራ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ካብ እትደፍእ 24 ዓመታት ኮይኑ፡ መበል 25 ዓመት ናጻነት ክንሕዝ ንቀራረብ ኣለና። ኣብዚ ኣጋጣሚ ኢና ድማ “ግዜስ ስርሑ ኣይገደፈን ንሕናኸ?” ዝብል ሕቶ ክንሓትትን ክንምልሶን ዝግበኣና። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጻነት ብብዙሕ ምዕራፋት ዝሓለፈን ነዊሕ ኮርኳሕ ግዜ ዝወሰደን ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ሰብ ጉዳይ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጹርን ኣብ ናይ ጽንዓትን ዓወትን መዝገብ ግቡእ ክብሪ ዘለዎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ “ልምዓት ብጽንዓት” ዝጭርሕ እውን ነዚ ናይ ህዝብና ዘይሃስስ ሓለገት ንምምዝማዝ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዓመጽን ሓይልን ፍትሕን ጹረትን ስለ ዘቐድም፡ ቅድሚ ናብቲ መሪር ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ምእታዉ ኣብ መዳይ ፖለቲካውን ፍትሓውን ቃልሲ ነዊሕ ተጓዒዙ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ጸቢብ ረብሓኦም ዝቓነዩ ናይ ርሑቕን ቀረባን ናይ ታሪኽ ጠምዘዝቲ ሓይልታት ፍትሓዊ ድምጺ ህዝብና ሰማዒ ኣይረኸበን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ናጻነቱ ብቃልሲ እምበር ብትኳቦ ከም ዘይረክብ ስለ ዝተረደአ ቅድሚ 54 ዓመታት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክወፍር ተገደደ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ከዓ ናጽነቱ ብቓልሱ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ መድረኽ ቃልሲ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ዋላ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ኒሑን ተወፋይነቱን ኣዝዩ በሪኽ፡ ዓቕሙ ግና ድሩት እንተ ነበረ ናብ ዓወት ንምብጻሕ ዝኸፈሎ ዋጋን ዘርኣዮ ጽንዓትን መዳርግቲ ከም ዘይነበሮ ኣብ ቅድሚ ናይ ናጽነት ቃልሲ ተመኩሮታት ክቡር ቦታ ዘለዎ እዩ። ኮታ ናይዚ ሒደት ጥራይ መዋዳድርቲ ዘለዉዎ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝርዝር ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነን፡ ቆላሕታና ናብ መጻኢ ዕማምና ዘመዓዱ ክኸውን ስለ ዝግበኦን ድሕሪት ተመሊስና ነቲ መስተንክር ተጋድሎ ኣይክንዝርዝርን ኢና። ”ክብርን ሞጐስን ነቶም ምእንቲ ናጽነት ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሰማእታት” ክንብል ግና እዋኑ እዩ።

ናይዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ታሪኽ ወነንቲ ክኾኑ ዝወጣወጡ ስሱዓት ወገናት ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብኣቶም ዓመጸኛ ጉጅለ ህግድፍ እዩ። እንተኾነ ዝተባህለ እንተተባህለ ዋና ናጽነትን ናይቲ ምእንትኡ ዝትኸፍለ እልቢ መስዋእትነትስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ። ብመንጽር እዚ እቲ ጉጅለ ህግደፍ “ነጻነት ናተይ ስለ ዝኾነት ባህ ብዝብለኒ መንገዲ ክጥቀመላ እየ፡ ንህዝቢ ከዓ እንተፈተኹ እተኹበሉ፡ ባህ ተዘይበለኒ ከዓ እነፍጎ” ዝብሎ ትዕቢት ውጹእ ስርቅን ቅጥፈትን ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምግላጹ ኣገዳስን እዋናውን እዩ። ሎሚ ብተግባር ህዝብና ናይ ፍረ ናጽነት ተጠቃሚ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዝገደደ ህይወት እዩ ዝነብር ዘሎ። ከም መርኣያ ናይዚ “እዛ ናጽነት እዚኣስ ብኻ መተረፈትና” ዝብል ምቑርምራም ኣብ ዝስመዓሉ ደረጃ ምህላውና’ውን እንኽሕዶ ዘይኮነስ፡ ብቓልሲ ክንቅይሮ ዝጽበየና ዘሎ ሃዋህው እዩ። ንናጽነት ኤርትራ ወይ ካብ ቅድም ዘይድግፍዎ፡ ወይ ድማ በዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግዝያዊ ጸገማት ተሰናቢዶም ዝተጣዕሱ ንናጽነት ከም ጠንቂ ናይዚ ህልዊ ጸገማት ኣምሲሉ ዘቕርብ ቁርምርም ዘንበድብዱ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ግዳም ሓይልታት ከም ዘለዉ እውን ምልክታት ኣሎ። “ኤርትራ ሞይታ እያ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝፈሰሰ ደም ከንቱ እዩ … ወዘተ” ዘርእስቱ ጽሑፋት ምቕልቃሉ ክዓ ናይዚ ምልክት እዩ። ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና ክንሳ፡ ቆጽላ ለምሊሙ ፍሪኣ ከም ዘይብላዕ ተኽሊ እትምሰል ኮይና ከም ዘላ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ መፍትሒ ከዓ ነታ ተኽሊ ምኽሓዳ ዘይኮነስ፡ ህዝባ ዝዕንገለሉ ፍረ እተፍሪ ተኽሊ ንምግባራ ምቅላስ ጥራይ’ዩ።

“ናይዚ ኤርትራ ዘላቶ ሕማቕን ዘሻቕልን ሃለዋት ጠንቂ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያንን ካለኦት ደለይቲ ፍትሕን ራህዋን ዝመላለስ ጌና ዘይተመለሰ ጉዳይ እዩ። ጸገም ካብ ኣጋጣመ ንጠንቁ ዝምልከት ሕቶ ክለዓል ከዓ ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ናይዚ ሕቶ ከዓ ከከም መለስቱ ብዙሕ እዩ። መብዛሕትኡ ካብቲ መልስታት ግና ዘይመልሲ እዩ። ንዕሸልነት፡ ንዋሕዲ ህዝቢ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ባዕድነት ምጽናሕ … ወዘተ ኤርትራ ከም ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ዘላቶ ሃለዋት ኣምሲሎም ዘቕርቡ ወገናት ኣለዉ። እምበኣር ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ብውሕዱ ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት እቲ ጠንቂ ናይ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ምዃን ከም ዘይኮነ ኣድሚቕካ ምጥቃሱ ኣዝዩ ኣገዳስን እውናውን እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ቀንድን መሰረታውን ጠንቂ እቲ ኣበሰኛ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጠሮ ጸረ ህዝቢ ምምሕዳር እዩ። ናይ ኤርትራ ናጽነት እምበኣር ናይ’ዚ ህዝባ ዝሓልፎ ዘሎ መከራ ጠንቂ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ መጻኢ ራህዋኣ፡ ሰላማ፡ ዕቤታ፡ ፍትሓውነታን ክብራን ድልዱል መሰረት እዩ። ንመጻኢ ብሩህ ተስፋን ራህዋን ከነማዕዱ እንከለና፡ ከምቲ ሓደ ምስ በልካ ክልተ ዝበሃል፡ ኣቐዲምና ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ናይ መጻኢ ዓወትና መንጠሪ ናጽነት ኢና ኣጽኒዕና ክንዕቅቦ ዝግበኣና። ብመሪር ግና ድማ ብቓልሲ ክሕለፍ ብዝኽእል ጸገማት ተሰናቢድካ ኣብ ኢድካ ንዘሎ ናይ ደም ዋጋ ዝተኸፍሎ ክብሪ ዘይምዕቃብ ግና መጻኢ ትጽቢትካ ዘጸልምት ጥራይ ዘይኮነ ንጉጅለ ህግደፍ እውን ዘይግበኦ ንሱ ጥራይ ንናጽነት ከም ዝግደስ ዘምስል ብልጫ ምሃቡ እዩ ዝኸውን።

ምስ ጉጅለ ህግደፍ እንጸባጸበሉ ብዙሕ ጉዳያት ኣለና። ሓደ ካብኡ ንግደን ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጊዑ “ናጽነት ዘምጻእኩ ኣነ እየ። ናይ ጸጋታቱ በይናዊ ተጠቃሚ ኸዓ ኣነ እየ።” ዝብል ቅጥፈቱ እዩ። ብሰንኪ ካብዚ ክሕደቱ ነቒሉ ዝዘርግሖ በደለኛ ምምሕዳር’ዩ ድማ ህዝብና እቲ 24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ክትቀርብ እንከላ ዝፍሳህ ዝነበረ መንፈሱ ክጽወግ፡ እቲ ንኽብሪ እዛ ዕለት ኢሉ ዝሰርሖ ዝነበረ ዳሳት ክጥምዝሕን ተሳተፍቱ ኣዝዮም ክውሕዱን ንዕዘቦ ዘለና። እዚ ግና መግለጺ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎ ጽልእን ቂምን እምበር፡ መርኣያ ጣዕሳ ናይቲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሎ ክቡርን ኣብነታውን መስዋእትነት ፈጺሙ ኣይኮነን። ንክብሪ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኣዳራሻት ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጣዊ ኣዳራሻቱ ከም ዘኽብራ ከዓ ፍሉጥ እዩ።

መበል 24 ዓመት መዓልቲ ነጻነት እምበኣር ኣብ ዝሓለፈ ጉዳያት ኣህህህ እንብለላ ዘይኮነትስ፡ ብዛዕባ መጻኢ መዋጸኦ እንሓስበላን እጃምና ከነበርክት ድልዋት ምዃናን ዘይምዃናን ቅድም ምስ ሕልናና ደሓር ድማ ምስ ከማና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን እንላዘበላን ንመጻኢ ንቕሎ ቃል እንኣትወላን ዕለት እያ ክትከውን ዝግበኣ። ቃል ክንኣቱ ክንብል እንከለና ንቡር ስለ ዝኾነ ንማለቱ ንምባል ዘይኮነስ፡ ነቲ እትብሎን እትብህጎን ክትትግብር ናይ ብሓቂ ድልዊ ብምዃን እዩ።

19 ጉንበት 2015

Last modified on Friday, 22 May 2015 06:23