ፖለቲካዊ ምኽንያት እምበር!

2014-12-04 16:20:42 Written by  EPDP Editorial Board Published in EPDP Editorial Read 3322 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኤርትራ ሃገርና ኣብዚ ሎሚ እዋን ብበበዓይነቱ  እሞ ድማ ኩሉ ሕማቕ መዳያት ኣብ እትግለጸሉ ኩነታት ኢና እትርከብ ዘለና። ካብቲ ብዙሕ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ዝግለጸሉ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ  ሳዕሪሩ ዘሎ ኣበራት፡ እዚ ዝስዕብ ኩላትና እንረዳዳኣሉ  ከም ኣብነት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ናይ ሎሚ፡

      • ኩሉ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዝተሓረማ፡ ዜጋታታ ኣብታ ብመሪርን ነዊሕን ብመስዋእትነት ዘረጋገጽዋ ሃገሮም እግሮም መሊኦም ዘይስጉምላ፡ ኣፎም መሊኦም ዘይዛረቡላ፡
      • ሕግን ሕጋውነትን ዝበኾረላ። ዜጋታት ኣብ ጽላል ሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ጽቡቕ ድሌት ውልቀሰባት ሰማይ ደጊፎም ዝሓድሩላ። ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ ዝዕንድረላ፡ እተቐጽዑ ብዱላት ስለምንታይ ኢሎም ዘይሓቱላ። ዝተኣስሩ  ዝተኣሰርሉ ቦታ ዘይፈልጥሉን ብቐረቦም ከይተሓቱ ዝሕብኡላ፡ ኮታ ጥርጡራት ነብሶም ናይ ንምክልኻል ሕጋዊ መሰል ዝተነፍጉላ፡
      • እኹል ዝብላዕ መግቢ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ጸዓት፡ ሕክምና ኮታ ኩሉ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝወሓደላ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ትምህርቲ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ትሑት ደርጃ ዝወደቐላ፡
      • መሰል ምውዳብ፡ ምቅዋምን ሓሳብካ ምግላጽን ዝተሓረመላ። ብዘይካ ናይቲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ልሳናት ንሳተን እውን ድኹማት ናይ ብሕቲ ሚዲያ ዘየብላ፡ ብዛዕባ’ቲ ገዛኢ ጉጅለ ምቅዋም ዘይኮነስ ምዕላል እውን ዝተኸልከለላ፡
      • መንእሰያት ዕላማኡን መወዳእታኡን ኣብ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ተጸሚዶም፡ ብጉልባብ ምህናጽ ሃገር ብዘይክፍሊት ኣብ ጥሙይ ከብዶምን ዕሩቕ ዝባኖምን፡  ናይ ውሱናት ሰብ ጽሩራ ሃነጽቲ ኣባይትን መልማዕቲ መስኖን ዘመናውያን ባሮት ኮይኖም፡ ወይ ተማሂሮም ንነብሶም ኮይኖም ሃገር ዝሃንጽሉ ፍልጠት ዘይረኽቡላ ወይ ድማ ናብራ መስሪቶም ወለዶ ንምትካእ ዘይወልዱላ
      • መሰል ዜግነትካ ተጠቒምካ፡ ብዘለካ ዓቕሚ ሰሪሕካ ዘይትበልዓላ፡ ብናታቶም ህርኩትና፡ ብፍላይ ኣብ መዳያት ህንጻን ትራንስፖርትን ክንቀሳቐሱ ፈቲኖም ዝነበሩ ዜጋታት ዝተፈላለየ ምስምስ ብምቕራብ ፈቓዳቶም ምስ ተመንዘዐ፡ ዝርካቡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ንጥፈታት ናብ ኢድ እቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዝወደቐላ፡ ዓዲ ከለዎም ዓዲ ዝሰኣኑ ደቃ ከይፈተዉ ምዩቕ እንዳበሉ ብዘይውሕስነት ዓዲ ካለኦት ከልምዑ ዝተገደዱላ፡
      • ዜጋታት እምነቶም ብነጻ ዘየዘውትሩላ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ናቱ ሰለይቲ እንዳመደበ፡ ኣመንቲ ንጽድቂ ኢሎም ዘበርከትዎ ሞባእን ንዋየ ቅዱሳንን በቲ “መንግስቲ እየ” ብዝብል ጉጅለ ዝውረሰላ፡
      • ብሰንኪ ሕማቕ ባህርያት ናይቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ካብ ጐረባብታ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ስለ ዝተነጸለት፡ ኣብዚ ሎሚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ናብ ቁሸት ዝተቐየረትሉ ናይ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ መዋእል፡ ኣብ ዓዲ ዝነብር ህዝባ ካብ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት መሕለው ትንፋስ ዝኸውን ሐገዝ ከይረክብ ጅሆ ዝተታሕዘላ። ኣብ ውጻኢ ዝነብር ህዝባ ድማ “ኤርትራዊ እየ” ንክብል ዝስከፈላን ኣብ ግዜ ሐጐስን ሓዘንን ናብ ዓዱ ክመጽእ ዘይክእለላ፡ ጸቢብ ዕድል ክረክብ እንከሎ ከዓ ዕረ እንዳጠዓሞ ንህግደፍ ክምርቕን ክግብርን ዝግደደላ፡

ብሓፈሻ፡ ብዘይ ናይ ህዝቢ ፈቓድ ብኢደወነኑ ስልጣን ብዝጨበጠ ጉጅለ እትግዛእ፡ መቆጻጸሪ ሕገመንግስቲ ዘየብላ፡ ሃገር ክንሳ ዳርጋ ብምልእታ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር ኮይና ኣላ ምባላ ዝቐልል ሃገር ኮይና ኣላ ኢልካ ምጥቕላል ኣብ እትግደደሉ ደረጃ እትርከብ፡ ካብዚ ንምውጻእ ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪራ  ደቃ ከድሕንዋ እትምሕጸን ዘላ ሃገር እያ ኤርትራ ናይ ሎሚ።

ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝተጠቕሰ ናይ ጸበባ ኩነታት ክነብር እንከሎ፡ ዋላ መርበብ ስለያን ምቁጽጻርን ገዛእቱ ይጽናዕ፡ ዋላውን ኣርዑት ወጽዓ ይኽበዶ ካብዚ መቑሕ ክወጽእ ፍሕትሕት ምባሉ ዘይተርፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ህዝቢ ንኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ኣይተቐበሎን ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ኣርዑት ናይ ምውጻእ ንያቱ እንዳበረኸ ክኸይድ ናይ ግድን እዩ። እምቢ ንመሰለይ ነጻነተይ ምባል ከዓ ንህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ሕመረት ታሪኹ እምበር ሎሚ ከም ሓድሽ “ሀ” ኢሉ ዝመሃሮ ኣይኮነን። ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ሓደ ካብ ናይ እምቢ ኣይግዛእን መለለይኡ እምበር ጁባኡ ንምምላእ ዝመረጾ ኣይኮነን። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ስደትን ቃልስን ንኤርትራውያን ተመላላእቲ እዮም ነይሮም እንብል።  እቲ ካብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ክርአ ዝጸንሐን ዘሎን ስደት  ብብዝሑ ኣዝዩ ዘሰንብድ፡ ብጠንቁ ድማ ከምቲ ናይ ቀደም ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኤርትራዊ ክንሱ ልዕሊ ባዕዳውያን ዝውጽዕ ኣካል ዝጠፈጠሮ ምዃኑ ፍሉይ ባህሪ ዘለዎ እዩ። እቲ ቅድም ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ካብዚ ሎሚ ንነብረሉ ዘለና ዝተፈልየ ምዃኑ’ውን ንትሕዝቶ’ቲ ናይ ሎሚ ስደት ፍሉይ ይገብሮ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ጉዳይ ስደት ክለዓል እንከሎ ቅድሚት እትስራዕ፡ ጉዳይ ልምዓትን ሰላምን ክዝርዘር እንከሎ ድማ ስማ ዘይለዓል ሃገር ኮይና ከም ዘላ ኣዝዩ ዘሕዝነና ግና ድማ ክንክውሎ ዘይንኽእል ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ድሕሪቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኣብ ዓለም ኣዛራብነቱ መሊሱ ገኒኑ እዩ። ብዘይካ’ቲ ጉዳይ ስደተኛታት ብቐጥታ ዝምልከቶ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓልፉለንን ዘዕርፉለንን ሃገራት እውን እዚ ዛዕባ ኣጀንደአን ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ንተደጋጋሚ ኣውያትና ሰሚዑ፡ ህልዊ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን ኩነታት ኤርትራ ዘጻሪ ኣካል ክሳብ ምምስራት ክበጽሕ እንከሎ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ካብቲ ደራኺ ረቛሒታት ቀንዲ ከም ዝኾነ ንጹር እዩ። ናይዚ ስደት ጠንቂ እቲ ኣብ መእተዊና ተዘርዚሩ ዘሎ ሳዕቤን ኣሉታዊ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ርኡይን ግሉጽ’ኳ እነኾነ፡ እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ምጽራይ  ዕምቆት ገበን ናይቲ ጉጅለ ንምፍላጥ ሕጋዚ ክኸውን እዩ። ነዓና ንኤርትራውያን ግና ብዘይምጽራይ’ውን በዳሊና ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከይተጻረየ ጽሩይ እዩ።

ሃገራት ንጉዳይ ስደት እውን ከም ዝኾነ ተረኽቦ መምስ ረብሓአንን ጸጥታአንን ኣዛሚደን ክርእይኦ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ እየን ድማ ዝተወሰና ሃገራት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዕቑባ ካብ ምሃብ ኢደን ምስሓብ ምእንቲ ክጥዕመን፡ ካልእስ ይትረፍ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዓዲ ክወጹ ንዝፍትኑ ብዘይፍርዲ ክርሸኑ፡ ቤተሰብ ናይቶም ብናታቶም ውሳነ ዝስድዱ መንእሰያት ብኣሸሓት ዝግመት ናቕፋ ንክኸፍሉ ንዘውጸኦ ሕግታት ዕሽሽ ብምባል፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ቁጠባ እምበር፡ ናብ ዓዶም ዘየምልስ ፖለቲካዊ ጸገም የብሎም ክብላ ይደናደና ኣለዋ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ዓይኖም ብጨው ተሓጺቦም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ደልሃመት እንዳ ፈለጡ፡ ካብ ከም በዓል ሱዳን ተጨውዮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን መሃላልሞም ከም ዝጠፍእ እንዳተረድኡ፡ ናይዘን ሃገራ መዳመቕቲ ክኾኑ ክወጣወጡ እንከለዉ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስደት ሓደ ካብ መርኣያታት ተቓውሞ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ እምበር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከም ዘይኮነ እንዳኣመነ፡ ነዚ ንቀጻልነትና ሓደገኛ ዝኾነ ስደት ብዝምልከት ብዕቱብነት ካብ ዝቃለሰሎም እዋናውያን ዛዕባታት ሓደ ንሱ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ 3ይ ዓመታዊ ጉባአ ሰደህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነቲ ብስም ሰልፉ በብእዋኑ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ዞባውን መድረኻት ክቐርብ ዝጸንሐ መዘክራትን ምሕጽንታታትን ዝያዳ ንምርጓድን ንምጽብራቕን፡ ብ28 መስከረም 2014 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ኣብቲ ንስደተኛታት ዝምልከት ክፋሉ … the dictatorship in our country is the root cause for the continued influx and displacement of our people, which is resulting in the loss of hundreds and thousands of Eritrean lives across the world ….  International community, United Nations refugee agencies, and host countries to protect and assist Eritrean refugees according to the provisions established in the various refugee conventions and protocols (ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶር፡ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ኣሸሓት ኤርትራውያን ህልቂት ዘስዕብ ዘሎ ዋሕዚ ናብ ስደትን ምምዝባልን ተሓታቲ እዩ። ….. ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላት ስደተኛታትን  ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖቡለን ሃገራትን፡ ብመሰረት ንስደተኛታ ብዝምልከት ዝተበጽሑ  ስምምዓትን ውዕላትን  ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከዕቁባን ክሕግዛን ንጽውዕ።) ዝብል ይርከቦ።

ሓደ ሓደ ካብቶም ዝስደዱ መንእሰያት “ንሕና ዝሓሸ መነባብሮ ንምርካብ ኢና ተሰዲድና እምበር ኣብ ኤርትራ ጸገማት ኣይነበረናን” ክብሉ ይስምዑ እዮም። “ሃብቲ ደኣ ኣብ ኤርትራስ ሰሪሕካ ክርከብ ይኽእል እንድዩ” ምስ በልካዮም ድማ “እወ ግና እቲ መንግስቲ ኣየስረሓካን እዩ” ብዝብል ነቲ የብልናን ዝበልዎ ጸገም ከም ዘሎ ባዕላቶም ይድርጉሕዎ። ቅድሚ ኹሉ እዞም ከምኡ ዝብሉ ኣዝዮም ውሱናት ነቲ ዝበዘሐ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ገበን ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተሰደን ናብ’ቲ ጉጅለ እንተተመሊሱ ዝወርዶ ግፍዒ ዝርዳእን ክፋል መግለጺ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ብዓብይኡ ድማ እቲ ኣቐዲምና ዚርዚርናዮ ዘለና ጸገማት ኣይኮነንዶ ነቲ ስርዓት ገዲፉ ዝተሰደስ እቲ ስርዓት ውን ዘይቅቡል ምኽንያት ከቕርበሉ ተዘይኮይኑ ክሓብኦ ዘይክእል ናብ ስደት ደፋኢ ኩነታት ምህላዉ ዘረድእ እዩ። እቶም ዝተወሰኑ ነቲ ኩነታት ሸፋፊኖም ክሓብእዎ ዝፍትንሉ ምኽንያት ብናትና ግምት፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገም ኣሎ እንተበሉ ጽቡቕ ስም ሃገር ዝድውኑ ዘለዉ ዝመስሎ፡ ምናልባት እውን ካብቲ ጉጅለ ስለ ዘይበተኹ ደሓር ናብኡ ንምምላስ ንከየጸግሞም ክኸውን ይኽእል። ወይ እውን ከምዚ ገለገለ ወገናት ንጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከናእስዎ ዝፍትኑ፡ ካብ መጀመርታኡ ካብቲ ጉጅለ ምስሉ ንከመላኽዑ ዕማም ተዋሂብዎ ዝለኣኹ ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ሳሕቲ ኣብ ፈቐዶ እንዳህግደፍ እንደኸድካ ዝረአ ሳሕቲ ምኽታም ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ ኸዓ ነዞም ዳሕረዎት ዝተጠቕሱ እዩ ዘዘኻኽረና።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጠንቅነት ስደት ንክሃድም፡ ንሓንሳብ ንኹለን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንሓንሳብ ንሲኣይኤ ንሓንሳብ ድማ ንጐረባብቲ ሃገራትን ንውልቃውያን ነጋዶ ደቂ ሰባት ከላግበሎም እዩ ዝፍትን። እንተኾነ ከምቲ “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል ንሱ ባዕሉ ንስደት ዝደፋፍእ ኩርኳሕ ኩነታት እንተዘይፈጥር እቲ መንእሰይ’ውን ኣብ ሃገሩ ራህዋ እንዳሃለወ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓምዮ ናይ ግዳም ጐስጓስ ናብ ስደት ኣይመመረጸን። ብዝኾነ ኣብዚ ዛዕባዚ ንጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓሩ ተዘይኮይኑ ምዒድካ ናብ ልቡ ምምላሱ ስለ ዘይከኣል፡ ግዜ ንወስደሉ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጉዳይና፡ እምበኣር ሃገራት፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝነዝሖ ናይ ሓሶት “ናብ ዓዶም ምምላስ ዝኸልክሎም ኣካል የለን” ዝብሎ ምምጽዳቕ ከይተዓሸዋ፡ ድሕረትን ድኽነትን’ኳ ጽልዋ እንተሃለዎም፡ ናይቲ ስደት ቀንዲ  ጠንቂ ፖለቲካዊ ምዃኑ ተገንዚበን ብመሰረት ዘለወን ዓለምለኻዊ ግዴታን ሓላፍነትን ዝከኣለን ክገብራ ጻዋዒትና ንምቕራብ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ረጊኦም ብዛዕባ መጻኢኦም ዝሓስብሉ ዕቑባ ክሓቱ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሕስ ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ ኩነታትካ ብዝፈቕዶ ምቅላስ ምዃኑ ከይዝንግዑን ከየራጥጡን ንምሕጸኖም።

5 ታሕሳስ 2014 

Last modified on Thursday, 04 December 2014 17:40