EPDP News

ኣባላት ናይ ዓለም መራሕቲ ዘይሻራዊ ጉጅለ (THE ELDERS) ኣብዚ  ቅንያት መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብዚ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ተኹሲ ኣቋሪጾም ንክዛተዩ ዘተባብዕ ስጉምቲ ንክወስድ ሓቲቶም። ብመሰረቲ ብማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝተዘርሐ ሓበሬታ፡  እዞም ኣባላት እቲ ጉጅለ ነዚ ሕቶዚ ዘቕረቡ፡ ዓለም ለኻዊ ሰላምን ድሕነትን ንምስፋን ግደ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እዩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብሓድነት ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ግደኡ ክገብር እውን ኣባላት እዚ ዘይሻራዊ ጉጅለ ጸዊዖም።

ኣብ ዓለም ይረኣዩ ካብ ዘለዉ ቅልውላዋት ተባሂሎም ኣብቲ ኣጋጣሚ  ካብ ዝቐረቡ ጉዳያት፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ናይ ኣፍጋኒስታን፡ ሚንያማር፡ ከምኡ እውን ናይ ፍልስጤም  ተጸሪሖም። ናይዚ እዋንዚ ናይቲ ጉጅለ ዓበይቲ ሰባት መራሒት ናይ ኣየር ላንድ ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ፕረሲደንትን  ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ዝነበራን ሜሪ ሮቢንሰን  “ውግእ ጠጠው ምባል፡ ይረአ ንዘሎ ስቅያት ንምውጋድ መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ እዩ” ኢለን።  ኣተሓሒዘን ከኣ ምስ ምግዳድ እቲ ውግእ ንሓለዋ ደቂ እንስትዮን በጽሕታትን ቀዳምነት ክወሃብ ኣትሪረን ተምሕጺነን።

እተን መራሒት ናይቲ ጉጅለ ኣተሓሒዘን፡ “ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ብሰንክቲ ውግእ ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰትን ዋሕዲ መግብን መግለጺ ተዋሂብዎ እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ትግራይ ወሲባዊ ዓመጽን ጥሜትን ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ምጥቃም ወሲኽካ ብዙሕ ግህሰት ይፈጸም ከም ዘሎ ተገሊጽሉ እዩ” ኢለን።

ኣብ ርእሲዚ  እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንክርዳእ ንትግራይ ወሲኽካ ኣብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እሞ ነቲ ኩነታት ህጹጽ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ከም ዝግባእ ጠቒሰን። “ወተሓደራዊ መፍትሒ ግና ኣይረብሕን እዩ”  ኢለን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተወካሊት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣንበሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ “እዚ ጉጅለ ዓበይቲ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ምምኽኻር ንድፎ ኢና።”  ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ምምዛዞም ጽቡቕ መርኣያ እዩ ኢለን።

ኣብ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ውግእ 10ይ ወርሑ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ  ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ  ናይ ብዙሓት ሰባት ምምዝባልን ሞትን የኽትል ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ህዝቢ መሲሉ ምቕራብ  ካብ መለለይታት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን “ዓይንን ሓመድን” ኢልና እንገልጾ። ነቲ ዝምድና ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርሕሓቕ ዘምጸኦ ከኣ ናይቲ ጉጅለ ብዙሕን ተደጋጋምን ጥልመታት እዩ።

ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ምርሕሓቕ ካብ ዝፈጥርዎ፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቃልሱ ናጻ ኣውጺኡ ብድምጹ ልኡላውነት ዘልበሳ ሃገሩ ብሕገ-መንግስቲ ክመሓደር ክደሊ እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ብኣንጻሩ ሕገመንግስታዊ መሰረት ብዘየብሎም ግዝያዊ ኣዋጃትን ምስጢራዊ መምርሕታትን ይመርሕ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ብዝተመስረተ መሰላቱን ሓርነታቱን ክሕለወሉ ይደሊ፡ ህግደፍ ከኣ ብጉልበትን ዓመጽን፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምውዳብን ናይ ምእማንን መሰላትን ናጽነትን ህዝቢ ይነፍግ። ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ክወሓሰሉ ይብህግ፡ ብኣንጻርዚ፡ እቲ ጉጅለ ህውከት ይጽሕትር፡ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከይሓርስን ከይነግድን ኢደ-እግሩ ኣሲሩ ይሕዞ። ብኣድላይነት ዲሞክራስን ህዝባዊ ምርጫን ከኣ ይዋራዘ።

እቲ ዘገርም፡ ህግደፍ ነቲ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ባህጊ ዘየንጸባርቕ ተግባሩ፡ በቲ ህዝቢ ክኾነሉ ዝጽበዮ  ከመላኽዖ፡ ከምቲ “ትጽቢት ህዝቢ እናጨረሐ ድሌቱ ዝገብር ጉጅለ” ዝበልናዮ፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ምቁር ቃላት ዝተነድቀ መዳህለሊ መደረታትን መግለጽታትን ዘውጽእ ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኳ ሓርነት ዘይብሉ ግዙእ ህዝቢ ሂወት ዘለዎ ህዝቢ ክብሃል ስለዘይክኣል፡ ከም ህዝቢ ህያው ንክኸውን ከኣ ንሓርነቱ ዝሕተት ዋጋ ክኸፍል ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈል ከፊሉ ሓርነቱ ብምጭባጥ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋገረ።” ዝብል ሓሳብ ንረክብ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ህልም ዝበለ ጭቆና ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ደፊንካ፡ በዚ ኣበሃህላ ከተዕሽዎን ከይተሰጋገረ እንከሎ፡ ከተሰጋግሮ ምፍታንን እምበኣር፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ  “ነቲ ርኡይ በደሉ የለን፡ ነቲ ዘይድህሰስ ተስፋኡ ድማ ኣሎ” ክብል ይህቅን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ ሕድሪ ሰማእታትን ህዝቢ ዘንበረሉ እምነትን ኣኽቢሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሉእ ትርጉም ዘትሕዞ፤ መስርሕ ንምምላእ  ንቕድሚት ምስጓም ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣተዓባቢኻን ብሒትካን ብምዝንታው ጥራይ ኣብታ ዝነበራ እዩ ጠጠው ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ባዕሉ ዝሰርሖን ክቡር ህይወት ደቁ ዝኸፈለሉን ታሪኽ ንድሕሪት እናተመልሰ ዝጽብጽበሉ ጥራይ ዘይኮነ ንቕድሚት እናማዕደወ መጻኢኡ ዘጣጥሓሉ እዩ ዝጽበ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ማእከሉ ድሌት ህዝብን ዕቤት ሃገርን ኣብ ድልዱል ባይታ ምህናጽ ዘይኮነ፡ ዋላ ትድከን መንእሰያታ ተሰዲዶም ትባድምን ኣብታ ብደም ጀጋኑ ዝመጸት ሃገር ጸቢብ ዘይህዝባዊ ዓንኬል ፈጢርካ ንኹሉ ህዝቢ ዝጠልቦ ጸማም እ ሂብካ ስልጣንካ ምድልዳል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መድረኽ ግዜ ናጽነት ምኹዳድ እምበር  ንቕድሚት ኣይሰጐመን። ሎሚ’ሞ ኸዓ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምልክታት እውን የርኢ ኣሎ።

እስኪ ሓንቲ እናስሓቐት   እተተሓሳስብ ጉዳይ ክንጠቅስ “ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መደብ ኤርትራውያን ህጽናት፡ ነሽነሽ ኣብ እትበሀል ተለቪዥን ብዩቲብ ዝተዘርሐት እያ። ሓደ ህጻን ናጽነት መን ኣምጺእዋ ምስ ተባህለ “ሓደ ሰብኣይ” ኢሉ መሊሱ። ካልእ ህጻን ከኣ መራሒ ኤርትራ መን ይበሃል ምስ ተባህለት “ኣብይ” ኢላ መሊሳ።” 

ጉጅለ ህግደፍ ተግባሩ ፊትንፊት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ዝመስል ጭረሖ ካብ ምስማዕ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መግለጺኡኳ፡ ነቲ  ኤርትራ ከይትዓብን ከይትህነጽን ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ድኽነት፡ ድሕረት፡ ስደት መንእሰያትን ምንዋጽ ሓድነት ህዝብን ደፊኑ፡ ኣሽኻዕላል ብዝመስል፡ “ድሕሪ ናጽነት፡ ነቲ ዘይከውን ዝተባህለ ምዕቃብ ናጻ ሃገር ክዉን ዝገበረ፡ ንመጻኢውን ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ናይ ራህዋን ልምዓትን ፍትሕን ሃገር ምህናጽ ዝክኣል ክገብሮ ዘኽእሎ ብቕዓት ይውንንዩ።” ዝብል ዝርከቦ ሓሳብ ኣስፊሩ። እቲ ዓቕሚ ዝብሎ ዘሎ ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማለቱ እንተኮይኑ በዚ’ሞ ዝጠራጠር ኣካል የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ንዓኡ እትመስልን ባህጉ እተረጋግጽን ሃገር ናይ ምህናጽ ዕላማ ከዕውት ካብ ዘድልይዎ ቀንዲ መሳርሕታት ሓድነቱ እዩ። ሓድነት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዕዋቱ ቀንዲ መፍትሕ ምዃኑ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ጸላእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈርህዎ ብብዝሑ ወይ ብዕጥቁ ዘይኮነ ብሓድነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር እቲ ቀንዲ መሳርሒ ሓድነቱ ምድኻም ምዃኑ ኣሚኖም ንምብታኑ ዝጸዓሩ ግና ዘይተዓወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ናይ ጸላእቱ ዘይምዕዋት፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከኣ ህግደፍ እውን ኣጸቡቑ ዝፈልጦ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ’ውን ካብቲ ህዝቢ ንምድሃኽ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ሓድነት ህዝብና ምድኻም እዩ።  

እቲ ጉጅለ ብባህሪኡ “ሓድነት ህዝቢ ኣይንረብሓይን” ካብ ዝብል ዝነቅል  ምዃኑ ርዱእ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ እውን ከምቲ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ኢትዮጵያ ዝጭረሖን ሓዊ ዝኣጉዶን ናብቲ ህዝብና ክምለስ እትጽበዮ ኣይኮነን። “ንህዝቢ ዝደልዮ እናጨራሕካሉ ድሌትካ ምግባር” ካብ ዝብል ምትላል ነቒሉ ኣብቲ ናይ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም መግለጺኡ  “ኣብ መጻኢውን ባህግታትናን ዕላማታትናን ንኽሰምር ናብኡ ዘብጽሓና ሓያል ሓድነትን ውዳቤን፡ ቅኑዕ መስመርን መሪሕነትን፡ ጽንዓት ኣብ ዕላማ ከም ዘድልየና ንጹርዩ።” ዝበሎ ኣምሰሉነት ምስትብሃል እኹል እዩ። ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ኣብ ቃሉ ከም ዘይጸንዐኸ ህዝብና  ረሲዕዎ ማለቱ ድዩ።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝተለኽየ ሕብሪ እንተተለኽየ፡ ዝኾነ ምቁር መግለጺ እንተውጸአ፡ ከምቲ “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ-እሙ” ዝበሃል፡ ካብ ኣነቓቕላኡ ባህጊ ህዝቢ ዘኽብር ሕልና የብሉን። ካብዚ ብምንቃል ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቲ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፍ ኣወጊድካ ለውጢ ናይ ምምጻእ መኸተ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ተርዲኡ ቃልሱ ክቕጽል ጥራይ እዩ ዝግበኦ።

ሰላምታ ንመራሕትን ኣባላትን ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ሰላምታን ምስጋናን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል ባሕቲ መስከረም

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ

ኣብ’ዚ ንታሪኽ ህዝብና ቅኑዕ መንገዱ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ክቡር መዓልቲ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺብና ርድኢትና ከነንጸባርቕ ንዝገበርኩምልና ዕድመ ዕዙዝ ምስጋና ነመሓልላፍ። ኣካል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምዃን ነዚ ዕድል’ዚ ክንጥቀም የኹርዓና፡ የሐብነና። ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰዲህኤ) ከኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ተጋድሎና ኣብቅዓና ብማለት፡ ሰላምታ ጽንዓትን ዓወትን ነመሓላልፍ።

ኣሓትን ኣሕዋትን!

ቅድሚ ኩሉ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ነቲ ኣቦ ብረታዊ ቃልስና ዝዀነ፡ ስለ’ዛ ሃገር ድማ ህይወቱ ዝኸፈለ ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ንዝክር። ንስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ስሙ ከነልዕል ከሎና ምስ ጅግንነትን ቆራጽነትን ንተኣሳሰር፣ ንተዋፍይነትን፡ ንጽንዓትን ንጥምጠሞም፣  ንኣይሰዓርን በሃልነት ንሓቑፎ፣ ንተስፋ ንውንንኖ ንዓወትን ሃገራዊ ሓድነትን ድማ ነማዕድዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ባሕቲ መስከረም ኣባናን ኣብ መላእ ህዝብናን ክብርቲ መዓልቲ እያ። መዓልቲ ቃልስን ጽንዓትን ዓወትን።

ተጋዳላይ ሓምድን ምስኡ ዝተበገሱ ውሑዳት ተጋደልትን፡ ብሓደ መስከረም 1961፡ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ከበስሩ ከለዉ፣ ሽፋቱ እዮም ተባሂሎም። ይኹን’ምበር እዞም ዉሑዳት ሸፋቱ ዝተባህሉ በተን ዝነበራኦም ውሑዳት ኣጽዋርን ብሃገራዊ ራኢን ተስፋን ተሰንዮም ብምቕጻሎም፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓወሶ፡ ቃልሲ ክካየድን ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓያል፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክስዕርን በቒዑ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኣብነታዊ ቃልሲ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ናጻ ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ በቒዑ። ነዚ ዕለት’ዚ ከነኽብር ከሎና እምበኣር ንጽንብል ዓወት ጥራይ ዘይኰነ ነቶም ምእንቲ ዓወት ዝተሰውኡ ንምዝካር እውን እዩሞ፡ ስዉኣትና ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ይኹኖም፡ ዓቢ ክብሪ ከኣ ይብጻሓዮም።

ድሕሪ ናጽነትክ?  

ድሕሪ ናጽነት፡ ሕልሚ ዓዋተ፡ ከምኡ’ውን ባህጊ ህዝቢ በኒኑ እዩ። ዓዋተ ድሕሪ ምሕላፉ ካልእ ዓዋተ፡ ናይ መድረኽ ናጽነት ዓዋተ፡ ሓድሽ ዓዋተ ኣይረኽብናን። ካብ ጭቆና ተናጊፍና፡ ደጊምስ ሓዊና እናበልና ተደጊስና፤ ብናጽነት ተኻሒስና እናበልና ተጠሊምና፤ ካብ ዕዳ ተናጊፍና እናበልና፡ ሓድሽ ወለዶና ዝስከሞ ሓድሽ ዕዳ መጺኡና።  ደጊም ወዲእና ኢልና ሩፍታ እናተመንነና ሓድሽ ድኻም ሓድ መገሻ ናብ ስደት ኣርኪቡና።

ቀሲንና ኢልና ኢና፤ ግን ተገሪህና’ምበር ለካስ ኣይቀሰንናን። ብሓጺሩ ብዙሕ ግዜ ንዝተባህለ ስቅያት ህዝብና ንዘይምድጋም፡ጌና ኣብ 2021 ህዝብና ኣብ ናይ ኲናት እቶን ዝነድድ ዘሎ ህዝቢ ኰይኑ’ሎ። እቲ መሪር ሓቂ ኤርትራና፡ ነቲ ግዳማዊ ገዛኢ ብውሽጣዊ ገዛኢ ቀይራቶ’ምበር ነቲ ግዝኣት ንባዕሉ ኣየጥፋእቶን። እንሆ’ምበኣር እዛ ሃገር ኣብ ትሕቲ ድሌት ሓደ ውልቀ መላኺ እትሳቐ፡ ብስምዒት ሓደ ውልቀ መላኺ እትመሓደር ሃገር ኰይና’ላ። እቲ ምረት ኣብዚ’ዩ ዘሎ።

ሕጂኸ?

ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ ዝኸፍአ ገጢሙና ኣሎ። ጉዳይ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ።  ከባቢና ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝኣተወሉ፡ እቲ ስርዓት ካብ’ቲ ከቢብዎ ዝጸንሐ ናይ ውድቀቱ ምልክታት ንምድሓን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይናቱን፡ ብቐረባ ናብ ዘይምልከቶን ኢትዮጵያዊ ግርጭት ኣእቲዩ፡ ንሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፡ ናብ ውግእ ጠቢሱዎ እዩ።  ከም ሃገር ካብ ሓይሊ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ክሳብ ክንደይ ክሳራታት ከም ዝገጠመ ወግዓዊ ጸብጻብ እኳ እንተዘየለ፡ ከቢድ ክሳራ ከም ዝተጓነፈ ይንገረሉ ኣሎ። እዚ ኩሉ ንምክያድ ዝደረኽ ብቑዕን እዋናውን ኤርትራዊ ምኽንያት ነይርዎ ዘይኰነስ፡ ብጋህዲ መደብ ውልቃዊ ዓርኩ ንምሕጋዝን፡ ኣብቲ ከባቢ  ብፍላይ ምስ ትግራይ ንዘለዎ ውልቃዊ ሕሳባቱ ንምጽራይን እዩ። ታሪኽ ከኣ እናመዝገቦ ይሓልፍ ኣሎ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘየቕስን ከኣ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ኤርትራ ዝወሰዶ ፖሊሲ ቀጥታዊ ምትእትታው፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ማእከላይ መንግስቲ ተሰሊፉ ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ ውግእ ምክያዱን፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንባዕሉ፡ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ከቢድ ፍልልያት ምግሃዱን እዩ። ስለ’ዚ ጥሩፋት ርእይቶታት ክቕልቀሉ በቒዖም፡ ንመድያ ደምበ ፍትሒ ክቆጻጽርዎ ከኣ ፈቲኖም።  እዚ ድማ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ዝተባርዐ ግርጭታት ደለይቲ ፍትሒ ኣትዩ ፍልልያት ንኸሳውር ዕድል ከፊቱሉ።

ክቡራት ኣሕትን ኣሕዋትን

 ኣይንረስዕ። እቲ መሰረታዊ ኣጀንዳ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ምልካዊ ስርዓት ምውዳቕን፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካኡን’ዩ። ኣብዚ ዝተሓደሰ ኩነታት ግን እዚ መርሖ’ዚ፡ ቀዳማዊ ቦታኡ ንክለቅቕ ተጻዒሩሉ እዩ።  ብፍላጥ ይኹን ብገርሂ፡ ካልእ ኣጀንዳ ክመርሕ ከይኑ። ምልካዊ ስርዓት ከኣ ከም ወርቃዊ ዕድል ተጠቒሙ  ካብ መጻብቦ ንክወጽእ፡ ነቲ ከኸዶ ዝጸንሐ ናይ ምንቁልቋል መስርሕ ቀይሩ ናብ ምድያብ ምእንቲ ከምርሕ፡ ንደምበ ፍትሒ ብኣጀንዳኡ ኣብ ክንዲ ዝጐዓዝ፡ ኣብ ኣጀንዳ ካልኦት ንክህውትቶ ጽዒሩ።   ደምበ ፍትሒ ካብ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናብ መዓልቦኡ ከብጽሕ ዝኽእል ቀንዲ መንገዲ ኣንሻቲቱ፡ ኣብ ቃራና ንዝረኸቦ መንገዲ ሒዙ ንኽጐዓዝ ፈተነታትን ምርጫታትን ክቐርበሉ ጸኒሑ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ንሕና ከም ደምበ ተቓውሞ፡ ኣይንተሃመል። ሕጂ’ውን ዕላማና ንምልኪ ብዘየዳግም ንሎምን ንጽባሕን ምስዓር’ዩ።   ኣብዚ ዓቢ መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ከነስትውዕለሉ ዘሎና ድማ፡ ሕጂ’ውን ተመሊስና ነቲ ቀንዲ መንገዲ ምሓዝ እዩ። ነቲ  ንኹልና ዘእንግድ ሰፊሕ መንገዲ! ‘መንገዲ ኣርባዓ!’ ጐደና ዓወት!

እቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ምዕባለታት ክጸልወና፡ ከሻቕለና፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስቲ ዝተሓደሰ ኩነታት ዘሳኒ ፖሊሲ ክንሕንጽጽን፡ ምሕዝነታትና ከነነጽርን ክገብረና ንቡር እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ ግን ልዕሊቲ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ጥምጥም ኣይትንክፈናን’ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኢትዮጵያውያን ኣለውዎ፣ ናይ ሱዳን እውን ሱዳናውያን ኣለውዎ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ተራ ኣብ ጉዳያቶም፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ድሩትን ውሱንን እዩ። ከምቲ ካልእ ድማ  ንጉዳይ ኤርትራ እውን ኤርትራውያን ኣለውዎ። ንዓና ጉዳይ ኤርትራ እዩ ቀዳማዊ ዋኒንና! ሕጂ’ውን ከም ዓዋተን ብጾቱን ንኤርትራና ነድሕን።

ጸዋዒትና ብኣጀንዳና ንጐዓዝ፡ ዝብል እዩ።  ቀዳማይ ኣጀንዳና ድማ ኣብ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ስዒርካ ብህዝባዊ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካኡ እዩ። 

ራኢ ባሕቲ መስከረም ንምውሓስ ንቃለስ!

ውድቀት ንምልኪ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

1 መስከረም 2021

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዘዳለዎ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቲ ብመሪሕነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተበሰረ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ: ብ4 መስከረም 2021 ብናይ ዙም መራኸቢ ተጸንቢሉ። ኣብቲ ብኣሕዋት ኣድያም ተፈራን እስማዒል ገበይታን ዝተመርሐን  ንሓያሎ ሰዓታት ዝቐጸለን ጽንብል   ኣባላት እተን ውድባትን ካለኦት ኤርትራውያንን ተሳቲፈምዎ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ጽንብል ኣቦመንበር ኣወሃሃዲት ኣካል ፖሓኤ ዶ/ር መሓመድ በሺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ዶ/ር መሓመድ በሽር ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ታሪኻዊ ኣጀማምራ እቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ጽንዓትን ጀግንነትን ናይቶም ጀመርትን ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ለኣላዉነት ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ  ሓደጋን ዝጽበየና ዘሎ ቃልስን ዝምልከት ጠቒሱ።

ድሕርቲ መኽፈቲ ቃል ኣቦ መንበር ኣዋሃሃዲት ኣካል ፖሓኤ፡  ኣቦመንበራት ናይተን ኣባላት ፖሓኤ ዝኾና ግንባራትን ውድባትን ሰልፍን መደረታት ኣስሚዖም። ብዘይካዚ ንገዳይም ተቓለስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ንመንእሰያትን እውን ብቕደም ሰዓብ ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ዝምልከት ቃላቶም ኣስሚዖም።  በቶም ነቲ በዓል ኣመሊቶም መገለጺታት  ዘስምዑ ኣሓትን ኣሕዋትን ቆላሕታ ካብ ዝተዋህቦም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም። ኤርትራውያን ብረታዊ ቃልሲ ከካይዱ ዘገደዶም ኩነታት፡ ትብዓትን ጽንዓት ናይቶም ውሑዳት ክንሶም ከም ዝበዝሑን ከምዝሕይሉን ኣሚኖም ብረታዊ ቃልሲ ዘበሰሩ ሓርበኛታት፡ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብቲ ብረታዊ  ቃልሲ ዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል ኩለንተናዊ ዋጋን ዘመዝገቦም ዓወታትን ብኹሎም መደርቲ ተንጸባሪቖም።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓድም እድሪስ ዓዋተ ብውሑዳት ሰባትን ዝኣረገ ዘመናዊ ዘይኮነ  ዕጥቅን ዝተጀመረ፡ ደሓር ግና ኣሸሓት ዝሰዓብዎን ካብ ጸላእቱ ብረት ሰሊቡ ዝዓጠቐን ቃልሲ፡ ቀዳማይ ምዕራፉ ብምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከም ዝተዛዘመ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ተገሊጹ። እንተኾነ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪቲ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ዓወት ተኾሊፉ ሎሚ ህዝብና ኣብ ጸልማት፡ ልኡላውነት ሃገርና  ከኣ፡ ኣብ ሓደጋ ምህላዎም ካልእ በቶም ቃል ዘስምዑ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ዛዕባ  ነይሩ። ምስዚ ብዝተሓሕዘ ኣብዚ እዋንዚ እውን ካልእ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ዝምጥን ዓዋተ የድልየና ከም ዘሎ ኣብቲ መደረታት ዝተጠቕሰ ክኸውን እንከሎ፡ ቀዳማይ ናይዚ እዋንዚ ናይ ሓባር ዕላማና ምውጋድ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ከምዝግበኦን ነዚ ንምዕዋት ሓቢርካ ካብ ምቅላስ መተካእታ ከም ዘየለን ከኣ ካልእ መደርቲ ዘስመርሉ ነይሩ።

ኣብ መንጎ መንጎ ናይቲ መደረታት ከኣ ንባሕቲ መስከረም ዝምልከቱ ግጥምታትን ሰውራዊ መዛሙር ብትግርኛን ዓረብን ቀሪቦም።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ቅድሚ ሕጂ እውን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብዝምልከት ዕዉት ናይ ሓባር መድረኽ ኣዳልዩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ዝኽሪ በዓል  ሓደ መስከረም 2021 እውን ከምዝሓለፈ ብዓወት ተዛዚሙ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መፋርቕ ናይ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ምስተመቓቐልዋ፡ ኤርትራ ብጽሒት ግዝኣት ጣልያን ኮይና። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበሪ ከተምኡን መወንጨፊቱን ገይሩ መስረታ። ነዚ ዝገበሮ ብዋጋ ናይቶም ደቀባት ጉልበት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሕርሻ መሬቶም መንዚዑ ጉልበቶም ምዝሚዙ ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉ ግዙኣቱ ብምግባር ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሮ  ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ኣይረዓሞን። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጠኑን መልክዓቱን ዝፈላለ ይኹንምበር ተቓውሞ ኣርእዩ እዩ።

ድሕሪ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም ስዕረት ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ወገን ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡  ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝጸንሓ ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ምስ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተረጋገጸን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ብወገዒ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ናጽነቱ ንምውሓስ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል”  ምርጫታት ቀረበሉ። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ፖለቲካውን መኸተ ንናጽነት፡ ካልእ ኣገባብ ተኸቲሉ ቃልሱ ክቕጽል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ከኣ ብ1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ንኤርትራ ልክዕ ከምተን ኣብቲ እዋንቲ ናጽነተን ዘውሓሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግባራ ዝዓለመ ነይሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት   ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ጠሃ መሓመድ ኑር፡ ሰይድ መሓመድ ሑሴን፡ እድሪስ ዑስማን ገላዴዎስ፡ ሰይድ ኣሕመድ መሓመድ፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ ሱሌማን መሓመድ ኣሕመድ፡ ኣደም መሓመድ ዓልን ሑመድ ሰይድ ኣንታታን ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃ ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ገለ ወገናት ዝብልዎ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉርዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝኾነ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ሃብታም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ’ውን  ቀጺሉ።

እቲ ብኸምዚ ዝሃብተመ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን መግዛእታዊ ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓውትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት እውን ንኤርትራ መን ይምረሓያ ብዘየገድስ እቲ መግዛእታዊ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ክሳብ ዘይተወገደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ክቕጽል ግድን ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን60 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ንዝጀመሩ ሓርበኛታትና ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገርና ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ምምላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዘብሎም ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ንተካኢና ወለዶ ከነረክብ ባህርያዊ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ ድማ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” እንብለሉ ስራሕ ዝዓመምና ክንከውን ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ዕለት፡ መንእሰይ ወለዶ ተኸኣኢሉ፡ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተረዲኡ ብሓባር ዝቃለሰሉ ባህሊ ከነውርሶ  ግበኣና። ከምዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግና እቲ ዝትከኣና ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ታሪኽ እውን ክተሓሳሰበና እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ26 ነሃሰ 2021 ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ን8ይ ግዜኡ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መእተዊ  እቲ ኣኼባ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ተረኺቦም ብዛዕባቲ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቦም። ንሶም ኣብቲ መብርሂኦም እቲ ኩነታት ኣሰካፍን ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮን ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣገንዚቦም።

እቲ ኣኼባ ኣብቲ ብኽፉት ዝተኻየደ ቀጻማይ ክፋሉ ኣንበሳድራት ናይተን ኣባል ሃገራት ነናይ ሃገሮም መርገጽ ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዖም። ብሓፈሻ ክረኣይ እኝከሎ ሩስያ፡ ቻይና፡ ህንድን ኬንያን ዝመሳሰል ዝተፈልየ ርኢቶ ነይርወን። እተን ኣሜሪካ፡ ኣየርላንድ፡ ዓባይ ብሪታንያን ፈርንሳይን ዝርከበአን ካለኦት ሃገራት ከኣ ተመሳሳሊ ርኢቶ ኣንጸባሪቐን። ኣንበሳድራት ናይ ኩለን ሃገራት ካብ ዘይተፈላለያሎም፡  ነጥብታት፡ ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክኣትዉ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ብህጹጽን ብቐጻልን ናብ ዝምልከቶም  ክቐርብ ኮሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክተሓባበሩ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽእ ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብዚ ጉዳይዚ ነቲ ዘተ ንክሕግዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወሲንዎ ዘሎ “ፈጣሪ ራዕዲ” ዝብል ከልዕሎ ዘዘኻኸሩ ሓሳባት እውን ነይሮም።

ኣብ ግደ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት  ንምፍታሕ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ግና ኣብቲ ኣኽኤባ  ፍልልያት ይንጸባረቕ ነይሩ።  ኣሜሪካ ዘላቶ ወገን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢዱ ከእቱ ዝብል ዝንባለ ክንጸባርቕ እንከሎል፡  በቲ ሓደ ወገን ከኣ እንተኾነ ኢትዮጵያ ባዕላ ክትፈትሖ ትኽእል እያ፡  ካብዚ ሓሊፉ  ብደረጃ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣመሰሉ ዞባዊ ትካላት ክፍታሕ ይግበኦ  ዝብል ርኢቶ  ዓብላሊ  ነይሩ። ኦባሳንጆ ነዚ ጉዳይዚ ክከታተሉ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኖም ምምዛዞም  ከኣ ዳርጋ ብኹሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣንበሳድራት ቅቡል ነይሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ትግራይ ወጺኡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑን ኣኸቲልዎ ዘሎ ተወሳኺ ናይ ንጹሃት ምምዝባል ንኹሎም ዘሰከፎም ነይሩ።  በዚ መሰረት ከኣ ከምቲ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ፍሉይ፡ ሓይልን መሊሻን ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽእ ዝግበኦ፡ ሰራዊት ትግራይ እውን ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽእ ናይ መብዛሕቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ መጸዋዕታ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ 11 ጨንፈራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጨንፈር ስዊዘርላንድ፡ ብዕለት 21 ነሓሰ 2021 ኣብ ውሽጢ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ-ስፍራ (Milchbuck Park) ዕዉት ጉባኤኡ ኣካይዱ። “ኣጆና! ድኽመታትና ንስዓር!!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማን ዕላማን እተጋብኤ ጉባኤ ጨንፈር፡ ኣብ ምጅማር ስራሓቱ እዋናዊ ሓበረታታት ብኣባላት ጨንፈር ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ተዋሂብዎ። ብጾት ወልደሱስ ዓማርን፡ ዮውሃንስ ወረደን ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ሰልፊን፡ ደንበ ተቓውሞን፣ ዘይርጉእ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን፣ እቲ ኣሻቓሊ ዝኾነ ምዕባሌታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ነጥብታት ኣልዒሎም ኣብሪሆም። እቲ ንሰዲህኤ ዝመርሕ 40 ዝኣባላቱ ማእከላይ ባይቶ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼብኡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ነሓሰ ከም ዘካየደን፡ ኣገዳሲ ጸብጻባትን ውሳኔታትን ከም ዘጽደቐን እውን ሓቢሮም።

ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሑ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት ከኣ፡ እዚ ብዝሒ መንእሰይ ዝርከቦ ሰሜናዊ ከባቢ ስዊዘርላንድ፡ ብሰዲኤን ብኹሉ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞን ዝያዳ  ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘሎዎ ባይታ ቃልሲ ምዃኑ እናሓበሩ፡ ተሳትፎ መንእሰይ ዝስሕብ ሜላታት ብኹሉ ሸነኻት የድሊ ከም ዘሎ ኣስሚሮምሉ። ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊስ፡ መንእሰይ ኣባላት ኣብ ብዙሕ ካንቶናት ዝነበርዎ ክንሱ፡ ንጡፍ ተሳትፎ ዘርእዩ ዘሎዉ ግን ኣብ 4-5 ካንቶናት ጥራይ ዝርከቡ ምዃኖም ኣሰካፊ ኢዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ከኣ፡ ቀንዲ ኣካታዕን  ኣዛራብን ኣጀንዳ ጉባኤ ናይ መጻኢ መደባት ጨንፈር ምስራዕ ነበረ።

ንመንእሰይ ኣባላት ብቐጻሊ ምንቕቓሕን፡ ኩሉ ኣባል ግቡኡ ብጊዜዩ ከም ዘማልእ ምግባርን ንዕብየት ጨንፈር ሓጋዚ ምዃኑ ዕበት ጉባኤ ነይሩ። ኲሎም ግቡኦም ዘየማልኡ ኣባላት እውን ነቲ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድል ተጠቒሞም ግቡኦም ኣማሊኦም። ሓገዝ ኣብ ጸገማት ሱዳን ንዝርከቡ ተቓለስቲ ዝኸውን ወፈያ እውን ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ 500 ፍራንክ ስዊስ (ከባቢ 540 ዶላር) ተኣኪቡ ብሓላፊ ናይ ጨንፈር ውደባ ኣቢሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክመሓላለፍ ተወሲኑ።  

ኣብ መደምደምታ ናይ’ዚ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ዝያዳን ብኣካል ተራኺብካ ኣብ ክፉት መናፈሲ ቦታ እተገብረ ጉብኤ፡ ንጨንፈር እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለን ተቘጻጻሪን ብምሉእ ድምጺ ጉባኤኛታት ተመሪጾም።

Suisse 2021 2

ንሳቶም ከኣ ዳዊት ኣብርሃም፡ ኣቦ መንበር፣ ተስፋጋብር ገብረ፡ ናይ ርክብን ስርዒት ሓላፊ፣ ዓውተና ገብረዝጊ፡ ተሓዝ ገንዘብ፣ መሓሪ ዓማር ተቘጻጻሪ ኢዮም። ከምኡ’ውን ምስ መሪሕነት ጨንፈር ብቐረባ እናተራኸቡ ንጒዳይ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝከታተሉ፡ ብጾት ሃብተኣብ ገብረሚካኤልን፡ ለተኣብ ተወልደን ተመዚዞም።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሌነ ስዩም ብ20 ነሃሰ 2021 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 መደብ ሃገራዊ ዘተ ከም እትሰርዕ ሓቢረን ክብል ብሉምበርግ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ብሌነ ስዩም ከም ዝገለጸኦ ዕላማ ናይቲ ሃገራዊ ዘተ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንህድኣት ዓንቂፉ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ  እዩ።

ብሌነ ስዩም እቲ ሃገራዊ ዘተ ዝካየደሉ መርሓ-መንግዲ ኣብ መወድእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ከም ዝግለጽን ድሕሪኡ ነቲ መስርሕ ዘተ ዝምልከት ኣካይዳ ቅርጻ ከም ዝወጸሉን ሓቢረን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ዝካየድ ዘተ ኣካል ናይቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መስርሕ ምትዕርራይ ምዃኑ ጠቒሰን። ምስዚ ግና ኣብዚ ሃገራዊ ዘተ መነመን ከም ዝሳተፉ ኣይገለጻን።

ብኻልእ ወገን ከኣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ብ19 ነሃሰ 2021፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት)፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ግጭት ንምቁራጽ ንክዛተዩ ጸዊዖም። እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብዚ መጸዋዕታኦም፡ “እዚ ግዜዚ ኩሎም ኣካላት ኣገዳስነት ሓድነትን ህድኣትን  ኢትዮጵያ ንምዕቃብ፡ እቲ መንግዲ ውግእ ከምዘይኮነ ክርድእሉ ዝግበኦም ግዜ እዩ”  ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ርግኣትን ንህድኣት እቲ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ዞባን ኪነኡን ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ኣብ ርእሲዚ ወኪል እቶም ዋና ጸሓፊ፡ ማርቲን ግሪፊዝ ብዛዕባቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንምዝርራብ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መራሒ ህወሓት ከም ዘዛራረብዎም እቲ ካብ ብሉምበርግ ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። 

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ዝርከበሉ መንገዲ ንምርካብ  ትጽዕር ከም ዘላ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። በዚ መሰረት ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ባይደን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ጀፈር ፈልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ብዛዕባ ዝፍጠረሉ ኩነታት ንምዝርራብ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሶም። ሓላፊት ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ብወገነን ናብ ኢትዮጵያ ሓደ ግዜ ዑዳት ኣካይደን።

እዚ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ላዕልን ታሕትን ዝበሃል ዘሎ፡  ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ሓያል ውግእ ይካየድ ኣብ ዘለወሉ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ውግእ ከኣ፡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣደዳ ጥሜት ዝኾንሉ፡ ካብ ሃገሮም ዝተሰደድሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መረበቶም ዝተመዛበልሉ፡ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ዓሌታዊ ናዕብታት ይፍጠርን ኣብ ዘለወሉን  ዝተፈላለዩ ኣካላት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናይ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶታት ኣብ የቕርብሉ ኣብ  ዘለዉሉን ግዜ ምዃኑ እውን ኣብቲ ናይ ማዕከን  ብሉምበር ዜና ተጠቒሱ።   

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ መጀመርታኡ ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ጠንቂ፡ ፖለቲካውን ሕገመንግስታው ዘይምትእምማን ስለ ዝኾነ፡ መፍትሒኡ ተቐራሪብካ ምዝታይ ምዃኑ ደጋጊሙ ክምሕጸን ከም ዝጸንሐ ኣይዝንጋዕን።

ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንክፍታሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ፡ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ከኣ ብዋሕስ ተፈቲሖም። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉጅለ ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ዳዊት ይስሃቅ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐን ምስ ጠበቓ ኮነ ካልእ ቀረብ ርክብ ከምዘይነበሮን ጠቒሶም ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ ከም ዝተማሕጸኑ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ኣተሓሒዞም ከኣ ብዛዕባ ህላወ ዳዊት ስግኣት ስለ ዝሓደሮም መንግስቲ ኤርትራ እዚ ጋዜጠኛ ብህይወት ምህላዉን ዘይምህላዉን መረጋገጺ ንክህብ ሓቲተምዎ።

ዳዊት ይስሃቅ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ባህጊ ስለ ዝነበሮ ኣብ ተስዓታት ካብ ስዊድን ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ መስሪቱ ድምጺ ህዝቢ ክኸውን ጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ደሓር ግና መንግስቲ ህግደፍ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ ብ2001 ለውጢ ንምዕጋት ኣብ ዝወሰዶ ወፈራ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክኣስር እንከሎ ዳዊት ሓደ ካብቶም ግዳያት እዩ። ዳዊት ዝተኣስረ በቶም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝተላእከሉ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ ጋዜጣኡ ምስ ኣውጸአ ከም ዝኾነ ኣብቲ ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ተጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ንጉዳይ ዳዊት ብዝምልከት፡ ቤተሰቡ፡ መንግስቲ ስወድንን ዝተፈላለዩ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላትን ዳዊትን ብጾቱን ብናጻ ክፍትሑ ወይ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ምስ ቤተሰቦምን ጠበቓታቶምን ንከራኽቦ ንመንግስቲ ህግደፍ ክምሕጸንዎ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ሓድሽ መጸዋዕታ ዘቕረቡ፡ ነቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዝወከሉ ክልተ ስዊድናውያን ጠበቓታት ኮይኖም እቶም ሓደ  ናይ ሰላም ኖበል ተዓዋቲ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሰንክዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ እቶም ኣርባዕተ ብ17 ነሃሰ 2021 ተፈቲሖም። እዞም ነፍሲ ወከፎም ብናይ 5 ሺሕ ብር ዋሕስ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት፡ ያየሰው ሽመልስን ኣበበ ባዩን ካብ ኢትዮ-ፈሮም፡ በቃሉ ኣላምረውን ፋኑኤል ክንፉን ከኣ ካብ ኣውሎ ሚድያ እዮም። እዘን ክልተ ናይ ዩቱብ ሚዲያታት፡ ኢትዮ-ፎረምን ኣውሎ ሚድያን ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት፡ ርትዓዊ ሚዛን ዘለዎ ትንተና ብምሃብ ተፈላጥነት ረኺበን ዝነበራ እየን። ኣቐድም ኣቢሉ እውን  ተኣሲሮም ዝነበሩ 12 ሰራሕተኛታት ሚድያ ኣውሎ ሚድያ ከም ዝተፈትሑ ዝዝከር እዩ።