ቀዳማይ ሶማሊያ ዝመበቆሎም፡ ኣባል ፓርላማ ፊንላንድ ሱልዳን ሰይድ መሓመድ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፊንላድን፡ ናይቲ መበቆል ሃገሮም እትርከቦ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ከም ዝተመዘዙ፡ መሓመድ ደይሳን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪፊንላንድ ብምጥቃስ፡ ካብ መቃድሾ ሓቢሩ። ሱልዳን ሰይድ መሓመድ ኣብቲ ተባራዒ ጸገማት ዘለዎ ቀርኒ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ምሕጋዝ ቀንዲ ዕማሞም ከም ዝኸውን እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፊንላንድ ምስ መብዛሕተኣን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብን ዝምድናን ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ፊንላንድ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ተኣፋፊ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊቲ ንዓመታት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ደርቂ፡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ግርጭታት ዝሳቐ እዩ። ብመሰረ ናይ ጸጥታን ወጻኢ ጉዳይን ፖሊሲ ፊንላንድ እቲ ቀዳምነት ዝህቦ ዘተ ሰላም እዩ።
ናይዞም ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ምምዛዝ ዕላማ፡ ዝምድና ፊንላንድ ምስ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ምድልዳል፡ ግርጭታት ንሃዋህው ህድኣትን ጸጥታን ንክሕግዝ፡ ጸገማት ብሰላም ንምፍታሕ ኣስተዋጸኦ ምብርካትን ምስ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓሕዙ ጉዳያት ምብራኽን ዝምልከት እዩ።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ነዚ መዝነት ዝምልከት ተወሳኺ ክፍሊት ከምዘይህልዎ ጠቒሶም፡ ነዚ ናይ ፍሉይ ልኡኽነት ሓላፍነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረከብዎ ብብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ምዃኑ ንትካል ዜና ኣናዶሉ (Anadolu) ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ናብዚ ሓላፍነት ምምዛዞም ከም ዘሕጉሶምን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ከም ዝጽዕሩ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገሹን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ህንጸት ሰላም ከም ዘሕይሉን ከኣ ጠቒሶም።
ኣድሚ ሕጂ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይናን ዓባይ ብሪታንያን ዝርከብዎም ወገናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻቶም መዚዞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ ይኸውን ምህላዉ ዘመልክት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ንሰላሳ ዓመታት፡ ብቐጻሊ፡ ኣንጻር ሓይልታት መግዛእቲ ትንፋስ ዘይህብ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣካይዱ። ህዝብና ኣብዚ ክትኣምኖ ዘጸግም ነዊሕ ጉዕዞ ውግእ ዝተጸምደ ከምቲ ጸላእቲ ኣብቲ እዋን ቃልሲ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ናይ ውግእ ህርፋንን ትምክሕትን ዝደፍኦ ወይ ናይ ካለኦት ልኡኽ ስለ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ናጽነቱ ብቓልሱ ካብ ምጭባጥ ሓሊፉ፡ ካልእ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። ዘካየዶ ቀጻሊ ውግኣት ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ከኣ ዝወሰዶ ግዜ ወሲዱ ክቡር ዋጋ ምስተኸፍሎ ተዓዊቱ። ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ከኣ ብግብሪ ኣመስኪራ። ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መስርሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተራእየ ጽንዓትን፡ ከምቲ ገለ ወገናት “ኣብ ሽፍትነት ዘጋጠመ ሞት” ገይሮም ክገልጽዎ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ሓርበኝነት እቲ ዋጋ ከኣ ክቡር መስዋእትነት ምንባሩ ኣብ ቅድሚ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብኽብሪ ሰሪጹ፡ ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ መወከሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ናብ ውግእ ክኣቱ ዘገድዶ ኩነታት ክፍጠር እዩ ዝብል ትጽቢቱ ኣይነበረን። ብግብሪ እውን ኣየጋጠመን። እቲ ዘሕዝን ግና ክሳብ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ውግእ ካብ ምኽፋል ዓዲ ዘይምውዓሉ እዩ። ዋጋ ምኽፋሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ቃልሱ ኣሉታዊ ኮይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ እዩ። እቲ ውግእ ኣንጻር ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትና ዝከኣለን ዝገበራን ሰውራናን ህዝቡን ዘዕቆባን ጐረባብትና ሃገራት ዘድሃበ ምንባሩ ከኣ ዝያዳ የሕዝን። ኣብዚ ንውረድ ደይብ ተመኩሮ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳንን የመንን ድሕሪ ናጽነት ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጉጅለ ህግደፍ እንተዘየሳውሮ ከጋጥም ናይ ግድን ዘይነበረ ውግኣት ኣንጻር ጐረባብቲ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ካብቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሎ እንተዘይበዚሑ ዝውሕድ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ዳሕረዋይ ዋጋ ዝያዳ ዝመረረ ዝገበሮ ድማ ብሰንኩ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ጌና ኣሰካፊ መልክዕ ሒዙ ምህላዉ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ናጽነት ዘግሃደ ነድሩ፡ ትብዓቱን ተወፋይነቱን ዝሒሉ ደሃይ ኣጥፊኡ “ስቕታ ስለ ዝመረጸ”፡ ገሪምዎም ብዙሓት ናይ ቅድም ትብዓቱን ጽንዓቱን ዝፈልጡ ወገናት፡ “እዚ ንሓይልታት መግዛእቲ ዘይተጻዕደ ህዝቢ እንታይ እዩ ዓዚምዎ?” ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብናቱ ዋጋ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውግእ ኣንጻር ጐረባብትና ሃገራት ኣብ ክንዲ ዝመሃር፡ ሓሓሊፉ ዳግማይ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ክወፍር እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገብር ስለ ዝርድኡ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣጻብዖም ናብ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ከመልክቱ ጸኒሖም። ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብቕሉዕ፡ “ኣይፋል ንሓሓሊፍካ ውግእ” ዘይምባሉ፡ ነቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምትንኳሕ ከም ዝደገፎ ገይሮም ክርድእዎ እንከለዉ፡ ዘየግሃዶ ምኽንያት ደኣ ይህልዎ እምበር፡ ወዮ “ብዛዕባ ውግእን ክሳርኡን ኣዝዩ ዓሚቕ ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራስ ውግእ ክድግፍ ዘይመስልዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እቲ ምስጢር ስቕታኡ ከኣ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ኩነኔኡ ዘይምስምዑ እዩ።
ህግደፍ ኣንጻር ጐረባብቲ ንዝኣጐዶ ውግኣት ዓው ኢሎም ዝድግፉ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት፡ በብግዜኡ ካብታ ጃልባ ክወርዱ ከም ዝጸንሑ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ 2001 ጐሊሑ ዝተራእየ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ሓቀኛ ረብሓ ህዝብና ተሰሊፎም፡ “ናብ ውግእ ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ዘይሓላፍነታውያን ኣይተንጸንቀቑን። እዞም ወገናት፡ ሎሚ’ውን ካብቲ ብተኸታታሊ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ዝተፈላለዩ ዙራት ኣንጻር ኢትዮጵያን ካብ ዝተኻየደን በብዓይነቱ ክሳራታት ዘኸተለን ውግኣት ተመኲሮም ኢደ-እግሮም ዘይምእካቦም ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዞም ወገናት ኣብ ኣእምሮኦም ሓይልን ዓመጽን ከም ናይ ብቕዓትን ብልጫን መመዘኒ ኮይኑ ዝሰረጾም እዮም። እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ እውን ሓሓሊፉ ይንጸባረቕ እዩ። ጠንቁን ሳዕቤኑን ከይመርመርካን ምስ ህልዊ ኩነታት ከየመዛዘንካን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ዝያዳ ናብ ሓይሊ ዘዘንበለ ምርጫ ጥራይ እንተዘይተኸተልና፡ ንዝብሉ ዝያዳ ኣጉሊሕካ ንምቕራብ ዝረአ ኣድህቦ ናይዚ ስምዒት መግለጺ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ክንዲ ንናይ ኣተሓሳስባ ብስለት፡ ውድዕነትን ቀጻልነትን ምግንዛብ፡ ኣብ ሓይሊ ምምላኽ ምስ ህግደፍ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ግጉይ ኤርትራዊ ባይታ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ምግንዛብ የድሊ። ንምርጫ ህግደፍ ምርጫኻ ናይ ምግባሩ ዝንባለ ዘለዎ’ውን ይመስል።
ብሰንኪ መንገዲ ሰላምን ርጉእ ጉርብትናን ጓስዩ፡ ዘይሓላፍነታዊ ውግእን ዕንደራን ዝመረጸ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሞት፡ ምምዝባል፡ ስደትን ዕንወትን ከጋጥም ጸኒሑ እዩ ጌና’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ነዞም በብግዜኡ ዘጋጠሙ ዕንወታት ከም ሳዕቤን ኣጉሊሕካ ምቕራቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ጠንቂ መን ከም ዝሕተተሎም ኣዕሚቕካ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። ህግደፍ ግና ናቱ ጠንቅነት ንምሕባእ፡ ነቲ ሳዕቤን ኣጉሊሑ ነቲ ተሓታትነት ካብኡ ንምርሓቕ እዩ ዝጽዕር። ብሰንኪቲ ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደን ጌና ደበናኡ መሊኡ ዘይተቐንጠጠን መንቀሊኡ ካልእ ክነሱ፡ “ናይ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጐጉሉ ጠንቅን ሳዕቤኑን ካብኡ ንምርሓቕ ህግደፍ ዝገብሮ ጻዕርን፡ ዝጻሕተሮ ጽልእን ከም ሜላ መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ዝተጠቕመሉ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብዘይካቲ ህግደፍ ሓሓሊፉ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝጠፈአ ኤርትራዊ ህይወትን ዝዓነወ ንዋትን፡ ንሓፈሻዊ ዕቤት ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ከኣ ንድሕሪት መሊስዎ ኢልካ ኣብ ዝግለጸሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። እዚ መራሒ ህግደፍ እውን በብግዜኡ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እዩ። ድሌት ህዝብና ግና ቅድም፡ ሎሚ ኮነ ኣብ ንመጻኢ፡ ድሕሪ ናጽነት ሰላም ሰፊኑ ዕቤት ክብርኸሉ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና እምበኣር “ምርጫ ህዝብና፡ ወትሩ ሰላምን ዕቤት’ዩ” ኢልና እንጭርሕ።
ባህግና Bahgna 70: ሃገራውን ከባብያውን ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 10.07.2022
Written by ባህግና Bahgna MediaMedia
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ11 ሰነ 2022 ዝመዘዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብ9 ሓምለ 2022 ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቚማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናብተን ዝቆማ ንኡሳን ኣካላት ከፋፊላ፡ ዝመርሑወን ከኣ መሪጻ። እተን ዘቖመተን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ሰነዳት፡ ክፍሊ ገንዘብን ቀረብን፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝሳተፍቲ ኣባላትን ክፍሊ ዜናን እየን።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ቃለ-ጉባአ ተመያይጣ ኣብ ርእሲ ምጽዳቓ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዙ 13 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ተመዲቦም ብዛዕባ ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰልፊ እውን ተመያይጣ።
እዛ ሽማግለ፡ ኣቐዲማ ብ26 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየደቶ በኹሪ ኣኼባ፡ ብጾት ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር፡ ደስበለ ካሕሳይ ምክትልን ኪዳነ በርሀ ጸሓፍን ኮይኖም ክመርሑ ምምራጻ ዝዝከር እዩ።
ጉባአታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ቅዋሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ 4ይ ጉባአ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብ8 ሓምለ 2022፡ ኣብ ዙርያ ዓመታዊ (2021-2022) ምንቅስቓስ ኮሚሽኖም መግለጺ ሂቦም። ኣብዚ መግለጺኦም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽኖም ከም ዝተዓጽወ ጠቒሶም።
ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ዝነበረ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከጻሪ ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣቱን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ክተሓባበሮ ቅሩብ ከምዘሎን ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣፈናዊ ምጽራይ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ኣብዚ መግለጺኦም ጠቒሶም።
እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ኮሚሽን ኣብዚ እዋንዚ ብቐጥታ ናብ ምጽራይ ክኣትው ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ መጻኢ ስራሑ ከመይ ከም ዘካይድ ኩነታት ከጣጥሕ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናት (genocide) ተኻይዱዶ ኣይተኻየደን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቶም ኮሚሽነር፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ንምድምዳም ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ግና ኣይሓብኡን። ኣብ ርእሲዚ፡ ብጉልባብ “ምኽባር ሕጊ”፡ ዜጋታት ንዝተናወሐ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ምእሳር፡ ዜጋታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ሓቢእካ ምስቓይ፡ ከምኡ ከኣ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ መሰል ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ምውጻእ ዘይምኽባር ይረአ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ሓሓሊፉ ይረአ ንዘሎ ሕጋውን ኣውንታውን መስርሕ ናይ ምኽታል ስጉምቲታት ከኣ ኣመስጊኖም።
እቲ ዝቐረበ መግለጺ ሰፊሕ ኮይኑ፡ “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፡ ኢሰብኣውነትን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ እሱር፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳርን ምጭዋይን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ መሰል እሱራት ምግሃስን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን” ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ክፍልታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።
ኢትዮጵያ ናታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዘለዋ ክትከው እንከላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዓለም ለኻዊ ኣጻራይን መርማርን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ክትቅበል’ውን ተሰማሚዓ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ኣካል ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ኮሚሽነር ኣትዮም ክዕዘቡ እውን ኣይፍቀደሎም እዩ።
ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ፓርላማ ተሰሚዑ፡ ንኤርትራውያን ግዱሳት ትምህርቲ ተዋሂቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብዚ ሰሙን ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ግዱሳት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣብ ቅድሚ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ጉጅለ ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ምስክርነቶም ከም ዝሃቡ ማእከል ዜና ኤርትራ (ERITREA HUB) ሓቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዘይካቲ ብረንዳን ኦ ሃራ ዝበሃሉ ኣባል ፓርላማ ዝምራሕ ዝግዱስ ጉጅለ፡ ካለኦት ብዛዕባ ዓለም ለኸ ናጽነት ሃይማኖትን ምክልኻል ጽንተትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝግደሱ ኣባላት ፓርላማ ከም ዝተስተፉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብቶም ኣብቲ መድረኽ መግለጺ ዝሃቡ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ሄለን ብርሃነ ዝተባህለት ኣባል ቤተክርስትያን ኢቫንጀሊካን ብምዃና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ዝተሳቐየት ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ መግለጺኣ ብሰንኪ እምነታ 32 ኣዋርሕ ተኣሲራ ከም ዝተሳቐየት ገሊጻ። ብዘይካዚ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተኸተልቲ ምስልምና ዝወርድ በደል መብርሂ ሂቡ። ዶ/ር ኣባ ኣንቶኒዮስ ሃብቱ ገብረ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብማሕበራዊ መራከቢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። መልእኽቶም ብዶ/ር ካታዛ ካብ ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ኤርትራዊት ኤልሳ ጭሩምን ከም ዝተደገፈ ከኣ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ሓቢሩ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ናብቲ ኣጋጣሚ ወኪል ከም ዝለኣኸን ናብቲ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ደብዳበ ከም ዝለኣኸን ተፈሊጡ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ክሒድዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ዝነጥፉን ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ከም ነትፉ ንምርዳእ ዝሕግዞም መግለጺ ብኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝተዋህቦም ካብቲ ዜና ምርዳእ ተኻኢሉ። እቲ ኣጋጣሚ እቶም ኤርትራውያን ነቶም ትምህርቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘረድእሉ ዕድል ከም ዝኸፈተሎም’ውን ተፈሊጡ።
بيان مهم للحرية والتغيير المكتب التنفيذي عقب قرارات البرهان
Written by قوى الحرية والتغيير – المكتب التنفيذي5 يوليو، 2022
0340

بيان مهم
اجتمع المكتب التنفيذي لقوى الحرية والتغيير اجتماعاً طارئاً مساء الإثنين ٤ يوليو ٢٠٢٢م، لدراسة خطاب قائد السلطة الانقلابية الفريق أول عبد الفتاح البرهان ، وبعد تداول مستفيض ترى قوى الحرية والتغيير الآتي :
١ _قرارات قائد السلطة الانقلابية هي مناورة مكشوفة وتراجع تكتيكي َيَقبل ظاهرياً بمبدأ عودة الجيش للثكنات مع إفراغ هذا المبدأ من محتواه، هذا التراجع التكتيكي جاء نتيجة للمقاومة الجماهيرية المتواصلة التي بلغت أشدها في الثلاثين من يونيو، ليثبت بأن قوى الثورة تتقدم يوماً بعد يوم وأن الانقلاب يتراجع ويتقهقر ويُهزم يومياً .
٢_ عودة الجيش للثكنات لا تتم بفرض وصايةٍ من قائده على شكل الحكومة المدنية وآليات تشكيلها، ولا تُسقط قضايا الإصلاح الأمني والعسكري، الذي يقود لجيش واحد مهني وقومي تدمج فيه قوات الدعم السريع والحركات المسلحة وفق إطار زمني واجراءات معلومة، وخروج المؤسسة العسكرية والأمنية من النشاط الاقتصادي والسياسي، واقتصار مهامها على الدفاع عن أمن البلاد تحت القيادة المدنية.
٣_ جوهر الأزمة الحالية هو انقلاب ٢٥ أكتوبر ٢٠٢١ وما تبعه من تدهور في كافة مناحي الحياة في البلاد حتى صارت محاصرة بشبح المجاعة وازدياد وتيرة الفقر والتوترات الأمنية وفشل الموسم الزراعي، عليه فإن محاولة السلطة الانقلابية لتصوير الأزمة كصراع بين المدنيين ما هي إلا ذَر للرماد في العيون، كما أن تعميم تعبير المدنيين يخلط بين قوى الثورة التي قاومت الانقلاب وتلك الأطراف المدنية التي دعمت الانقلاب أو كانت ضمن منظومة النظام البائد، إن التعريف الصحيح للأزمة يقود للحل الصحيح، لذا فإن الحل يبدأ بتنحي السلطة الانقلابية عن سدة السلطة ومن ثم تشكيل قوى الثورة لسلطة مدنية انتقالية كاملة وفق إعلان دستوري يحدد هياكل الانتقال وقضاياه بما فيها قضية دور المؤسسة العسكرية ومهامها، فالأمر ليس محض تشكيل حكومة تنفيذية، بل هو حزمة متكاملة تشمل قضايا الإصلاح الأمني والعسكري والجيش الواحد المهني القومي، والعدالة التي تكشف الجرائم وتحاسب مقترفيها، وقضايا الاقتصاد ومعاش الناس وتفكيك نظام ٣٠ يونيو ١٩٨٩، وبناء واستكمال السلام، وتمهيد الطريق لانتخابات حرة ونزيهة يختار فيها الشعب من يحكمه.
٤_ يثبت الانقلاب في كل يوم أن السلام لا يمكن أن يبنى أو تطبق اتفاقاته تحت ظل حكم عسكري استبدادي، وإن الطريق الأفضل لضمان تحقيق السلام الشامل العادل هو السلطة المدنيةالديمقراطية المعبرة عن الشعب والمنحازة لقضاياه، لقد ناضلت حركات الكفاح المسلح ضد نظام الإنقاذ وساهمت مع الحراك المدني الجماهيري في اسقاطه، لذا فإن تموضع أي منها ضمن معسكر الانقلاب يمثل تنكراً للقيم التي ناضلت من أجلها، ويفارق آمال وتطلعات المهمشين والنازحين واللاجئين.
٥_ قوى الحرية والتغيير قطعت أشواطاً مهمة مع قوى الثورة في بناء الجبهة المدنية الموحدة، وواجباتنا جميعاً الآن هي مواصلة التصعيد الجماهيري بكافة طرقه السلمية من اعتصامات ومواكب والاضراب السياسي وصولاً للعصيان المدني الذي يجبر السلطة الانقلابية على التنحي لتقوم على انقاضها سلطة مدنية ديمقراطية كاملة تعبر عن الثورة وقضاياها، عليه فإن عمل المقاومة السلمية الذي نعمل فيه مجتمعين سيرافقه عمل سياسي دؤوب لإتفاق قوى الثورة على إعلان دستوري يحدد قضايا المرحلة الانتقالية وهياكلها وكيفية تشكيلها ويشرع في بناء البديل المدني الديمقراطي وهي واجبات لن نتأخر فيها إطلاقاً، في هذا السياق تلقينا عدداً من المبادرات المهمة من قوى ثورية أخرى سنتعاطى معها ايجاباً وستظهر الأيام القليلة المقبلة أفعالاً على الأرض نعمل على أن تقود لتحول نوعي ايجابي في مسار هزيمة وإسقاط إنقلاب ٢٥ أكتوبر وتشييعه إلى مثواه الأخير.
٦_ سنكثف في قوى الحرية والتغيير وتيرة اتصالاتنا مع الأسرة الإقليمية والدولية، بغرض مناقشة تطورات الراهن السياسي، وحشد السند والتضامن مع الشعب السوداني في مقاومته للاستبداد وسعيه للحرية والسلام والعدالة، لقد أثبتنا عملياً عبر تعاطينا الايجابي مع المبادرات الدولية المطروحة أن قوى الثورة لها مطالب عادلة تسعى لبلوغها بكل السبل السلمية بصورة موضوعية وعقلانية، وأن السلطة الانقلابية تستخدم دعوات الحوار كمحاولات لشرعنة انقلابها وفك العزلة عنها وهو ما لم ولن تنجح فيه اطلاقاً.
قوى الحرية والتغيير – المكتب التنفيذي
٥ يوليو ٢٠٢٢م
الحاكم نيوز وجهة جديدة في عالم الصحافة الرقمية المتطورة... سرعة اكتر مصداقية اكتر دقة وانتشار للخبر والإعلان
More...
ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ነዊሕን መሪርን ዝኾነ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ ስጊሩ ሓንቲ ነጻ ( ልዕላዊት) ሃገር ክምስርት ከሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ደጋፍን፡ ተደናጋጽን ህዝባዊ ግንባር፣ እቲ ኣባል መሪሕነቱ ፡ ብፍላይ ኢሰያስ ዝመርሖ ጉጅለ ከም'ዚ ኢሉ ክጠልሞ እዩ ነዚ ህዝቢ ዝብል እምነት ኣይነበረን።
እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ደጋፊ ህዝባን ግን ዋል እኳ ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ 81 እንተወጸት፡ ከም ኣካል ህዝቢ መጠን ነቲ ትማሊ "ጀብሃ ክትሓቅቅ እያ" ዝበሎ ሎሚ " ገይም ኦቨር" ጸወታ ተወዲኡ ዝበሎ መሪሕነት ኢሰያስ ብህይወት ኣለናን ንቃልሰ ኣለናን፡ ነዚ ደንበ ተቋውሞ ክሳብ ሎሚ ሰሰይ ኣቢሎም ዘጽነሕዎ፡ እቲ መሪሕነት ኣስመራ እንተ ኣትዩ፡ ህዝብና ብሽግርን ምሕደራ ናብ ምልኪ ክሳጣሕ እዩ ዝበሎ፡ ከም'ኡ ድማ ኮይኑ።
ልክዕ'ዩ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ እቲ ኣብ ከተማ ነባሪ ነቲ ናይ ተሓኤ ታሪኽን ጉዕዞን ኣጸቢቁ ኣይፈልጦን'ዩ፡ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ትሕቲ 40 ዓመት ዘለዉ ሓንቲ ኣፍልጦ ብዛዕባ ጀብሃ የብሎምን፡ ብጀካ እተን ግናይ ፖለቲካ ህግደፍ ዝመሃሮምን ምስ ወጹ ድማ ጥምዙዝ ፖለቲካ ዝሓዙ ዝነዝሕዎ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ እንተ ዘይኮይኑ።
እተን ናይ መጀመሪያ ሸውዓተ ዓመት መገዲ ብተዛማዲ ሰላም ዝነበረላ ህዝቢ፡ ዝበሃል እንተነበረ፡ እቲ ዝተራእየ ውግእ ኢትዮ- ኤርትራ ብዙሕ መንእሰይ ኤርትራ ህይወት ዝተኸፍሎን፡ ህዝብና ድማ ዝተዛናበለሉ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ውግእ ከም ናይ ወያነ ወራር ኢሉ ብስርዓት ኢሰያስ ከም መጻልኢ ክጥቀመሉ ዝጀመረ ኣብ'ቲ እዋን እዩ። ስለ ሓቂ ድማ እቲ ኣካል ህዝብና ኣብ ኢትዮጵያ ዝቅመጥ ዝነበረን፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዝገበሮም ነገር ዘይብሉ ንብረቱን ገንዘቡን ራሕሪሑ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ዝመርሖ ተጠሪዙ ናብ ኤርትራ ዝኸደሉ ብምንባሩ፡ እቲ ኣካል ህዝቢ እቲ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ቅሬታኡን ቂሙን ሒዙ፡ ሎሚ እቶም ነኣሽቱ ቆልዑ ዝነበሩ ዓብዮም እቶም ኣብ ልዕሊ ወያነ (መንግስቲ) ኢትዮጵያ ቀንዲ ደገፍቲ እዚ ስርዓት ንኽኾኑ ኣኽኢሉ ምዃኑ እዩ።
ምልስ ኢልና ነዚ ስርዓት ኣስመራ ዘማሓድር ዘሎን መንግስቲ ትግራይ ( ህውሓት) ኣብ መቀለ ዘሎን ቅድምን ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ጽቡቅ ዝምንድናታት ብምንባሩ ህውሓት መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሓዙ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሽግራት ኣብ ምውሳን መጻኢ ዕድል ኤርትራ ክሽፈን ተኻኢሉ እዩ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝኣተወ ህግ ድማ ንህወሓት ይኹን ኢህወደግ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽጭብጥ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ነቲ ሰውራ ኤርትራ ዝፈልጥን ዝተዓዘበ ዘሸግር ኣይነበረን።
እቲ ዝምድናታት እንበኣር እናኸፍኤ ብምኻዱ፡ እሞ እቲ ምስምስ ጉዳይ ዶብ ብናይ ዶብ ኮሚሽን መወዳእታን ቀያድን ዝብል ስምምዕ ኣብ ባይታ ክትግበር ኣይተኻእለን፡ ኣብ'ዚ ክልቲኡ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፡ ብዝያዳ መንእሰይ ኤርትራ ተጎዳኢ ናይ'ዚ ዘይተቀባልነትን ዘይምትግባርን እዩ ኮይኑ፡ ገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊኡ ተሸኪሙ ክኸይድ ተገይሩ። እቲ ውሳኔ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክቅበልዎ ነይርዎም፡ እቲ ብወገን ኤርትራ መንግስቲ እውን፡ እታ ውሳኔ ንኤርትራ ዝሕግዝ ብምንባሩ ጸገም ኣይነበረን ኮፍ ኢሎም ነእሽቱ ሽግራት ክፈትሑ። እዚ ዝኾነሉ ብኽልቲኦም ወገናት ካብ ዘይምትግባሩ ተረባሕቲ ነይሮም። እቲ ስርዓት ኣስመራ ብኣካይዳ እቲ ውግእን ሕቶ ቅዋምን ፡ስልጣንን ሓላፍነትን ህግደፍ ንምምይያጥ ዝጥለብ ዝነበረ ብላዕለዎት መራሕቲ ጉጅለ 15 ዝፍለጡን፡ ጽዑቅ ጎስጓሳትን ቃለ - መሕትትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ፖለቲካዊ ግጥምያ ነቲ ስርዓት የንቀጥቅጥ ብምንባሩ፡ ኣቅልቦ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሃገሩ ከይሳተፍ ህዝቢ ናብ ጸላእቱ ናይ ግዳም ( ወያነ) ኮተኩር ገይርዎ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ዋል እኳ ናይ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ኣብ ዶብ ምስጋር እንተኣርኣዩ፡ ነቲ ውሳኔ ምቅባል ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ህወሓት ( ትግራይ) ሽግር ፈጢሩ ብምንባሩ፡ በቶም ካልኦት ሓይልታት ኢትዮጵያ ፡ሕጂ'ውን ንኤርትራ ዘርብሕ ስምምዕ ፈሪሞም ከይበሃሉ፡ ዝያዳ ኢትዮጵያውያን ክመስሉ ነቲ ስምምዕ ተግራዊ ክኸውን ዝዓንቀጹ ንሶም እዮም ነይሮም።
ደንበ ተቓውሞ
እዚ ሓይሊ'ዚ ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ዝኣምን፣ ብዙሕነት ህዝባ ዝኣምን ኮይኑ ንምልካዊ ስርዓት ኣልዩ ሓደ ንኹላትና ከም ህዝቢ እንቅየደሉ ቅዋማዊ ምሕደራ ዝነግሰሉ፣ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ድማ ኤርትራዊ ዜጋ ነጻ ባእታ ንምርግጋጽ ፣ ፍትሕን ዲሞክራስን መበገሲ ከም መትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ክመርጽ፣ ኣብዝሐ- ሰልፍታት ዘእንግድ፥ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ምቅብባል ዝብሉ ከም ሓፈሻዊ ዕላማ ዝሰማማዕ እዩ።
ደለይቲ ለውጢ ይኹን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ስርዓት ምልኪ ንምውዳቅ እንተዘይኮይኑ ኣንጻር ሰባት፣ ጉጅለ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር ኣይኮነን፡ ወይ ድማ ኣንጻር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን፣ ሰውራ ኤርትራን፡ ህላወን ቀጻልነትን ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን። እቶም ዝብህጎም ሰላም፣ ምዕብልና፣ ቅሳነት፣ ዕቤት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ውግእን ወረ ውግእን ኣጥፊኡ ፡ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝተመርኮሰ ዝፈጥር፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ታሪኽን ዘሎን ብተግባር ጻዕራም፣ ንስድራ-ቤቱ ሓላይ ኣብ ዝኸዶ ቦታን ሃገር ዓቢ ጽልዋ ዝገድፍ ብምዃኑ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝቅመጡ እንበኣር እናተወዳደረ ናብርኡ ከማሓይሽ ከም ዝኽእል ተስፋ ዝቅመጦ ህዝቢ እዩ።
ናብኡ ንምብጻሕ እንበኣር ደንበ ተቋውሞ ሽግራቱ እናኣለየ፡ ብዝያዳ ሎሚ ኩላትና እቲ ውድቀት ናይ'ዛ ሃገርና ኤርትራ ብጀካ እዚ ሓይሊ ደንበ ናይ ለውጢ ካልእ፡ ከም ስርዓት ምልኪ ይኹን ካልእ ናይ ግዳም ሓይልታትን ተሓባበርቶም ደቂ እዛ ሃገር ከድሕንዎ ክከላኸልሉ ኣይክእሉን። ስለዚ እዚ ደንበ'ዚ ብዙሕ ዝንቀፈሉ ጉዳይ ከም ዘለው ኩላትና እንረዳድኣሉ ነገር እዩ። እንተኾነ ኣብ'ቲ ዕላማ ስለዘይፈላለ ዝተወደበን ዘይተወደበን ብሃገራዊ ሓላፍነት ተደሪኽና፡ ነቶም ዘይገበርናዮም ዝምድናታት ሓልይታት ለውጢ ከነሐይሎም፡ እቶም ክሳብ ሎሚ ሒዝናዮም ዘሎና ኣብ እምነት ህዝብናን ሃገርናን ክንቅጽሎ እዩ ጻውዒት።
ህወሓት ኣብ 4 ኪሎ
ከም ዝፍለጥ እቲ ድሕሪ ውግእ ኢትዮ- ኤርትራ መንግስቲ ኢሰያስ ነቶም ናይ ኢትዮጵያ ተቋወምቲ ናብ ኣስመራ ዓዲሙ ንኽንቀሳቀሱ ክገብር እንከሎ፡ መንግስቲ ኢህወደግ ( ህወሓት) ዝመርሖ ነቶም ኣቀዲሙ ምስ ህግደፍ ኮይኑ ዝኽልክሎምን ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሖም ዝነበሩ ደንበ ተቋውሞ ናብ ኢትዮጵያ ዓዲሞም ዝኣክል ሓገዛት ክገብርሎም ዝጀመሩሉ እዋን እዩ ነይሩ ኣብ'ቲ 2000 ዓ ፈ። እቲ ብኣወንታዊ ዝግለጽ ኣበርክቶ ዝገበርዎ ከም መንግስቲ፡ ነቲ ስደተኛ መንእሰይ ኤርትራ ናይ ምቅባል ዘርኣይዎን፡ ብዝያዳ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣካሉ ርእዩ ንኸይጋየሽ ኣኽኢሉዎ እዩ። ነተን ውድባት ኤርትራ ብላዕሊ ላዕሊ ክትርእዮ ከለኻ ንኽንቀሳቐሱን ናይ ሓገዝ (ገንዘብ ) ይገብርሎም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ምምስራት ምሕዝነት ሓይልታት ኤርትራ ጅምር ከየበለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ብቅሉዕ ኢዶም ከእትዉ ብምጅማሮም ደንበ ተቋውሞ ስኽፍታ ከልዕል ጀሚሮም። ብዝለዓለ ድማ ነተን ዝነበራ ውድባት ፡በቲ ንሶም ዝርእይዎ ፖለቲካዊ ርእይቶ ናይ ኤትኒክ ፈደራሊዝም ከስርጹን፣ ክጸልዉን፣ ሓለፋ ክህቡን፡ ነተን ዘይተመስረታ ብሄራት ድማ እናኣተባብዑ ካብ ንቅድሚት ንድሕሪት መሊሲሞ። እቲ ዝኸፍኤ ድማ ብጀኻ ነታ ናጽነት ኤርትራ ምእማን ኣብ 91 ዘርኣይዎ ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ይትረፍ ሓንቲ ድኽምቲ ሃገር ንኽትህሉ ንሶም ድማ ብነጻ ንኢትዮጵያ ክገዝኡ ዝጽዕሩ እዮም ዝነበሩ፡ ክሳብ ሎሚ'ውን እቲ ሓሳብ ዝቀየርዎ ኣይመስለንን። እዚ ክበሃል ከሎ ድኽመት ኣይነበሮምን እተን ውድባት ማለት ኣይኮነን። ንሱ ድማ ብዙሕ ተዘሪብሉ ስለዝኾነ፡ ነቲ ደንበ ተቛውሞ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ብሕጽር ዝበለ ህወሓት ዝመርሖ ኢትዮጵያ ንደለይቲ ለውጢ ኤርትራ ኣሉታዊ ግደ እዮም ተጻዊቶም እቲ መደምደምታ።
ናይ ቀረባ ኣብነት ፡እዚ ዘስካሕክሕ ወራር ብህግደፍ ዝተኣወጀ ንህወሓት ረኸብኩ ኢሉ ዝፈጸሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ብጀካ ውሑዳት መሳርሕቲ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ቅሬታኡ ኣርእዩ፣ ደገፉ ለጊሱ፡ እቲ ዝተረፈ ዕንወትን በደልን ዝተፈጸመ ኣብ ናይ ዓለም ሕጊ ቀሪቡ መዕጸዊ ይገበረሉ። እዚ ከይወርዶ ህዝቢ ትግራይ ብመጀመርያ ንህዝቡ ክከላኸል ኣየኽኣሎን፡ ነቶም ነቲ ስርዓት ክቅይሮ ዋናኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ኣሚኑ ፡እሞ ንሳ እታ ኤርትራ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝምርኮስ ንህዝቢ ትግራይ ብስትራተጂ ዓይኒ ኣወንታ ኢሎም ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ ምምቅቃል ንሶምን ህዝቢ ትግራይ ምደሓነ፣ እቲ ዝወረረ ድማ ካብ ስልጣኑ ብህዝቢ ኤርትራ ተኣልዩ ምነበረ። ሕጂ መንግስቲ ትግራይ ወይ ህወሓት ተማሂርኩም ዶ ትኾኑ? ዝብል ንዓኹም ይገድፎ።
ሓይልታት ፈልሲ
ኣዚ ዝተራእየ ወራር ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድመ ህግደፍ ዝሓወሰ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሬት ትግራይን ንኹሉ ዘቆጠዕን ዘሎ ዝበሃል ተቋውሞ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ኣብ'ቲ ሓዘኑ ተሳቲፉ እዩ። እቲ ዝስዕብ ብልክዕ ከም'ዚ ክኸውን እዩ ንኽትብሎ ዘጸግም እንተኾነ መንገዲ ትግራይ ናበይ እዩ ዝብል ኣብ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ነይሩን ኣሎን። እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምርጫ ህወሓት ወይ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ፡ ክክሕሶ እንተ ኾይኑ ሓንቲ ልዕልዊት ዝኾነት ሃገር ትግራይ ምምስራት ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ መኪቱ ብመሪሕነት ህወሓት ናብ መቀለ ምስ ተመልሰ፡ እሞ ናብ ደቡብ ገጹ ክኸይድ ምስ ተራእየ፡ ስጊንጢር ፖለቲካ ገል ኤርትራውያን ሓ. ም. ት. TDF ንሕና ንጸልኦ ንሶም ንህግደፍ ይጸልእዎ፡ ስለዚ ንኤርትራ ይውረርዋ ኢልካ ዘረባታት እታ ትግራይ ትዕወት ናብ ትግራይ ትውረር ዝብል ሰጊራ ፡እቲ ደንበ ተቋውሞ ኣጥርይዎ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ደገፍ ፡ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ከሲርዎ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብፍላይ ዝተራእየ ጎስጓስን ጽልዋ ሓደሓደ ካድረታት ህወሓትን ተቀበልቶምን ንታሪኽ ሰውራ ምቁሻሽ ዝጀመርሉ፣ ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ክጸልእ ምግባር ንሃገር ዝጸልእን ዘቋሽሹ፡ እታ ሽፍታ ገድሊ'ውን ኣብ'ታ ትግራይ እያ ጀሚራ፡ ፈላስፋታቱ ከኣ ርእይና ኢና።
ነቲ ንሶም ይጸልእዎ፡ ንሕና’ውን ንጸሎ ንህግደፍ፣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ( ህወሓት) ብሓባር ኮይና ንእለዮ ዝበሃል፡ መን ብዘየገድስ ምስ ናይ ግዳም ሓይሊ ንልዕላውነት ሃገር (ኤርትራ) ምድፋር፡ ጥራሕ ዘይኮነስ ምኽሓድ እዩ ዘስምዕ።
እሞ እዞም የሕዋትና ፈልሲ ፖለቲካ ገዲፎም ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ክኣምኑ፣ እቲ ኩሉ ቃልሲ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ቅሳነትን ምምጻእ ስለዝኾነ፡ ብዝተፈላየ ምኽንያት ብዘየገድስ ምስ'ዚ ሓይልታት ፈልሲ ፍታሕ ክመጽእ ይትረፍ ንሶም ፡እቶም ዝጽበዩዎም ዘለዉ ክረድእዎም ይትረፍ ዓብይ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ናብ'ቲ ዝነበርኩሞ ደንበ ተቋውሞ ተመለሱ እሞ ጉዳይ ገዛና ባዕልና ናይ ኤርትራውያን ይኹን።
5 ሓምለ2022
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኩሉ ዝሓለፍናዮ መድረኻት ቃልሲ ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ከምኡ ኣሎ። ጽባሕ ከኣ ቀጻሊ እዩ። ናይቲ ቃልሲ ማእከል ህዝቢ እዩ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ቃልሲ ህዝባዊ ረብሓ ምርግጋጽ ምዃኑ ተገንዚቡ ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ እዩ ማለት’ዩ፡ ናይቲ ቃልሲ ዓወት ተረጋጊጹ ዝበሃል ከኣ ናይ ህዝቢ ሕቶታት መሰረታዊ መልሲ ክረኽቡ እንከለዉ እዩ።
ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ታሪኻውን ኣንጸባራቕን ዓወት እዩ፡ ካብ ዝበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ብሃንቀውታ ክጽበዮን ዋጋ ክኸፍለሉን ንዝጸንሐ ሃገራዊ መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ኣንጸባራቒ ዓወት ክረጋገጽ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣስተዋጽኦ ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ቀንዲ ማእከል ኮይኑ ናብ ዓወት ዘብጸሐ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይቶም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ወጺኦም፡ ዝተፈላለየ መልክዕ ውዳበታት ሒዞም ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ኤርትራዊ ሓይልታት ናይ ምውህሃድን ምምራሕን ግደ ዓብይ ምዃኑኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ንማእከላዊ ግደ ህዝቢ ዝትክእ ግና ኣይኮነን። እቲ ሓሓሊፉ ክረአ ዝጸንሐ ጌና ሎሚ እውን ኣሰራቱ ዘሎ፡ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘንጊዕካ፡ ንዓኡ ተኪእካ ናይቲ ቃልስን ዓወትን ዝለዓለ ቀላሲ ክትከውን ምፍታን፡ ካብቶም ንጉዕዞ ቃልስና ንድሕሪት ዝጐቱ ጠንቅታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ናይ ግዳም ሓይልታት ደገፍን ምትሕብባርን እውን ካብ ምጽላውን ምትብባዕን ሓሊፉ ንኤርትራዊ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝትክእ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ “ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝበሃል፡ ንማለቱ ዝድረፍ ዘይኮነ፡ ካብዚ መስረታዊ ምኽንያት ዝነቅል እዩ።
ድሕሪ ናጽነት ነካይዶ ናይ ዘለና ቃልሲ ማእከል እውን ከምቲ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓርነታዊ ቃልስና ጌና ኣይተዓወተን ቃልስና ግና ቀጻሊ እዩ፡ ንብል ዘለና ከኣ መሰረታዊ ባህግታት ህዝብና ኣይተመለሰን ካብ ዝብል መሰረታዊ ዕግበት ዝነቅል እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ሳላ ህዝባዊ ማእከሉ ዘይለቐቐ ዝተዓወተ እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ብዘተኣማምን ናይ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ዕድል ዝውሰን፡ ብናይ ህዝቢ ማእከላይን ወሳናይን ቦታ ምሓዙን ዘይምሓዙን እዩ። ህዝቢ ናይ ቃልሱን ዓወቱን ማእከል ንክኸውን ድማ ብተሳትፍኡ እምበር፡ ኢደ-እግሩ ኣኪቡ፡ ዓወት ካብ ኢድ ካለኦት ብምጽባይ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ኣብ ቃልስና ህዝባዊ ተሳትፎ ናይ ዓወትና ዋሕስ ምዃኑ ዝእመነሉ።
ፖለቲካዊ ውድባትናን ሰልፍታትናን ከምኡ እውን ካለኦት ውዳበታት፡ ንክዕወቱ እቲ ቀላሲ ግደ ህዝቢ ከይልቀቕ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ህዝባዊ ማእከል ዘይምልቃቕ ማለት፡ እትምርሓሉ መትከላት ክትትልም፡ ፖሊሲ ክትቀርጽ፡ ውሳነታት ክትውስን ኮነ፡ ቀጥዒ ዝምድናታትካ ክትሕንጽጽ እንከለኻ፡ ኮታ መጻኢኻ ክትቅይስ እንከለኻ፡ እትምርኮሰሉ መጽናዕቲ፡ ማእከላይ ብጽሒትን ባህግን ህዝቢ ከይትስሕት ምጥንቃቕ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ህዝቢ ትጽቢትን ወሳኒ ግደን ዘንጊዕካ፡ መምስ ዝተቀልቀለ ጫፋት እንዳተዓዘርካ “ምስ ህዝብና ኣለና” ምባል፡ ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ ሓደጋ ዘኸትል እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መጻኢ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ከዕዝዞ እንከሎ “ሰዲህኤ፡ ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ይብል።
ኣብዚ በብኩርናዑ ናይ ኣተሓሳስባ ሸለውለው ሓይልሉ ዘሎ ግዜን ኩነታትን፡ “ናይ ቃልስና ማእከል ህዝብና እዩ” ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ኣጽኒዕና ክንሕዝ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ፡ መልከዓቱ እንተዘይተፈላልዩ፡ ኣብቲ “ናይ ቃልስና ማእከል ህዝቢ እዩ” ዝብል ግንዛበ ጐሊሑ ዝረአ ጸገም ኣይጸነሓናን። ካብቲ ብስም ህዝቢ ዝዝመር ኣየናዩ እዩ እቲ ሓቀኛ፡ ኣየናይከ እዩ እቲ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ብስም ህዝቢ ዝዝመር ግና ደቂቕ ዳህሳስ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ከይተረፈ ደጋፍን ሓላይን ህዝቢ እናመሰለ “ንብዓት ሓርማዝ” ስለ ዝነብዕ። ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዝሓለፈ መድረኻት፡ ቃልስና ከባብያዊ ናይ ምስፍሕፋሕ መልክዕ ይሕዝ ስለ ዘሎ፡ ንዓኻ ዝመስል ሃሰስ ኢልካ ምዝማድ ዘይስገር ይኸውን ኣሎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘንጊዕካ፡ ጫፋት መመዚዝካ ናይ ምጉታት ዝንባለታት ከም ዝንጸባረቕ ንዕዘብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ረብሓ ኣብ ዘይነጸረሉ፡ ካብ በትሪ ምዕራባውያን ንምህዳም ብዝመስል፡ ምስ በዓል ሩሲያ ይሻረኽ ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ “ንሓንሳብ ምስ ሓይልታት ትግራይ፡ ንሓንሳብ ድማ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ኢና ዝቃንኦም ድምጽታት ዝብርኹ ዘለዉ ይመስሉ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዘድልዮ ከኣ፡ ኣብ ቅድሜና ካብዞም ጫፋት ወጻኢ ካልእ ምርጫ ከምዘየለ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ነቲ ነዚ ጫፋት ዘይረዓመ ወገን፡ ካብ ቃልሲ ከም ዝበኾረ ኣምሲልካ ብምውሳድ ንስኻ ጥራይ ብጉዳይ ህዝቢ እትሕለቕ ኣምሲልካ ምቕራብ ሓሓሊፉ ይቀላቐል ምህላዉን እዩ። ብመሰረቱ ግና ሓደ ጫፍ ጥራይ ምጉታት፡ ንድሌት ህዝቢ ዘየንጸባርቕን ዘየሳትፍን፡ ከኸትሎ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤን ኣርሒቑ ዘይእምት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንሓቢርካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ምዕዋት ዘይሕግዝ ስለ ዝኸውን ኣሰካፊ እዩ።
ህዝቢ ዝማእከሉ፡ ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝካ ምኻድ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዝተረደአ፡ ሓቢርካን ተኸኣኢልካን ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ተዓዋቲ ምዃኑ ዝተገንዘበ ሓቛፊ ምርጫ ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ። ነዚ ናይ ምክእኣልን ምጽዉዋርብ ምርጫ ምሓዝ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ብህዝቢ ዝምእከል፡ ዝሓሸ መጻኢ ዝጥምትን ሰላም ዘውሕስን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ናብ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ትዕወተሉ፡ ልዕልና ህዝብታት ተውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳይካ ናይ ምውሳን ነጻነትካ እትዕቅበሉ ተዓዋቲ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ዝወስድን መገዲ’ውን እዩ።
ጉዳያት ደባሊቕካ፡ በቲ ሓደ ወገን ንህዝባዊ ወሳንነት ከተሕይልን ከተውሕስን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ድሌታትካ እተንግሰሉ መንገዲ ምኽታል ዝቃደዉ ኣይኮነን። ናይዞም ንሓርነት ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ወገናት ምርጫ፡ ልዕሊ ኩሉ ልኡላውነትን ናጽነትን ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ምስራዕ ዘይዝለል እዩ። ነዚ ዓቂብካ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ካብ ህዝቢ ብእትረኽቦ ተቐባልነትን ፈቓድን ናብ ስልጣን ምምጻእ ግና ሓላል እምበር ሓራም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ንማእከላይ ግደ ህዝቢና ኣብ ገዛእ ጉዳዩን ሃገሩን ደፊኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። እሞ እቶም ኣንጻርዚ ጥልመት ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢኸ፡ ጫፋት እናጎተትና ሓድነትና ብምድኻም፡ ብሓባር ናይ ምቅላስ ዕድልና ኣምኪናዶ መፍቶን ግዳይን ናይ ህግደፍ ንኸውን ወይስ ብናይ ሓባር ቅልጽም፡ ንቂመኛ ጸላኢ ህዝብና ንሰብር?
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ናይሮቢ ተዘራሪቦም፡ ኣልቡርሃን “ስልጣን ከረክብ እየ” ኢሎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልብርሃንን ብ5 ሓምለ 2022 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። እዞም መራሕቲ ናብ ናይሮቢ ዘምርሑ ኣብ መበል 39 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንምስታፍ ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።
እቲ ዜና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝበልዎ ጠቒሱ ከም ዘስፈሮ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ዝፈላልየን ዘራኽበን ስለ ዝበዝሕ ኣብዚ እዋንዚ ብጉዳይ ዶብን መስርሕ ህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያን ዘለወን ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሑ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ናይ ናይሮቢ ርክቦም ተሰማሚዖም።
ቅድሚ ሰሙን ሓይልታት ሱዳን፡ “ሽውዓተ ወተሃደራተይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም” ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን ዘሰሃሕብ ኣል ፋሽቃን ከባቢኡን ናይ ከቢድ ብረትን ኣጋር ሰራዊትን መጥቃዕቲ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ። ናይቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ናይተን ኣባል ሃገራት ኮይኑ፡ ብፍላይ እናወሰኸ ክኸይድ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ኢጋድ ስኽፍታ ፈጢሩ ዘሎ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ከረክቡ ቅሩብ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ካብ መርበብ ኣል ዓይን ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቶም ጀነራል ከምዚ ዓይነት ቃል ዝኣተዉ፡ ብሰንክቲ ብፍላይ ድሕሪ ዝሓለፈ ሓዳር 2021 ዕልዋ ምክያዶም፡ መመሊሱ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ተገዲዶም እዮም። እቶም ጀነራል ኣተሓሒዞም ስልጣን ናብ ሲቪል ኣብ ናይ ምስግጋር መስርሕ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ክፍሊ ከም ዝተሓባበር ቃል ኣትዮም።
ናይ ሱዳን ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብወገኑ፡ እዞም ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሓቂ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ዘይኮነ፡ “ግዝያዊ ምንስሓብ” ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ። እቶም ጀነራል ስልጣን ዘረክብሉ ግዜ ዘይምጥቃሶም ከኣ ዝያዳ ጥርጠራ ዘሕድር ምዃኑ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ስግኣቶም ገሊጾም።