ቀዳማይ ሶማሊያ ዝመበቆሎም፡ ኣባል ፓርላማ ፊንላንድ ሱልዳን ሰይድ መሓመድ፡  ፍሉይ ልኡኽ ፊንላድን፡ ናይቲ መበቆል ሃገሮም እትርከቦ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ኮይኖም ከም ዝተመዘዙ፡ መሓመድ ደይሳን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪፊንላንድ ብምጥቃስ፡ ካብ መቃድሾ ሓቢሩ። ሱልዳን ሰይድ መሓመድ ኣብቲ ተባራዒ ጸገማት ዘለዎ ቀርኒ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ምሕጋዝ ቀንዲ ዕማሞም ከም ዝኸውን እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፊንላንድ ምስ መብዛሕተኣን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብን ዝምድናን ከም ዘለዎ  ኣረጋጊጹ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ፊንላንድ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ተኣፋፊ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊቲ ንዓመታት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ደርቂ፡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ግርጭታት ዝሳቐ እዩ። ብመሰረ ናይ ጸጥታን ወጻኢ ጉዳይን ፖሊሲ ፊንላንድ እቲ ቀዳምነት ዝህቦ ዘተ ሰላም  እዩ።

ናይዞም ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ምምዛዝ ዕላማ፡ ዝምድና ፊንላንድ ምስ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ምድልዳል፡ ግርጭታት ንሃዋህው ህድኣትን ጸጥታን ንክሕግዝ፡ ጸገማት ብሰላም ንምፍታሕ ኣስተዋጸኦ ምብርካትን ምስ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓሕዙ ጉዳያት ምብራኽን ዝምልከት እዩ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ነዚ መዝነት ዝምልከት ተወሳኺ ክፍሊት ከምዘይህልዎ ጠቒሶም፡ ነዚ ናይ ፍሉይ ልኡኽነት ሓላፍነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረከብዎ ብብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ምዃኑ ንትካል ዜና ኣናዶሉ (Anadolu) ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ናብዚ ሓላፍነት ምምዛዞም ከም ዘሕጉሶምን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ከም ዝጽዕሩ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገሹን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ህንጸት ሰላም ከም ዘሕይሉን ከኣ ጠቒሶም።

ኣድሚ ሕጂ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይናን ዓባይ ብሪታንያን ዝርከብዎም ወገናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት  ልኡኻቶም መዚዞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ ይኸውን ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ንሰላሳ ዓመታት፡ ብቐጻሊ፡ ኣንጻር ሓይልታት መግዛእቲ ትንፋስ ዘይህብ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣካይዱ። ህዝብና ኣብዚ ክትኣምኖ ዘጸግም ነዊሕ ጉዕዞ ውግእ ዝተጸምደ ከምቲ ጸላእቲ ኣብቲ  እዋን ቃልሲ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ናይ ውግእ ህርፋንን ትምክሕትን ዝደፍኦ ወይ ናይ ካለኦት ልኡኽ   ስለ ዝነበረ  ዘይኮነ፡ ናጽነቱ ብቓልሱ ካብ ምጭባጥ ሓሊፉ፡  ካልእ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። ዘካየዶ ቀጻሊ ውግኣት ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ከኣ ዝወሰዶ ግዜ ወሲዱ ክቡር ዋጋ ምስተኸፍሎ ተዓዊቱ። ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር  ኣይትስበርን”  ከኣ ብግብሪ ኣመስኪራ። ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መስርሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተራእየ ጽንዓትን፡ ከምቲ ገለ ወገናት “ኣብ ሽፍትነት ዘጋጠመ ሞት” ገይሮም ክገልጽዎ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ሓርበኝነት እቲ  ዋጋ ከኣ ክቡር መስዋእትነት ምንባሩ ኣብ ቅድሚ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ  ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብኽብሪ ሰሪጹ፡ ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ መወከሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ናብ ውግእ ክኣቱ ዘገድዶ ኩነታት ክፍጠር እዩ ዝብል ትጽቢቱ ኣይነበረን። ብግብሪ እውን ኣየጋጠመን። እቲ ዘሕዝን ግና ክሳብ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ውግእ ካብ ምኽፋል ዓዲ ዘይምውዓሉ እዩ።  ዋጋ ምኽፋሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ቃልሱ ኣሉታዊ ኮይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ  እዩ።  እቲ ውግእ ኣንጻር  ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትና ዝከኣለን ዝገበራን ሰውራናን ህዝቡን ዘዕቆባን ጐረባብትና ሃገራት ዘድሃበ  ምንባሩ ከኣ ዝያዳ የሕዝን። ኣብዚ ንውረድ ደይብ ተመኩሮ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳንን የመንን ድሕሪ ናጽነት ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጉጅለ ህግደፍ እንተዘየሳውሮ ከጋጥም ናይ ግድን ዘይነበረ ውግኣት ኣንጻር ጐረባብቲ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ካብቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሎ እንተዘይበዚሑ ዝውሕድ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ዳሕረዋይ ዋጋ  ዝያዳ ዝመረረ ዝገበሮ ድማ ብሰንኩ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ጌና ኣሰካፊ መልክዕ ሒዙ ምህላዉ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ናጽነት ዘግሃደ ነድሩ፡ ትብዓቱን ተወፋይነቱን ዝሒሉ ደሃይ ኣጥፊኡ “ስቕታ ስለ ዝመረጸ”፡ ገሪምዎም ብዙሓት ናይ ቅድም ትብዓቱን ጽንዓቱን ዝፈልጡ ወገናት፡ “እዚ ንሓይልታት መግዛእቲ ዘይተጻዕደ ህዝቢ እንታይ እዩ ዓዚምዎ?” ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብናቱ ዋጋ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውግእ ኣንጻር ጐረባብትና ሃገራት ኣብ ክንዲ ዝመሃር፡ ሓሓሊፉ ዳግማይ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ክወፍር እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገብር ስለ ዝርድኡ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣጻብዖም ናብ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ከመልክቱ ጸኒሖም። ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብቕሉዕ፡ “ኣይፋል ንሓሓሊፍካ ውግእ”  ዘይምባሉ፡  ነቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምትንኳሕ ከም ዝደገፎ ገይሮም ክርድእዎ እንከለዉ፡ ዘየግሃዶ  ምኽንያት ደኣ ይህልዎ እምበር፡ ወዮ “ብዛዕባ ውግእን ክሳርኡን ኣዝዩ ዓሚቕ ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራስ ውግእ ክድግፍ ዘይመስልዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እቲ ምስጢር ስቕታኡ ከኣ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ኩነኔኡ ዘይምስምዑ እዩ።

ህግደፍ ኣንጻር ጐረባብቲ ንዝኣጐዶ ውግኣት ዓው ኢሎም  ዝድግፉ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት፡ በብግዜኡ ካብታ ጃልባ ክወርዱ ከም ዝጸንሑ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ 2001 ጐሊሑ ዝተራእየ ነይሩ።  እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ሓቀኛ ረብሓ ህዝብና ተሰሊፎም፡ “ናብ ውግእ ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ዘይሓላፍነታውያን ኣይተንጸንቀቑን። እዞም ወገናት፡ ሎሚ’ውን ካብቲ ብተኸታታሊ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ዝተፈላለዩ ዙራት ኣንጻር ኢትዮጵያን ካብ ዝተኻየደን በብዓይነቱ ክሳራታት ዘኸተለን ውግኣት ተመኲሮም ኢደ-እግሮም ዘይምእካቦም ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዞም ወገናት ኣብ ኣእምሮኦም ሓይልን ዓመጽን ከም ናይ ብቕዓትን ብልጫን መመዘኒ ኮይኑ ዝሰረጾም እዮም። እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ እውን ሓሓሊፉ ይንጸባረቕ እዩ።  ጠንቁን ሳዕቤኑን ከይመርመርካን ምስ ህልዊ ኩነታት ከየመዛዘንካን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ዝያዳ ናብ ሓይሊ ዘዘንበለ ምርጫ ጥራይ እንተዘይተኸተልና፡ ንዝብሉ ዝያዳ ኣጉሊሕካ ንምቕራብ ዝረአ ኣድህቦ ናይዚ ስምዒት መግለጺ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ክንዲ ንናይ ኣተሓሳስባ ብስለት፡ ውድዕነትን ቀጻልነትን ምግንዛብ፡ ኣብ ሓይሊ ምምላኽ ምስ ህግደፍ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ግጉይ ኤርትራዊ ባይታ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ምግንዛብ የድሊ። ንምርጫ ህግደፍ ምርጫኻ ናይ ምግባሩ ዝንባለ ዘለዎ’ውን ይመስል።

ብሰንኪ መንገዲ ሰላምን ርጉእ ጉርብትናን ጓስዩ፡ ዘይሓላፍነታዊ ውግእን ዕንደራን ዝመረጸ  ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሞት፡ ምምዝባል፡ ስደትን ዕንወትን ከጋጥም ጸኒሑ እዩ ጌና’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ነዞም በብግዜኡ ዘጋጠሙ ዕንወታት ከም ሳዕቤን ኣጉሊሕካ ምቕራቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ጠንቂ መን ከም ዝሕተተሎም ኣዕሚቕካ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። ህግደፍ ግና ናቱ ጠንቅነት ንምሕባእ፡ ነቲ ሳዕቤን ኣጉሊሑ ነቲ ተሓታትነት ካብኡ ንምርሓቕ እዩ ዝጽዕር። ብሰንኪቲ ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደን ጌና ደበናኡ መሊኡ ዘይተቐንጠጠን መንቀሊኡ ካልእ ክነሱ፡ “ናይ ባድመ”  እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጐጉሉ ጠንቅን ሳዕቤኑን ካብኡ ንምርሓቕ ህግደፍ ዝገብሮ ጻዕርን፡ ዝጻሕተሮ ጽልእን ከም ሜላ መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ዝተጠቕመሉ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብዘይካቲ ህግደፍ ሓሓሊፉ ዝኣጐዶ  ውግኣት ዝጠፈአ ኤርትራዊ ህይወትን ዝዓነወ ንዋትን፡ ንሓፈሻዊ ዕቤት ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ከኣ ንድሕሪት መሊስዎ ኢልካ ኣብ ዝግለጸሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። እዚ መራሒ ህግደፍ እውን በብግዜኡ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እዩ።  ድሌት ህዝብና ግና ቅድም፡ ሎሚ ኮነ ኣብ ንመጻኢ፡  ድሕሪ ናጽነት ሰላም ሰፊኑ ዕቤት ክብርኸሉ እዩ።  ካብዚ ብምንቃል ኢና እምበኣር “ምርጫ ህዝብና፡ ወትሩ ሰላምን ዕቤት’ዩ”  ኢልና እንጭርሕ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ብ11 ሰነ 2022 ዝመዘዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብ9 ሓምለ 2022 ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቚማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናብተን ዝቆማ ንኡሳን ኣካላት ከፋፊላ፡ ዝመርሑወን ከኣ  መሪጻ። እተን ዘቖመተን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ሰነዳት፡ ክፍሊ ገንዘብን ቀረብን፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝሳተፍቲ ኣባላትን ክፍሊ ዜናን እየን።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ቃለ-ጉባአ ተመያይጣ ኣብ ርእሲ ምጽዳቓ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብማእከላይ  ባይቶ ዝተመዘዙ 13 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ተመዲቦም ብዛዕባ ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰልፊ እውን ተመያይጣ።

እዛ ሽማግለ፡ ኣቐዲማ ብ26 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየደቶ በኹሪ ኣኼባ፡ ብጾት ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር፡ ደስበለ ካሕሳይ ምክትልን ኪዳነ በርሀ ጸሓፍን ኮይኖም ክመርሑ  ምምራጻ ዝዝከር እዩ።

ጉባአታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ቅዋሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ 4ይ ጉባአ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

Saturday, 09 July 2022 21:14

Dimtsi Harnnet Sweden 09.07.2022

Written by

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብ8 ሓምለ 2022፡ ኣብ ዙርያ  ዓመታዊ (2021-2022) ምንቅስቓስ ኮሚሽኖም መግለጺ ሂቦም። ኣብዚ መግለጺኦም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽኖም ከም ዝተዓጽወ ጠቒሶም።

ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ዝነበረ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከጻሪ ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣቱን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡  ክተሓባበሮ ቅሩብ ከምዘሎን ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣፈናዊ ምጽራይ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ኣብዚ መግለጺኦም ጠቒሶም።

እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ኮሚሽን ኣብዚ እዋንዚ ብቐጥታ ናብ ምጽራይ ክኣትው ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ መጻኢ ስራሑ ከመይ ከም ዘካይድ ኩነታት ከጣጥሕ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናት (genocide) ተኻይዱዶ ኣይተኻየደን ኣዛራቢ ዛዕባ  ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቶም ኮሚሽነር፡  ኣብዚ ጉዳይዚ ንምድምዳም ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ግና ኣይሓብኡን። ኣብ ርእሲዚ፡ ብጉልባብ “ምኽባር ሕጊ”፡ ዜጋታት ንዝተናወሐ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ምእሳር፡ ዜጋታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ሓቢእካ ምስቓይ፡ ከምኡ ከኣ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ መሰል ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ምውጻእ ዘይምኽባር ይረአ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ሓሓሊፉ ይረአ ንዘሎ ሕጋውን ኣውንታውን መስርሕ ናይ ምኽታል ስጉምቲታት ከኣ ኣመስጊኖም።

እቲ ዝቐረበ መግለጺ ሰፊሕ ኮይኑ፡ “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፡ ኢሰብኣውነትን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ እሱር፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳርን ምጭዋይን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ መሰል እሱራት ምግሃስን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን” ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ክፍልታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ናታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዘለዋ ክትከው እንከላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዓለም ለኻዊ ኣጻራይን መርማርን ግህሰታት  ሰብኣዊ መሰል ክትቅበል’ውን ተሰማሚዓ ኣላ።

ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ኣካል ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ኮሚሽነር ኣትዮም ክዕዘቡ እውን  ኣይፍቀደሎም እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ግዱሳት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣብ ቅድሚ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ጉጅለ ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ምስክርነቶም ከም ዝሃቡ ማእከል ዜና ኤርትራ (ERITREA HUB) ሓቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዘይካቲ ብረንዳን ኦ ሃራ ዝበሃሉ ኣባል ፓርላማ ዝምራሕ ዝግዱስ ጉጅለ፡ ካለኦት ብዛዕባ ዓለም ለኸ ናጽነት ሃይማኖትን ምክልኻል ጽንተትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝግደሱ ኣባላት ፓርላማ ከም ዝተስተፉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብቲ መድረኽ መግለጺ ዝሃቡ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ሄለን ብርሃነ ዝተባህለት ኣባል ቤተክርስትያን ኢቫንጀሊካን ብምዃና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ዝተሳቐየት ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ መግለጺኣ ብሰንኪ እምነታ 32 ኣዋርሕ ተኣሲራ ከም ዝተሳቐየት ገሊጻ። ብዘይካዚ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተኸተልቲ ምስልምና ዝወርድ በደል መብርሂ ሂቡ።  ዶ/ር ኣባ ኣንቶኒዮስ ሃብቱ ገብረ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብማሕበራዊ መራከቢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። መልእኽቶም ብዶ/ር ካታዛ ካብ ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ኤርትራዊት ኤልሳ ጭሩምን ከም ዝተደገፈ ከኣ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ሓቢሩ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ናብቲ ኣጋጣሚ ወኪል ከም ዝለኣኸን ናብቲ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ደብዳበ ከም ዝለኣኸን ተፈሊጡ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ክሒድዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ዝነጥፉን ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ከም ነትፉ ንምርዳእ ዝሕግዞም መግለጺ ብኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝተዋህቦም ካብቲ ዜና ምርዳእ ተኻኢሉ።  እቲ ኣጋጣሚ እቶም ኤርትራውያን ነቶም ትምህርቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘረድእሉ ዕድል ከም ዝኸፈተሎም’ውን ተፈሊጡ።

Thursday, 07 July 2022 20:03

Dimtsi Harnnet Kassel 07.07.2022

Written by

5 يوليو، 2022

0340

IMG 20200517 WA0018

 

بيان مهم

اجتمع المكتب التنفيذي لقوى الحرية والتغيير اجتماعاً طارئاً مساء الإثنين ٤ يوليو ٢٠٢٢م، لدراسة خطاب قائد السلطة الانقلابية الفريق أول عبد الفتاح البرهان ، وبعد تداول مستفيض ترى قوى الحرية والتغيير الآتي :

١ _قرارات قائد السلطة الانقلابية هي مناورة مكشوفة وتراجع تكتيكي َيَقبل ظاهرياً بمبدأ عودة الجيش للثكنات مع إفراغ هذا المبدأ من محتواه، هذا التراجع التكتيكي جاء نتيجة للمقاومة الجماهيرية المتواصلة التي بلغت أشدها في الثلاثين من يونيو، ليثبت بأن قوى الثورة تتقدم يوماً بعد يوم وأن الانقلاب يتراجع ويتقهقر ويُهزم يومياً .

٢_ عودة الجيش للثكنات لا تتم بفرض وصايةٍ من قائده على شكل الحكومة المدنية وآليات تشكيلها، ولا تُسقط قضايا الإصلاح الأمني والعسكري، الذي يقود لجيش واحد مهني وقومي تدمج فيه قوات الدعم السريع والحركات المسلحة وفق إطار زمني واجراءات معلومة، وخروج المؤسسة العسكرية والأمنية من النشاط الاقتصادي والسياسي، واقتصار مهامها على الدفاع عن أمن البلاد تحت القيادة المدنية.

٣_ جوهر الأزمة الحالية هو انقلاب ٢٥ أكتوبر ٢٠٢١ وما تبعه من تدهور في كافة مناحي الحياة في البلاد حتى صارت محاصرة بشبح المجاعة وازدياد وتيرة الفقر والتوترات الأمنية وفشل الموسم الزراعي، عليه فإن محاولة السلطة الانقلابية لتصوير الأزمة كصراع بين المدنيين ما هي إلا ذَر للرماد في العيون، كما أن تعميم تعبير المدنيين يخلط بين قوى الثورة التي قاومت الانقلاب وتلك الأطراف المدنية التي دعمت الانقلاب أو كانت ضمن منظومة النظام البائد، إن التعريف الصحيح للأزمة يقود للحل الصحيح، لذا فإن الحل يبدأ بتنحي السلطة الانقلابية عن سدة السلطة ومن ثم تشكيل قوى الثورة لسلطة مدنية انتقالية كاملة وفق إعلان دستوري يحدد هياكل الانتقال وقضاياه بما فيها قضية دور المؤسسة العسكرية ومهامها، فالأمر ليس محض تشكيل حكومة تنفيذية، بل هو حزمة متكاملة تشمل قضايا الإصلاح الأمني والعسكري والجيش الواحد المهني القومي، والعدالة التي تكشف الجرائم وتحاسب مقترفيها، وقضايا الاقتصاد ومعاش الناس وتفكيك نظام ٣٠ يونيو ١٩٨٩، وبناء واستكمال السلام، وتمهيد الطريق لانتخابات حرة ونزيهة يختار فيها الشعب من يحكمه.

٤_ يثبت الانقلاب في كل يوم أن السلام لا يمكن أن يبنى أو تطبق اتفاقاته تحت ظل حكم عسكري استبدادي، وإن الطريق الأفضل لضمان تحقيق السلام الشامل العادل هو السلطة المدنيةالديمقراطية المعبرة عن الشعب والمنحازة لقضاياه، لقد ناضلت حركات الكفاح المسلح ضد نظام الإنقاذ وساهمت مع الحراك المدني الجماهيري في اسقاطه، لذا فإن تموضع أي منها ضمن معسكر الانقلاب يمثل تنكراً للقيم التي ناضلت من أجلها، ويفارق آمال وتطلعات المهمشين والنازحين واللاجئين.

٥_ قوى الحرية والتغيير قطعت أشواطاً مهمة مع قوى الثورة في بناء الجبهة المدنية الموحدة، وواجباتنا جميعاً الآن هي مواصلة التصعيد الجماهيري بكافة طرقه السلمية من اعتصامات ومواكب والاضراب السياسي وصولاً للعصيان المدني الذي يجبر السلطة الانقلابية على التنحي لتقوم على انقاضها سلطة مدنية ديمقراطية كاملة تعبر عن الثورة وقضاياها، عليه فإن عمل المقاومة السلمية الذي نعمل فيه مجتمعين سيرافقه عمل سياسي دؤوب لإتفاق قوى الثورة على إعلان دستوري يحدد قضايا المرحلة الانتقالية وهياكلها وكيفية تشكيلها ويشرع في بناء البديل المدني الديمقراطي وهي واجبات لن نتأخر فيها إطلاقاً، في هذا السياق تلقينا عدداً من المبادرات المهمة من قوى ثورية أخرى سنتعاطى معها ايجاباً وستظهر الأيام القليلة المقبلة أفعالاً على الأرض نعمل على أن تقود لتحول نوعي ايجابي في مسار هزيمة وإسقاط إنقلاب ٢٥ أكتوبر وتشييعه إلى مثواه الأخير.

٦_ سنكثف في قوى الحرية والتغيير وتيرة اتصالاتنا مع الأسرة الإقليمية والدولية، بغرض مناقشة تطورات الراهن السياسي، وحشد السند والتضامن مع الشعب السوداني في مقاومته للاستبداد وسعيه للحرية والسلام والعدالة، لقد أثبتنا عملياً عبر تعاطينا الايجابي مع المبادرات الدولية المطروحة أن قوى الثورة لها مطالب عادلة تسعى لبلوغها بكل السبل السلمية بصورة موضوعية وعقلانية، وأن السلطة الانقلابية تستخدم دعوات الحوار كمحاولات لشرعنة انقلابها وفك العزلة عنها وهو ما لم ولن تنجح فيه اطلاقاً.

قوى الحرية والتغيير – المكتب التنفيذي

٥ يوليو ٢٠٢٢م

الحاكم نيوز وجهة جديدة في عالم الصحافة الرقمية المتطورة... سرعة اكتر مصداقية اكتر دقة وانتشار للخبر والإعلان