ከምቲ ዓመት መጸት ብሃንቀውታታ እንጽበያ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዓመታዊ ትምህርታ ብግቡእ ኣሰላሲላ ኣብታ መማህራን ፍረ ጻምኦም ዝርእዩላ፣ ተማሃሮ ውጽኢት ስርሖም ዝሓፍሱላ ዕለት 15.03.2015 ንርከብ ኣሎና። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ተማሃሮ ኣጋይሾም ንምሕጓሰ ኩሉ ምድላዋት ጌሮም ሸበድበድ ክብሉ ክትርኢ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ተማሃራይ ከሎኻ ዘሕለፍካዮ ግዜ ትዝ ይብለካሞ ‘’ ኣየ ዝሓለፈ ግዜ ዝምለስ እንተዝኸውን ‘’ ትብል። ግን ዘይከውን ስለዝኾነ ‘’ ዘለናዮ ግዜ የጽብቐልና ‘’ ብምባል ክትሰግሮ ትፍትን።

wedSheriffey 8

ኣብቲ ቅንዲ ኣርእስተይ ክምለስ ‘’ ሎሚ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያ ወዲ ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዕጻው በዓል ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ዕድመ ዝተገብረሎም ሓለፊ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ሱዳን፣ ወለዲ ተማሃሮን ኣሕዋት ዑስማን ኣሕመድ ፣ ዒሳ መሓመድ ወለዲ ተማሃሮን መንእሰያት ተቐማጦ መደበር ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ ተሳቲፎም። እቶም ዓመት መጸት ካብዚ በዓል እዚ ተፈልዮም ዘይውዕሉ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምኽንያት መገሻ ክሳተፉ ዘይምኽኣሎም ስክፍተኦም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

wedSheriffey 9

እዚ 2 ኣሳእል እዚ ናይቲ ቦታ ጸቢብዎ እከሎ ብትዕግስቲ ዝከታተል ዝነበረ ተሳታፋይ ናይቲ በዓል የሪኢ።

በዓል ልክዕ ሰዓት 8.30 ናይ ንግሆ ኢዩ ተጀሚሩ። ክሳብ ሰዓት 11.00 ቅ.ቀ. ከኣ ብድምቀት ቀጺሉ ኣአፊዱ። ኣብዚ ብኣባላት ክፍሊ ባህሊ ናይ ተማሃሮ ዝተዳለወ ብቛንቛታት ትግርኛ ፣ ዓረብ ፣ትግሬ ን እንግሊዝን ዝግለጽ መዛሙር ፣ ደርፍታት ፣ ተዋስኦን ዋዛ ምስ ቁምነገር ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዘደንቕ ኣገባብ ይቐርብ ነይሩ። ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል መግለጺ ናይ ሓጎሶም ብጣቒዕትን ዕልልታን የሰንዩዎ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ናይ ተማሃሮ መደባት ቃል ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ ፣ ብዳትርክተር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብትግርኛ ከቐርብ ከሎ ፣ ትርጉም ብዓረበኛ ከኣ ብመምህር መሓመድ ስዒድ ተነቢቡ ።ከምኡውን ንተማሃሮ ወኪላ ቃል ተማሃሮ ብቛንቛ ዓረበኛ ተማሃሪት ኣቕሪባ።

wedSheriffey 10

ንተማሃሮ ወኪላ ዝተዛረበት ተማሃሪት 5ይ ክፍሊ መርየም ኣደም ዑስማን እያ። እቲ ዝሃበቶ ቃል ከኣ ተማሃሮ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ከዘውትሩዎ ዘለዎም ጠባያት ብሰፊሑ ብምግላጽ፣ ምኽባር ወለዶምን መማህራን፣ ምኽባር ካባኻ ብዕድመ ዝበልጹ ሰባት፣ ካብ ንሰውነትካ ከባላሹ ዝኽእል ዝተፈላለየ መርዝታትን ወልፍን ምርሓቕ ፣ ኮታ ኣብ ከነውረኻ ዝኽእል ቦታታት ኮፍ ዘይምባል፣ ብዓቕምኽ ንስድራቤት ምሕጋዝ ዝብል ይርክርቦ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኸረክብ ፍቃድ ዝሃቡና ህዝብን መንግስትን ፍሉይ ምስጋና ይብጻሓዮም። እቶም እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ህያው ዝገበሩን፣ ትምህርቲ ንኸይቛረጽ ቀዳማይ ዕማሞ ወሲዶም ሓገዛት ንምርካብ ድቃስ ዘይወስዶም ሓለፍቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲን እቶም ድምጾም ሰሚዖም ዝተፈላለየ ሓገዛት ዘቕርቡ ዘለው ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም። ብዓቢኡ ከኣ መማህራና ንኹሉ ዝተፈላለየ ጠባያትና ጸይሮም ፍልጠት ከቕሱምና ዝከኣሎም ዝጽዕሩ ክብርን ሞጎስን ንዓኦም ይኹን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ወለድና ግደውን ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ንምንታይሲ ወለድናውን ጥቕሚ ናይ ትምህርቲ ተረዲኦም ናብ ትምህርቲ ዓለም ምልኣኮም ብቀሊል ዝረኤ ኣይኮነን። ክንደዮ ብሰንኪ ወለዶም ትምህርቲ እንዳደለዩ ኣብ ዘይጠቅም ሕማቕ ስራሓት ተዋፊሮም ዝርከቡ። ኩቡራት ወለድና ሞጎስ ንዓኹም ይኹን። ንሕና ከኣ ጻማኹም ክንህበኩ ረቢ ይሓግዘና ። ብምባል ዘረባኣ ዛዚማ።

ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ መምህር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብወገኑ ፣ መጀመርያ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ሓደ ብሓደ ናይ ክብሪ ሰላምታን ናይብ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ። ቀጺሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ቤት ትምህርትና ከቕርብ ኣፍቁድለይ። ብምባል ኣብ ትሕዝቶ ናይ መልእኽቱ ኣትዩ።

wedSheriffey 11

ንጸልማት ቀንጢጣ ብርሃን እተንግስ ፣ ንድንቁርና ጉሒፋ ፍልጠት እተልብስ ፣ ንዘሎኻ ዕቑር ፍልጠት እተስፍሕ ፣ ንኸለሳዊ ሓሳብ ናብ ተግባር እትቕይር ንሳይንስን ተክኖሎጀን ኣዋሃሂዳ ኣብ ረብሓ ደቂ-ሰባት እተውዕል ፣ ኣብ ኩሉ ጨንፈራት ምዕባሌ ሕ\ስብ ወሳኒ ግደ እትጻወት ትምህርቲ ከምዝዀነት ኩሉ ሰብ ዝግንዘቦ ንመስለኒ። ከምኡ ስለዝዀነት ኢዩ ኻኣ ብዘይትምህርቲ ዝመጽእ ምዕባሌ የለን ዝበሃል። ብምባል እዩ ዘረብኡ ጀሚሩዎ።

ስለዚ ጥቕሚ ትምህርቲ እዚ ካብ ኰነ ወለዲ ንደቆም ና ቤት ትምህርቲ ክልእኩ እንከለው ፍልጠት ንኽቐስሙ ድኣ’ምበር ካብ ሹቕ ምእንቲ ክርሕቑ ወይ ከኣ ኣብ ዙረት ከይውዕሉ ብማለት ክኸውን የብሉን። ንተማሃራይ ተማሃራይ ዘብሎ እኮ ግቡእ ክዳን ቤት ትምህርቲ ለቢሱ ብግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ፣ ትምህርቱ ብግቡእ ዝከታተል፣ ዝወሃቦ ትምህርቲ ብጥንቓቐ ዝቕበል፣ ዕዮ ክፍልን ዕዮ ገዛን ብግቡእ ዝሰርሕ፣ ብስነ ስርዓት ዝመላለስ ፣ ዘይድንጕ ፣ ዘየቡክር ፣ ኣብ ፈተናታት ኮነ ኣብ መርመራታት ኣደናጊሩ ዘይቀድሕ፣ ኣብ ነፍሱ ዝተኣማማን ፣ ንወለዱ ይኹን ንመማህራኑ ምእዙዝ ፣ ዘይሕሱ ሓቀኛ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ጠባይ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ገዛን ከባብን ኢዩ ዝጅምር። ኣብዚ ከኣ ወለድ ይኹኑ መማህራን ተማሃራይ ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይግባእ።

ዝኸበርኩም ወለዲ ፣- ኣብ መኣዲ ትህምርቲ ምሕላፍን ምትራፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ’ሞ ንዝተዓወተ ተማሃራይ ምንኣድ፣ ንዘይተዓወተ ድማ ተስፋ ምሃብስራሕና ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ዘበን ቤት ትምህርትና ብ666 ተማሃሮ ጀሚራ ብ577 ተማሃሮ ዓመታዊ ትምህርታ ትዛዝም ኣላ። ኣብዚ እቶም 315 ደቂ ተባዕታይ ክኾኑ ከለው እተን 262 ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ብዝሒ ተማሃሮ 515 ክኾኑ ከኣው ፣እቶም እቶም 280 ደቂ ተባዕትዮ እተን 235 ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን።ኣብ ዝነበርዎ ክፍሊ ዝደገሙ ተማሃሮ 62 ክኾኑ እንከለው ካብዚኣቶም 35 ደቂ ተባዕትዮ 27 ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ተማሃሮ ብሚእታዊት ክግለጽ ከሎ 89.25% ኢዩ። ናይ ዘይተዓወቱ ድማ 10.75% ኢዩ።

wedSheriffey 12

ኣብ መጨረሻ እዛ ቤት ትምህርቲ ‘ዚኣ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ብዙሓት ተማሃሮ ዘፍረየት ክትከውን እንከላ እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝተሃንጸት ብገንዘባዊ ሓገዝ ሆላንዳዊት ገቢረ-ሰናይ ማሕበር ቫስተን ኣክቴ ከም ዝኾነት ክዝንጋዕ የብሉን። ምሉእ ምሓዳስን ካልእ ተወሳኺ ሓገዛትን ዝገበሩልና ነፍስሔር ኣቦና ኣባ ማሪኖ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ። ግብረሰናይ ማሕበሮም ከኣ ዕላምኦም ብምኽታል ንሰደተኛታት ህጻናት ንምምሃር እጃምም ከበርክቱ እጽውዕ። ከምኡውን ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምህናጽን መካየዲ ነዛ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ብምቕራብን ዘይተፈለየትና ማሕበር ረዲኤት ስዊዝ ንህጻናት ኤርትራውያ ኣሰ (ASEE )ብስመይን ብስም ተጠቀምቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝዀኑ ኩሉም ልዑል ምስጋናይ እቕርበሎም።

wedSheriffey 13

ሕጂውን እንተኾነ ተማሃሮ ናይ ምንባብ ባህሎም ዘማዕብልሉን ፍልጠቶም ዘስፋሕፍሑሉን ቤተ ንባብን ነቲ ብኽለሰ ሓሳብ ዝተማህርዎ ብተግባር ዝርእይሉ መባእታ ቤተ-ፈተነ ከምኡውን ትምህርቲ ኮምፒተር ስለዘድሊ ንደገፍትና ብትሕትና ክንሕብርት ንፈቱ። አንፈሳዊ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ዋላኳ ብዝተደራረበ ስራሕ ምኽንያት ኣብ ሞንጎና እንተደይ ተረኽቡ ወዲ ሰብ ክመሃር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ዕላማ ተዓጢቖም ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንናን ኣብ ጎድኒ ተማሃሮን ጠጠው ብምባል ዘይሕለል ጻዕሮም ስለዘይፍለየና ልባዊ ምስጋናይ ይቕርበሎም። ከምኡውን ንተበግሶ ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ንመግዝኢ ክዳን ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ዝውዕል 1000 ሐደ ሽሕ ዮሮ ዘወፈያልና ከመስግን ይፈቱ። ነቶም ኣብ ጎንና ኮይኖም ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና ብምባል ዓቕሞም ዘፍቕዶ ዘበርክቱ ማሕበር EDA ሰሜን ኣመሪካ ብኣወንታ ከይዘከርኩ ክሓልድ ኣይደልን።

መማህራን እውን ዝናብን ጭቃን ውሕጅን ቁርን ሃሩርን በብእዋኑ ተጻዊሮም፣ ተማሃሮና ከይተማህሩ ክውዕሉ የብሎምን ብማለት ንዝገብርዎ ጻዕሪ ከመስግኖም እፈቱ።

ንማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ጨንፈር ወዲ ሸሪፈይ ንመማህራና ይኹን ንተማሃሮና ብዝህቡና ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣዝየ አመስግኖም። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዛ ቤት ትምህሪ እዚኣ ህጻናት ተማሃሮ ብዘይ ስኽፍታ ከም ገዝኦም ብሓጎስ ዝመሃሩላን ዝዕንድሩላን ፍልጠት ዝቐስሙላን ዘለው ሳላ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ስለዝዀነ ኣብ ትምህርቲ ንዘለዎም ክብሪ እናኣድነቕኩ ብስመይን ብስም ህጻናት ተማሃሮ ልዕል ምስጋናይ ክቕርበሎም እፈቱ፣፣ ሊቃውንቲ ይኹኑ ተመራመርቲ ስንቆም ትምህርቲ ብምባል ዘረብኡ ዛዚሙ።

ድሕሪ ሰላም ዘርእስታ ግጥሚ ብቛንቛ ትግርኛ ብሓደ ተማሃራይ ምስማዕ ከኣ ፣ ነቶም ካብ ነፍስወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ 36 ንፍዓት ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐትን ንዓኦም ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ህያባትን ብኢድ ኣኻያዲ ቤት ትምህርቲ ሓው ዑስማን ኣሕመድ ብምዕዳል ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮይኑ።

wedSheriffey 14

እዚ እቲ በዓል ምስ ተዛዘመ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፋሕ ኢሎም ክወጹ ከለው ዘርኢ ስእሊ ኢዩ።

On 10 March 2015, three schools of the Eritrean Catholic Church in Kassala jointly held a highly colourful end of school year ceremony attended by invited religious leaders, Eritrean and Ethiopian community dignitaries as well as the director of private schools in the Kassala region, Mr. Omar Mohammed Khalifa. Included in the event was the graduation of 12th graders from the school which has so far graduated 15 rounds. 

       WedSherrifey 1

After a welcoming address by Memhir Weldhiwet Keleta, two students speaking in Arabic and Tigrinia successfully led the ceremony that lasted for four hours. Students of the three schools presented folkloric dances, songs, dramas, and other educational and entertainment programmes in Arabic, Tigre, Tigrinia, Bilen, Kunama, Nara and English languages.

WedSherrifey 2

Presented in between the entertainments were messages of the teaching staff, the Director of Private Schools in Kassala region, and Father Ghebrai Bedemariam, the Director of Catholic Church schools in Kassala.

WedSherrifey 3

The message of the teaching staff of the three schools, presented in Arabic by Mr. Alem Zerai, and in Tigrinia by Mr. Woldeyesus Habte, urged families to be always watchful of the educational progress of their children because children spend more time at home than at school.

They stated that the 20124-2015 academic year started with 620 students (247 in elementary classes and 207 in middle school classes) and that the final number was 565 of whom 88.3% were promoted, 268 of them girls.

WedSherrifey 4

In his message, Mr. Omar Mohammed Khalifa said Eritreans and the Sudanese are “just one family” and that his office will continue to provide all the support needed to the Eritrean community schools in his country.

WedSherrifey 5

Father Ghebrai Bedemariam warmly thanks the Kassala regional administration for their continued support to the Eritrean Catholic Church schools which were started when the refugee phenomenon increased about 30 years ago. He said this noble effort of giving educational opportunities to refugee children of all religions and origins will continue until the need is there. Father Ghebrai also mentioned the contributions of the late Father Marino to the education of Eritrean children in the Sudan and he promised that the wishes of the late Father Marino will be sustained by his colleagues in the Catholic Church.

WedSherrifey 6

                 12th graders who are soon to take part in school matriculation exams.

The colourful ceremonies ended with granting of prizes to outstanding students from the three schools.

The UN Commission of Inquiry on Eritrea presented its oral report on Monday, 16 March, in Geneva to a plenary session of the UN Commission for Human Rights revealing that evidences they so far collected from intensive interviews with 400 and written reports from other 140 victims are “very compelling and worrisome” and that even February 2015 escapees from the country attest that the human rights situation in the country is far from improving.

UNCommission

The Commission members, Mr. Mike Smith, the head of the Inquiry Commission; Ms Sheilla Keetharuth, UN Human Rights Rapporteur for Eritrea, the Ghanaian lawyer Victor Dankwa, spoke in turn to tell the unhappy reports they were receiving and hearing from victims. They said they were denied access to Eritrea. Instead, the representative of the repressive regime said “he and his regime reject the report” thus closing the door for any hope of visiting Eritrea. Even the regime’s representatives in Geneva were not willing to meet the Inquiry Commission.

The UN Commission of Inquiry on Eritrea visited several countries with big concentration of Eritreans for direct interviews. Its investigators are currently visiting Sweden and Germany, and others will visit the US soon to continue collecting evidences on the gross violations of human rights in Eritrea in the past 24 years. The final written report will be submitted to the Human Rights Council in June 2015 and that more victims are expected to be interviewed and to send their written submissions.

A good number of Eritrean human rights activists were attending the session. Ms Elsa Chyrum, who had the opportunity to make a statement at the session said that the creation of the Commission of Inquiry “appropriately reflected the gravity of the situation in Eritrea” and urged call concerned bodies and countries to continue supporting the Commission to successfully accomplish its work.

“Eritrea is one of the tragedies of our times. What is there is an unacceptable situation”. These were the opening words of Professor Vincent Chetail of the Graduate Institute of International and Development Studies, which together with Human Rights Watch, organized a debate over the film ‘Sound of Torture’ on the suffering of Eritreans in the Sinai.

The documentary film by journalist Meron Estefanos captured the full attention of the audience and ended with perceptible sounds of shock and sobs from many kind hearted watchers. (This is a small clip from the Sound of Torture: https://www.youtube.com/watch?v=bwXSsCWeSyk). The film was first watched in Geneva during the June 2014 session of the UN Commission of Human Rights.

Meron 1

At the end of the film show, Prof. Chetail, the moderator, introduced the panelists: Ms Meron Estefanos herself, Mr. Gerry Simpson of the Human Rights Watch and Ms Janice Maishall of UNHCR.

Ms Meron Estefanos narrated the Sinai tragedy in an eloquent presentation which gave more life to the film show by graphically describing the suffering of so many human beings because of the failure of their own government in Asmara. She revealed that up to 25,000 Eritreans were affected by the human trafficking networks in the Sinai and that 4,000 of them died in the hands of their abusers. She also told in great detail the suffering of those 35,000 Eritreans in Israel who are insulted and demonized as “infiltrators”.

Mr. Simpson of the Human Rights Watch added that the suffering of Eritreans in the hands of human traffickers was aggravated by the complicity of Sudanese and Egyptian security members. It was also revealed that no protection is being given to Eritrean refugees by Ethiopia and the Sudan both of which keep refugees away in the remote zone without adequate shelter and other needs.

Meron 2

The UNHCR was blamed of not doing enough for Eritrean refugees. The UNHCR representative admitted that Eritreans escaping from their country are genuine refugees and deserve protection everywhere, and that the European Union is expected to come with adequate safety measures for these victims of forced displacement.

Limited time was given for discussion in the two-hour event in which Dr. Daniel Rezene, an Eritrean human rights activist and expert on transitional justice, got the opportunity to say “what is going on in Eritrea is a human and humanitarian disaster” and expected the international community to call the situation by its appropriate name.

ሳልሳይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ምልኪ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡ ዓቢይ ሽግር ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ብሔራት ሰፊኑ ከምዘሎ ኣብሪሀ:: ኣስዒበውን ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ፣ እዚ ንብሔራትና ኣብ ዘይ ምትእምማን ዘብጽሐን እቲ ንመንነታዊ ህልውና ብሔራትና ኣጥፊኡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባህልን ሃገራውነትን ጨፍሊቁ ከእቱ ዝሃቀነ እሞ ንብሔረ ትግርኛ ናይ ዓብላልነት ዕድል ዝኸሰተን፣ ዘይሓላፍነታውን ዘይፍትሓውን ኣዋጃት ስርዓት ኣስመራን ትግባረኦምን ምዃኑ ገሊጸ:: ኣብ መወዳእታውን ካብ ብኩራት ግቡእ ተረድኦ ኣካይዳ ስርዓት ህግዲፍ ብሔራትና ኣብ ዘይምትእምማን ኣትየን ከምዘለዋ ወስ ኣቢለ ነይረ::

ሕጅውን እንተኾነ ከም መብጽዓይ እንታይ እዩ እዚ ጊጉይ ተረድኦ ብሔራት፧ ካብ እንታይ ዝነቀለ እዩ፧ ንምዕባለ ናይዚ ዘይምትእማማን ብሔራትን ዞባታትን ንምብራኽ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ ኩነታትከ ነይሩዶ፧ እንታይከ ኩንይኸውን ንዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን እየ::

ከም ተረድኦ መብዛሕትና ስርዓት ኢሰያስ ሃይማኖት፣ ብሔር፣ ዞባ፣ ዓዲ፣ ወገን ዘይፈልጥን ዘይፈልን ገባትን መላኽን ጥራሕ ዘይኮነስ ወረ ኣረሜናዊ ስርዓት እውን እዩ:: በዚ ናይ ሎሚ ኣካይድኡስ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ሃገራውነት ዓለዎ ኢልካ ንኽትዛረብ እውን ዘድፍር ኣይኮነን:: ምእንቲ ምንታይሲ ንብርሰትን ዕንወትን ህዝቡን ሃገሩን ዘቀላጥፍ ሃገራዊ ስርዓት ኮነ መንግስቲ ኣብ ዓለምና ኣይተራእየን::

ኣቀዲመ ከምዝገልጽኩዎ ግን ትግባረ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ኣዋጃቱ ንገለን ዕድል ዘርሑ ንገለን ዕድል ዝነፍግ ኮይኑ:: እቲ ንዘለዎ ይውሰኸሉ ንዘይብሉ ግን እታ ዘላቶውን ይሕደገሉ ዝብል ጽሕፍ ብርግጽ ኣብ ከርሰ ኤርትራ ግብራውነት ረኸበ:: እቲ ፍርዲ ግን ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ህርኩትነትን ትህኪትን ወይ ምስ ጉርሕን የዋህነትን ብሔራት ኮነ ውልቀሰባት ዘራኽቦ ነገር ኣይነበረን::

ናይዚ ዝተኽስተ ዕድል ተጠቃማይን ተዓዋተይን ንምዃን ካብ ዜጋታት ዝጥለባ ዝነበራ ክልተ ነገራት እየን:: ሓደ ናይቲ ስርዓት እሙን መጋበሪ ምዃን: ካልኣይ ድማ ቁጠባውን ኪኢላውን ዓቅሚ ምውናን:: ካብዚ ሓሊፉ ግን ካበየናይ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ፣ ዓዲ፣ ዓሌት ኢኻ ብኢሰያስ ኮነ ብስርዓቱ ዋጋ ዝወሃቦም ኣይነበሩን: ኣይኮኑን እውን:: ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ ክንደይ ሃብታማትን ለባማትን ተወለድቲ ከበሳን ብሔረ ትግርኛን ድሕሪ ናጽነት ሃገሮም ከማዕብሉ ካብ ወጻኢ ጠቅሊሎም ኣትዮም፣ ነቲ ስርዓት ኣምልኾ ስለዘይሃቡ ብበትረ ሓጺን ተጸፊዖም ዳግማይ ንሃገረ ስደት ዘይተመልሱ:: ክንደይ ምሁራትን ለባማትን፣ ሃብታማትን ብሔረ ትግርኛን ተወለድቲ ከበሳንከ ዋላ ድሕሪ ነጻነት ሃገር ገዲፎም ምስ ንብረቶም ኣብ ዓዲ ጓኖት ሰፊሮም ብዘለዎ ቁጠባውን ክኢላውን ዓቅሚታቶም ዓዲ ጓኖት የማዕብሉ ዘየለዉ:: ወረ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን እንተኾነ ክንደይ ምሁር፣ ክንደይ ለባም፣ ክንደይ ሃብታም ተወላዲ ከበሳን ተወላዲ ብሔረ ትግርኛን እሙን መጋበሪ ናይዚ ስርዓት ስለዘይኮነ ኣብ ማሕዩር ዘይበለየን፣ ተዓፊኑ ሃለዋቱ ዘይጠፍአን::

እቲ ሓቂ እዚ እንክንሱ ግን ነዚ ስርዓት እዚ ከም ናይ ከበሳ ስርዓት፣ ከም ናይ ብሔረ ትግርኛ ስርዓት፣ ከም ናይ ክርስትና ስርዓት ገርካ ክትርእዮን ክትገልጾን ምፍታን ንሓቀኛ ባህርያትን ኣካይዳን ናይቲ ስርዓትን ብግቡእ ዘይምግንዛብ እዩ ጥራሕ እየ ክብሎ ዝኽእል ብወገነይ:: ዕድል ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነተን ዝጥለባ ክልተ ረቋሒታት ካብ ዘማልኡ ብዙሓት እውን እቶም ዝበዝሑ ብሔረ ትግርኛን ተወለድቲ ከበሳን ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ:: ውጽእት ጽጹይ መጽናዕቲ ዝኾነ ሓበሬታ ኳ እንተዘየለ ንኣቃውማን ተቕዋምን ናይቲ ስርዓት ኣብ ጋድማውን ትኹላውን ጽፍሕታቱ፣ ቁጠባዊ ጽላታቱ፣ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታቱ፣ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትካላቱን ካልእን በመን ተወኪሉ ኣሎ ምስ ዝበሃል፣ ካብ ሓቂ ዘይረሓቀ ግን ከኣ ግምታዊ መልሲ 80% ብብሔረ ትግርኛ ተሓብሪሩ ይርከብ:: እዚ ግን ስርዓት ኢሰየስ ኣብ ልዕሊ ብሔረ ትግርኛ ብዘለዎ ፍቅርን ሓልዮትን ወይ እውን ብሔረ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ብዘለዎ ፍቅሪ ዝተረኽበ ጉነዖ ዝተጨበጠ ዓወትን ኣይኮነን: ኣጋጣሚ ዝፈጠሮ ዕድል እዩ:: እዚ ማለት ድማ ብሓደ ወገን ምስ ታሪኻዊ ኣመሰራርታን ኣመዓባብላን ናይቲ ሎሚ ስርዓትን መንግስትን ኮይኑ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንምባ ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ምስቲ ብሔረ ትግርኛ ወኒንዎ ዝጸንሐ ዓቅማዊ ብቅዓት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ይረኣየኒ:: ኣብ እንተ ኣቲና ንሓቅነት ናይዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ክነዛምድ ንፈትን እስከ:: ነዚ መርሕነት ውድብ ህዛውዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ዝረኸቦ ናይ ዓወት ዕድል፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ረኺብዎ ነይሩ እንተዝኸውን እሞ ነጻነት ሃገረ ኤርትራ በዚ ዳሕረዋይ ውድብ ተረጋጊጹ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ባይታ ሎሚ ከመይ መሃለወ ነይሩ ኢልና ንሕሰብ እስከ:: ንኣቃውማን ተቅዋምን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ምስቲ ሓዉ ዝኾነ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጎንጺ ከይኣተወን ናይ ሰፊሕ ግዝኣተ መሬት ኪሳራ ከየጋጠሞን እንከሎ ዝነበሮ ስእሉ ካብ ሰነዳቱ ንርኣዮ:: 80% ክንብል እኳ እንተዘይደፊርና ሊዕሊ ፍርቒ ዝኾነ ሕብረ መልክዑ ግን መታሕታውን እስላማውን ከምዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን:: ውድብ ጀብሃ በቲ ዝጸንሖ መልክዑ ንነጻነት ሃገር በቂዑ እንተዝኸውን እምበኣር እዚ ሎሚ ንከበሳውያንን ተወለድቲ ብሔረ ትግርኛን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዓብላልነት ዕድል ምናልባት ንመታሕታውያንን ንኣመንቲ ምስልምናን ተኸሲቱ መሃለወ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክንበጽሕ ንኽእል::

እዚ ኮነ እቲ ግን ሃገራዊ ፖለቲካና ገና ሓቀኛ መስመሩ ከምዘይሓዘ እዩ ዘአንፍት:: ንሱ ድማ፣ ክሳብ ሕጅውን እንተኾነ እቶም መስረትን መራሕትን ንውድባትን ሰልፍታትን ካብ መስመር ሃገራውነት ጠሊፎም ዞባውን፣ ሃይማኖታውን፣ ብሔራውን፣ ዓዳውን፣ ቀቢላውን ኣንፈታት ከምዘትሕዝዎ ክንግንዘብ ንኽእል::

ነዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድልዚ እየን እምበኣር ብሔራት ከምኡውን መታሕታውያን ብግቡእ ክርድእዎ ዘይከኣሉ:: ኣብ ክንድኡ ዕብላለን ንሁር ምስፍሕፋሕ ብሔረ ትግርኛ ኣብ ኩሉ ዞብባታት ብምዕዛብ ነቲ ብሔርን ነቲ ስርዓትን ከም እድን ጓንትን ገይሮም ክርእይዎ ፈቲኖም:: እዚ ሓቂዚ ዋላ ብዕሊ ዝእወጅ ኣይኹን እምበር፣ ኣብ መዓልታዊ ታራ ፖለቲካዊ ዕላል ብሔራትን ወክልቲ ብሔራት ዝኾና ፖለቲካውያን ውዳትን በርገሳውያን ማሕበራትን ወትሩ ዝስማዕ እዩ:: ካብ ሸፋፍንካን ተኸዊልካን ምዝራብ ግን ብጋህዲ ምዝራብ ከቀራርበናን መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሕግዘናን ይኸእል እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ::

ብወገነይ እቲ ግጉይ ተረድኦ ናይ ሔራትን መታሕታውያንን ዝብሎ እምበኣር፣ ሓደ ነቲ ሓቀኛ ባህርያትን ኣካይዳን ናይቲ ስርዓት ብግቡእ ዘይምርዳ፣ ካልኣይ እቲ ነቲ ስርዓት ኣቊሙ ካብ ዘሎ 80% ብሔረ ትግርኛ፣ ኣብ ቁጽሪ ብሔረ ትግርኛ 20% ናይቲ ብሔር እውን ክኸውን ከምዘይክእል ዘይምግማት፣ ሳልሳይ ነዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ምስ ታሪኽ ሰውራን ታሪኽ ምዕባለ ብሔራትን ሃገርን እውን ኣዛሚድካ ብዓይነ ልቦና ዘይምርኣይ እዩ ክብል እደፍር::

እተን ዘተረፋ ብሔራት ኮነ መታሕታውያ ኣብ ልዕሊ ብሔረ ትግርኛ ከምዚ ዓይነት ጊጉይ መረዳእታ ንኽህልወን ግን ዝኾነ ካልእ ምኽንያትን ድርኺትን ኣይነበረን ክብል ኣይክእልን:: እተን ብትግባረ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ኣዋጃት ዝያዳ ዝተጎድኣ ብሔራትን መታሕታውያንን፣ ምስ መንነትናን ምስ ዋንነትናን ናይ ምንባር መስልና ይተሓለውልና ብምባል ናይ ተቃውሞን ኢምቢታን ቃል ክስምዓ እንከለዋ፣ በቲ ዘይሓላፍነታዊ ዝኾነ መራሒ ስርዓት ኣስመራ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ጸለመን ዘለፋን መግለጺታት ኮነ ዝውሰድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ስጉምትታት በቲ 80% ክፋል ተቅዋሙ ዝኾነ ደገፍ ምርካብን ከም ቅኑዕን ሓቀኛን ገርካ ምውሳድን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ::

ሕቶ ምስ መንነትካን ምስ ዋንነትካን ምንባር መሰረታዊ ሕቶ ህልውናን ቀጻልነትን ብሔራትን ጉጅለታትን እዩ ነይሩ:: ንሱ ድማ ጅሆባ ከም ጅሆባ፣ ኣስላም ከም ኣስላም፣ መታሕታውያን ከም መታሕታውያን፣ ኩናማ ከም ኩናማ፣ ሳሆ ከም ሳሆ፣ ዓፋር ከም ዓፋር፣ ብሊን ከም ብሊን ናይ ምንባርን ምምዕልን መሰል ኣሎናሞ፣ መንግስቲ ግን ነዚ መሰረታዊ መሰልዚ ይግህሰናሎ እዩ:: እንተኾነ ነዚ መሰረታዊ ሕቶዚ ዘልዓለ ኣማኒ ጅሆባ እንተኾነ ከም ዘይሃገራዊ፣ ኣማኒ ምስልምናን መታሕትን እንተኾነ ከም ጀሃድን ግብረሽበራውን፣ ኩናማ እንተኾነ ከም ከዳዕን መርገጺ ኣልቦን፣ እቶም ዝተረፉ ካልኦት እውን እንተኾኑ ብደዐ ብዝመልኦ ነናቶም ናይ ዘለፋ መግለጺታት የወሃቦም ነይሩ:: ከምቲ ‘ክበልዕዋ ንዝደለዩ ኣባ ጉምባሕሲ ዛግራ ይሰምይዋ’ ዝበሃል፣ ፕረሲደንቲ ኢሰያስ እውን ክቀትለካን ከቅትለካን ምስዝደሊ ኣቀዲሙ ኣብ ገርሀ ልቢ ተቀባልነትን ሓቅነትን ዝረክብ ናይ ገበነኛ፣ ጸረሓድነት ሃገር፣ ተጻብኦ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ትሕተ ሃገራውነት ወዘተ ዝብሉ ኣስማት የጠምቀካ:: ካብቶም ገርሂ ልቢ ዝኾኑ መምለኽቱ ሞራልን ደገፍን ድሕሪ ምቕሳም ድማ ኣስዒቡ ይሃድነካ:: ሃለዋትካውን ይጠፍ:: እቲ ዝተረፈ ድማ ርዒዱ ይተርፍ:: ኣብ ክንዲ ንበዳሊ ዓገብ ምባል፣ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ልሳን ህግዲፍ መጕሊሕን መባዝሕን ኰንካ ድዲሕሪ ኢሰያስ ንዝተበደሉን ውጹዓትን ወገናት ከም ከሓድቲ፣ ግብረ ሽበራውያን፣ ከደዓት ወዘተ ክትገልጽ ምፍታን ግን ነተን ካልኦት ብሔራት ካብ ብሔረ ትግርኛ እምነት ከምዘጕድላ ገይርወን::

ከም ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት ናይዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ሃገራውያን ዋዕላታትን ዝተዋህቦም መግለጺታትን ንውሰድ:: ብርግጽ ክልቲኡ ሃገራዊ ዋዕላታት ብዕላምኦም ክንመዝኖም እንተዀና ንሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገር ኣወሃሂድካ፣ ንዝድለ ለውጢ ንምቅልጣፍ እዩ ነይሩ:: ኣብ ኣድማዕነት ናይ ክልቲኡ ዋዕላታት ተመርኲስና እንክንዛረብ ግን፣ ኣብ ምድላዋቱ ኮነ ኣብ ከይዱ ብዙሕ ጉድለታትን ኣበራትን ስለዝነበሮም፣ ሽትኦም ከም ዘይወቅዑ ፍሹላት ዋዕላታት ክግለጹ ይከኣል:: ኣብ ክንድኡ ግን ገና እቲ ዋዕላታት እንዳተኻየደ ቁጽሪ ክርስትያንን ኣስላምን፣ ቁጽሪ ከበሳውያንን መታሕታውያንን፣ ቁጽሪ ተወልድቲ ብሔረ ትግርኛን ካልኦት ብሔራትን ኣረጋጊጽካ ድሕሪ ምፍላጥ ተሳትፎ ብሔረትግርኛን ኣመንቲ ክርስትናን ውሒዱ ስለዝተራእየ ወይ ዓብላሊ ኮይኑ ስለዘይተረኽበ እዩ ይመስለኒ እቲ ዋዕላታት፣ ዋዕላታት ጨሓማትዝብል ስያምየ ተዋህቦም:: ናይ ሳዕቤቱ ሓላፍነት ናይ ዘይስምዖም ወገናት ሰንካም ኣበሃህላ! እዚ ድማ መቀጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ተበዲልና ንዝብሉን መሰሎም ንዝጠልቡን ኣካላት ዝወሃብ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት መግለጺታት እዩ:: እዚ ኣጋጣሚዚ ነቲ ዋዕላታት ጨሓማትንዝብል ንጎኒ ገዲፍካ፣ ሚዛን ሓይሊ ሃይማኖታትናን ብሔራትና ኣብ ፖለቲካዊ መሳርዕና መን ኣበይ ከምዝርከብ ሓደ ጭቡጥ መርትዖ እዩ::

ንብሔራትን፣ መታሕታውያንን ንብሔረ ትግርኛን ከበሳውያንን ምስ ስርዓት ኢሰያስ ክውግንዎምን ኣብ ሊዕሊኦም እምነት ንኸጕድሉን ዘገደዶም እምበኣር እዚ እዩ ብወገነይ::

ብሔረ ትግርኛውን ከበሳዊ ወገንን እውን ብወገኑ ብኽልተ ብቁዕ ምኽንያታት በዞም ኣብ ልዕሊኡ ዝሕንሕኑ ዘለዉ ወገናት ሰጊኡ ኣብ ልዕሊኦም እምነት ኣጕዲሉ ይርከብ:: እቲ ሓደ ምኽንያት ብሔራውን ሃይማኖታዋን ውደባታት ደምበ ተቃውሞ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምድና እዘን ውድባትን እዩ:: ነዚ ነጥቢዚ ኣብ ዝቅጽል 4ይ ጽሑፈይ ኣስፊሐ ክገልጾ ክፍትን እየ:: ንሕጂ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!

መድሃኔ ሃብተዝጊ

(LLM)

 

Mike Smith, Chairperson, Commission of Inquiry on Eritrea, speaks to the press after presenting his report to the 28th Session at the Human Rights Council in Geneva. UN Photo/Jean-Marc Ferré

16 March 2015 – A four-month United Nations investigation into the human rights situation in Eritrea has found “very clear patterns” of violations and abuses, according to a report delivered today at the Human Rights Council (HRC) in Geneva.

“Most Eritreans have no hope for their future,” said Mike Smith, Chair of the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea, which despite not being granted permission to visit Eritrea, collected testimony from more than 500 members of the Eritrean diaspora.

Presenting the Commission’s interim report, Council, Mr. Smith said that in Eritrea national service is universal and of an indefinite duration. From the age of 17, Eritreans could expect to spend their lives in national service, struggling to live on less than two dollars a day.

Meanwhile, the Government has curtailed basic freedoms to the extent that, “individuals feel that they have hardly any choice with regard to the main decisions in their lives: where to live, what career to pursue, when to marry or who to worship,” he noted in anews releaseon the report.

For Eritreans, Mr. Smith said, “detention is an ordinary fact of life, experienced by an inordinate number of individuals – men and women, old and young, including children.” Detention centres range from official to the unofficial, located above ground or underground. Some have metal containers where prisoners are kept in extreme heat.

“Once in one of them, there is a likelihood that you will be subject to torture to extract a confession or to simply punish behaviours,” he added.

Torture is widespread, both in detention and during national service. Some Eritreans interviewed by the Commission had been beaten or tortured simply for asking for medicine, or for drinking water without permission.

Mr. Smith pointed out that these violations take place against a backdrop of the so-called “no war, no peace” situation related to Eritrea’s unresolved border issues with neighbouring countries.

“This has become the pretext for almost all the State’s actions that generate and perpetuate human rights violations in the country,” he said. “It is an expression abusively used by the Eritrean authorities to disregard international human rights law.”

Under this pretext, the entire society has been militarised, the Constitution has never been implemented and there is no rule of law, according to the news release, which added that no one was being held accountable for human rights violations.

The Commission of Inquiry, established by the Human Rights Council, is examining a broad range of alleged violations since Eritrea gained independence. It will present a written report of its findings to the Council in June 2015.

Source=http://www.un.org/apps/news/story.asp?NewsID=50334#.VQircY7F_oa

     ብዕለት 10 .03 2013 ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፈን ኣብ ቀጽሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዕውት መዛዘሚ ናይ 2014-2015 ዓመተ ትምህርት በዓልን መመረቕታ ናይቶም 12 ክፍሊ መበል 15 ዙርያን ድርብ በዓል ኣኻይደን። ኣብዚ በዓል እዚ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ሓው እስታዝ ዑመር መሓመድ ኸሊፋ ኣማሓዳሪ ዘይማንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ከሰላ (ሞዲር ተርቢያ ዎ ታዕሊም ቀር ሕኩሚ ፊ ውላየት ከሰላ) ማሕበረ ኮማት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ህንዳውያን ወለዲ ተማሃሮን ተሳቲፎም።

WedSherrifey 1

መድረኽ ልኽዕ ሰዓት 2፣00 ድ.ቀ. ብመምርህ ወልድሂወት ቀለታ ተኸፊቱ። መምህር ወልድሂወት ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ሰላምታን ብምሃብ፣ ክሳብ ሰዓት 6፣00 ድ.ቀ ዘሎ መደባት ብኽልተ ቛንቛታት ማለት ትግርኛን ዓረበኛን ጌሮም ንመድረኽ ዝመርሑ ክልተ ተማሃሮ ኣረኪቡ። ኣለይቲ መድረኽ ነቲ ካብ ተማሃሮ ዝተዋጽኡ ኣባላት ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሽማግለ መማህራን ተመልሚሎም ዘዳለውዎ መልእኽቲ ሓዘል ተዋሶኦታትን መዛሙርን ደርፍያትን ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ብቛንቛታት ትግርኛ ዓረበኛ ብትግሬ ብሌን ናራ ኩናማ እንግሊዘኛ ከምኡውን ብኣምሓሪኛን ናይ ሁኑድ ባህልታት ተቐሪቡ ከምዘሎ ብምግላጽ ተሳተፍቲ ሑጉሳት ኮይኖም ከምስዩ ብምትምናይ ፣ተቐሪቡ ዘሎ መደባት ክሳብ ዝዛዘም ብትዕግስቲ ክከታተሉ ተላቢዮም። መኽፈቲ ናይቲ በዓል ከኣ ብህጻናት ተማሃሮ ሰላም ሰላም ዘኣርእስታ መዝሙር ቀሪቦም።

WedSherrifey 2

ኩሉ እቲ ብተማሃሮ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ቁምነገር ሓዘል ትምህርቲ ዝህብ መደባት ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ዝነበረ ተዋስኦ ብትግርኛ ገለ ስድራቤታት ካብ መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ደቆም ገንዘብ ዝጽበዮ ምህላዎም፣ ድሌቶም ንምምላእ ከኣ ንጓሎም ኣታሊሎም ኣብ ዘይተጸንዕ መውስቦ ይጸምድወን እሞ ደሓር ኣብ ተጣዒሶም ክመልሱዎ ዘይክእሉ ደረጃ ከምዝበጽሕ፣ እዚ ትምህርቲ ንኻልኦት ክኸውን ይላበው። ከምኡ’ውን ብእንግሊዘኛ ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ርእሲቲ ሽጋራ ዘትኽኽ ዘሎ ሰብ ኣስዕቦ ዝተፈላለየ ሕማማት ንኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣየር ስለ ዝብክል ብሕጊ ከምዘኽስስ ተንጸባርቕ ነይራ።ከምኡ’ውን ነዞም ኣብ ቦታ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለው ህጻናት ካብ ባህልታት ናይ ሃገሮም ንኸይርሕቁ ዝዓለመ ዝተፈላለየ ካብ ባህልታትና ቀሪቡ። ኣብ መንጎ ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ናይ ተማሃሮ ከኣ ቃል መማህራን ፣ቃል ኣማሓዳሪ ዘይ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ፣ ቃል ኣማሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣባ ገብራይ ብኢደማርያም ተዋሂቡ።

ቃል መማህራን ብዓረበኛ ብመምህር ኣለም ዘርኣይ ብትግርኛ ከኣ ብመምህር ወልደየሱስ ሃብተ ቀሪቡ። ብትሕዝትኡ ብዙሕ ዘይፈለለ ኮይኑ እነሆ ነቲ ብትግርኛ ዝቐረበ ትሕዝቶ ነቕርብ።

WedSherrifey 3

ዝኸበርኩም ኣባ ገብራይ ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብየት ትምህርቲ ከሰላ፣ ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኸበርኩም ዳይረክተራት; ዝኸበርኩም መማህራን ;ዝኸበርኩም ኣጋሽናን - ወለድን - ፍቁራት ተማሃሮ ደቅናን ; ዓመት ዓመት ነዛ ዕለት እዚኣ ንመናፍቅ ። እነሆ ከኣ እታ ብሃንቆውታ እንጸበያ ዝጸናሕና ዕለት ናይ 2014-2015 ዓመታዊ ትምህርቲ ምዕጻው ኣብየተ ትምህርቲ ካቶልካዊት ቤት ክርስትያን ከሰላ ብንጹር ኣዘራረባ መባእታ - ማእከላይን - ላዕላዋይን ተጠርኒፈን ኣብዛ ግርማ ዘሎም ሽልምቲ ጽላልና ተኣኪብና፣ ነቲ ኣስታት ናይ 10ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መማህራን ተማሃሮን ወሃብ ስራሕን ፍልጠት ንተማህራይ ንምሃብ ኣብ ዝተገበረ ናይ እንካን ሃባን ርብርብ ኩሎም ውጺኢት በብስራሖም ፍረ ጻማኦን ዝርእዩላ ዕለት ንርከብ። ኣብዚ ርብርብ እዚ ተዋሳእቲ በብደረጃኦም ይሰርዑ፣፣ መምህር ፣ ተማሃራይ ፣ ወለዲ ፣. ወሃብ ስራሕን ነዚ ዕማም እዚ ዘሰላሰሉ ማሕበር ሰብ ኢዩም።

ክቡራት ተኻፈልቲ፣-

ዘሎናዩ ዘመን - ዘመን ምዕባሌ ኢዩ። ዘሎናዩ ዘመን - ዘመን ተክኖሎጂ ኢዩ።ዘሎናዩ ዘመን ንኽትነብር ረቒቅ ሜላ ተጠቅምካ ናይ ትምህርቲ ፍልጠት ሒዝካ ናብራኻ ክትመርሕ ወይ ክትሰርዕ ዝሓተካ ዘሎ ዘመን ኢዩ። መምህር ካብ 5 (ሓሙሽተ ) ሰዓታት ዘይበዝሕ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓበሬት ዝህብ ኣካል እምበር እቲ ዝያዳ ናይ 19 ሰዓታት ክፍሊ ግዜ ሓላፍነት ተማሃራይ ኣብ ወለዲ ዝተመርከሰ ኢዩ ። ኩሎም ወለዲ ኣባላት ሽማገለ ናይ ቤት ትምህርቲ ኢዮም። ወላዲ ንምክትታል ደቆም ክሕግዝዎ ዝኽእል ነጥብታት …. መዓስ የጽንዕ . መዓስ ይድቅስ . መዓስ ይዘወር . ምስ መን ይዛወር       . መዓስ ይኣቱ፣. መዓስ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ፣ መዓስ ይምለስ . ግዜ ትምህርቲ ክንደይ ሰዓት ኢዩ፣ . እንታይ ተማሂሮ ፣. እንታይ ውጺኢት ኣብ ፈተነታትን መርመራን ረኺቡ …….. ዝኣመሰለ ኢዮም። ወለዲ እዚ ምክትላል እዚ ከዘውትሩ ኣለዎም። መንእሰይ መንእሰይ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ እሞ “ቈልዓ ብኑኡሱ ቈርበት ብርሑሱ” ተሪር ምሰላ ኣቡታትና ተጠቅምና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ “ ነዚ ዝተርጎመ ዕውት ኢዩ “። ግዜና ግዜ ሃውኪ ኮይኑ ኣሎ ፣ ሓንጎል ተማሃሮን ወለድን ከም ቈጸራ መርዓ ሸበድበድን ዓቅሊ ዝበትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዕለታዊ ርሱን ዜና ኰይኑ ኣሎ ። እዚ ሃዋሁ እዚ ወይ እዚ ነውጺ እዚ ናይ ብሓቂ ኣቃልቦ ፍልጠት ደቅና ንድሕሪት ጐቲትዎ ኣሎ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቅና ኣይመስለነን። ነዚ ኣብ ገምጋም ኣእትና ድማ ቡሉጻት ተማሃሮ ንምጥራይ ዳርጋ ማህሚኑ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ቅድሚ ሕጂ ዝምእረር (ዝእከብ ) ዝነበረ ናይ ተማሃሮና ዝነኣድ ዉጺኢት ዘመዝግቡ ዝነበሩ መማህራን ሕጂ እውን ኣሎዉ።

ኦ ወለዲ ተሪር ገዛ ኣብ ከውሒ ምስ ዝስረት ነባሪ ኢዩ።ንፉዕ ተማሃራይ ከኣ ንኡድ ምክትታል ምስ ዝህልዎ፣ ጻዕቂ ትምህርቲ ምስ ዝፈቱ ጥራሕ ኢዩ ዕውት ዝኸውን።ሕማቅ ተማሃራይ የሎን። በብዝንባሌኡ ኩሉ ንፉዕ ኢዩ። ሕማቅ ተማሃራይ ዝበሃል ብተፈጥሮ ናይ ኣእምሮ (ሓንጎል) ጭንቀት ምስ ዝህልዎ ጥራሕ ኢዩ። ኣብዚ ናይ 2014-2015 ዓመተ ትምህርቲ ኣብ መባእታ 247 ተማሃሮ ፣ኣብ ማእከላይ ደረጃ 207 ተማሃሮ፣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ከኣ 166 ተማሃሮ፣ብድምር 620 መዝገብ ተበጊስና። ኣብጉዕዞ ከኣ ገለ ስድራቤታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ስደት ስለዝኸዳ ኣብ መወዳእታ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ 565 ኢዮም። ናሳቶም ከኣ 297 ደቂ ተባዕትዮ 268 ደቂ ኣንስትዮ ኢዮም። እቶም ዕውታት ኮይኖም ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ዝተሰጋገሩ 88.3% እዮም። እቶም 10.7% ኣብቲ ዝነበርዎ ክፍሊ ደጊሞም ኣለው።

ኣብ መጻእታ ክብሉ ዝድሊ እንተሎ ነዚ ዕለት እዚ ብኸምዚ ብዝድንቅ ኣገባብ ከብሩ ንኽውዕል ዘዳለዉ ተዋሳእቲ መማህራንን ተማሃሮን ብልቢ የመጉስ ።

ስደተኛ ክመሃር ኣሎዎ ብምባል ነውሕን ኣድካምን ዝኾነ ንቤት ትምህርትና ምወላ እተበርክት ዘላ ማሕበር ካቡቺኒ ብሰመይን ብስም መማህራን የመጉስ ።

እቶም ካብ ድሮ ጀምርኩም ስራሕ ዳስን ብምቅራብ ልስሉስ መስተን ብተወሳኺ ኣብ መንጎ መማህራን ኰንኩም ዘርኣኹምዎ ድስፕልናዊ (ሰነስርዓት ) ምትሕግጋዝን ንወለዲ ፉሉይ ምስጋና የመጉስ ።ንክትቅጽልዎ እላቦ።

ነዚ መቃረንቲ ዘይብሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ ተማሃሮ ፍልጠት ክቀስሙ ኣሎዎም ኢልካ ትሰርሕ ዘሎኻ መምህር ኣብ ምድሪ ብሰብ ኣብ ሰማይ ድማ ብኣምላኽ ንክትከብር የምንየልካ።

ድሮ ርብዒ ዘመን ዝኸውን ብንእስነትኩም ጀምርኩም ደኽመ ከይበልኩም ስደተኛ ክመሃር ኣሎዎ ኣብ ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ተመርኩስኩም ከም ወሃብ ስራሕን ጠቅላላ ኣማሕዳርን ኰንኩም ተዋሰኡ ዘሎኹም ሓው ኣባ ገብራይ ብ\ማርያም ፍሉይ ምስጋና የቅርበልኩም ። ይኣክል ስደት እትብል ቃል ክሳብ ትመጽእ ድማ ንክትቅጽልዎ እላቦ።

ኣብ መጨረሻ ቃለይ ነዚ ነጻ ምምሕዳርን - ምምሃርን ዕድል ዝሃበና ሓዉ መንግስቲ ሱዳን ብልቢ የመጉስ።

እቶም ናይዚ ዓመት እዚ 12 ክፍሊ ዝነበርኩም ኣብ ተቀሪኩሙሉ ዘሎኹም ናይ 12 ክፍሊ መዛዘሚ መርመራ ዓወት ይምንየልኩም ። ስምኩም ስም ቤት ትምህርትኹምን ሓፍ ንክተብሉ ድማ በርትዕኩም ክትሰርሑ የተባብዓኩም። ብምባል ቃሉ ዛዚሙ።

ብድሕሪ ናይ ናራ ባህሊ ብምቕራብ ፣ መድረኽ ነቶም 12 ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቶም ምስክር ወረቐት ምዕዳል ኮይኑ። ንዑ ንምዕዳል ከኣ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ሓው እስታዝ ዑመር መሓመድ ኸሊፋ ኣማሓዳሪ ዘይመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርት ኣብ ዞባ ከሰላ። ዳይረክተራት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣብ መድረኽ ብሓባር ደይቦም።

WedSherrifey 4

መጀመርያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ማለት ኣብ ስፖርቲ ባህሊ ናይ ሕርሻ ስራሕት ከም መራሕቲ ጉጅለታት ኮይኖ ብብቕዓት ከገልግሉ ዝወርሑ። ቀጺሎም ከኣ ነቶም 12 ክፍሊ ብምልኦም ምስክር ወረቐት ዓዲሎም። ቀጺሉ እስታዝ ዑመር መግለጺ ሂቡ። ንሱ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ዕውት ሰራሕ ዓመት መጸት ምሳኹም ኮይነ ንኸብዕል ሓጎስ ይስመዓኒ። ንሕና ሓንቲ ስድራ ኢና። እናተረዳዳእና ከኣ ንኾነ ሽግራት ክንፈትሖ ኢና። ከምቲ ትዝክርዎ ዓሚ ናይ ተማሃሮ 12 ክፍሊ መሳተፊ ዝነበረ ክፍሊት ካብ መጠን ንላዕሊ ከቢድ ስለዝነበረ ተጋይና ፍታሕ ረኪብናሉ። ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርትኩም ኣብ ዕልሚ (ሳይንስ) ጥራይ ዘተኮረ ነይሩ። ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግን ብጻዕሪ ናይ ኣባ ገብራይን ናትናን ነቶም ብኣደቢ (ኣርት) ክቕጽሉ ዝደልዩ ተማሃሮ ክንከፍተሎም ኢና። ንሓደ ህጻን ኣብ ምእላይ ዝለዓለ እጃም ዘለዎም ስድራኡ እዮም። ብጽቡቕ ተርብያ (ኣተዓባብያ) ክህልዎ ወለዲ ደቕኩም ክትካታተሉ ትጥለቡ። ከምኡ ውን ተማሃሮ ዘረባ ወለድኹምን ምኽሪ መማህራንኩምን ክትሰምዑ ኣለኩም። ብፍላይ ከኣ እዞም ሕጂ ክንምርቐኩም ዝጸናሕና ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ተካይድዎ ናይ ሱዳን ሰርቲፊከይ መርመራ ዕውታት ኮንኩም ክትርከቡን። ኣብ ዩኒቨርስታት ናይ ሱዳን ትምህርትኩም ከቕጽሉ ትምኒተይ ደረት የብሉን። ድሮኻ ካባኻትዱም ክልተ ተማሃሮ ኣብ ዓለምለኻዊ መርመራ ተሳቲፎም ዕድል ናይ ምንሓ ድራስያ ( እስኮላር ሽፕ) ረኺቦም ኣለው።እዚ ድማ ነዚ ኣብያተ ትምህርትኹምን ንዓና ንሱዳናውያን ዘኹርዕ ኢዩ። ሰለዚ ኣጀኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና። ብምባል መልእኽቱ ዛዚሙ።

ቀጺሉ ድሕሪ ገለ መደባት ናይ ጉጅለ ባህሊ መድረኽ ንኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ተዋሂቡ። ንሶም ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ምውቕ ሰላምታ ብምሃብ፣ኣብዚ ክቡር ኣድራሻ ዳስና ነዛ ዕለት ናይ ደቅና ዉጺኢት ስራሕ ናይ 2014-2015 ምዕጻው ናይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኣብየተ ትምህርቲ ከሰላ ነቲ ምሉእ ዓመት ዘመዝገብዎ ፍረ ንምእካብ ዕድል ዝሃበና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ።

እዛ ዕለት እዝኣ ኣብ ታሪኽ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ታሪኽ ኣሎዎ ፣ ንሳቶም ድማ ፣-ውሕዳት (ስምረት) ናይ ሰለስትኡ ኣብየት ትምህርቲ ተርኢ።ስምረት መማህራን ናይ ሰለስትኡ ኣብየት ትምህርቲ ተርኢ።ስምረት ወለዲ ብሓደ ተጠርኒፎም ብምምጻእ ድሌት ትምህርቲ ከም ዘሎዎም ተርኢ።

WedSherrifey 5

ኩልና ከምእንርድኦ እዚ ዘሎናዩ ዘመን ወዲ ሰብ ኣብ ዕምቈት ናይ ፍልጠት እናተባለሐተ ዝኸዶ ዘሎ እዋን ኢዩ። በዚ መነጻር እዚ ድማ ደቕና ነዚ ምህዞ እዚ ቀሲሞም ናይ ዝመጽእ ናብራኦም ክመርሑሉ ዝኽእሉ ዓቅሚ (ፍልጠት ) የድልዩም። ብምባል ዓቅምና ብዝፍቅድ ብዘይ ናይ ወገን፣ ሃገር፣ ቈርበት ኣፈላላይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ነዚ ገዚፍ ዕማም ካብ ኣዚለ ጀሚራ ክሳብ 12 ክፍሊ ምስ ምምጻእ ስደት ጀሚራ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊታ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ብዑቱብነት ተካየድ ኣላ። ከተካይድ እዉን እያ ።መርኣያ ናይዚ ውጺኢት ድማ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ተዘርጊሖም ጥጡሕ ናብራ የሕልፍ ኣሎዎ።

ኣብዚ ክዝክሩ ዝሎዎም ነዚ ኣድካምን ዓቅልን ዝሓትት ስራሕ ንደቅና ዘቕስሙ ዘሎዉ መማህራን ናይ ሰለስቲኡ ኣብየተ ትምህርቲ ዓቢ ዝናን መጎስን ካብ ልቢ ዝነቀለ ምስጋናይ ክቅርበሎም እፈቱ። ሓድናታዊ ስምረቶም ቀንዲ መግለጺ ናይ ስራሖም ኢዩ። ነዚ ዝገልጽ ህያው ምስክር ድማ ሎሚ ዕለት ኩሎም ተጠርንፎም ምስ ወለድን ተማሃሮን ምስ ክቡራት ኣጋይሾም ብዘድንቕ ኣገባብ ከብራ ዘላ ዕለት መርኣያ ናይ ስምረቶም ዘርኢ ምስክርነት ኢዩ።

ዝከበርኩም ወለዲ ከምኡ’ውን ተማሃሮ ፣ ኩልና ኣብ ትምህርቲ ሓባራዊ ጥቅሚ ኣሎና ። ወለዲ ብምልኡ ሓላፍነት ኣብ ደቆም ዓወደ ትምህርቲ ተሓተቲ ምዃኖም እንተዘንጊዖም ታሪኽ ይሓቶም ። ስለዚ ምክትታል እቲ ቀንዲ ንተማሃራይ ዓወት ዘጐናድፍ ኢዩ።

ዘሎናዮ እዋን ዘናውጽ ግዜ ኢዩ። ኩሉ ሰብ ንሳልሳይ ስደት ዝኸደን ፣ ክኸይድ ኣብ መንገዲ ዘሎን ፣ ንክኸይድ ሃንቈውታ ዘሎዎን ኰይኑ ፣ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት መቅልና እንጐዓዞ ግዜ ብምዃን ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ናይ ሓንጉል ዘይቅሳነትን፣ ዘይምርግጋእን ይፈጥር ስለዘሎ ኣብ ዘሎናዮ ቦታ ንኣምላኽ ሰላምን ቅሳነትን ጥዕናን ክልግሰልማ ንለምን። ኩሉ ቦታ ቦታ ኣምላኽ ከምዚኾነ ፈልጥና ዕለታዊ ናብራና ከይተሸበርና ክንመርሕ ይግበኣና።

ብዛዕባ ውጺኢት (ፍረ) ስራሖም ናይ ተማሃሮ ብዝምልከት ከምቲ ኣብ ቃል ናይ መምህራን ዝተነበ ወይ ዝሰማዕናዩ ዋላ እኳ ትሑት መሕለፊ ነጥቢ ይኹን እንበር ዝሓለፉ ተማሃሮ ክብ ዝበለ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ካብቲ ዘሐጉስ ከኣ ካብዞም ናይ ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ ክመሃሩ ዝሓገዩ ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ መፈተኒ መርመራታት ተሳቲፎም ጽቡቕ ነጥቢ ሰለዝረኸቡ ኣብ ክልተ ሃገራት እስኮላር ሽፕ ( መንሓ ድራስያ) ምርካቦም ኢዩ። ተማሃሪ ሄለን ተስፋማርያም መንግስቲ ሆላንድ ክትቕበላ ከላተማሃራይ ሄርሞን ወረደ ከኣ መንግስቲ ኣርማንያ ተቐቢላቶ ኣላ። ኣብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ዓለም ዕውታት ኮይኖም ክርከቡ ኣምላኽ ክሕግዞም እምነየሎም።

WedSherrifey 6

እዚ ስእሊ ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ናይ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሉ ዝደሊ እንተሃሊዩ፣-ክሉኹም መማህራን ፣ ተማሃሮ ፣ ወለዲ እንቋዕ ኣምላኽ ናይ 2014-2015 ፍጻመ ትምህርቲ ኣብጻሓንኩም ፣ ብዘርኣኽምዎ ዝነኣድ ስራሕኩም የመጉሰኩም።ኩሉኹም ወለዲ ዕላማ ትምህርቲ ተረዲእኩሞን ኣሕድሪኩም ኣብ ምእላይ ድቕኹም ኣተኪሮ ንኽህልወኩም ይላቦ።ንሓዉ ምንግስቲ ሱዳን ንምምሃር ነጻ ዕድል ዝሃቡና የመጉሶም። ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብምሉእ ሕልናኦምን ጐልበቶምን ዝሕግዙና ዝነበሩ ነፍስ.ሄር ኣባ ማሪኖ በዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕለት ኣምላኽ ኣብ መንግስተ ሰማይ ከንብሮም ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ይላቦ። ከም ቀደምና ከኣ እቲ ስሩዕ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ግዚኡ ክንጅምሮ ምዃና እሕብር። ይቀንየለይ ብምባል ካብ መድረኽ ወሪዶም።

መድረኽ ሕጂውን 20 ደቒቕ ዝኣክል ንኣባላት ጉጅለ ባህሊ ተማሃሮ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ኢዩ። ኣድናቆት ዘትረፈ ባህላዊ ምርኢት ድሕሪ ምቕራብ ከኣ ሰዓት 6.00 ናይ ምሸት ምሳኸለ ኣብ ምዕዳል ብልጫታት ናይቶም ካብ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ ንፍዓት 42 ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐት ብኢድ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምዕዳል ናይቲ በዓል መዛዘሚ ኮይኑ።

WedSherrifey 7

እዚ ገለ ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ተማሃሮ ንጥፈታት ዘርኢ ስእሊ ኢዩ። ሰላም ዎ ሰናይ ንኹልና!!!

ሽማግለ በዓላት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስትያን ከሰላ

EPDP Editorial

--- the message is Issaias is not only a brute dictator who continues to torture, kill, and violate Eritrean people’s fundamental human rights and freedoms, but also he is a kleptocratic leader who is involved in stealing millions of dollars from the treasury of the country, which is shrinking the country’s economy in real terms and deteriorating the life standard of Eritreans to the extreme. The portrayal of Issaias that he lives a normal life is simply the talk of his spin doctors who have a high stake in the continuation of the kleptocratic system in Eritrea.

About five weeks ago, the Swiss Leaks Project in collaboration with the International Consortium of Investigative Journalism (ICIJ) made public over 100,000 secret bank accounts of HSBC in its Swiss branches. The leaks include clients’ detailed information such as accounts held by an individual and by a group and the country of origin. In the leaks, Eritrea is ranked 53rd out of 200 countries with a total asset of US$699.6 million stashed in these offshore bank accounts. Of this amount, US$695.2 million is kept under one person’s (entity’s) account. Without going into detail, what is clear is that one of the common and defining characteristics of dictators is “looting people’s money” and stashing it in offshore secret bank accounts in countries such as Switzerland and other countries. Switzerland is the headquarter of a global infrastructure of international financial secrecy, which facilitates the flight of trillions of dollars in illicitly generated money out of Africa and the rest of the developing countries.

Volumes of account records show that there has never been a single dictator from Africa, Latin America, and Asia who had not had their public loots put in the Swiss banks over the last many decades. The list of dictators who stole money and wealth from their citizens and stashed it in the secretive bank accounts of HSBC is long. To name a few: Mobutu of Zaire; Sani Abacha of Nigeria; Lansana Conte of Guinea; Gnassingbe Eyadema of Togo; Arap Moi of Kenya; Omar Bango of Gabon; Obiang Nguema of Equatorial Guinea; Blaise Compaore of Burkina Faso; Denis Sassou Nguesso of Congo; Eduardo Dos Santos of Angola; Sadam Hussien of Iraq; Fredinand Marcos of Philippines; Bashar al-Assad of Syria; Baby Doc Duvalier of Haiti; Hosni Mubarak of Egypt; Yoweri Museveni of Uganda; Augusto Pinochet of Chile; Gaddafi of Libya; Ibrahim Babangida of Nigeria; Moussa Traore of Mali; Ali Abdullah Saleh of Yemen; etc. The outrage is that none of these dictators faced justice in their respective countries. For example, Ali Abdullah Saleh of Yemen during his reign of three decades, and until he was deposed through a popular revolt, he stole billions of dollars for his country. A recent UN report revealed the following:

Ali Abdullah Saleh, the former president of Yemen, allegedly siphoned billions of dollars into his own coffers while in power. An expert panel presented the UN Security Council with a report this week outlining the alleged corruption practices of former Yemeni President Ali Abdullah Saleh. The main finding of the report highlighted the fortune - estimated to be between $32 and $60 billion (28 billion-53 billion euros) - which the former strongman amassed during his 33 years in power. (http://www.dw.de/ex-yemen-president-saleh-amassed-up-to-60-billion-un-reports/a-18282279)

Now, despite the public’s portrayal of Issaias that he lives a normal life in Eritrea, beneath the surface, however, he is like the rest of dictators or worse who embezzles, launders, and steals public money. And the recent leaks add Issaias as one of the worst looters to the long list of dictators who suck monies from the public and hide them in offshore bank accounts, mostly under fictitious names. In fact, this latest news confirms what many Eritreans had already known for some time that Issaias and his front men/women were stealing vast wealth of Eritrean people and hiding it in the Swiss bank in a manner of a kleptocratic action.

But the looting needs to be put in the context of a lack of democracy and gross human rights violations in Eritrea:

One, what is important to point out here is that the squandering of Eritrean wealth and siphoning it out to offshore secretive bank accounts is happening in the background of the heavy foreign debt Eritrea is incurring every day and at a time when Eritrean people are being wallowed in deep poverty, misery, malnutrition, disease, and economic meltdown. Money that should have been invested in activities that could have ameliorated these problems is sitting in secret Swiss bank accounts. Yet and true to the nature of Issaias, his regime continues to prey on Eritrean people not only for the day but also for its future (by stealing and stashing money in secret offshore bank accounts) by denying its citizens the chance to escaping poverty and misery.

Two, this grand theft news also came out at a time not only when the dictatorial regime is intensifying its ‘atomize, impoverish, and rule’ policy but also at a time when the basic necessities of life in Eritrea are dependent upon regime’s infamous policy of “rationing economy.” Basic necessities of life are rationed on a strict quota system and chronic shortage of essential goods and services is the norm.

Three, the regime and his corrupt officials are hiding over US$600 million while there is a widespread poverty and large-scale of unemployment and underemployment (paid work is hard to find), which in turn is keeping the average Eritrean totally occupied with a constant anxiety of daily survival instead of focusing on the fight against the regime.

Four, with the galloping inflation and shrinking labor market and the lack of national income, household disposable income has been declining precipitously in real terms in Eritrea. With very low and stagnant salaries, and with lack of income opportunities rampant, most Eritrean families are kept on the edge totally consumed by the constant thoughts and anxieties of daily survival. The absence of “social safety nets” makes the conditions of Eritrean households in general and the destitute or the chronically poor in particular precarious. The reality is that the State of Eritrea is weak, decayed, and venal that lacks rule of law and one that is experiencing a decline in the basic functions of a normal state such as possessing authority and legitimacy, making laws, preserving order, and providing basic economic and social services to its citizens.

Five, looting public money is a threat and that is the State of Eritrea under the dictatorial regime of Issaias is becoming increasingly incapable of providing minimal functions such as defense, law and order, property rights, public health (potable water and sewage disposal), macroeconomic stability, and protection of the destitute, in addition to the failure of having intermediate public functions such as transport and communications, adequate schools, hospitals, roads, harbors, rail infrastructure, sanitation facilities, electricity, irrigation facilities, pollution control, pension, family allowances, and health, life, and unemployment insurance. Such a vicious cycle of declining legitimacy, fiscal mismanagement, and the ever growing erosion of legitimacy as a result of decline in public services and denial of fundamental rights and freedoms are contributing to the country’s economic incapability and political instability.

Six, the looting of millions of public money is a reflection how deep the State of Eritrea is privatized and appropriated by the political elite, how it lacks economic institutions and good governance, and how it encourages capriciousness and predatory behavior. Simply put, the disclosure of the looting shades some light on how far the regime of Issaias has gone to become a kleptocratic regime with no concern to the institutional foundation of the economy and the State of Eritrea. What we have in Eritrea is “a political institutional failure” and a wanton disregard for the rule of law and individual liberties.

The Eritrean predatory state is also patrimonial that controls all spheres in Eritrean society by establishing a personalized relationship between a patron (the regime) and clients of the regime, commanding unequal wealth, status, or influence, based on conditional loyalties that involve mutual benefits. Such form of administration also lacks the bureaucratic separation of the private and the official sphere because both political administration and political power are treated as purely the personal affairs of Issaias.

The looting of Eritrea’s wealth is also occurring because the country is suffering from lack of professional bureaucrats and civil servants (what we have is military generals and officers), as well as from the lack of both meritocracy and rule-governed behavior throughout the state apparatus, which is put in place by design to make corruption and embezzlement of the public wealth much easier. In truth, the state operates according to the whims of Issaias who functions in patrimonial tradition of an absolute ruler with a clustered presidential clique and untrained bureaucrats who control the state apparatus and siphon public money out to foreign accounts. Issaias uses state power to reward rent-seeking behavior and his regime gains from extensive unproductive activities characterized by sophisticated smuggling networks. These smuggling networks that operate under Issais and his band of corrupted cohorts are not limited to smuggling in and out of Eritrea’s wealth, but also smuggling out people (young and old, men and women) from Eritrea to neighboring countries by being the main actors in the international human trafficking networks. The money exhorted from the victims of this unholy and criminal activity fills the coffers of the Eritrean regime. The regime also collects a large of amount money from dubious mineral extraction activities (both royalties and concession fees) and in the absence of transparency, accountability and external audit all these monies get siphoned out to offshore bank accounts in Switzerland and other havens.

In all, the message is issaias is not only a brute dictator who continues to torture, kill, and violate Eritrean people’s fundamental human rights and freedoms, but also he is a kleptocratic leader who is involved in stealing millions of dollars from the treasury of the country, which is shrinking the country’s economy in real terms and deteriorating the life standard of Eritreans to the extreme. The portrayal of Issaias that he lives a normal life is simply the talk of his spin doctors who have a high stake in the continuation of the kleptocratic system in Eritrea. They do this by hiding everything from the public scrutiny.

The other message is that the disorganization of the Eritrean opposition and its civil society is becoming the sine qua non political survival for Issaias’ regime. If there is a lesson to learn from this grand theft is simply to ask ourselves: Are we doing enough to get rid of the regime before it becomes too late and the State of Eritrean decays irreversibly?  

ካብ ጋዜጣ ሽወደን ስቨንስካ ዳግ ብላደት ዕለት 17 መጋቢት ዝተተርጎመ።

GUNILLA VON HALL This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ትርጕም ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ     

እታ ሃገር ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋያ። እሱራት ዝቕጥቀጡላ: ዝሃድሙ ብዘይ ምሕረት ብተዂሲ ዝቕተሉላ: መንእሰያት በስገዳድ ዝሰርሑላ ተባሂላ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሙሽን መጽናዕቲ ጸብጻባት ትግለጽ ኣላ ኤርትራ። ኣብዚ ጸብጻብ ግን ጉዳይ ጋዘጠኛ ዳዊት ኢሳቕ የለን ይብል እዚ ሎሚ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ዝረክብ ኣቦ መንበር ናይዚ ኮሙሽን። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽናዕ ዝዕላምኡ ዝቖመ ሽማገለዩ። ኤርትራ እታ ኣብ ዓለም ዝኸፈአ ስብኣዊ መሰላት ዝገሃሰላ ሃገርያ። ካብ 2001 ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዘጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩላ ዘሎ ሃገር። ሽማገለ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ጀነቭ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ን 500 ዝኾኑ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝገበሮ መሕትት ውሽጣዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ነቲ ብዝተራቐቐ መንገዲ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘርኢዩ።

ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ እቲ በስገዳድ ዝግበር ወታሃደራዊ ኣገልግሎትን ፍጹም ስእነት ገለጻ ርእይቶን ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ዘይሕጋዊ ዝግበር ማእሰርትንዩ። ኩሎም ካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ዝርከቡ መንእሰያት ብኣስገዳድ ናብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ምእታዎም ምወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሂወይ ኣብኡ ይባኹኑ። ካብ 2 ዶላር ንታሕቲ ንመዓልቲ ተኸፊሎም ብዘይካቲ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ካልእ ስራሕ ይውዝዑ ይብል እዚ ነቲ ሽማገል ዝመርሕ ማርክ ስሚዝ ምስዚ ጋዜጣ ቃለ መሕትት ዝገበረ። ሓድሽ መልክዕ ዘለዎ ባርነትዩ። ትእዛዝ እተዘይኣኽቢሮም ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ተኣሲሮም ኣብ ገረብ ተንጠጢሎምዮም ዝቕጽዑ።

መሰል ርእይቶ ምግላጽ ባዶዩ። ሓንቲ ቅንጣብ ነቐፈታ ከተቕርብ ዕድል የለን። ሰለይቲ ኣብ ኩሉዮም ይብል ስሚዝ። እሱራት ፍጹም ገሃነብዩ ሂወቶም። ኣብ ገሊኡ እሱራት ዝሓዘ ኮንትይነር ኣብ ትሕቲ መሬት ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኣብ ርሱን ዋዒ ጸሓይ ድሕሪ ምቕጥቃጥ ብእሱራቶም ይጽጥሑ። ብግምት 10000 ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣለው። ኣብ ኤርትራ ዝበዝሑ ኤርትራውያን መጻኢ ተስፋ የብሎምን። በዚ ምኽንያት ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ 4000 ሰባት ካብታ ሃገር ይስደዱ ይብል ስሚዝ። እዚ ናይ መጽናዕት ሽማገል ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሽወደን ብምምጻእ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ቃለ መሕትት ክገብርዩ። ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ከጽንዑ ስለዘይተፍቕደሎም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብውን ሸመንተ ሃገራት ብምኻድዮም መጽናዕቶም ዘካይዱ ዘለው። ኣብ ዝመጽእ ሰነ መጀምርያ ሰፊሕ ጸብጻቦም ከቕርቡዮም።

Tuesday, 17 March 2015 01:55

UN Human Rights Decleration in tigrinia

Written by