ኤርትራን የመንን እሱራት ተለዋዊጠን

2025-07-30 19:17:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 112 times

የመናውያን ኣብ መስርሕ ምግፋፍ ዓሳ

ኤርትራ 53 ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ እንከላ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ብወገኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሑ 7 ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ “የመን ኦን ላይን (YEMEN ONLINE)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ነዚ ዝገለጸት፡ ኣብ የመን ኣውራጃ ሑደይዳ ዝርከቡ ሓለፍቲ ብምጥቃስ፡ ብ28 ሓምለ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና እዩ።

እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝተወስደ ምልቃቕ እሱራት፡ ብናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ መንጎኝነት ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት መሰረት ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢ ደሴት ሓኒሽ ብኤርትራውያን ሓለውቲ ዶብ ዝተታሕዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ኣብዚ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ዘሰሓሕብ ከባቢ፡ ምቁጽጻር የካይዱ ብዝነበሩ ናይ ሑቲ ወተሃደራት ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም የመናውያን ተፈቲሖም ኣብ ሃገሮም ወረዳ ካውካሽ በጺሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ማእሰርቶም ኣብ ኤርትራ መውቃዕትን ምውራስ ጀላቡን ካልእ መግፈፊ ናውትን ዘኸተለ ከቢድ ከም ዝነበረ ምግላጾም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ኩሉቲ ክእሰሩ እንከለዉ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረት ተወሪሱ ብዘይካ ዝለበስዎ ክዳን ጥራይ ኢዶም ምምላሶም ምሕባሮም’ውን ተገሊጹ። እዚ ክስተት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ናይ ባሕሪ ምስሕሓባት ከም ዘጋድዶ ከኣ ተጠቒሱ።

ብ17 ታሕሳስ 1995 ኣብ ደሴት ሓንሽ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንሰለስተ መዓልታት ናይ “ይግበኣኒ” ውግእ ተኻይዱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ጉዳይ ብ3 ጥቅምቲ 1996 ናብ ቀዋሚ ናይ ዕርቂ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።  እቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ቀዋሚ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ሰሚዑ ብ9 ጥቅምቲ ብ1998 ደሴት ሓኒሽ ግዝኣት የመን ንክኸውን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Wednesday, 30 July 2025 21:23