ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ላግጺ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ምናልባት ውሱን ግዜ እምበር ቀጻሊ ዕድመ ክህልዎ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ከተዕሽዎ ኣይከኣልን። ብመንጽር እዚ፡ ሎሚ ህዝብና ነቲ ኣብ ግዜ በዅሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ውሽጡን ዕምቆቱን ከይፈለጠ ከም ዘለዎ ዝኣምኖን ዝቕበሎን ዝነበረ “ለሚን ለሚነየ..” ብዘርእስቱ ሙዚቃዊ ድራማ ተመሲጡ ንምስሉይ ቃላት ናይ ሎሚ መራሕቲ ህግደፍ ሎሚ “ሽዑስ ሓቂ መሲሉና ተዓሺና ኣሻዲናዮም። ኩሉ መሰላትና ገፊፎም ምስ ዘይመባእስትና ከኣ ኣባኢሶሙና” ይብሎም ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ በቲ ሓደ ገጹ ናይ ጣዕሳ ምልክት እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብህግደፍ ከምዘይዕሾ ዘመልክት።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዘዝረገጾ ፖለቲካዊ መሬት ይሃምም ከም ዘሎ ስለ ዝተረደአ፡ ካብቲ ዝጽበዮ ጋህሲ ንምድሓን ዘርባዕባዕ ይብል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ኣብ 2 ጉንበት 2016 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ “ጋዜጣዊ መግለጺ” እታ ትማሊ ትማሊ ዝሕጭጨላ ዝነበረ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነቲ ንዓኡ ዘቃልዕ ጸብጻባ በቲ ዘውጸኣቶ መደብ መሰረት 8 ሰነ 2016 ከይትዝርግሖ ተማሕጺኑ። ምሕጽንታ ህዝቢ ዘይስቆሮ ህግደፍ ክምሕጸን እንከሎ ከኣ የገርም። እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ፍልፍል ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን እዮም ኢሉ ነቲ መስርሕ ከነኣእሶ ፈቲኑ። እዚ ዝብል ዘሎ ነታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክትዕዘብ እንዳኸለአ ምዃኑ ንኣበሃህላኡ ጉዳም ይገብሮ። ነቲ “ዝወዓለ ይንገር፡ ዝሰሓተንከ ይምከር” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ከኣ፡ እቶም ናይ ግህሰቱ ግዳይ ምስ ኮኑ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ መንእስያት ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ተመስከሩስ ያኢ ገሪምዎ። ንሱ ዝደሊ ዘሎ እታ ኮሚሽን ባዕሉ ጽሒፉ ዝሃባ “እዚ እዩ ጸብጻበይ” ኢላ ከተቃልሓሉን ከተጣቐዓሉን እዩ ዝመስል።

“መኒኻ ተበልዎስ መን እየ ይብል” እዚ ኣበሃህላ ሓደ ኣካል ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ክኣቱ እንከሎ ዝበሃሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እታ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ቅድሚ ናብቲ ዝምልከቶ ዘቖማ ኣካል ምቕራባ እቲ ጸብጻባ “ሃየ መርቐለይ” ኢላ ክትህቦ ከም ዝሃርፍ’ውን ኣንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ሕልና ንስርዒታዊ ኣሰራርሓ ዘይተገንዘበ፡ በቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ዘዘውትሮ ናይ “ገባርን ሓዳግን” መንፈስ ዝተጸልወ ሃርገፍገፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ንኣሰራርሓ እታ መርማሪት ኣካል መሰረታዊ፡ ፍትሓውነት፡ ርትዓውነት፡ ሞያዊ ክእለትን ውህደትን ዝጐደሎ እዩ ክብሎ ይደናደን። ዘገርም እዩ እዚ ጉጅለ ነቲ ገደብ ዘየብሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኢደወነናውን ትምክሕታውን ኣሰራርሕኡ ኣቐሚጡስ ክወራዘ። ምስዚ ኣተሓሒዝካ ክረአ ዝግበኦ መስደመም ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ እታ መርማሪት ኮሚሽን ንርኢቶ ናይቶም መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ስለያ መርበቡ ተጸፍዮም “መርማሪት ኮሚሽን ርትዓዊት ኣይኮነትን፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ውሱናት ሓለፍቱን ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል … ወዘተ” ክብሉ ዝውዕሉ ዘይተቐበለት ኢሉ ይኸሳ። ኮታ ኩሉዚ ናይ ህግደፍ ዘርባዕባዕን ዓዘፍዘፍን ተደሚሩ “ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረተይ ክሸጦን ክልውጦን ግደፉፍኒ” ኣብ ዝብል ዙርያ ዝጠቓለል እዩ። እቲ ዘይዛመድ ኣዛሚዱ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ዘይምርካቡ ከተሓሕዞ ምፍታኑ ከኣ ካልእ ናይ ዘርባዕብዑ ምልክቱ እዩ።

ካልእ ዘስደምም ጉድይ ይቀላቐል ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ እቶም ንናይ ስልጣን ቀጻልነቱ ደገፍ ከድልዮ እንከሎ “ተሰሊፍኩም ነዚ ደግፉ”፡ ምቅዋም ከድልዮ እንከሎ ድማ “ተሰሊፍኩም ነዚ ተቓወሙ” ክብሎም ዝጸንሐ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጽሮም እንዳነከየ ሚዛኖም ድማ እንዳፈኾሰ፡ ስለ ዝኸደ፡ እነሆ ኣብ ካልእ ሃንደፍደፍ ምእታው ጀሚሩ። ዘገርም እዩ። ናይቲ ጉጅለ ናይ ማሕበረኮም ሓለፍቲ፡ ኤርትራዊ ገጽ ምስ ከለኦም፡ መንግስቶም ንዝቃወሙ፡ እሞ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ኣኪቦም፡ “ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ንውሳነ ማዕቀብን ዝቃወም ድምጺ ፈሪሙልና” ይብሉ ኣለዉ ። እዚ ተግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ሕጂ’ውን ምምርማር ኣየድልዮን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ይቖርጽ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ግዳም ኣካላት ኢድ ኣእታውነት ይዕድሙ ከም ዘለዉ’ውን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሕና እቶም ኣንጻሩ ተሰሊፍና ዘለና፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዓወንወን ወጺኡ ዳግማይ ትንፋስ ከይሰኩዕ ቃልስና ከነሕይል ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ላግጺ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ምናልባት ውሱን ግዜ እምበር ቀጻሊ ዕድመ ክህልዎ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ከተዕሽዎ ኣይከኣልን። ብመንጽር እዚ፡ ሎሚ ህዝብና ነቲ ኣብ ግዜ በዅሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ውሽጡን ዕምቆቱን ከይፈለጠ ከም ዘለዎ ዝኣምኖን ዝቕበሎን ዝነበረ “ለሚንለሚነየ..” ብዘርእስቱ ሙዚቃዊ ድራማ ተመሲጡ ንምስሉይ ቃላት ናይ ሎሚ መራሕቲ ህግደፍ ሎሚ “ሽዑስ ሓቂ መሲሉና ተዓሺና ኣሻዲናዮም። ኩሉ መሰላትና ገፊፎም ምስ ዘይመባእስትና ከኣ ኣባኢሶሙና” ይብሎም ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ በቲ ሓደ ገጹ ናይ ጣዕሳ ምልክት እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብህግደፍ ከምዘይዕሾ ዘመልክት።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዘዝረገጾ ፖለቲካዊ መሬት ይሃምም ከም ዘሎ ስለ ዝተረደአ፡ ካብቲ ዝጽበዮ ጋህሲ  ንምድሓን ዘርባዕባዕ ይብል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ኣብ 2 ጉንበት 2016 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ “ጋዜጣዊ መግለጺ” እታ ትማሊ ትማሊ ዝሕጭጨላ ዝነበረ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነቲ ንዓኡ ዘቃልዕ ጸብጻባ በቲ ዘውጸኣቶ መደብ መሰረት 8 ሰነ 2016 ከይትዝርግሖ ተማሕጺኑ። ምሕጽንታ ህዝቢ ዘይስቆሮ ህግደፍ ክምሕጸን እንከሎ ከኣ የገርም። እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ፍልፍል ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን እዮም ኢሉ ነቲ መስርሕ ከነኣእሶ ፈቲኑ። እዚ ዝብል ዘሎ ነታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክትዕዘብ እንዳኸለአ ምዃኑ ንኣበሃህላኡ ጉዳም ይገብሮ። ነቲ “ዝወዓለ ይንገር፡ ዝሰሓተንከ ይምከር” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ከኣ፡ እቶም ናይ ግህሰቱ ግዳይ ምስ ኮኑ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ መንእስያት ኤርትራ፡  ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ተመስከሩስ ያኢ ገሪምዎ። ንሱ ዝደሊ ዘሎ እታ ኮሚሽን ባዕሉ ጽሒፉ ዝሃባ “እዚ እዩ ጸብጻበይ” ኢላ ከተቃልሓሉን ከተጣቐዓሉን እዩ ዝመስል።

“መኒኻ ተበልዎስ መን እየ ይብል” እዚ ኣበሃህላ ሓደ ኣካል ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ክኣቱ እንከሎ ዝበሃሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እታ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ቅድሚ ናብቲ ዝምልከቶ ዘቖማ ኣካል ምቕራባ እቲ ጸብጻባ “ሃየ መርቐለይ” ኢላ ክትህቦ ከም ዝሃርፍ’ውን ኣንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ሕልና ንስርዒታዊ ኣሰራርሓ ዘይተገንዘበ፡ በቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ዘዘውትሮ ናይ “ገባርን ሓዳግን” መንፈስ ዝተጸልወ ሃርገፍገፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ንኣሰራርሓ እታ መርማሪት ኣካል መሰረታዊ፡ ፍትሓውነት፡ ርትዓውነት፡ ሞያዊ ክእለትን ውህደትን ዝጐደሎ እዩ ክብሎ ይደናደን። ዘገርም እዩ እዚ ጉጅለ ነቲ ገደብ ዘየብሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኢደወነናውን ትምክሕታውን ኣሰራርሕኡ ኣቐሚጡስ ክወራዘ። ምስዚ ኣተሓሒዝካ ክረአ ዝግበኦ መስደመም ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ እታ መርማሪት ኮሚሽን ንርኢቶ ናይቶም መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ስለያ መርበቡ ተጸፍዮም “መርማሪት ኮሚሽን ርትዓዊት ኣይኮነትን፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ውሱናት ሓለፍቱን ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል … ወዘተ” ክብሉ ዝውዕሉ ዘይተቐበለት ኢሉ ይኸሳ። ኮታ ኩሉዚ ናይ ህግደፍ ዘርባዕባዕን ዓዘፍዘፍን ተደሚሩ “ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረተይ ክሸጦን ክልውጦን ግደፉፍኒ” ኣብ ዝብል ዙርያ ዝጠቓለል እዩ። እቲ ዘይዛመድ ኣዛሚዱ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ዘይምርካቡ ከተሓሕዞ ምፍታኑ ከኣ ካልእ ናይ ዘርባዕብዑ ምልክቱ እዩ።

ካልእ ዘስደምም ጉድይ ይቀላቐል ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ እቶም ንናይ ስልጣን ቀጻልነቱ ደገፍ ከድልዮ እንከሎ “ተሰሊፍኩም ነዚ ደግፉ”፡ ምቅዋም ከድልዮ እንከሎ ድማ “ተሰሊፍኩም ነዚ ተቓወሙ” ክብሎም ዝጸንሐ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጽሮም እንዳነከየ  ሚዛኖም ድማ  እንዳፈኾሰ፡ ስለ ዝኸደ፡ እነሆ ኣብ ካልእ ሃንደፍደፍ ምእታው ጀሚሩ። ዘገርም እዩ። ናይቲ ጉጅለ ናይ ማሕበረኮም ሓለፍቲ፡ ኤርትራዊ ገጽ ምስ ከለኦም፡ መንግስቶም ንዝቃወሙ፡ እሞ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ኣኪቦም፡ “ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ንውሳነ ማዕቀብን ዝቃወም ድምጺ ፈሪሙልና” ይብሉ ኣለዉ ። እዚ ተግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ሕጂ’ውን  ምምርማር ኣየድልዮን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ይቖርጽ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ግዳም ኣካላት ኢድ ኣእታውነት ይዕድሙ ከም ዘለዉ’ውን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሕና እቶም ኣንጻሩ ተሰሊፍና ዘለና፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዓወንወን ወጺኡ ዳግማይ ትንፋስ ከይሰኩዕ ቃልስና ከነሕይል ይግበኣና።

ብኣጋጣሚ ጾም ረመዳን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዅሎም ኣስላም ብሓፈሻ፡ ነስላም ኤርትራ ድማ ብፍላይ ረመዳን ከሪም እናበለ፡ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቱ የመሓላልፍ። ስኒት፡ሰላም ፍትሒ ዝነገሳ ዓመት ክትኰነልና ዘለዎ ትምኒት ድማ ይገልጽ። እግዚኣብብሄር ከኣ ንሃገርና ይባርካ።

ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ4 ጉንበት 2016 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ መደብን በቲ መደብ መሰረት ክሳብ ሕጂ ናይ ዘካየዶ ስረሓት ዝሕብር ጸብጻብ ንኣባላት ምቕራብን እዩ ነይሩ። ኣባል ፍጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ናይዚ ቤት ጽሕፈትን ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ መበገሲ ዝኸውን ዝርዝራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ኣብዚ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋም ሰልፊ ነዚ ቤት ጽሕፈት ዘሰክሞ ሓላፍነት መሰረት ገይሩ፡ ንኣቀዋውማ ምምሕዳርዚ ቤ/ጽ፡ ክስረሓሎም ዝተሓንጸጹ መምርሕታት፡ ስሩዕን ፍሉያትን ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ከመይ ከም ዝመስልን ኣታውን ወጻእን ዘርኢ ዝርዝርን ዝምልከት ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ መብርሂኡ ኣባላት ሰልፊ ስረሓት ሰኣን ገንዘብ ከይቋረጽ በብግዜኡ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ምስ ገለጸ ሰደህኤ ንመጻኢ እውን ብኣበርክቶ ኣባላቱ ስለ ዝሕበንን ዝተኣማመንን እዚ ኣበርክቶ ብዝሓየለ ክቕጽልዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምክትል ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ብወገኑ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላት ብፍላይ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ዝነጥፉ ዘቕርብዎ ጸብጻባት ንጹርን ጽፉፍን ክኸውን ኣዘኻኺሩ፡ ዝስረሓሎም ዘለዉ ንገንዘባዊ መምርሕታት ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።

ተሳተፍቲ ድሕሪ እዚ መብርሂ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣቕሪቦም በዞም ሓለፍቲ’ቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ዝርዝር መልስታት ተዋሂብዎም። ተሳተፍቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሃናጺ ሓሳባት፡ ኣብ ገንዘባዊ ዓቕሚ ክንዓቢ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክንንሕይል ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ’ዚ በርቲዕካ ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ወርሓዊ ውጽኢት ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ከይተደረትካ ንኣገዳስነት ወፍሪ ቆላሕታ ምሃብ ከም ዘድሊ’ውን ኣንጸባሪቖም። እቲ ቤት ጽሕፈት እውን ነዚ ዝቐረበ ሓሳባት መጻኢ መደባት ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከም ዘእትዎ ቃል ኣትዩ።

ከም ኣካል ዓመታዊ መደብ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ሰደህኤ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ከካይዳ ከም ዝጸንሓ ዝዝከር እዩ።

ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ4 ጉንበት 2016 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ መደብን በቲ መደብ መሰረት ክሳብ ሕጂ ናይዘካየዶ ስረሓት ዝሕብር ጸብጻብ ንኣባላት ምቕራብን እዩ ነይሩ። ኣባል ፍጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ናይዚ ቤት ጽሕፈትን ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ መበገሲ ዝኸውን ዝርዝራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ኣብዚ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋም ሰልፊ ነዚ ቤት ጽሕፈት ዘሰክሞ ሓላፍነት መሰረት ገይሩ፡ ንኣቀዋውማ ምምሕዳርዚ ቤ/ጽ፡ ክስረሓሎም ዝተሓንጸጹ መምርሕታት፡ ስሩዕን ፍሉያትን ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ከመይ ከም ዝመስልን ኣታውን ወጻእን ዘርኢ ዝርዝርን ዝምልከት ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ መብርሂኡ ኣባላት ሰልፊ ስረሓት ሰኣን ገንዘብ ከይቋረጽ በብግዜኡ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ምስ ገለጸ ሰደህኤ ንመጻኢ እውን ብኣበርክቶ ኣባላቱ ስለ ዝሕበንን ዝተኣማመንን እዚ ኣበርክቶ ብዝሓየለ ክቕጽልዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምክትል ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ብወገኑ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላት ብፍላይ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ዝነጥፉ ዘቕርብዎ ጸብጻባት ንጹርን ጽፉፍን ክኸውን ኣዘኻኺሩ፡ ዝስረሓሎም ዘለዉ ንገንዘባዊ መምርሕታት ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።

ተሳተፍቲ ድሕሪ እዚ መብርሂ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣቕሪቦም በዞም ሓለፍቲ’ቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ዝርዝር መልስታት ተዋሂብዎም። ተሳተፍቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሃናጺ ሓሳባት፡ ኣብ ገንዘባዊ ዓቕሚ ክንዓቢ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክንንሕይል ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ’ዚ በርቲዕካ ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ወርሓዊ ውጽኢት ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ከይተደረትካ ንኣገዳስነት ወፍሪ ቆላሕታ ምሃብ ከም ዘድሊ’ውን ኣንጸባሪቖም። እቲ ቤት ጽሕፈት እውን ነዚ ዝቐረበ ሓሳባት መጻኢ መደባት ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከም ዘእትዎ ቃል ኣትዩ።

ከም ኣካል ዓመታዊ መደብ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ሰደህኤ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ከካይዳ ከም ዝጸንሓ ዝዝከር እዩ።

مضى علي ارتريا ربع قرن من الزمان وهي تتمتع بمكانتها وشخصيتها المستقلة بين دول العالم ذات السيادة. وتوج الشعب الارتري نضاله التحرري المسلح بنيل حق بلاده السيادي القانوني عبر الاستفتاء الذي أجمع من خلاله علي خيار الاستقلال. لكن ولما كانت رسالة التحرير غير مقتصرة علي تحرير الأرض فقط، ها هو الشعب اليوم يناضل مجدداً لاستكمال لوازم الاستقلال واسترداد كافة الحقوق الديمقراطية، والنضال اليوم تبدلت قواه، فإن كان في السابق بين الشعب والاحتلال الأجنبي، فهو اليوم بين الدكتاتور عدو الوطن والديمقراطية من جهة وبين قوى الديمقراطية والتغيير الإيجابي من الجهة الأخرى.

ما استغرقه التحرير وما بعد التحرير من زمن متقارب المدة، حيث كان المفترض أن يتحقق من الإنجازات ما تحقق بالأمس، وطالما لم يتحقق ما يتلاءم وطول المدة يجب أن نبحث في أسباب ضعفنا وتقصيرنا.

هناك اليوم ظاهرة اختطاف واحتكار نضالات الشعب التحررية التي أنفق فيها أكثر من 100 ألف شهيد وخسائر مادية لا حصر لها، والنظام القمعي في اسمرا خير من يمثل هذا الاتجاه. إن نجاحنا في نضالنا الحقوقي الديمقراطي يتوقف علي مدى استيعابنا هوية هذه الاتجاهات الإقصائية واستئصالها. لكن النظام لن يقف مكتوف الأيدي أمام تصاعد النضال الشعبي ضده بل سعى ولا يزال يسعى لتفتيت وحدة الشعب حتى لا يتماسك في مواجهته. لكن كما هو حريص علي بقائه قيد السلطة لنكن نحن أيضاً حريصين علي انتزاع حقوقنا وحرياتنا الانسانية من فكه المفترس.

ذكرنا مراراً وتكراراً أن وحدة قوى الديمقراطية والتغيير أكثر من ضرورية، ونحن لا نجدد نداءنا هذا فحسب، بل نناشد الجميع الاهتمام والالتفات، فهيا للعمل والنشاط.

كما قلنا دوماً يحاول الهقدف صرف أنظار الشعب عن مطالبه الوطنية والديمقراطية الي معارك وخلافات لا تخدم قضاياه الآنية علي الأقل. إننا لا ندعو الي هجر التاريخ وإهمال بطولات وتضحيات الماضي، لكن هذا يجب أن لا يصرف أنظارنا عن قضايا وتحديات الحاضر والمستقبل.

إن احتفالنا الحقيقي باليوبيل الفضي لاستقلالنا يفرض علينا أن نتناسى خلافات الماضي ونتمسك بالوحدة والنظر للأمام، وهذا هو ما أوصانا به الشهداء أيضاً.

بهذه المناسبة فإن حزب الشعب الديمقراطي الارتري معرباً عن تقديره الفائق للمناسبة التاريخية العظمى لبلادنا سوف يضع مع من يهمهم أمر التغيير خطة للملمة قوى التغيير ووضع الأجندة الوطنية في المقدمة والعمل من ثم بروح جديدة وجادة.

الاستقلال ثمرة نضال الشعب الارتري أجمع

المجد والخلود لشهدائنا الأبرار        

في سمينار جنيف المخصص لمناقشة الأوضاع في ارتريا بمناسبة اليوبيل الفضي لاستقلالها والذي انعقد مدة يومين أدان أعضاء البرلمان السويسري انتهاكات نظام أسمرا لحقوق الانسان. كما اعترضوا بشدة علي استمرار الأحزاب والحكومات التقدمية في أوربا في دعم أنظمة دكتاتورية مثل السائدة في ارتريا، زمبابوي وغيرهما.

في السمينار المعقود في التاسع عشر من مايو 2016م أعرب السيد/ أمانويل تورناري عمدة جنيف السابق وعضو لجنة الشؤون الخارجية بالبرلمان السويسري، أعرب عن أسفه البالغ لما يسود ارتريا اليوم من تأزُّم سياسي واقتصادي واجتماعي عميق يعاني منه أكثر من ثلاثين بالمائة من السكان، واستدرك أن عزاءه في ذلك هو صدور ذلك التقرير الضخم عن تشخيص حالة حقوق الإنسان في ارتريا والمعد بواسطة لجنة تقصي حالة حقوق الإنسان هناك، وأنهم علي أمل كبير أن يتم الآن تحديد الجهات المسئولة مباشرةً أو غير مباشرة عن تلك الانتهاكات. وأضاف أن هذا المكان شهد حالة مماثلة ومن نفس منطقة القرن الافريقي عندما تقدم الامبراطور/ هيلي سلاسي الي الأمم المتحدة قبل ثمانين عاماً بشكواه ضد انتهاكات الفاشية الايطالية ضد بلاده.

ممثلو الحزب الاشتراكي الديمقراطي بالبرلمان السويسري طالبوا الأحزاب السياسية السويسرية الكبرى باتخاذ خطوات جادة وعاجلة بهذا الصدد. علي أن يتضمن ذلك ممارسة الضغوط الكافية علي نظام أسمرا مع تقديم الالتفات المستحق لأوضاع اللاجئين الارتريين في كلٍّ من اثيوبيا والسودان.

السمينار المعقود بمركز جنيف الاقتصادي والذي أعد أوراقه خبراء مهتمون عقد تحت عنوان (ارتريا في يوبيل استقلالها الفضي، أحدث دولة افريقية تتصدَّر قائمة الدول الأكثر تخلفاً تنموياً).

بعد اليوم الافتتاحي للسمينار تناولت الأوراق المقدمة أهم إنجازات وانكفاءات ارتريا خلال مدة ربع القرن المنصرمة من عمر البلاد. هذا وقد اشتملت الأوراق التي أعدها ناشطون ومثقفون ارتريون وغير ارتريين علي 9 دراسات علمية. منسق السمينار الدكتور/ دانئيل مكونن أخبر الحضور أن جميع الدراسات التي قدمت في هذا السمينار بالحضور الشخصي لمعديها أو عن طريق المراسلة سوف تضمها دفتا كتاب يتم الفراغ من إعداده وتحريره خلال هذا العام أو العام القادم.

June 3, 2016 (ADDIS ABEBA) - The UN refugee agency on Thursday urged Sudan, to stop forcibly deporting hundreds of Eritrean back to their country saying it is unlawful and contrary to international laws on refugees.
 
JPEG - 21.8 kb
Eritrean migrants wait aboard a navy ship in the Sicilian harbour of Augusta, March 4, 2015 (Photo Reuters/Antonio Parrinello)

In a short statement it issued and extended to Sudan Tribune, UNHCR said the Eritrean refugees could be subjected to prosecution and risk detention and abuse at the hands of the “brutal” regime in Asmera.

The UN refugee agency’s concerns over “collective expulsions” of Eritreans comes one day after Human Rights Watch revealed that Sudanese authorities has deported at least 442 Eritreans, including six registered refugees, to Eritrea in May 2016.

According to UNHCR, on May 6 the Sudanese authorities arrested 377 people in the Sudanese border town of Dongola as they tried to cross to Libya.

Among them were the 313 Eritreans, including six who had already registered as refugees in Sudan, and 64 Ethiopians, none of whom were registered refugees.

All were tried and convicted of “illegal entry” into Sudan. Sudan deported the Eritreans, including 14 children, on May 22, and continues to detain the Ethiopians.

UNHCR also confirmed that a few days earlier, the Sudanese authorities deported 129 Eritreans to their country.

Many of those Eritreans deported were those arrested as they tried to enter Libya from Sudan.

“They were tried and convicted of illegal entry into Sudan ... and were forcibly returned to Eritrea on 22 May” The refugee UN agency said.

The latest expulsion included six Eritreans who were registered refugees. Others had not applied for asylum but it remains unclear if they had been given the opportunity to do so. Individuals have the right to apply for asylum at any time and to be offered access to a fair and efficient asylum procedure.

UNHCR said the forcible return of refugees, asylum-seekers, or others who may be in need of international protection to their country of origin may amount to refoulement as prohibited by Sudanese domestic law, as well as the 1951 Refugee Convention, the 1969 OAU Convention, international human rights law, and customary international law.

UNHCR called on the Sudanese government to respect its obligations under international and Sudanese law further urged the Sudanese government to refrain from forcible return of Eritreans back to their country of origin.

Sudan is being a key transit route for African migrants hoping to cross the Mediterranean from Libya to finally reach Europe.

The latest deportations came as EU reportedly reached a deal with Khartoum to stem migrant flow towards Europe.

European Union is trying to work to manage the flow of migrants to flow with at least 8 African countries.

According to reports Sudan will tighten its border control and intercept refugees who use its soil as a transit to illegally cross to Europe.

Sudan will in return be provided with a total of £40 million along with seven other African countries within three years.

Following the secret deal, Sudan has reportedly rounded up some 900 Eritreans Khartoum last week.

Eritreans are fleeing to one of world’s most repressive regime.

Hundreds of Eritreans risk their life to sneak out the heavily guarder Eritrean borders where there exists a shoot to kill policy against any citizen trying to cross the border.

Families of an Asylum seeker who manage to make it to a neighbouring country will be fined or could be imprisoned.

(ST)

Source=http://www.sudantribune.com/spip.php?page=imprimable&id_article=59178

Saturday, 04 June 2016 08:58

ንዝኽሪ ወዲ የማነ፡

Written by

`ታ ናትካ ባህሪ

ብህድኣትን ዓቕሊን፡ ከይነጸፈት ትዛሪ፣

ልቦናኻ- ብሓልዮት ብዓንተቦ ከሲባ ዓንቢባ

ትዕግሲ ሰኒቓ፡  ኣብ ፍቕሪ ዓንቢባ።

ብዕድመ፡ ዓመታት ክቖጽር ህይወትካ፡

ሽምግልና ኣርኪቡ ለውጢ ክገብር ሰውነትካ፡

`ታ ኣብ ውሽጢ- ውሽጢ ጥልቀት ዝሰረተት

ለዋህ  ባህርያትካ`ሲ፡ ከም ቀደማ  ምስ ሸወተት።

ናብ`ዛ ባህሪ እዚኣ፡ ዝተሳሕበት ቃታ

ክትቀትል ተሃንዲዳ ዘድበየት ቃጻ፣

ምርዳእ ኣብዩኒ ወዲ የማነ!

ግን`ከ ምኽኒያት መዕስ ይህልዎ ንብእኪት ዝኻሓነ!!

እወ፡ ሕጂስ ስዒብካዮም ነቶም ዝሓለፉ

ዘይሽዑስ ንእስክላ`ዩ ተሓሊፉ፣

ሲዒብካ ግን ከም ጽላሎት -ንነዊሕ ዘንብዩ

ንቕንዕናኻ ብሞት ክኾልፍ ኣብ ጸላም ኣድብዩ።

እንታ ሓኪም ብሞያ ሓኪም ብባህሪ፡

ንዝተወግኡ ንዝሓመሙ ክትኣሊ ዝፈጸምካዮ ጻዕሪ፣

ነይረን! ኣለዋ! እተን ዘድሓንካየን ህይወታት

ቀለምን ፊደልን`የን ንናይ ታሪኽካ ቅርሲታት።

ጸንዓትን ድበሰን ንሙሉእ ንስድራ ቤትን ብጾትን።

ጸጋይ ነጋሽ

June 3, 2016

June 3, 2016

ጸዋዒት ንህዝባዊ ኣኼባ

ጨንፈር ደቡብ ጀርመን/ሽቱትጋርትን ከባቢኡን/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣

ብኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዝምእከል ናይ ህዝቢ ኣኼባ ንዕለት 11.06.2016 ኣብ ከተማ ሽቱትጋት ኣዳልዩ

ምህላዉ  እንዳሓበረ፡ ኩለን ግዱሳትን ክዱስን ዜጋታት ክሳተፎዎ  ብኽብሪ ንጽውዕ።

ኣኼባ ንህልዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ዝጠመተን ናይ ስርዓት ለውጢ ዝሓቶ

ብድሆታትን ዝሓዘ ክከውን እዩ።

ቦታ ኣኼባ፡

Heidelbeerstr.5

70329 Stuttgart - Obertürheim

ኣኼባ ዝጅመረሉ ሰዓት፡ ልክዕ ሰዓት 14፡30 (ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ)

መጉዓዝያ፡  ብS BAHN ቁጽሪ 1 ኣብ Obertürkheim ትወርዱ ጥቃ Rathaus  

ንዝያዳ ሐበሬታ መወከሲ ቁጽሪ ስልኪ  015753035828

ሽማግለ ጨንፈር

03.062016